መጠንቀቕታ ንኣገልገልቲ ስርዓት ህግደፍ

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ልዕሊ ስርዓት መራሕቲ ህግደፍ ጥራሕ ዘነጻጸረ ናይ እገዳ መቕጻዕቲ ውሳኔ ቊጽሪ 1907 ኣብ ዕለት 23-12-09 ከም ዘጽደቐ ዝዝከር’ዩ። በዚ መሰረት ናይ’ዚ እዋን’ዚ ውዕዉዕን ኣካታዕን ኰይኑ ዘሎ ዛዕባ ጉዳይ ማዕቀብን ስዒቡ ዝመጽእ ዘሎ ጉዳይ ሰለማዊ ሰልፍን እዩ። ኰይኑ ግን እዚ እገዳ’ዚ ስለ ምንታይ እዩ ተኸሲቱ ዝብል ንጹርን ዘየጋግን መልሲ ዝጽበን ክስገር ዘይግብኦን ሕቶ ክለዓል ባህሪያዊ ስለ ዝዀነ ኣብ ቅድመና ግትር ኢሉ እነሆ። ብተወሳኺ መን’ዩኸ ነቲ ውሳኔ ክስርዞ ዝኽእልን ዓቕሚ ዘለዎን ዝብል ሕቶ’ውን ጐድኒጐኑ ዝኸይድን ዘይንጸልን ሕቶ ኣሎ።

ብርእይቶና ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ መልሲ ብሩህ’ዩ። ዋና ሃንዳሲኡን ንኽረጋግጽ ዝዓበየ ተራ ዘበርከተን ብዘይ ምስልካይ ድማ ዝዓየየን ኣካል ኣመራርሓ ጃንዳ ህግደፍ ብሓፈሻ ክኸውን ከሎ እቲ ዕሉል ውልቀ መላኺ ድማ ብፍላይ እዩ። ብኻልእ ሸነኹ ገላቢጥና እንተ ርኣናዮ ድማ እዚ ውሳኔ’ዚ ንኽልዓልን ክስረዝን ወሳኒ ተራ ዘለዎ እቲ ውሳኔ ንኽውሰን ቀንዲ ምኽንያት ዝዀነ ኣካል ባዕሉ ምዃኑ ከም ጽሓይ ቀትሪ ዝበርሀን ዘየተሓትትን ጉዳይ እዩ።

እቲ ጉዳይ ግን ብሩህ ክነሱ፡ “ጭጒራፍሲ ነብሳ ሃሪማስ ባዕላ ተእዊ” ከም ዝበሃል ባዕሉ ዘምጽኦ ማዕቀብ ባዕሉ መልሲ ክረኽበሉ ክንዲ ዝፍትን፡ ዝገበረ ገይሩ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ክሕባእን ክዕቈብን ይፍትን ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ዝዀነ ይኹን ቅንጣብ መሰል ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ዘየፍቅድን ብኣንጻሩ እኳደኣ ዝሓረመን ጃንዳ ህግደፍ ኣብ’ተን ናይ ሰላማዊ ሰልፊ መሰል ዝፈቕዳ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ንማዕቀብ ተቛውሞም ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ከለዓዕል ዘይፍንቅሎም ኣእማን የለዉን።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ ውሳኔ ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ብኸም’ዚ ወዲ-ከምዚ ክቕየር ከም ዘይክእል ንምርዳኡ ንማንም ዘጸግም ኣይመስለናን። እዚ ከም’ዚ ኢሉ ከሎ ግን ጃንዳ ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽግበር ልኡኻቱ ሰዲዱ ኣብ ምሉእ ዓለም ላዕልን ታሕትን ክብል ንዕዘብ ኣለና። ንኣብነት ኣብ ሆላንድ ልኡኻቱ ንነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ይኹን ንስርዓት ኢትዮጵያ ዝቋወሙ ኢትዮጵያውያን ከምኡ’ውን ሶማላውያን ሓዊሱ ኣብ ገገዝኦም እንዳኸዱ ወላ ኣብ መዕቆብ ስደተኛታት (ካምፕ-Camp) ዘለዉ ኤርትራውያን ከይተረፉ ይደፋፍኡ ኣለዉ። እዚ ገስጓስ’ዚ ድማ ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ንገሊኦም ብምድንጋር ንገሊኦም ድማ ብምፍርራሕ ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ክኸዱ ከም ዘለዎም፡ ዘይከዱ እንተኸይኖም ድማ ብውሑዱ ነፍስ-ወከፎም ብርክት ዝበለ ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዘለዎም የገድዱ ከም ዘለዉ ንዕዘቦ ዘለና ሓቂ እዩ። ሰላማዊ ሰልፊ ዘይድግፉ ኰይኖም ንዝተሰመዖም ከኣ “ግራት ዕፉንካ ወሰን’ያ” ዝዓይነቱ ታህዲድ ይገብሩ ኣለዉ።

እምበኣር ነዚ ጽሑፍ’ዚ ንኸነዳሉ ዘገደደና ቀንዲ ምኽንያት ከነመልክቶም እንደሊ ገለ ሓቅታት ስለ ዘለዉና’ዩ። እዚ ማዕቀብ’ዚ ንጉጅለ መራሕቲ ህግደፍ ዘነጻጸረ ክነሱ ጸረ-ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ጥራሕ ዘይከነስ ናይ ኣርባዓታትን ሕምሳታትን ታሪኽ ኣተኣሳሲሩ ዘቕርቦ ዘሎ ናይ ታሪኽ ሓሶት ምዃኑን፡ እዚ እገዳ’ዚ ድማ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘተኰረ ከም ዘይኰነ ንምሕባር እዩ። ነቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ነዚ ናይ ባዕሉ ሕገ-ኣልቦ ዝዀነን ሕጊ ዓለም ድማ ረጊጹ ናይ ሽበራ ስራሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ጐረባብቲ ዘካይድ ዘሎ ጉጅለ መነመን ምዃኖም በቲ ሓደ ወገን ንምቅላዖም ክኸውን ከሎ፡ በቲ ካልእ ድማ ካብ ዝኸድዎ ዘለዉ መገዲ ዕንወት ንኽቁጠቡ ንምዝኽኻር ዝዓለመ ብሕጊ ንምጽብጻቦም ዝኣመተን እዩ። ብዝያዳ ከኣ ደጊም ዕዉር ትእዛዛት እዚ ጉጅለ’ዚ ንክትፍጽም ምጉያይ ምስ ገበነኛ ብቐጥታ ምትእስሳር ምዃኑ ብሕጊ ዘሕትቶም ከም ዝዀነን ከነተሓሳስቦም ንፈቱ።

ኣብ ሆላንድ ምስ’ዚ ስርዓት’ዚ ተቛሪኖም ዝኸዱ ብርክት ዝበሉ ንህዝቢ የዳፍኡ ከም ዘለዉ ብሩህ ኰይኑ ኣሎ። ገለ ካብዞም ልዕል ኢልና ዘመልከትናዮም ኣብ ሆላንድ ዝርከቡ ዕትብቶም ምስ’ዚ ንህዝብና ከጥፍእ ድግዲጊት ተዓጢቑ ዘሎ ስርዓተ-ኣልቦ ዝዀነ ጉጅለ ህግደፍ ከገልግሉ ተኣሳሲሮም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉን ንኻልኦት ድማ ዝልእኩን ዝለኣኹን ኣስማት ብኸም’ዚ ዝስዕብ ከነቕርቦም መሪጽና፡-

ሮተርዳም ኣምስተርዳም

ስሌማን ሑሴን                                      ኮለነል ሃይለኣብ ተስፋይ

ነጋሲ ኣፈወርቂ                                               ታረቀ ትኳቦ

መምህር ኣብርሃም በራኺ                                  ክንፈ ገብረ-የሱስ

ታደሰ መንግስቱ                                               ኢሳቕ ምናሰ

ግርማይ ተስፋይ                                               ሓረጉ ገብረ-የሱስ

ፍጹም ገ/ስላሴ                                                 ኣሰፋው ታፍላ

የማኔ ገ/ ዮውሃንስ                                          ልዑል ወልደጊዮርጊስ

ተኽሊት (ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ሓላፊ)           ወልደጋብር የማነ

መኰነን ጸጋይ                                                  ታደሰ ገብረ-የሱስ

የስኣብ ቀለሙ                                                  ዓይነታ ስዩም

ተኽለ ያቆብ                                                     ደበሳይ ዓንደ

ኣልማዝ ማሳ                                                     ሂወት ተወልደ

ስላስ ሃብተ                                                     የማነ ተኽለ-ጊዮርጊስ

ጸጋይ ተኽለ-ሃይማኖት                         ሓድነት ጠኸስተ

ዮውሃንስ (ወደርባዕተ)                                                ሕሳቡ ዚላዝጊ

ጸጋይ መንገሻ                                                  ትብለጽ ገብረ-የሱስ

ኩሉብርሃን ገ/መድህን                         ጸጋይ ተስፋጺዮን

ኤርትራ ሓድጉ

ነጠበ (ገብረ-መድህን)

ቴዎድሮስ (ፖተጎ – ኦሮሞ)

ሙስጣፋ

እዞም ኣስማቶም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎን ካልኦትን ምስ ሕጊ-ኣልቦ ናይ ራዕዲ ጉጅለ ህግደፍ ዘለዎም ምትእስሳር ኣቛሪጾም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝገብርዎ ዘለዉ ኣብ ስደት ምድንጋርን ቅሳነት ምኽላእን ከቋርጹ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ብኣኽብሮት ንሓቶም።

ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!

ተቛወምቲ ኣባላትን በርገሳዊ ማሕበራትን

ኣብ ሆላንድ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=270

Posted by on Feb 16 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net