ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ

2ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ

ዕለት 06  – 09 ነሓሰ 2005

ደምዳሚ ኣዋጅ

v      ኣብ ድሮ ብስራት ናይ ስምረት ዝዓብለሎ ታሪኻዊ መድረኽ ሓድነት ዝተጋብኤ 2ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ደሞክራሲዊ ምንቅስቃስ ዝሓለፈ ኩነታት ውድብን ዘጋጠሙ ጸገማትን ብዕቱብን ብሓላፍነታውን መንፈስ ብምምይያጥን መጻኢ መደባት ብምስራዕን ካብ ዕለት 06 ነሓሰ ክሳብ 09 ነሓሰ 2005 ኣብ ሃገረ ሱዳን ከተማ ካርቱም ተኻይዱ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡

v      ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ንህልዉ ኩነታት ሃገርናን ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንሃገርና ዘንጸላልዋ ዘሎ ኩለንተናዊ ጸገማትን ውድቀትን ብምግምጋም ኣብ ልዕሊ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ኣደራዓት ብዕቱብ ብምግምጋም ሓዘኖም ገሊጾም፡፡

v      እዚ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ኩለንተናዊ ጸገማት እንኮን ኣማራጺ ዘይብሉን መፍትሒ ስምረትን ሓድነትን ኩለን ተቓወምቲ ውድባት ብሓፈሻ ኣበርክቶ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ብፍላይ ዕዙዝ ክኸውን ከምዘለዎ ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ኣረጋጊጹ፡፡

v      ድሕሪ መኽፈቲ ኣኼባ፡ ኣኼበኛ ጸብጻብ ፈጻሚት ሽማግለ ሰሚዑን ሰፊሕን ዓሚቕን ክትዓት ኣኻይዱ፡፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ምባሌታትን ዝተዛዘመ ውድባዊ ስርሓትን ኣድኒቑን ኣሞጊሱን፡፡ ምስዚ ኣተሓሒዙ’ውን ኣብ ምዕቃብ ውሽጣዊ ሓድነት ውድብ የርብሑን ይጠቅሙን ዝበሎም ስጉምትታትን ውሳኔታትን ለበዋታትን ብዝበዝሐ ድምጺ ኣጽዲቑ፡፡

v      ብምቅጻል ኣንጻር ኩሉ ውዲታት ደው ብምባል ነቲ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ካብ መበገሲኣ ሒዛቶ ዝተበገሰት ዕማማታት ምድሓን ህዝቢ ካብ ጭቆናን ግፍዕን ምስፋን ሰላምን ፍትሕን ደሞክራሲን ንህዝቢ ኤርትራ ኣበርቲዖም ካብ ዝሓለፈ ብዝተዓጻጸፈ ሞራል ክሰርሑ ምኖም ኣኼበኛታት ማእከላይ ባይቶ ኣረጋጊጾም፡፡

v      ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብዝምልከት ማእከላይ ባይቶ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ሓድነት ቀንድን ኣገዳስን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ምኑ ብምስማርን እቲ ኣማራጺ ዘይብሉ መፍትሒ ንምትካእ ዲክታቶርዊ ስርዓት ብዲሞክራስን ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ምምሕዳር ምኑ ብምእማን ነቲ ብፈጻሚት ሽማግለ ውድብ ዝተወሰደ ስጉምቲ ሓድነት ደገፉ ገሊጹ፡፡

v      ማእከላይ ባይቶ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ነቲ ብኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ተበጺሑ ዘሎ ወድዓዊ ምዕባለታት ብምንኣድ ኣብ ቀጻልነቱ ዘይሕለል ኩለንተናዊ ሓገዝ ኣብ ምብርታዕን ምቅጻልን እቲ ኪዳን ከበርክት ምኑ መብጽዓ ኣትዩ፡፡

v      ማእከላይ ባይቶ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ነቲ ሃንደበታዊ ሞት 1 ምክትል ፕረዝዳንት ሱዳንን ፕረዝዳንት ደቡብ ሱዳንን ዝነበረ ተቃላሳይ ዶ/ር ጆን ጋራንግ ዓሚቕ ሓዘኑ ብምግላጽ ንቤተሰቡን ህዝብን መንግስትን ሱዳንን ጽንዓት ክህቦምን፡ እቲ ተተሓሒዞሞ ዘለዉ መሰረት ደሞክራስን ምስፋን ሰላምን ኣብ ሱዳን ብዘይገለ ዕንቅፋት ከምቲ ናይ ቀደሙ ንክቕጽል እምነቶም ምኑ ገሊጾም፡፡

v      ማእከላይ ባይቶ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንምምዛዝ ሳልቫኬር ከም ምክትል ፕረዝዳንት ሱዳንን ፕረዝደንት ደቡብ ሱዳንን ደገፉ ገሊጹ፡፡

v      ማእከላይ ባይቶ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ነቲ ኣብ ዞባናን ቀርኒ አፍሪቃን ዝኻየድ ዘሎ ምዕሳል ዲሞክራሲን ንህዝቢ ማእከል ዝገበረ ምምሕዳርን ብምንኣድ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2005 ዝተኻየደ ዴሞክራሲያዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ደገፉ ገሊጹ፡፡ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ሱዳንን የመንን ዝርአ ዘሎ ደሞክራሲያዊ ለውጥታት ንህዝቢ ዞባና ዘርብሕ ምኑ ብምእማን ሙሉእ ደገፉ ገሊጹ፡፡

v      ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ነቲ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ማእሰርትን ማእለያ ዘይብሉ ጅምላዊ መቅተልትን ብትሪ ኮኒኖም፡፡ ነቲ ነዚ ኣብ ምትግባር ዝሳተፍ ዘለዉ ወገናት’ውን ኣብ መጻኢት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ሕጋውን ጉቡእ ስጉምቲ ክውሰደሎም ምኑ ክዝንግዑ ከምዘይብሎም ብምረት ኣተሓሳሲቡ፡፡

v      ማእከላይ ባይቶ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ በቲ ዘየቋርጽ ግፍዕን በደላትን ስርዓት ኣስመራ ዓቕሎም ጸቢቡዎም፡ ኣብ ፍቖዶ ሃገራት ዝሳቀዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝከኣሎ ክሕግዝን ብፍላይ ድማ ነቶም ነብሶም ኣብ ምድሓን ክብሉ ከም ገበነኛታት ተቆጺሮም፡ ብገበን ነፋሪት ምጭዋይ ተኸሲሶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካርቱም ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራዊያን መሰል ስደተኛነቶም ክኽበረሎም ንዝምልከቶም ብፍላይ ድማ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት /UN/ ምሕጽንትኡ ኣቅሪቡ፡፡

v      ማእከላይ ባይቶ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ኣብ ምቅላዕ ስርዓት ህግደፍ ብመንጽር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለምና ከም ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ኣውሮፓን ኣውስትራልያን ዝግበሩ ሰልፍታት ኣብ ቀጻሊ’ውን ክበራትዑ ከምዘለዎም ኣሚቱ፡፡

v      ማእከላይ ባይቶ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ነቲ ታሪኻውን ዘይሕለል ደገፍ መንግስትን ህዝብን ሱዳን ኣብ ምስፋን ደሞክራስ ኣብ ኤርትራ ሞጊሱ፡፡ ከምኡ’ውን መንግስቲ ኢትጵያን የመንን ንዝገብርዎ ዘለዉ ኩለንተናዊ ምትሕግጋዛት ኣሞጊሱ፡፡

v      ማእከላይ ባይቶ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንኩሎም ኣብ ምስፋን ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ዓለም ዝቃለሱ ወገናት ከም ሕብረት ኣፍሪካ ዓረብ ሊግን ካልኦት ሃገራትን መንግስታትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ማሕበራትን ንደሞክራስን ፍትሕን ንዝቃለሱ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ንክድግፉ ጻውዒቶም ኣቕሪቦም፡፡

v      ኣብ መወዳእታ ማእከላይ ባይቶ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ መጻኢ መደባት ብምሕንጻጽን ኣገደስቲ ውሳነታትን ለበዋታትን ብምጽዳቕ ሓድሽ ፈጻሚት ሽማግለ ውድብ ብምምራጽ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡

                                                  ክብርን ሞጐስን ንሰማእታትና!!

ዓወት ንደሞክራሲዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2681

Posted by on Aug 14 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net