ጋዜጣዊ መግለጺ

ጨንፈር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ብመገዲ እዚ መግለጺ’ዚ ኣቢሎ ንሓፈሻዊ ርእይቶ ኤርትራ ብምልኡ ንመሰረታት ውድባት ሓድነታዊ ስምምዕ ብፍላይ፡ ነቲ ብዕለት 17 ሓምለ 2005 ብሽም ጨንፈር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣብ ለንደን ኣብ መርበብ ኢንተርነት ዝወጸ ኣዋጅ ንጸቢብ ኣሉታዊ ስምዒታትን መርገጻትን ውሑዳት ባእታት ዘንጸባርቕ ጥራይ ዘይዀነ ንሓድነታዊ ስምምዕ ንምብርዓን ዝኣመተን ዝዓለመን ዘንባዕ ከም ምዃኑ መጠን ፈጺሙ ንዕግበትን መርገጽን ጨንፈርና ዝውክል ከም ዘይኰነ ንሕብር። ብተወሳኺ እዚ ተግባር’ዚ ንኩሉ እቲ ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝስረሓሉ ስርዓትን ኣገባብን ዲሞክራስያዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ከምኡ’ውን ከም’ቲ ኣብ ኣዋጆም ዝገለጽዎ ብማእከልነት ውድብ ምእዙዛት ዘይምዃኖም ንምብራህ ንዝስዕብ ሓቕታት ንዝርዝሮ፦

 

1-      ኣካያዲት ሽማግለ ጨንፈር ዘይትፈልጦን ምልኣተ-ኣኼባ ዘይብሉ ዘይስርዒታውን ዘይሕጋውን ተዋስኦ ህጹጽ ኣኼባ ጨንፈር ምክያድ

2-      ሕቶ ሓድነት እዋናዊ ማእከላይ ሕቶ ክነሱ ኣብ ጎድኒ ገዲፍካ ኣብ ንኡስ ነገራት ምድሃብ

3-      ውሻጣዊ ዘዋሪ ውድብን ኣብ ራብዓይ ስሩዕ ኣኼባ ላዕለዋይ መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዝገበሮ ገምጋም ክንበብ ዘይምስምማዕ

4-      ኣብ ክሊ ምእዙዝነት ቅዋም፡ ውሳኔታት መርሕነት ንምቕባልን ዘይምቕባል ዘፍቕድ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ዘይምኽታል

5-      ኩሉ ክህልዎም ዝኽእል ርእይቶታትን ዕቓበታትን ናብ ካልእይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ እቲ ንኩሉ ጸገማት ውድብ ንምፍታሕ ሓላፍነት ዘለዎ ዝለዓለ ሓጋጊ ስልጣን ንምቕራብ ምንጻግ  ጥራይ ዘይዀነ ማእከላይ ባይቶ ንባዕሉ ዘይውክሎም ምዃን ምግላጽ

6-      አብ መስርሕ ንሓደ ዓመት ኣቢሉ ክኸይድ ዝጸንሐ ሓያል ናይ መሰረታት ደገፍ ዝረኸበ ሓድነታዊ ስምምዕ ምዅናን

7-      ብውሳኔታት ውድባዊ ጉባኤን ካብኡ ዝወጸት ሕጋዊ መሪሕነት ከም ዘይምእዘዙ ምኣዋጅ

8-      ኣባላት ጨንፈር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ከምዘይኰኑ ንኣኼባ ምሕባር

 

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ እዉጅ መርገጻት ካብ ማእከልነት ውድብ ምውጻእ ምዃኑ ብዙሕ ዘካትዕ ኣይኰነን።  ይኹን’ምበር ብመትከል ደሰ ዝብለኩም ፖለቲካውን ውድባውን ምርጫታት ክሳብ  ምፍንጫል ክትወስዱ መሰል ኣለኩም።  ግን ብርግጽ መሰል ካልኦት ብዝግህስ ኣገባብ ሓቕታት ጠዋዊኻን ብሽም ሓድነታዊ ስምምዕ ብንቕሓት ዝድግፍን ንኣፍራሲ መርገጽኩም ብሓይሊ ዝቃወም ጨንፍር ምዝራብ ፈጺሙ መሰል የብልኩምን።  ኣብ ተመክሮና ከም ዘስተውዓልናዮ እዚኦም ባእታት እዚኦም ናብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ካብ ዝጽንበርሉ ወቕቲ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ኣብ ውሽጢ ውድብ ምእንቲ ክድንፋዕ ተረኦም ክጻወቱ ዝተገበረ ጻዕሪ ውሑድ ኣይነበረን። እንተዀነ ብመጠን እዚ ተረኽቦ’ዚ ክረአ ከሎ ጻዕርና ከንቱ ከምዝነበረ ክንግዘብ ንኽእል። ስለዚ ድሕሪ’ዚ መርገጽ’ዚ ወሳኒ ውድባዊ ሰጉምቲ ካብ ምውሳድ ሓሊፉ ካልእ ምርጫ የልቦን።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንሕና ጉዕዞ ሓድነት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ክንከታተል ዝጸነሕና መሰረታት ከም ምዃና መጠን ዓሚ ቅድሚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ መስራቲ ጉባኤኡ ምክያድ ኣብ ታሪኻዊ ፈሰቲቫል ካስል ሓሙሽተ ውድባት ዝተኣወጀ ሓደነታዊ ስምምዕ ብዝምልከት ኣስተዋጽኦና ነቕርብ። ድሕሪ ፈስቲቫል እዚ ስምምዕ’ዚ ዝሰፈሐ ፖለቲካውን ህዝባውን ደገፍን ከብደትን ምእንቲ ከረክብ ተበግሶ ዝወሰደ መሰራታት ናብ ዝለዓለ ብረኪ ንምስግጋሩ ታሪካዊ ግድኡ ተጻዊቱ።  ከም ውጽኢት ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰሚናራትን ዝቆመ ሓባራዊ ሽማግለታት ውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ – ሃገራዊ ጉባኤን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራን ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራን ኣብ ውድባዊ ጉባኤታተን ሓድነታዊ ስምምዕ ኣብ ዝቐለጠፈ እዋን ሓደ ውድብ ንምምስራት ወሰኑ። መሪሕነት እንተዀነ ብወገኖም ሓድነት ንምርግጋጽ ኣርባዕተ ሰሩዕ ኣኼባታት ኣካይዶም ኣብ መፈለምታ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከም መሰጋገሪ መስርሕ ንምምስራት ወሲኖም።  ኣብ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ጉዳይ ምውሳን ቦታን ጊዜን ሓድነታዊ ጉባኤ ምሰተለዓለ፡ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓሸ ኵናማ ኤርትራን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፈር ቀይሕ ባሕርን ውሽጣዊ ጉዳይ ውድባቶም ንምእላይ ሰለዝጠለቡ ቦታን ጊዜን ኣገባብን ሓድነታዊ ጉባኤ ኣብ ራብኣይ ስሩዕ ኣኼባ ክእወጅ ተመሓላሊፉ። ስለዚ ዕማም ራብዓይ ስሩዕ እኼባ ነቲ ኣብ ሳልሳይ ስሩዕ ዝተወንዘፈ ውሳኔታት ምእዋጅ ጥራይ እዩ ነይሩ ።

 

በቲ ሓደ ሽነኽ ንኩለን ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ተቃወምቲ ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓደ ስሙር ግንባር ንምጥርናፍ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኤርትራ ብምምስራት ተዛዚሙ። ድሕሪ’ዚ ምዕባሌ’ዚ ኣቦ-መንበር ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓሸ ኵናማ ኤርትራን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፈር ቀይሕ ባሕርን ንውድባውን ፖለቲካውን ናጽነትና ዘረጋግጸልና ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኤርትራ ስለዝመረጽና ካብ ስምምዕ ምትሕንፋጻዊ ሓድነት ክስሕቡ ከም ዝወሰኑ ንኣቦ-መንበራት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ – ሃገራዊ ጉባኤን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራን ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራን ኣፍለጡ።  እዚ ውሳኔ’ዚ ውድባውን ዲሞክራስያውን መሰል ናይ ነፍስ-ወከፍ ውድብ ከም ምዃኑ መጠን ካልእ ውድብ ክቃወሞ መሰል እዩ።  ስለዝዀነ ከኣ እተን ካልኦት ውድባት ነዚ ምርጫ’ዚ ብሰፊሕ ልቦናን ኣኽብሮትን ተቐቢለንኦ። ብኻልእ ኣዘራርባ ሓደ ውድብ ንምምስራት ዝተሰማመዓ ሰላስተ ውድባት ንሕና ዝበዘሕና ኢና ብማለት ነተን ካብ ሓድነታዊ ስምምዕ ዘንሰሓባ ክልተ ውድባት ክግድደአን ኣይክእላን፡ ብመንጸሩ ከኣ እተን ዘንሰሓባ ክልተ ውድባት ከኣ ንሓድነታዊ ምርጫ ካልኦት ውድባት ክዓግታ መሰል የብለንን።

 

ካብዚ ሓቕታት’ዚ ብምብጋስ ነቶም ዕባራ ምኸኒያታት እናኣቕረቡ ጉዕዞ ሓድነት ከሰናኽሉን ክዓናቕፉን ዝደልዩ ዘለዉ ነቃልዕ።  እንተ ንዓና ኣባላት ሕጋዊ ጨንፈር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ሓድነት ደገፍ መሰረታት እናደረበ ዝመጸ ውሳነ መስራቲ ጉባኤናን ማእከላይ ባይቶን ከም ምዃኑ መጠን ውረድ ደይብ ዘይቅበል እስትራተጅካዊ ምርጫና’ዩ። ከምኡ’ውን ጌና ኣብ መድረኽ ምምስራት ከሎ እማመ ሃገራዊ ድሕነት ከም ማእከላይ ዕማሙ ዘልዓለን ኣብ መቅድም ፖለቲካዊ ፕሮግራሙ ሓድነት ከም መሰረታዊ መበገሲታቱ ዕላማታቱን ዘቐመጠን ነዚ ኣብነት ዝኸውን ከኣ መስራቲ ጉባኤና ናይ ሰለስተ ውድባት ሓድነት ዘረጋገጸ ሓድነታዊ ጉባኤ ነይሩ። ስለዚ ኣባላት ናይ’ዚ ውድበ ምዃና ዝስመዓና ሓበን ዕዙዝ እዩ። ብተወሳኺ ብኣቦ-መንበር ፈ/ሽማግለ ኢምባሳደር ዓብደላ ኣደም ዝምራሕ ተባዕ መሪሕነትና ንመጀመርያ ጊዜ ንሓድነት ንምሕላቕን ንምድፋዕን ክኽሰስ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ክምሰክር’ዩ። ኣብ መወዳእታ መግለጺና ኩሉ መሪሕነትና ዝወሰዶ ውሳኔታትን ተሪር መርገጻትን ብዕግበት ንቅሓትን ንድግፍን ንከላኸለሉን።

 

                    

 

                              ጨንፈር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

                                   ዓባይ ብሪጣንያ/ ለንደን

                                    23 ሓምለ 2005

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2671

Posted by on Jul 23 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net