ደምዳሚ መግለጺ

ዋዕላ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ 

ጽኑዕ ህዝብናን መሰረታትናን ፡-

ሃገርና ብሰንኪ ፖሊሲታትን ተግባራትን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘሕልፎ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ብሃገራዊ ሓላፍነት ንምርኣይን፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንመሰረታቱን ህዝብናን ዝኣተዎ መብጸዓኡ ንምትግባር ኣብ መንጎ ውድባቱ ናብ ምጽንባራዊ ሓድነት ዘብጽሕ ጻዕርታት ንምምላእን፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ 27-31 ታሕሳስ 2005 መሪሕነታዊ ዋዕላ ኣካይዱ። እዚ ዋዕላ እዚ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን መነባብሮኣውን ኩነታት ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኩነታት ዝወደቐሉን፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን፡ ሃገራት ኤውሮጳን፡ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካን ኣብ በሊሕ ዲፕሎማሲያዊ ፍልልይን ቅልውላውን ኣትዩ ብውሽጣውን ዞባውን ኣህጉራውን ከቢድ ተነጽሎ ዝሕነቐሉን፡ መንእሰያት ኤርትራውያን ብብዝሒ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝስደድሉን ኩነታት እዩ ተኻይዱ። እዚ ኸኣ ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ፖለቲካዊ ትሕተ ቅርጻን ቁጠባውን ጸጥታውን ኩነታት የንቆልቁል ምህላዉ እዩ ዘመልክት።

እዚ ብንኡስ ዝሰኣልናዩ ኩነታት ኤርትራ ናይቲ ሃገርና ኣብ ኩሉ መዳያት ትጓዓዘሉ ዘላ ኣሰካፊ ኩነታት ነቲ ብሓላፍነት ዝሕተት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምውዳቕ ንምቅልጣፍ፡ ኣብ ልዕሊ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ሓይልታት ተቓውሞን፡ ሓድነትና ንምዕዛዝን ንጥፈታትና ክብ ንምባልን ረዚን ሓላፍነት ዘሰክም እዩ። 

ጽኑዕ ህዝብናን መሰረታትናን፡-

ዋዕላ ላዕለዋይ መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ዘዳለዎ ንድፍታት ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ህገ-ህንጻን መሰጋገሪ መድረኻዊ መድብ ዕዮን ዓሚቕ ምይይጣት ኣካይዱ። ነቶም ኩሎም ሰነዳት ድማ ብምሉእ ስምምዕ ብምጽዳቕ ዝስዕብ ውሳኔታት ወሲኑ።

1-         ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ናይ ዘቖሙ ሰለስተ ውድባት – ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሃገራዊ ጉባኤ፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራን ሰውራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራን መሪሕነታት ኣብ ትሕቲ ባይቶ ድሕነት’ ዝብል ስም ምጽንባር።

2-        ናይ ሰለስቲኡ ውድባት ፈጸምቲ መሪሕነታት ብምስማር ላዕለዋይ ሰክረታርያን ሓሙሽተ ፈጸምቲ ኣብያተ ቤት ጽሕፈታትን ምቛም።

3-       ናይ ሰለስቲኡ ውድባት ትካላት ምትሕንፋጽ።

4-       ወተሃደራዊ ክንፍታት ምጽንባር።

5-       መሳለጢያታት ዜና ምስማር።

6-       መስርሕ ምትሕንፋጽ መሰረታት ምጅማር።

7-       ንብረት ሰለስቲኡ ውድባት ምምዝጋብ።

8-       ኣሰናዳኢት ሽማግለ መስመሪ ጉባኤ ምቛም።

9-       መስመሪ ጉባኤ ኣብ ሓምለ 2006 ምክያድ።

ጽኑዕ ህዝብናን መሰረታትናን፡-

እዚ ዓወት እዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ድማ ብፍላይ፡ ዓይነታዊ መወሰኽታን፡ ንግደ ኤርትራዊ ተቓውሞ ዘደንፍዕ ኣገዳሲ መበገስን ምዃኑ ዋዕላ ይኣምን። ምእንቲ ምዕዛዝ ግደ ተቓውሞ፡ ካለኦት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብነታዊ ተበግሶ ንኽወስዱ ዘለዎ ትምኒት ይገልጽ። ከምኡውን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ናብቲ ዝተለሞ ጉዕዞ ሓድነት ክምርሽ ንዘተባብዕዎ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ዋዕላ ልዑል ምስጋናኡ የቕርብ።

ጉዕዞ ሓድነት ንምዕዛዝን ጭቡጥ ክውንነውት ንምግባሩን፡ መሰረታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን መላእ ህዝብናን ምሁራትን ኣበርክቶታቶም ከዛይዱ ዋዕላ ይጽውዕ። ኣብ ጎድኒ ጉዳያት ስደተኛታት ኤርትራውያን ደው ከምዝብልን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ጻዕርታት ብምክያድ ስቅያቶም ንምቅላል ክነጥፍ ምዃኑ ዋዕላ የረጋግጽ።

ጽኑዕ ህዝብናን መሰረታትናን፡-

ዋዕላ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ብጽንብል መበል 50 ዓመታት ነጻነት ሱዳንን፡ ኣብ ስምምዕ ሰላም መሰረት ብምግባር፡ ሰላምን ምርግጋእን ልምዓትን ንዝጀመረ ህዝቢ ሱዳን ዮሃናኡ የቕርብ።

ኣብ ሃገርና ምእንቲ ዲሞክራሲያዊ ለውጥታት ንምርግጋጽን ሰረታት ፍትሕን ሰላምን ንምስፋንን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳያትን ተጋድሎታቱን ዝድግፉ መርገጺታት -ሰንዓ ፎርም-፡ ዋዕላ ብዝለዓለ ደረጃ የሞግስ። ከምኡውን ጉባኤኛታት፡ መንግስቲ ሱዳን ነዚ ዋዕላ እዚ ንምዕዋት ንዝገበሮ ምእንጋድ  ዓሚ’ቕ ምስጋናኦም የቕርቡ።

ዓወት ንዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝብና !

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና !  

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

31 ታሕሳስ 2005

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2677

Posted by on Dec 31 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net