ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ሑሰን ከሊፋ

ጋልፍ ኢንፎርኔሽን ሰንተር (ጋኢሰ)
ሓምለ 06,7,05
ካርቱም 

ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ኣቦ መንበር ፋጻሚት ሽማግለ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን(ኤዲኪ) ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ምዕባለታት ኣብ ርክባት ኤርትራን ሱዳን ድሕር ወታሃደራዊ ስርሒታት ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝተራኣየ ንምግምጋም፤ ነቲ ናይ ሱዳን ክሲ ኣንጻር ስርዓት ኣስመራ ኣብ ወድብ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ጸጥታ ከምእውን ብሓደ ስበ ስልጣን ሶማል ዝተዋሃበ መግለጺ ብዛዕባ ምትእትታዊ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ኣመልኪቶ ምስ ጋልፍ ኢንፎርመሽን ስንተር ዝገበሮ ቃለ መሕትት እነሆ፡

 

v     ርእይትኹም ብዛዕባ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፍጻሜታት ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝተራእየ ክምእውን ክሲ መንግስቲ ሱዳን ኣንጻር ስርዓት ኣስመራ

 

 ብዛዕባ ክሲ ሱዳን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ጸጥታን ኣንጻር እቲ ስርዓት ዝምልከት ሱዳን ነቲ ክሲ ከተቕርብ መሰላ እዩ።እዚ ድማ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕርታት ንምምሕያሽ ርክባቱ ምስ ስርዓት ኣስመራ ብምግባር ከምእውን ብዙሓት ፖለቲካዊያን ሓይላታት ኣብዚ ዞባ ብፍላይ ድማ ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራን ሃገራት ዓረብን ከም መንጎኛ ኮይነን ንምምሕያሽ ዝምድናታት ኤርትራን ሱዳንን ብዙሕ ጻዕርታት ገይረን እየን።በዚ መሰረት ድማ ሱዳን ተግባራት ስርዓት ኣስመራ ንኽቁጠብ ክትከስስ መሰላ እዩ እንተድኣ እቲ ስርዓት ብኣህጉራዊ ሕግታት ዝቕየድን ዝሰምዕን ኮይኑ።ብኻልእ ወገን ብዛዕባ ወታሃደራዊ ምዕባለታት ኣብ ዞብ ምብራቕ ሱዳን ዝተራእየ፡ ኤዲኪ ዝኾነ ይኹን ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ይኩንን፡ ሱዳን ሽግራታ ንምፍታሕ ክእለት ከምዘለዋ ኤዲኪ ይኣምን።ስለዚ ናትና መርገጺ ምስ ምርጫ ህዝቢ ሱዳን ንሰላምን ርግኣትን እዩ።መንግስቲ ሱዳን ድማ ንጉዳያት ህዝቡን ንብዝሑነት ኣርኣያ ዓብይ ዕድል ከፊቱ ኣሎ።

 ኢሰያስ ኣወንታዊ ተራ ኣብ ጉዳይ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ክጻወት ዝኽእል ሰብ ኣይኮነን።ንሱ ብብዝሑነት ኣራኣያ ዝኣምንን ናይ ካልኦት ሪኢይቶ ዝሰምዕን እንተዝኸውን መጀመሪያ ጸገም ህዝቡ ምፈተሐ ኣክንዲ ናብ ጉዳይ ሱዳን ምኻድ።   

 

v           ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብሰበ ስልጣን ሶማል ብዛዕባ ምትእትታው ስርዓት    ኣስመራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝተዋሃበ መግለጺ ከመይ ትርእዮ

 ህዝብታት ኤርትራን ሶማልን የሕዋት እዮም።ህዝቢ ሶማል ንመስል ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ማለት ካብ 1966 ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ኢሉ እዩ።በቲ ዝካእሎ ድማ ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ወተሃደራዊ ይኹን ኣብ ምስላጥ ናይ መገሻ ደኩመንታት ከም ፓስፖርት ደገፉ ኣበርኪቱ እዩ።ኩሎም መርሓቲ ኤርትራ ከምእውን ኢሰያስ ከይተረፈ ብናይ ሶማል ፓስፖርት ይንቐሳቐሱ ነይሮም።ንሕና ከም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሶማል ሙሉእ ኣኽብሮት ኣለና።ንሕና መርሓቲ ህዝብታት ናይዚ ዞባ ኣይንመርጽን ናትና ተራ’ውን ኣይኮነን፡ ህዝብታት ብዓሎም መርሓቶም ክመርጹ ኣለዎም።ምትእትታው ስርዓት ኤርትራ  ኣብ ጉዳይ ሶማል ድማ ኣድላይነት የብሉን።ንሕና ብሓድነትን መሬትን ህዝብታት ሶማልን ሱዳንን ንኣምን።ከም ኤርትራዊያን ድማ ኣብ ምፍታሕ ጸገማት ሶማል እምበር ኣብ ምሕልኽላኽ ጸገማት ተራ ክህልወና ኣይግባእን።ሓቕነቱን ዓቐኑን ብዘየገድስ ምትእትታው ናይቲ ስርዓት ኣብ ጉዳይ ሶማል ከምዘሎ ሰሚዕና ኢና።እቲ ስርዓት ድማ ኣብ ዝኾነ ወጥሪ ናይ ዞባ ናይ ግድን እዩ ምትእትታዋት ክገብር።እዚ ስርዓት ኣብዚ ዞባ ከም መበገሲ ናይ ግጭትን ኩናትን ኣብ ጎራባብቲ ሃገራት ኮይኑ እዩ ዘሎ።ስለዚ ምእላይ እዚ ስርዓት ካብ ስልጣን ድሌት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ዞባዊ ድሌት ኮይኑ ኣሎ።

 

v           ሃገራውን ዞባውን ተርእዮታት ኣብ ግምት የአቲኻ ፖለቲካዊ መጻኢ ስርዓት ኤርትራ ከምይ ትርእዮ

 እቲ ዕድመ ናይቲ ስርዓት ዳርጋ ኣብ መወዳእታ ግዚኡ በጺሑ ኣሎ።መጀመሪያ እቲ ስርዓት ካብ ህዝቡ ተንጺሉ እዩ ዘሎ፡ እቶም ኣካላት ናይቲ ስርዓት ዘቑሙ ድማ ኣብዚ እዋን ብሂወቶም ንኽሃድሙ ዕድል እዮም ዝጽበዩ ዘለዉ።ሙሉእ ዓለም ይርእዮ ከምዘሎ እቲ ስርዓት ኣብዚ ግዜ ኣብ ልዕሊ ክልተ ወይ ሰለስተ ሃገራት ኣምባሳደራት የብላን፡ ኩሉም ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሲያዊ ስታፍን ናይቲ ስርዓት ሃዲሞም እዮም።ምህዳም ናብ ሱዳን፤ ኢትዮጵያ፤ የመን፤ ስዑዲ ዓረብን ጅቡትን ይቕጽል እዩ ዘሎ።ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ካብ ሰራዊት ይኹን ካብ ካልእ ስቪል ክፋል ሕብረተስብ ይቕበላ ኣለዋ።ናይቲ ስርዓት ኣህጉራዊ ዝምድናታት፤ ፖለቲካዊ፤ ቁጠባውን ምሕደራውን ጉዳያት ባዶ እዩ ዘሎ።ስለዚ እቲ ኣብ ባይታ ኤርትራ ዘሎ ሓቅታት መወዳእታ ናቲ ስርዓት ተቓሪቡ ከምዘሎ የርእይ።

 

v           ቐንዲ ንጥፈታት ኤዲኪ ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ እንታይ እዩ

 

 ዕድመ ናይ ኤዲኪ ክሳብ ሕጂ ስለስተ ወርሒ እዩ ገይሩ ዘሎ።ኣብዚ ግዜ እዚ ዕላማ ናይዚ ኪዳን፡ ምምስራት ጨናፍር ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤርትራዊያን ዝርከብሉ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ኣተኩሩ እዩ ጸንሑ።ካብ ሱዳን ጀሚሩ ናብ ሰሜን ኣመሪካ፤ ኣውስትራሊያን ኣውሮጳን ብምውህሃድ ኤዲኪ ንምትግባር ዕላማታቱ ልኡኻት ኤዲኪ ክንቐሳቐሱ ጸኒሖም።ከምእውን ኣብ ምግላጽ ፖለቲካዊ ቻርተር ኤዲኪን ምሕድራዊ ቅርጺን ንኤርትራዊያን ፤ ኣብ ምምስራት ኮሚቴታት ጨናፍር ኣብ ዓበይቲ ከተማታትን ኤርትራዊያን ዝርከብሎም ቦታታትን እዚ እቲ ሓደ ሽነኽ ኮይኑ ፡ ብኻልእ መዳይ ድማ ምእዋጅ ምምስራት እቲ ኪዳን ብዘለዋና ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና(ብዝስማዕን ብዝንበብን) እዩ ጻዕርታት ክገብር ጸንሑ።ስዒቡ ዝምጸ መድርኽ ልኡኻት መርሒነት ኤዲኪ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምንቅስቃስ ከም’ውን ዘለዋና ማዕከናት ዜና ብግቡእ ብምጥቃም ህላዌና ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምርግጋጽ፡ ምስግጋር ኣርኣያ ነቲ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ።

 

 

v           ተቐባልነት ናይዚ ኪዳን ኣብ ህዝቢ ብኸመይ ትግምግሞ

 ደገፍ ህዝቢ ንተቓወምቲ ውድባትዝምልከት ብፍላይ ድሕሪ ምምስራት እዚ ኪዳን፡  ህዝቢ ናይ ተስፋ ጮራ ረኺቡ፡ ናብ መገዲ ዓወት ዝወስድ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ እዚ ከምዝኾነ ተሰምዒዎ እዩ።እዚ ስጉምቲ ግን ንምልጋስ እቲ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ብሰለማዊ መገዲ ምስግጋር ስልጣን ኣብ ኤርትራ እዩ።እዚ ድማ ብመገዲ እዘን ኣብ ሓደ ተኣኪበን ዘለዋ ዓሰርተ ሽዱሽተ ፖለቲካዊያን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ እዩ።

 

v           ኣብ ተቓወምቲ ውድባት ዝረአ ዘሎ ኣብነታዊ መስርሕ ምጽንባር ከመይ ትርእዮ

 ንሕና ንምጉዳል ቁጽሪ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ማለት ንምስማር ናብ ሓደ ውድብ ዝግበር ስጉምቲ ንድግፎ ኣብ ጎኑ ድማ ደው ንብል።

  

v           ብመገዲ ጋልፍ ኢንፎርመሽ ኣቢልካ ከተመሓላልፎ እትደልዮ መልእኽቲ እንተልዩ

 ኣነ ንኹለን ማዕከናት ዜና ኤርትራ ከምብዓል ጋልፍ ኢንፎርመሽን ሰንተር፤ ኣዶሊስን ካልኦትን ከዘኻኽረን ዝደልይ ዓብይ መልእኽቲ ናይ ምስግጋር ካብቲ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ኤዲኪ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሰርሓሉ ዘሎ ዘይታሕተ መልእኽቲ እዩ ዘለወን።እዚ መልእኽቲ እዚ ንህዝቢ ኣብ ምንቓሕን መንፈሱ ኣብ ምብርባርን ኣገዳሲ ኮይኑ ናብ መስርዕ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝክተላን ናይ ርእይቶ ናጽነት ዝህባን ሃገራት ዝወስድ እዩ።ንሕና ነዘን ማዕከናት ዜና መልእኽተን ብግቡእ ከምሓላልፋ ንጽውዕ።ማዕከናት ዜና ዝጻወተኦ ተራ ኣብ ምቅዋም እቲ ስርዓት ጥራይ ዝሕግዝ ዘይኮነስ፡ ኣብ መጻኢ ምሕደራ ኤርትራ’ውን ዝሕግዝ እዩ።  

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2747

Posted by on Jul 6 2005 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net