ኣብ ኤርትራዊያዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ( ኤ.ዲ.ኪ )

ኣብ,ዚ ኪዳን,ዚ ዝኸይድ ዘይስጡምን ዘየተኣማምንን ኣገባብ መድብ ዕዮ እንተሪኢና ድማ ብመጠን ናይ,ቲ ኣብዚ ኪዳን ዝርኤ መስርሕ ምዕባሌ ክንበብ ይከኣል እዩ።

ኪዳን ማዕቢሉ,ዶ ደኺሙ ወይ ኣብ ቀደሙ ኣሎ? ዝብሉ ሕቶታት እንተኣልዒልና ዋላ ዝርኤ ዝጭበጥ ውጽኢት ኣይረኣናን ግን ምግናን ከይከዉን እቲ ኣብ ደገ ውጺኡ ንህግደፍ ንጎኒ ገዲፉ ዝነበረ ኣብ ነንሕድሕድካ ምክሳስን፥ ምጽልላምን፥ ምትህርራምን ተሪፉ። ብዝተሓተ ነጥቢ ዝበሃል ናይ ምውህሃድ ስራሕ ዝበሃል ግን ኣይረእየን እቲ ጸለመውን ተሓቢእካ ኣብ ቅድሚ መሰረትካን ዕጹው ኣዳራሽን ግን ኣይተረፈን። ሓቢርካ ምዝታይ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ወይ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ኣብ ሞንጎ 2. ወይ. 3 ውድባት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ልሙድ ኣይኮነን ባዓላት ብሓባር ሰላማዊ ሰልፍታት ፈስቲቫላት ብሓባር ኣይተኻእለን። ስለ,ዚ እዚ ኪዳን ናይ መሸቀጥን ንገለ ከኣ መሕብኢ ወይ መውቅዒ ንገለገለ ዘይትደልዮም ውድባት ተሻሪኻ ረቂቕ መውቅዒ ዝጥቀምሉ ሸናኻት ከይሃለው ኣይተርፉን ዝብል ርእይቶ ኣሎ። ንኣብነት ከም ብዓል ሕሩይ ከም ፥በዓል ኣድሓኖም፥ ከም በዓል ዑስማን ኣቡበከር፥ ከምኡውን ካልኦት ተዘቢጦሙሉ ኢዮም ሕጂዉን ካብ,ዚ ሒዝናዮ ዘሎና እዋን ክሳብ እቲ ሓንቲ ፍታሕ ከምጽእ ዘየኽእል” ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ.” ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ዘሎ ነፊጾም ዝኸዱ ወይ ዝባረሩ ኣባላት ኪዳን ከይህልዉ ዘስግእ እዩ። ነዚ ተግባራት ከም ዓወቶም ጌሮም ዝርእይዎ ውድባትዉን ከም ዘለዉ ብሩህ እዩ ። ስለ,ዚ በብዓቕምታቶም ተጠርኒፎም ዝነበሩ ውድባትን ጉጅለታትን ምስጓጒ ካብ ኮነ ውጽኢትን ኣድማዕነትን ክህልዎ ይኽእል ኣይክእልን ንምግማት ዘሸግር ኣይመስለንን።

ብዓቢኡ እቲ ውድባት ኣብ ኪዳን ዘሎ ኩሉ ንሃገርን ብሃገርን ብህዝብን ትሓላቒ ምዃኑን ዘይምዃኑን እንታይ ምዔቀኒ ይግበሮ? ርቒቕ ስለላ መርበብ ስለ ዘየለ ኣብ ኣባላት ኪዳን እቲ ካብኤን ዝረቐቐን ዝተመኮረን ዓቕሚ ዘለዎ ህ.ግ.ድ.ፍ. ብርቒቕ ኣትዩወን እንተሃለወ,ኸ? ከመይ ምርግጋጹ ወይ ዘይምርግጋጹ ክብጻሕ ይከኣል? ዝብሉ ሕቶታት ምልዓል ይከኣል እዩ። ብዙሕ  ካብ ክትተኣማመን ኢድ ህ.ግ.ድ.ፍ. ከይህሉ ናይ ምጥርጣር ረቛሒታት ይበዝሕ ኣብ ኤ.ድ.ኪ. እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

እዙይ ካብ ኮነ እቲ ባይታ መቃለስን መድረኻውን ትሕዝቶ ኪዳን እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ሕቶ መልሲ ንኹሎም መሰረታት ኪዳን ብፍላይ ተቓዋሚ ክፍልታት ሕ/ሰብ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ ዝግደፍ ሕቶ ኮይኑ እረኽቦ። እንተ ብወገነይ ኣብ ጉዳይካ ከመይ ይኸይድን እንታይ ጠርጠራ የሕድር ኣሎ እንተዳኣ ፈሊጥካን ፍርቂ መፍትሒ ከም ዝርከቦ ኣይጠራጠርን። እዚ ግን ንቕሓትን ተወፋይነትን ዝሓትት እዩ። ኣብ ዝስዕብ መግለጽን መብርህን ክሳብ ንራኸብ ኣብዚ ጠጠው ክብል።

ፍስሓጽዮን ገብረ ጀርመን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2662

Posted by on Jan 20 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net