እንተ ክትድቅስ ኣነጻጺፍካ

እንተ ክትትኲስ ኣነጻጺርካ

ሰልፊ ባይቶ ኤርትራ

ጥቅምቲ 05-2005

ደመበ ተቓውሞን መሰረታዊ ጸገማቱን

ሐደ ዝተገፍዐ ህዝቢ ካብ ግፍዒ ክገላገል ኣብ ዝህቅነሉ እዋን ብመጀመርያ ዓቐን ናይ ግፍዕታቱ (ወጽዓታቱ) ይመዝንሞ ብዝተፈላለየ መልክዕ ድማ ፍትሒ እንተረኸበ ኣቤት ይብል። ኣቤቱታ ከም ኲነታቱ ብውልቀ-ሰብ ብጒጅለ ክኸውን ይኽእል፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ከሎ ድማ ብዝተወደበ ሂወት ካብ ቍጠባዊ ይኹን ፖለቲካዊ ጸቕጥታት ክገላገል ናይ ተቓውሞ መርሖን ኣገባባቱን ይቐርጽ። ንመርሖታቱን ኣገባባቱን ዘስርሕ ቅርጻ ድማ ይህንድስሞ ንዕኡ ዝበቕዑ ኣካየድቲ (መራሕቲ) ካብቲ ክርከብ ዝከኣል ዓቕሚ ይሰዂዓሉ።

መራሕቲ ኣብ ባህሪ ናይቲ ጨቆና ተሰሪቱ ዘወጸ ዕላማ ተመርኲሶም ምስቲ ምዕባሌታት ናይቲ ግርጭት ዝዓብዩን ዝበላሓቱን ክዀኑ የድሊ። መበቆል መትከላት ናይቲ መደብ ዕዮ ካብ ባህሪ ናይቲ መሰረታዊ ግርጭት ናይቲ ዝኸይድ ዘሎ ጭቆና ስለዝኾነ ብሓላፍነት ዝተመዘዙ መራሕቲ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትዀውን ምልክታት ናይ ምዝላቕን ዋጋ ዕዳጋን ክገበሩ የብሎምን። እንተገበሩ ግን ውክልንኦምን መዝነቶምን ብመትከላዊ ዓይኒ ኣብ ህዝቢ ዘይኮነስ ከም ቆብዕ ወይ መጠምጠምያ ኣብ ርእሶም ጥራይ ኢዩ ኮፍ ዝብልን ዝጥቕለልን።

ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ኤርተራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ክኣ ብፍላይ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ርእዮት ኣብ ግምት ኣእቲዩ ክኸይድ ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነስ መሰረታዊ ናይ እንታይነቱን መለለይኡን መግለጺ ስለዝኾነ ኣተሃላልውኡ ምስ ነብሱ ድዩ ወይስ ምስ ህዝቢ ክመዝን ይግባእ። ንኹሉ ተቓዋሚ ርእይቶና ብሓፈሽኡ ብምዝርጋሕ ምእንቲ ክጸበልና ግን ናብ ኪዳን ዘለና ሚዛንን ትዕዝብትን ከነንብር ስለዝቐልል ናብኡ ከነዘምብል ኢና።

ኪዳን ዝተሓተ ፕሮግራሙ ብሓባር ኰንካ ኣቀላልሳኻ ኣተሓባቢርካ ዝለዓለ ፕሮግራም ምዕዋት ኢዩ። ንሱ ድማ ንምልካዊ ስርዓት ኣዕኒኻ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ መቓብሩ ምትካል ክኸውን ኣለዎ ማለት ኢዩ፡፡ ብተግባር ኪዳን ከምኡ ዲዩ ኣይኮነን ኢልካ መጎተ ክትከፍት ንኽቃለስ ዝደሊ ናይ ግድን ክኸውን ኣለዎ።

ኪዳን ኣብ ምንታይ ኲነታት ይርከብ ክትዝርዝር ብዙሕ ኰለል ካብ ምባል ግዜ መስዋእ ስለዝዀነ ኣብዚ ናይ ለንቅነ ዝዘርግሖ ውሳኔታት ጥራይ ምፍታሽ ዝቐለለ ኢዩ። ኪዳን እንታይ ኢሉ? ብኹሉ ዓይነት ኣገባብ ማለት ብኹሉ ዝብሉ ስለ ዘይሰኣኑና ወይ ስለ ዘለዉና ንስርዓት ኣስመራ ነዕንዎ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ማለት በመንገዲ ዘተ ጌርና ነዕንዎ እዚ ድማ ሓንቲ ጥይት ቶግ ከይትብል እነተዘየኰይኑ ክንኲንን ኢና ዝብሉ ስለዘለዉና፡ ነዚ ውዕልና ሕርኽርኽ ዝብሎምን ዘይሰማምዕሉን ንዘበሉ ድማ ካብ ማእከልና ብዝተፈላለየ መኽንያት ከምዝግለሉ ምግባር እቲ ቀንዲ ኰይኑ፡ እቲ ዝተረፈ ከም ሃገርና ሓልዮት ስደተኛታትን  ምስጋና ጐረባብቲ ሃገራትን ጠቓቒስና ብዓወት ተዛዚሙ ምባል ንግዜኡ ክሳዕ እቲ ዝቕጽል ኣኼባ እኹል ኢዩ ኢልካ ተሰማሚዕካ ወጺእካ ብድሕሪኡ ከም ቀደምካ መመንገድኻ ምፍሕታር ኢዩ።

ሚዛንና እንታይ ኢዩ? እቲ ንሕና ኣዚዩ ዘገድሰና ከም ሰልፊ ባይቶ ኤርትራ መጠን እዚ ዝስዕብ ኢዩ፡ – ንሰልፊ ባይቶ ኤርትራ ካብ ኪዳን ምንጥልጣሎም መለለይናን መለለይኦምን እንዳበርሀ ዝኸደሉ ኲነት ይፍጠር እምበር ዘኰራሪ ኣይኮንን። ንሕና ዲና ነብስና ኣዐሪና ንሳቶም ክቕበሉና ወይስ ንሳቶም ነብሶም ኣዐርዮም ንሕና ክንቅበሎም እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መድረኽ ከም ውጽኢት ኣቃላልሳና ክምስክሮ ኢዩ። እቲ ንሕና እንርድኦ ልክዕ ከምቲ ውሳኔኦም ኣብዚ እዋንዚ ናብ ኪዳን ትኸይድ እግርና ጠልጠል ኣቢሎማ ኣለዉ፡ ናብ ህዝብና ዝኸዳ ኣእጋርና ግን ብዘይ ስኽፍታ ይስጒማ ምህላወን ንፈልጥ። ብሕጽር ዝበለ ሰልፊ ባይቶ ኤርትራ ኣብ ኪዳን ምህላዉ ዘይምህላዉ ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኮነን፡ እቲ ዘገድስ ኪዳን ይኹን ወጻኢ ካብ ኪዳን ዘሎ ተቓዋሚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘሎ ጭቆናን ኣፈታትሕኡን ስለዝኾነ ኣብኡ ከነተኲር ኢና።

– ኪዳን ዝተሓዋወሰ ውሳኔታትን ኣገባብ ቃልስን ዘጠቓለለ “ሰሙር ግንባር” ስለዝዀነ ብባህርያቱ ሓያል ተቓውሞ ኰይኑ ክቐርብ ብምንም ትኣምር ኣይክእልን ኢዩ።

– ኪዳን ንሓደ ህዝቢ ብዘይ ኣፈላላይ ጨፍሊቑ ዝገዝእ መላኺ ስርዓት ካብ ባህርያቱ ወጻኢ ብዝዀነ ኣገባብ ተመሓዚኻ ሽግሩ ንኽትፈትሕ ዝጽዕር ግናዕ ዘጠቓልል ስለዝዀነ ዝተወሃሃደ ቃልሲ ክህልዎን ክሕይልን ሽግር ህዝቢ ክፈትሕን ብምንም ትኣምር ኣይክእልን ኢዩ።

– ኪዳን ኣብ ባህሪ ናይ ቃልሲ ምልላይ ከቢድን ወሳንን ነጥበ-ስንኩፍናታት ተሸኪሙ ስለዝኸይድ መዓስከራት ፖለቲካ ጎሮባብቲ ሃገራት ከም ዝሰመረ ናይ ንጹር ዕላማ ሓይሊ ስለዘይዓግባሉ ከከምዝምባልኤን ብተናጸል ማዕጾ ክኸፍታሉን ከገፍትናሉን ስለዝውዕላ ብምንም ትኣምር ናብ ሓያልነት ክሰጋገር ኣይክእልን ኢዬ።

ኪዳን ንውሽጣዊ ጸገማቱ ብደረጃ መነባብሮ ናይ ምጥማት ድኽመታት’ውን ስለዘጠቓልል ብዝተፈላለየ ውልቀ ጥበራታት ስለዝጥቃዕ ናይ ቀልዓለም ሓድነቱ ከይተበትከ ብዝዀነ ይኹን ትኣምር ተቐባልነት ናይ ህዝቢ ክረክብ ኣይክእልን ኢዩ።

ኪዳን ቅድሚ ኣኼባ ዘጒረምርመሎም ወቐሳታትን ኲነኔታትን ኣብ ኣኼባ ከመይ ጌሩ ከም ዝሰገሮም ብግሉጽነት ናብ ህዝቢ ስለዘይቀርብ እምነት ናይ ህዝቢ ከዋህልልን ብተሳትፎ ህዝቢ ሓያል ስሙር ግንባር ክፈጥርን ብምንም ትኣምር ኣይክእልን ኢዩ።

ኪዳን ኣብ ኤርትራዊ ክዉንነት ውዕሉ ኣብ ሕድ-ሕድ መራሕቱ ዘይኮነስ ኣብ መንጉኡን ኣብ መንጎ እቲ ተገፊዑ ዘሎ ህዝብን ከመዓራሪ እንተዘይክኢሉ ናይ ኣመራርሓ ህዝባዊ ውክልና ከጥሪ ብምንም ትኣምር ኣይክእልን ኢዩ።

ኪዳን በዚ ኣብዚ እዋንዚ ዘሎ ኣተሃላልውኡ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣሎ፡ ንሱ ክኣ ሸንኮለል ክትብል ምንባርን እንተ ብጅምላ እንተ በብታራ ኣብ ጥበራታት ዝተፈላለዩ ሓይልታትን ጥበራታት ህልዊ ስልጣንን ምጽጋዕ ብሐደ ወገን ክኸውን ከሎ በቲ ካልኣይ ወገን ድማ ቃልሰኻ ኣነጺርካ ኣራእያኻ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ኣተኻኺልካ ናብ  ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ምጽጋዕ ኢዩ፡፡

ሰውራዊ ምኽርና/ርእይቶና፡ ሰውራዊ ምኽሪ ከይንብል ምኽሪ ጠፊኡኩም ኣይንብልን ምኽንያቱ ተማኺርኩም ትውስኑ ስለዘለኹም፡ ስለዚ ሰውራዊ ርእይቶና ምቕማጥ ጥራይ ይሓይሽ። ኪዳን ናይ ህዝቢ ተቐባልነተ ክህልዎ ሓያል ናይ ለውጢ ግንባር ምእንቲ ክኸውንን ሰውራ፡ ማለት መሰረታዊ ለውጢ ከተግብር ምእንቲ ክበቅዕ ዝሰመረ ኣራኣእያ ኣብ ልዕሊ መላኺ ስርዓት፡ ዝሰመረ ኣራኣእያ ኣብ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጨት ክህልዎ ግድን ክኽውን ኣለዎ ኢልና ርእይቶናን እምነትናን ንገልጽ።

ንጹር እምነት ሰልፊ ባይቶ ኤርትራ፡ –

– ህ.ግ.ዲ.ፍ. (ስርዓት ኣስመራ) መላኺ ስርዓት ኢዩ

– መላኺ ስርዓት ምስ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዘተኣሳስር ወይ ዘራኽብ የብሉን

– እዚ ስለዝኾነ ድማ ሽግርና ብዘተ ዝፍታሕ ኣይኮነን

– ምስ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ናይ ስልጣን ሽርክነት ምእታው ህዝባዊ ጥልመት 

– ስለዝዀነ ዘተ ምስ መላኺ ስርዓት ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝንበብ ፊደላት ኣይኮነን።

– መላኺ ስርዓት ኣስመራ ብሓይሊ ክድምሰስ ኣለዎ፡

– መላኺ ስርዓት ኣስመራ ብተሓታትነት ኣብ ሕጊ ክቐርብ ኣለዎ

– መላኺ ስርዓት ኣስመራ ዓለም ለኻዊ (ኣህጉራዊ) ክሲ ክቐርቦ ይግባእ

– መላኺ ስርዓት ኣስመራ ንምስዓሩ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ብኹሉ ዓይነት ኣገባብ ክበሃል ከሎ ብትርጉምና ብሩህ ኢዩ። ንሱ ድማ ብሓይሊ ተገዲዱ ኣላሽ ኣብ ዝብለሉ ኣዋን በትሪ ከነዋጣውጥ ክንነብር ኢና ማለት ዘይኮነስ ናብ ሕጋዊ መንገዲ ክንሰጋገር (ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ብዝፈቕዶ) ክንጠያየቕ ክንካሰስ ብስርዓተ ሕጊ ክንተሓተትን ሕጊ ከነማልእን ኢና ማለትና ኢዩ። ሕጊ ንመላኺ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነስ ንኹላትና ዝምልከት ክኸውን ኢዩ ማለትና’ውን የጠቓልል።

ሰልፊ ባይቶ ኤርትራ እንዳማዕበለ ዝኸይድ ሰልፊ ከም ምዃኑ መጠን ጌጋታቱ ክእርምን ካብ ጌጋታቱ ክመሃርን ድሉው ኢዩ። ጒድለታት ከም ዘለዎን ውስጠ-ፓርታዊ ቃልሲ ከምዘድልዮን ተረዲኡ ደማ ንሕጽረታቱ ብዘይንሕስያን ብውሕልነትን ከከምኩነታቱ ክውግድ ይቃለስ። ብምትንኻፋት ናይ ዝኾነ ይኹን ባእታ ተጸልዩ ግን ናብ ፖለቲካዊ ዕሽነት ዘጥቅዖ ሃታ-ሃታ ኣየምርሕን ኢዩ።

ሰልፊ ባይቶ ኤርትራ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ጸገማትን ሕጽረታትን ኣማዕድዩ ስለዝጥምት ንምናልባታት ናይ ቃልሲ ሕልኽልኻት ብግሉጽነት ኣቐዲሙ የቐምጦም። ብዓወት ዛዚምና ጥራይ ማለት ድማ ኣየዕግቦን።

ሰልፊ ባይቶ ኤርትራ ብፌርማታት ናይ ስምረት ስለዘይዓብድን ዘይዓግብን ገምጋም ናይ ቃልሲ ክህብ ከሎ ኣበይ ከምዝበጽሐን እንታይ ከመዝተረፎን ድሕሪ ምሕባር ኣኼብኡ ብዓወት ከምዝዛዘመ ይገልጽ። እዚ ስለዝዀነ ድማ ኣብዚ በጺሕና እቲ ቃልሲ ግን ኣሎ ገና ብማለት ንሃንደበትነት ዕድል ኣይህቦን።

መጸዋዕታ፡ –

ከምቲ ኣቐዲምና ኣብ ዝሓለፈ ሕታማትና ዝበልናዮ ሰልፊ ባይቶ ኤርትራ ሕጂ’ውን ምስ ዝመሳሰሉና ዲሞክራስያውያን ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣተሃላልዋ ይሃልዉ ብዘየገድስ ክቐርቡናን ክንቀርቦምን ክጽውዑናን ክንጽውዖምን ድሉዋት ኰንና ንጽውዕ ኣለና።

ዕድል ክቕበረና ኣብ ዝገማገመሉ ዘሎ እዋን ኣቐዲምና ንሕብር አለና፡፡ ወይ ኢድካ ሂብካ ኣነጻጺፍካ ምድቃስ ወይ ከኣ ቀላጽምካ ኣልዒልካ ኣነጻጺርካ መትኳስ ስለዝዀነ ዲሞክራስያውያን ተለዓሉ ንዝደቀሰ ክኣ ኣበራብሩ ንብል።

ሰልፊ ባይቶ ኤርትራ (ክፍሊ ዜና)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2683

Posted by on Oct 5 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net