ግልጺ ራእይ ንኹሉ ተቓዋሚ !!!!

ከም መእተዊ ናብ 1941 ዓ.ም — ክሳብ 1952 ዓ.ም ዘሎ ታሪኽ ንመልከት።

እዚ እዋን እዚ ሓይሊ ሂትለር፤ መሶሊኒ፤ ጃፓን ሃጸይነት ተሳዒሮም ዓለም ካልእ ምምሕዳራዊ መርሆ ዝሓዘትሉ ጊዜ እዩ። ከም ውጽኢት ናይ,ዚ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጣልያን ዝነበራ ( 3 ) ሃገራት ካብእን ሓንቲ ኤርትራ እያ ወይ ነጻነተን ክረኽባ ወይ ብመጒዚነት ናይ ካልኦት ሃገራት ክመሓደራ ዝብል ብሕቡራት መንግስታት ዝወጸ ተዛማዲ ዝኾነ ዓንቅጽ ኣንጸላለወን።

ንምሕጻሩ ዝኣክል  እተን ክልተ ናይ ነጻነት ሽግ ክውልዓ ከለዋ ማለት ሊብያን ሶማልን  ኤርትራ ግን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣትያ ተረፈት።

ኣብዚ ኤርትራ መትረፊኣ እንታይ እዩ?

ሀ. ኢትዮጵያ ባሕሪ ስኢና ስለ ዝኽሰሰትን ከምኡ እውን ሃጸይ ሃይለስላሴ ሓይሊ ስለ ዝነብሮም ትግብኣኒ እያ ኢሎም ስለ ዝሞገቱ?

ለ. ኣብ ሕቡራት መንግስታት በቶም ሓያላን ሃገራት ጸቕጢ ስለ ዝተገበረ?  

ሐ. ኤርትራ ብኹሉ ሸነኻታ ነብሳ ስለ ዘይትኽእል?

መ. ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ውሑስ ስለ ዘይነበረ ኣብ ነንሕድሕዱ ምትእምማነን ቦኪሩ ምንባሩ ድዩ?

ዝብሉ ሕቶታት ወሲደ ……………

ብወገነይ ዝህቦ መልሲ ዋላ,ኳ ኩሎም ተባሂሎም ዘለዉ ካብ ከሳብ ነናቶም ጽልዋን ግደን ይንበሮም እቲ ወሳኒ ተራ ዝተጻወተ ግን ኣብ ፊደል ዘሎ ጠንቂ እዩ።

ማለት ህዝቢ ሓደነቱን ምትእምማኑን ብሰንኪ ዝተፋላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ስጡም ኣይጸንሔን።

ሎሚ,ኸ ህዝቢ ኤርትራ ስለምንታይ ብኣጻብዕቲ ዝቚጸሩ ደቂ ሃገር ዓንደርቲን ብጀካ ውልቃዊ ጥቕሞም ካልእ ዘይሕውሱ መጸይቲ ደም ጉጅለ ሓዚሉ ይነብር?

ነዚ ብደም ህዝቢ ዝቋመር ዘሎ መላኺ ስርዓት እንዳተሳቐየን ሃገር እንዳበረሰትን ስለምንታይ መፍትሒ ዘይተረኸበ?

ኤርትራ ስለምንታይ ካብ ቤት/ትምህርቲ ናብ ቤት/ማእሰርቲ ተቐይራ?

ህዝቢ ኤርትራ ስለምንታይ ካብ ነብሱ-ዝኸኣለ ሓሪሱን ኣፍርዩን ምንባር ናብ ምምጽዋት ተሰሪዑ?

ሕጂዉን ናይ,ዚ መልሲ ብሰንኪ ኣብ ተቓወምቲ ውሑስ ሓድነት ዘይምዕቋብ እዩ።

ሓድነት ክበሃል ከሎ ካብ ዝተሓተ ነጥበ-ስምምዕ ክሳብ ዝለዓለ ፍጹም ምትሕንፋጽ ዝኽይድ ኣብ ሃገራዊ መቖሚታት ተቐይድካ ዘይምስራሕ ዘሎ ናይ መስርሕ መስኖ

ዘይምርግጋጽ ዝፈጠሮ እዩ።

ስለ,ዚ ነዚ ንምፍታሕ እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ካብ ተቓወምቲ እንታይ ይጥለብ? ብወገነይ ዝርእዮ

1/ ክዝትዩ ዘለዎም ኣካላት ኣየኖት እዮም ?

2/ ዘተ ክበሃል ከሎ ከም ሜላ ንጸቢብ መድረኽ መሰጋገሪ ወይስ ዘተ ከም እስራተጂ (Strategy) ንጠቕሚ ህዝብን ሃገርን ሕምረት ዝገበረ እዩ?

3/ ካብ ዝሓለፉ ተመኲሮ ዘተታት እንታይ ተማሂርና? ብሕጂ,ኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና?

4/ ውጽኢት ናይ ዘተ ፍርያት ምስ ዝህሉ መን,ዩ ክከላኽለሉ ዘለዎ?

ዝብሉ ከም ምሳሌ ወሲደ ሰውራ ኤርትራ ልዕሊ 30 ዓመታት ዝወሰደ ዘተታት ኣካይዱ ኣበይ, ከ በጺሑ? 

መልሲ ጌና ኣብ ታሕተዋይ ጥርዙ ይርከብ። ምኽንያቱ 99% እቲ ዘተታት ዝካየድ በቶም ፈጸምቲ ኣካላት ናይቶም ግርጭት ዘለዎም ውድባትን ውልቃዊ ጽልእታትን ዘለዎም እዩ። እቶም ቀንዲ ናይቲ ግርጭት ርእሰ-ኲናት ድማ ንሳቶም እዮም መን ጀሚርዎ ብዘየገድስ ተሓተቲ ካብ ምዃን ስለ ዘይወጹ ብንጽህና ይዝትዩ,ዶ?

ኣንባቢ ኣስተውዕል!!!  ኣብ ባህልናን ኣብ ሕጊ እንዳባና ክልተ ዝተበኣሱ ወይ ክልተ መራሕቲ እንባጓሮ ናይቲ ባእሲ ተባሂሎም ዝጥርጠሩ። ካብ ክልተ ብኡስ ወገን ንኽዛተዩ ወፊሮም ዕርቂ ኣምጺኦም ዝበሃል ተሰሚዑን ተገይሩን ኣይፍለጥን። እንበኣር ከስ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ከመይ ጌርና ኢና እቶም ዝለዓለ ጽፍሒ ኣማራርሓ ዝውንኑ ይዛተዩ ኣሎው ኢልና ሓድነት ንጽበ ኔርና? ንሓልም ዲና ኔርና ብርግጽ ሓድነት ንጽበ ኔርና? ንኣብነት ኣብ ፍርቂ ሰብዓታት እቶም ዝለዓለ ጽፍሒ ኣብ ኣማራርሓ ጀብሃ ዝነበሩ.. ኣሕመድ መሓመድ ናስር፤ ኢብራሂም ቶቲል፡ ዓብደላ ኢድሪስ ክኾኑ ከለው ኣብ ሻዕብያ (ህ.ግ.ሓ.ኤ) ድማ ሮመዳን መ.ኑር  ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኢብራሂም ዓፋ ኔሮም። እቲ ንኡስ ርክባት ገዲፍካ ….. ኣብ ካርቱም፣ ኣብ ብይሩት፣ ኣብ ቱኒዝ፣ ኣብ ሓጋዝ፣ ኣብ ሃዋሻይት፣ ኣብ ከረን፣ ኣብ ከሰላ ኣብ ካልእ ዘጠቐስኩዎ ሓዊስካ ልዕሊ 20 ጊዜ ዝኸውን ተዛትዮም እንታይ ኣፍርዮም ንዝብል ውጽኢቱ ብውግእ ሕድሕድ ክዛዘም ጥራይ ሪኢና።

ሕጂዉን ብግደ ሓቂ እስከ እዞም ዘለዉ ላዕለዎት መራሕቲ ዝገብሮዎ ናይ ዘተ ፈተነታ -ት ንርኤ!!  መጀመርያ እቶም ናብ ዘተ ዝወፍሩ ዘለዉ እቶም ላዕለዎት ፈጸምቲ ዝበሃሉ ኢዮም እታ ዘተ ድማ በታ ቅዳሕ ናይ 70ታት እያ ትቕጽል ዘላ። ኣብዚ ከም ሰባት ኣብ ሞንጎ እዞም ክመርሑ ዝጸንሑን ዘለዉን ኩሎም ሓደ ጠባይን ሃገራዊ ሓልዮትን ኣይነበሮምን የብሎምን። ሓደ ዝገብሮም ባይታ ግን ኣሎ ንሱ ድማ ኣብ ናይ ሓባር ኣመራርሓ ከም ዘሎው መጠን ብሓባር ከም ዘሕትቶም ርዱእ እዩ።

ሕጂዉን ኩሎም እቶም ናብ ዘተ ዝቐርቡ እቶም ነንውድቦም ዝመርሑን ላዕለዋይ ኢድ ዘለዎምን ኢዮም። ነዚ ሓሶት ዝብል ዋላ ሓደ የሎን። ኣስማት ከቕረጥ ቁሩብ ከም ዘለፋ ከይመስል ምእንቲ እቲ ቀንዲ ቅርሕንቲ ኣብ ታሕተዎት ድዩ ዘሎ ኣብ ላዕለዎት ግን ብዓል ሕልና ኣስማቶም ባዕሉ ሰሪዑ ናይ ንፍሲ-ወከፍ ውድብ ከራኽ -ቦም ይፈትን ብሕልንኡ!! እንተነፊዖም እታ ቀዳመይቲ ክገብሩዋ ዘሎዎም ኣብኦም ከም ውልቀ-ሰባት ነፍሰ-ነቐፌታ ብንጽህና ምክያድ,ዩ። ይገብርዋ,ዶ እንተልና ካብይ ክትመጽእ ኤርትራውያን እንድዮም ካባይ ጀሚርኩም ንተጻይ ብህሪ እንበር ንሕድገ -ት ኣይተኦኣደልናን። ንፍጽሞ ኢና ቅድሚ ዘተ ብንጽህና ዘሎና ንስሓ ኣውሪድና ኢና ንዝቲ ዝብል መራሒ ተልዩ ድማ ከም ምስክርነት ሓበሬታ ይውረድ።

ዘዂርዕ ኣንበር ዘሕፍር ድማ ኣይኮነን ጉለትካን ሽግርካን ምሕባርን ምግላጽን።

እዞም ብስርዒታዊ ቦትኦም ዘቕርቦም ዘሎኹ ተቓለስቲ ካብ ሰቦም ዝሓምቑ ወይ ስምረት ዘይደልዩ ማለተይ ከም ዘይኮነ ከስምረሉ እፈቱ እንታይ ድኣ ኩሎም ኣብ ውሱን ጊዜ  ክቅራረቡን ክማእኽሉን ውሽጦም ቀሊዖም ክፋለጡን ይጸንሑ”ሞ ባእሲ ምስ ተጀመረ ካብቶም ንጽባሕ ክንራኸብ ስለ ዝኾና ባእስና መልክዕ ይሃልዎ ከይበሉ ሰዓብቶም እንዳሰሓሉን ጌጋ ጠቐነ  እንዳሓበሩን ብናይ ፖለቲካ ኲናት ጨሪሾም ዝተዳመዉን ዝተባተኹን ስለ ዝኾኑ ኩሉ ግዜ ንዘተ ዘለዎም ቁሩቡነት ናይ ቃል-ዓለም ወይ ናይ ሜላ ጥራይ እዩ ዝኸውን ዝብል እምነት ኣሎኒ።

እዚ ንምርግጋጽ ኣብ መዋእል ናይ ቃልሲ ወይ መድረኻት ናይ ቃልሲ ምኽርን ምትእምማንን ኔሩዎም,ዶ ኢልኩም ሕተቱ ኩሎም ቅድሚ ምቅይያም ፍቑራት ምንባሮም ዋላ ናይ ኢሳያስን ዓብደላን መጀመርያ ኣብ ሓንቲ ሓይሊ ከለዉ ከመይ ኔሮም ኢልኩም ሕተቱ? ኩሎም እዞም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒዘቐምጦም ዘለኹ ተቓለስቲ ቅድሚ ባእሲ ፍቑራት ከም ዝነበሩ ዝኽሕድ ኣይትረኽቡን ሎሚ,ኸ ከምዛ ትርእይዋም ዘለኹም ስሞም ከተልዕሎሎም ከለኻ ርእሶም እዮም ዝሓሙ ።

ካብዚ ሓቂ,ዚ ብምብጋስ እንበኣር ጉዳይ ሃገራዊ ዘተን ኣድላይነቱን ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ሕቶን ሕምረትን ክነሱ ሓልፍነቱን ተቛጻጻርነቱን ወይ ብሓላፍነት ጉባኤ ወይ ብሓላፍነት ባይቶ ኣብ ክንዲ ዝኸዉን  ነቶም ናይ ውድባት ፈ/ ኣካላት ገዲፍካሎም ስቕ ምባል ሓደ ስሙን ክፋራረሙ ካልኣይ ሰሙን ከፍርሱ ሳልሳይ ሰሙን ክቃናጸሉ ጥራይ እዩ ዝስማዕ።

እዚ ሓሶት ተኾይኑ ኣዋጃት ስምረት ናይ ኩለን ውድባት ንገንጽል። እዚ ዝብሎ ዘሎኩ እዩ እቲ ናይ (30) ዓመታት ተመኲሮ!!! ስለ,ዚ ንሕና ንመርጾም ፈጸምቲ ኣካላት ናይ ውድባት ውድባቶም ክመርሑ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝዝርጋሕ መምርሒታት ክሕንጽጹ፤ ካብ ታሕቲ ዝመጾም ለበዋን መተሓሳሰብን ኣብ ግዚኡ መልሲ ክረኽቡን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ኣብ ጉዳይ ዘተ ኣትዮም መጽናዕቲ ከካይዱ ዝኣክል ጊዜ ወሲዶም ሓሳባት ከዋህልሉ ትኽእሎታትን ናብ ዘተ ጥራይ ዘተኮረ ሸውሃት ክውንኑን ስለ ዘይክእሉ መብዛሕትኡ ውጽኢት ዘተ መጽናዕቲ ዝሓጸሮን ናይ ሃታሃታን ፍሽሉን ይኸውን ምህላዉ እዩ ምስኡ ድማ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ባህርያትን ሽውሃትን ተወሳኺ ዕንቅፋት ንምፍሻሉ ዘራጒድ ሓዚሉ ንረኽቦ።

ሃገራዊ ዘተ ወይ ናይ ሓድነት ዘተ ክበሃል ከሎ እንበኣር ብባህርያቱ ናይ ( Lobby ) ናይ ምቅርራብ መንፈስ ናይ ምትዕግጋብ መንፈስ ናይ ኣቅራርባ ኣንደበት ኣብቶም ተዛተይቲ ኣካላት ንቕድም ሰምዒት(ሓላፍነት ዝስምዖ) ሃገራውነት ክፉት ሸውሃት ክህሉ ኣለዎ ኣብ ኤርትራውያን እንበኣር ከምኡ ድዩ ዝረኤ? ኣይኮነን ኣቐዲመ ኣብቶም ተዛተይቲ ኣካላት ዘሎ ቂም ኣሚተ በዚ መሰረት እንበኣር እቲ ኩሉሳዕ ዝኸይድ ዘተ ቃልዓለማዊ ብኡንብኡ ከኣ ሜላዊ ኮይኑ ይተርፍ ከምዚ ስለ ዝኾነ እቲ ዘተታት ዝተፈረመን ዝፈሸለን ብእዋኑ ዝብርዕንን ኣብ ቖጸራታት ጥራይ ንርከብ።

ከም ተወሳኺ ዘተ ብባህርያቱ ናይ መጽናዕቲ ጠባይ ኣለዎ መጽናዕቲ ክበሃል ከሎ ድማ ኣቐዲሙ ምስቲ ክትዝትዮ ትደሊ ዘሎኻ ውድብ ካብ ላዕለዋይ ኣካሉ ክሳብ ታሕታዋይ መሰረቱ መዓልታዊ ተግባራቱ ምስ ህዝቢ ዝምድንኡ ምሳኻ ከም ውድብ ኣብ ካልኣዊ ናይ ስራሕ ዝምድንኡ ምስ ካልኦት ካባኻ ዝረሓቐ ይኹን ዝቐረቡ ዝምድና ዘለዎም ውድባት ዘለዎ ኣማላኻኽታ ኣብ ኣታኣላልያ ህዝቢ ዘለዎ ግደን ሓላፍነትን ኣብ ናይ ባዕሉ መደብ ዕዮ ምስ ምሉእ ኣባላቱ ዘለዎ ተኣማንነት ኮታ ኣሎ ዝበሃል ውድባዊ ክውንነቱ ከየጽናዕካን ከይመዘንካን ምዝታይ መሸመት ጊዜ ጥራይ እዩ።

ምዝታይ ማለት ኣብ ውድባት ኤርትራ፡ መሰረቶም ይኹን ህዝቢ ከንጸርጽር ኣብ ዝጀመረሉ ጊዘያት ዘተ ከም ዝጀመሩ ብዜናዊ መልክዕ የቃልሑ ውጽኢቱ እንዳተጸበኻ ክሎኻ ኣብ ምክሳስ ከም ዝኣተዉ ተንብብ።

እንበኣር ተስፋ ዘለዎ ዘተ ሓድነትን ናብ ጠቕሚ ህዝቢ ክዛዘም እንተኾይኑ

ሀ. ንዘተ ትምዘዝ ሽማግለ ብባይቶ ተመዚዛ ዝኣክል መጽናዕቲ ወሲዳ ናይ

እተካይዶ ዘተ ውጽኢት ብባይቶ ክምዘን ይግባእ’

ለ. ንዘተ እትምዘዝ ሽማግለ ብዝከኣል መጠን ጊዜየን ብቕዓትን ሃገራዊ ሓልፍነትን ማእከል ዝገበረ ኣራኣእያ ዝውንኑ ባእታት ክህልዉዋ

ሐ. ሽማግለ ዘተ መብዛሕትኦም ካብቲ ኣፋላልዩኳ ዝጸንሔ ቀራን ግርጭትን ተሓታትነትን ፍዂስ ዝበለ ቦታን ሒዞም ዝጸንሑ ንቒምታ ካልኣዊ ቦታ ሂቦም ኣብ ሕድገታት ምእንቲ ህዝብን ሃገረን የቐድሙ ኢዮም ተባሂሎም ካብ ዝእመኑ ባእታታት ናይ ተዛተይቲ ውድባት ክኾኑ ካብ ዘለውኻ ምፍታሽ።

እዚ ናይ ስምረት መሳርሒታት ኢልካ ዝተመዘ ናይ ዘተ ሽማግለታት እንበኣር ነቲ ብኹሉ መጽናዕትን ፈርማታትን ወዲኡ ዘቕርቦ ውጽኢት ዘተ ኣብ መወዳእታ ብፈጸምቲ ኣካላት ተፈሪሙ ምስ ጸደቐ ናብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ ሓላፍነት ፈጻሚ/ ኣካላት ናይ ክልቲኡ ዘተ ዝወድኤ ውድባት ይቕበልዎ ከም,ቲ ናይ ባይቶ መደብ ተዋሂብዎም ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ ነዚ ድማ በዚ መንገዲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ካብ ባይቶ ከም ውዱእ ተቐቢሎም ናይ ምፍጻሙ ሃላፍነት ይስከሙ።

በዚ መሰረት ድማ እታ ናይ ዘተ ሽማግለ በቲ ሒዛቶ ዝጸንሔት መስርሕ ወዲኣ ኣብ ካልእ ተማሳሳሊ ዕዮ ትኣቱ። ከምዚ ምስ ዝኸውን እቲ ዝሓሸን ውሕስና ናይ ባይቶን መሰረትን ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ግብሪ ምስ ዝውዕል ዝበለጸ የተኣማምን።

እዚ እቲ ናብ ምሉእ ምትሕንፋጽ ክበጽሓ ይኸእላ እየን ተባሂሉ ዝተጸበኻየን ውድባት ክኸውን ከሎ ኣብ ዝተሓተ ነጥበ-ስምምዕ ክሰርሓ ምስ ዝደልያ ውድባት,ከ ከምይ ይኹን ዝብል ነጥቢ ንምምላሽ ብኸምዚ ዝስዕብ እርእዮ።  

     ፍስሓጽዮን ገብረ 

ጀርመን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2656

Posted by on Jan 14 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net