ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ኣፈወርቂ ፎቶ

(ኣቦ መንበር ማሕበር  ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን)

ጋልፍ ኢንፎርመሽን ሰንተር 
06,7,05
ካርቱም

 ፍ.ገብረሂወት    

        

      ሃገርና ብሰንኪ ኣጋጢምዋ ዘሎ ዲክታቶራዊ ስርዓት ህዝባ ብፍላይ ድማ መንእሰያታ ብዙሕ መሰናክላት ሰጊሮም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ናብ ሱዳን ኢትዮያን ብብዝሒ ይስደዱ ኣለዉ።ኣብዘን ሃገራት ምስ በጽሑ ንመሰሎም ዝጣበቐሎም ናባይ ስለዝሰኣኑ ብናቶም ተበግሶ ብምወሳድ ንጉዳዮም እትጣበቕ፤ ድምጾም ዓው ኢላ እተስማዓሎም ኮሚቴ መስሪቶም።እታ ኣብ ሱዳን ተመስሪታ ዘላ ኮሚቴ ማሕበር ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ብዝብል ስም ትፍለጥ።ኣቦ መንበር ናይዛ ኮሚቴ ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ ኣቶ ኣፈወርቂ ፎቶ ንኣመሰራረታ እታ ማሕበር፤ክሳብ ሕጂ ዓሚማቶ ዘላ ጉዳያት፤ ዘጋጠማ ብድሆታትን መጻኢ መዳባት እታ ማሕበርን ኣመልኪቱ ምስ ጋልፍ ኢንፎርመሽን ሰንተር ዝገበሮ ቃለ መሕተት እነሆ፡

 

v     ድሕረ ባይታኻ ምሓበርካና ዶ?

 

ኣብ ከተማ ኣስመራ ተወሊደ ዓብየ።ክሳብ ላዕለዋይ ትምህርተይ ድሕሪ ምክትታል ኣብ 1996 ናብ ስራሕ ተዋፊረ።ከም ትራንዚተር ናይ ግምሩክ ኮይነ ድማ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ኣስመራ ሰርሒ።ኣብ መንጎ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ በቲ መሰረት ኣዋጅ ዝእዝዞ: ሃገራዊ ግቡአይ ፈጺመ።ኩሉ ከምዝፈልጦ ብምኽንያት ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ዝፈትዋ ሃገራይን ህዝበይን ገዲፈ ናብ ስደት ኣምሪሐ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሱዳን ይርከብ።

 

v     ሓጺር ሓበሬታ ብዛዕባ ማሕበር ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን

 

ማሕበር ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣብ ሱዳን፡ ብውሑዳት ልዑል ተገዳስነት  ኣብ ኤርትራዊያን ስደተኛት ዘለዎም ገለ ፍታሕ ንምንዳይ እያ ተበጊሳ።ብመሰረት እዚ ኣብ ዕለት 29/12/04 ስለማዊ ስልፊ ክግበር ጠሊብና።ኣብ ኩሉ ኩርናዕት ኤርትራዊያን ይርከብሉ ኢልና ዝሓሰብናዮ ማለት ኣብ ኢንተርነት ካፈታት፤ ካፊተሪያታት፤ ቤት መግቢን ኣብያተ ትምህርትን ብምኻድ ምልክታታት ጠቂዕና።ንመጀመሪያ ግዜ ብዕለት 29/12/04 ኣብ ኣፍደገ ቤ/ጽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይድና።ኣብዚ መዓልቲ ብሰንኪ ስርዓት ኣስመራ ኣደዳ ግፍዕን ስደት ዝኾነ ህዝብና ብፍላይ መንእሰያትና ብዛዕባ መሰል ኤርትራዊያን ስደተኛታት  ዝምልከት  ከምእውን ማሕበረሰብ ዓለም ዓገብ ንኽብሎ ናብ ው.ሕ.ሃ.ጉዳይ ስደተኛታት፤ ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን፤ ኢምባሲ ኣመሪካ፤ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፤ ቆንሲል ካናዳ፤ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝምሕጸን ደብዳቤ ኣብጺሕና።ኣብዚ ዕለት እዚ ድማ፡ ብው.ሕ.ሃ.ጉዳይ ስደተኛታት ንዕለት 16/01/05 መልሲ ክዋሃብ ምዃኑ ተሓቢሩና።መልሲ ንምስማዕ ዕለት 16/1/05 ኣስታት 1200 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝተረኸብሉ ኣብ ኣፍደገ ው.ሕ.ሃ. ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ተረኺብና።ኣብቲ ግዜ ዝተዋሃብና መልሲ ቐጻሊ ርክባት ንኽግበር 30 ዝኣባላታ ኮሚቴ መስርቱ ተባሂልና።ካብቶም ኣብቲ ግዜ ዝተረኸቡ ኤርትራዊያን ግዚያዊት ኮሚቴ ተመስሪታ።ኣቶ ዓንደብርሃን ኣስቲፋኖስ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምምላስ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝነጥፍ ዝነበረ ኣማኻሪ ናይታ ኮሚቴ ኮይኑ ተመዚዙ።እዚ ኩሉ ንምግባር ነቲ ዘጋጠመና መሰናክላት ሰጊርና ኣብ መወዳእታ ንሽግራት ኤርትራዊያን ስደተኛታት እትጣበቅ ኮሚቴ ክንምስርት በቂዕና።ብዙሓት ሰባት ኣብ መጀመርታ ከም ከቢድን ዘይካኣልን ገይሮም ይወስድዎ ነይሮም፡ እቲ ጉዳይ ዕውት እናኾነ ክኸይድ ከሎ ክተሓባበሩናን ሞራል ክህቡናን ጀሚሮም።

 

v     እዛ ማሕበር ካብ እትምስረት ነዊሕ ግዜ ኣሕሊፉ ኣሎ፡ ክሳብ ሕጂ ዝተገበረ ንጥፈታት ኣሎ ዶ?

 

እቲ ዝተካየደ ንጥፈታት እዝን እዝን ኢልካ ዘጃሃር እኳ እንተዘይኮነ፡ ልዕሊ ዒስራ ግዜ ኣኼባ ብምግባር ውሽጣዊ ሕግን መደብ ዕዮን ኣጽዲቕና።እዚ ሕጊ ግዚያዊ ቅዋም ናይዛ ማሕበር ኮይኑ ክሳብ ሓፈሻዊ ጉባኤ  ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ዝካየድ ከገልግል እዩ።እዚ ቅዋም ብትግርኛ፤ዓረብን እንግሊዝን ዝተዳልወ ኮይኑ ንኩለን መሻርክትና ማለት ንው.ሕ.ሃ.ሱዳን፤ ንኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳንን ካልኦትን ተዋሂቡ።እዚ ድማ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ እትኽፈት ዌብ ሳይት ማሕበርና ንህዝቢ ክዝርጋሕ ኣብ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ኣብቲ ንልዕሊ ዒስራ ግዜ ኣብ ዝተገበረ ኣኼባታት ንኹነትታትን ጸገማትን ኤርትራዊያን ስደተኛታት  ኣብ ምልላይ ዝያዳ ግዜ ወሲድና፤ ነቲ ጸገም ብኸመይ ትምክቶ፤ ብኸመይ ኣገባብ ትሰርሕ ዝብሉ ነጥብታት ብዑምቖት ተመያይጥናሎም። ንኡስ ኮሚቴ ናይ ህጹጽ ጉዳያት ብምቋም ምስ ው.ሕ.ሃ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ንህጹጽ ጉዳያት ኣብ ምፍታሕ ንሰርሕ ኣለና።ከምእውን ምስ ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ተደጋጋሚ ርክባት ገይርና ምስ ምክትል ኮሚሽነር ሞላና መሓመድ ኣሕመድ፤ ምስ ሓላፊ ፕሮተክሽን ሞባረክ ሳልሕ፤ ምስ ሌላ እስማኢል፤ ምስ ዓብደላ ማሕመድ ዓብደላን ካልኦት ሰብ መዝን ተዘራሪብና።ንሳቶም ንሽግራት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ምፍታሕ ምስዛ ማሕበር ክሳብ መወዳእታ ክተሓባበሩ ምዃኖም ሓቢሮም።ክሳብ ሕጂ ብወገና ንዝቐርብናዮ ሕቶታት ብኣወንታ ይቅበልዎ ኣለዉ።ማሕበርና ሕጋውነት ኣብ ምልባስ ኣብ ዝገብርዎ ምትሕብባር ብስመይን ብስም እዛ ኮሚቴን ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን የመስግን።

ምስ ተፈላለያ ሰብኣዊያን ማሕበራት፤ ግዱሳት ኤርትራዊያን ርክባት ኣካይድና ኣብ ስራሕና ክተሓባበሩ ምዃኖም ቃል ኣትዮምልና።ኣብዚ ከይመስገንክዎም ክሓልፍ ዘይደልይ ኣዳላዊ www.Farajat.com ኣብ ሞራል ምሃብን ምኽፋት ዌብ ሳይት ናይ ማሕበርናን ኣብ ምጉስጓስ ሓገዛት ንምርካብን ዘካይዶ ዘሎ ከም’ውን ውናኒ ትካል ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር ኣቶ መሓመደ ጣሃ ተወከል ካብ መጀመረታ ኣትሒዙ ኣብ ምኩስኳስ እዛ ምሕበር ዝተጻወቶ ተራን ዝጻወቶ ዘሎን የመስግን።ኣብ ሆላንድ ዝቕመጥ ኣቶ መርእድ ዘርኡ ነቲ ዝሃበና ሞራልን ክስብ መወዳኣታ ምሳና ኣብ ጎንና ደው ከምዝብል ቃል ብምእታዉ የመስግን።

 

v     እዛ ማሕበር ኣብ ካርቱምን ከባቢኣን ኢያ ተመስሪታ፡ ኣብ ካልእ ቦታት ዘለዉ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንምውዳብ ዝተገበረ ጻዕርታት እንተልዩ

 

እወ! ኣብ ካርቱም ትመስረት እምበር እታ ኮሚቴ ብዝገበረቶ ንጥፈታት ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕስከራት ንዝርከቡ ኤርትራዊያን ሽግራቶም ንምስማዕ ርክባት ኣካይዳ።ንእብነት ኣብ መዓስከር ኣቡረኸም፤ ኣብ ገዳርፍ፤ ኣብ ፖርት ሱዳን ምስ ዝርከቡ ተዘራሪብና።ኣብ ፖርት ሱዳንን ገዳርፍን ዝነብሩ ድሮ ግዚያዊት ንኡስ ኮሚቴ መሪጾም ክንቐሳቐሱ ጀሚሮም ኣለዉ።ምስ መዓስከራትን ኣብ ከተማትትን ዝነብሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብሓባር ድምጽና ምእንቲ ከነስምዕ ካብቲ ንሰርሓሉ ዘለና ጉዳይ እዩ።

 

v     ርክብኩም ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ሰደተኛታት ኣብ ሱዳንን ኮሚሽን ስደተታት ሱዳንን

 

ርክብና ምስ ው.ሕ.ሃ.ጉዳይ ስደተኛታት ከምቲ ዝድለዮ ኣይበጸሐን ኣሎ ስለምንታ ማሕበርና ንዝኾነ ኤርትራዊ ስደተኛ ጸገሙ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክፍታሓሉ እያ እትጠልብ።ው.ሕ.ሃ.ጉዳይ ስደተኛታት ግን ከምቲ ዝድለይ ነቲ ጉዳይና ኣቃልቦ ይህቦ የለን።ናይዚ ትካል ኣርእያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራዊያን ትሑት እዩ ዘሎ።ነዚ ኣራእያ ንምቕያር ድማ ነዛ ኮሚቴ ጥራይ ዝግደፍ ሓላፍነት ጥራይ ዘይኮነስ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ደገ ዝነብር መዓረ ብሓላፍንት ክሰርሓሉ ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ ይስማዓኒ።

ምስ ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ዘለና ዝምድና ጽቡቕ እዩ።ነዛ ኮሚቴ ብተገዳስነት ይከታተልዋ ኣለዉ፡ ኣድላይ ምትሕብባራት ድማ ይገብሩላ ኣለዉ።ኣብ ማዕስከራት ይኩን ኣብ ከተማታት እንገብሮ ምንቅስቃስ ምሳና ክተሓባበሩ ምዃኖም ገልጸሙልና ኣለዉ።

 

v     ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራዊያ ስደተኛታት ስታስቲካዊ ሓበሬታ ምሃብካና ዶ?

 

ክስብ ሕጂ ነቲ ንጹር ኣሃዝ ንምርካብ ኣብ መጽናዕቲ ኢና ዘለና።ሓርፋፍ ገምጋም ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ሱዳን ዝረኸብናዮ ግን ልዕሊ ምኢቲ ሽሕ ዝግመት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ይርከቡ።

 

v     ኣብ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪቃ ተመሳሰልቲ ማሕበርታ ከምዝቖማ ሰሚኦና፡ ምስ ዘን ማህበራት ይኹን ምስ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራዊያ ዝመስረትኩሞ ዝምድና እንተልዩ

 

ቅድሚ ሕጂ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብኣዲስ ኣበባ ገይሮም ናብ ሱዳን ዝመጹ ወከልቲ ተማሃሮ ኤርትራዊያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምእውን ወከልቲ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ተራኺብና ነይርና።ምስኦም ብዛዕባ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ካብቲ ስርዓት ሃዲሞም ዝመጹ ተማሃሮ ተዘራሪብና።ርክብና ቐጻሊ ክኸውን ኣብ ምርድዳእ በጺሕና።ከእውን ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ዝርከባ ናይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኮማት ርክባት ክንገብር ጻዕርታት ንገብር ኣልና።ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ መላኪ ስርዓት ኣብ መንእሰያትና ዝወርድ ዘሎ ሽግር፤ ማእሰርቲ፤ ስንክልና፤ ሕማምን ሞትን ንምምካት ምስ ኩለን ኮማት ብሓባር ክንሰርሕ ጻዕርታት ንገብር ኣልና።

 

v     ነዛ ማሕበር ዘጋትማ ዘሎ ቐንዲ ማሕንቖታት

 

ቐንዲ ማሕንቆ ናይዛ ማሕበር ቁጠባ እዩ።ኣብ መጀመሪያ ንጥፈት ዝጀመረትሉ ግዜ ክሳብ ሕጂ ካብ ጁባ ኣባላታ እንተዘይኮይኑ ካብ ካልኦት ማሕበራት ወይ ግዱሳት ውልቐ ሰባት ምወላ ኣይሓተተትን ኣይተቐበለትን።ክሳብ ሕጂ ዝነብረ ጻዕርታት ሕጋውነት ንምልባሳን ወግዓዊ ቤት ጽሕፈት እዩ ነይሩ።ንግዚያዊ መንቐሳቐሲ እዛ ኮሚቴ ካብ ኣባላታ ወርሓዊ 500 ዲናር ሱዳን ብምውጻእ ትንቐሳቐስ ኣላ።ኣብዚ ፍሉይ ኣማኻሪ ናይዛ ኮሚቴ ኣቶ ዓንደብርሃን ንዝገበሮ ቁጠባዊ ሓገዝ ከየመስገንኩ ክሓልፍ ኣይደልን።

 

v     ቐንዲ ጸገማት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ካርቱም- ሱዳን ኣለሊኽሞ ዶ? ንምፍትሑ ዝተገበር ጻዕርታት?

 

እታ ኮሚቴ ክሳብ ሕጂ ኣለልያቶም ዘላ ቐንዲ ጸገማት  ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን እዞም ዝስዕቡ እዮም

 

  • ስክሪን ጌሮም ዝሓለፉ ናይ መጨረሻ ፍታሕ ካብ ው.ሕ.ሃ. ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ዝጽበዩ ዘለዉ

 

  • ስክርን ጌሮም ዘይሓለፉ ናብ ኤርትራ ተመለሱ ተባሂሎም ግን ኣብኡ ተመሊሶም ክነብሩ ዘይኽእሉ 
  • ንኤርትራ ክምለሱ ዝተመዝገቡ ግን ንኽምለሱ ድልዋት ዘይኮን መልሲ ካብ ቤ/ጽ ው.ሕ.ሃ. ጉዳይ ስደተኛታትን ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ዝጽበዩ

 

  • ናይ ስክሪን ዕድል ዘይረኸቡ ከምእውን መንበሪ ፍቓድ ዘይረኸቡ

 

  • ጉዳዮም ብው.ሕ.ሃ. ጉዳይ ስደተኛታት ፕሮተክሽን  ዝግበዖም እሞ ኣብቲ ውሳነ ዝተነጸጉ፡ ብዓብይ ሽቕሎት ዝነብሩ ዘለዉ

 

  • ኣብ መዓስከራት ዝነብሩ ኤርትራዊያ እቲ መዓስከር ስለዝተዓጸወ ማይ፤ ትምህርቲ፤ ሕክምናን ገዛ ዝሰኣኑ

 

  • ኣብ መዓስከር ዝነብሩ ዝነበሩ ናብ ኤርትራ ኣይንምለስን ስለዝበሎ ኣብ ዓብይ ጸገም ይርከቡ

 

  • ብሰንኪ ቁጠባዊ ጸገም ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይረኸቡ ከምእውን ናይ  ዩኒቨርሲቲ መሕለፊ ነጥቢ ረኺቦም ደው ዝበሉ መንእሰያት

 

ነዞም ጉዳያት ንምፍታሕ ጻዕርታት ኣብ ምግባር ንርከብ ኣለና።ምስ ው.ሕ.ሃ. ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ምዝራብ ንርከብ ኣለና።ው.ሕ.ሃ. ጉዳይ ስደተኛታት ብወገኖም ነዞም ጉዳያት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዘራሪብና ፍታሕ ንምምጻ ኽተሓባበሩ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ።ንኣብነት እታ ንኡስ ኮሚቴ ህጹጽ ጉዳያት ምስቲ ቤት ጽሕፈት ብምርድዳ ኣብ ፍታሕ ጉዳያት ኤርትራዊያን ትነጥፍ ኣላ።ከም’ውን ምስ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ኣብ ምርድዳእ ንርከብ ኣለና።ስለዚ ነቲ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ዓበይቲ ጸጋማት ኤርትራዊያን ሰደተኛታት ኣብ ምፍትሑ ክንዕወት ተስፋ ይገብር።

 

v     ሓደ ወግዓዊ ቤት/ጽ ዘይምህላውኩም ኤርትራዊያን ሰደተኛታት ኣብ ሱዳን ጸገሞም ከስምዑ ኣይካኣሉን?ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝተሓሰበ ኣሎ ዶ? ንጹር ኣድራሻ ኣለኩም ዶ?

 

ጉዳይካ ከተሳልጥ እንተኮይኑ ወግዓዊ ቤ/ጽ ክህልው ግድን እዩ።ወግዓዊ ቤ/ጽ ምስ ሕጋውነት ዝተኣሳሰር ስለዝኾነ፡ እቲ ዝበዝሐ ግዚ ዝወደልና ነዚ ንምግባር እዩ።እዚ ክትገበር እንተኮይንካ ድማ ውሽጣዊ ሕጊ ወይ ድማ ቅዋም፡ ዕላማታትካ እተነጽረሉ ክህልወካ ኣለዎ።ሕጂ ግን ወግዓዊያን ኮይና ክንቐሳቐስ ስለንኽእል ስርሓና ብወግዒ ንምጅማር ተዳሊና ኣለና።

ከስብ ሕጂ ዕላዊ ቤ/ጽ ብዘይምህላዉ ሃስያ ነይርዎ እዩ እቶም ስደተኛታት ነቲ ዘጋጥሞም ጸገማት ብእዋኑ ክሕብሩ ይጽገሙ ነይሮም ከምእውን ምስዛ ኮሚቴ ብቐጥታ ክራኸቡ ኣይኻኣሉን።ሕጂ ግን እቲ ወግዓዊ ቤ/ጽ ክጅምር እዩ፤ ናይዛ ማሕበር ድምጺ እተስምዕ ዌብ ሳይት ክትክፈት እያ ብሓፈሽኡ ዕላዊ ኣድራሻ ክህልወና እዩ።ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ እዛ ኮሚቴ ካብ ባዶ ስለተበገሰት ኣብዚ ንምብጻሕ ዝተፈላለየ መሰናክላት ሓሊፋ እያ።

 

v     ካብ ሊብያ ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ዝምለሱ ዝነበሩ፡ ብሓይሊ ነታ ነፋሪ ኣብ ካርቱም ከምተዓልብ ከምዝገበሩ ይዝከር።ጉዳዮም ብው.ሕ.ሃ ተታሒዙ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዘይዐግብ መልሲ ከምተዋሃቦም ሰሚዕና።ብዛዕባ እዚ መብርሂ ምሃብካኖ ዶ? ብወገብኩም ዝተወሰደ ስጉምቲ ኣሎ ዶ?

 

      ጉዳይ ናይዞም ኤርትራዊያን ካብ ሊቢያ ብኣስገዳድ ንኤርትራ ዝምለሱ ዝነበሩ ብሓይሊ ነታ ነፋሪ ኣብ ካርቱም ከምትዓልብ ብምግባር ሂወቶም ኣድሒኖም እዮም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ኩነታቶም ኣብ ዘሕዝን ደረጃ በጺሑ ኣሎ።እዞም ሰባት ኤርትራ ተመሊሶም ነይሮም እንተዝኾኑ እንታይ መጋጠመ ነይሩ ኢልካ ምስትሓትት፡ መልሱ ድማ ማእሰርትን ሞትን እዩ።ንኣብነት ኣብ ማልታ ተኣሲሮም ዝነበረኡ ኤርትራዊያን መንእሰያት ስድተኛታት ናብ ኤርትራ ዝተመለሱ ኣብ ስቕያትን ሽግርን እዮም ወዲቖም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሓቐቁ ከምዘለዉ ንኹሉ ኤርትራዊ ብሩህ እዩ።እቶም ካብ ሊቢያ ተኣሲሮም ናብ ኤርትራ ዝምለሱ ዝነበሩ ድማ ተመሳሳሊ ዕጫ ምበጸሖም ነይሩ።ስለዚ እዛ ማሕበር ነዚ ኩሉ ሽግራት ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ እቲ ዘውሰድዎ ስጉምቲ ነፍሰ ምክልኻል እዩ ዝብል እምነት ኣለዋ።

ው.ሕ.ሃ. ጉዳይ ስደተኛታት ዝተዋሃቦም መልሲ ኣዕጋቢ ኣይኮነን።ንውሕስነቶም ብኸመይ መገዲ ኣረጋጊጾም እዮም ብጅምላ ኣብ ሱዳን ክትነብሩ ትክእሉ ኢኹም ዝብል መልሲ ሂቦሞም ዘስደምም ጉዳይ እዩ።እቲ ውሳነ ዳግመ ግምት ንኽግብረሉ ማሕበርን እትከታተሎ ዘላ ጉዳይ እዩ።ስለዚ ው.ሕ.ሃ. ጉዳይ ስደተኛታት ምስ ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ብምትሕብባር ጉዳዮም ንኽፍታሕ ንጽውዕ።

 

 

v     መጻኢ መደባት እዛ ማሕበር እንታይ እዩ

 

ኮሚቴና ሓንጺጻቶ ዘል ትልሚ ስርሓና ከምዝ ዝስዕብ እዩ

 

  • ንጥፈታትና ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ምፍናው

 

  • ሓፈሻዊ ኣኼባ ናይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ካርቱም ምክያድ

 

  • ንመደበራት ማዕስከር ስደተኛታት ኤርትራዊያን ዑደት ምግባርን ሓፈሻዊ ዳህሰሳ ምግባር

  

  • ኣብ ፖርት ሱዳንን ገዳርፍን ተመስሪተን ዘልዋ ግዚያዊ ኮሚቴታት ንጥፈታተን ንምዕዛብ ዑደት ምግባር

 

  • ነቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝጠቕስኩዎ ቐንዲ ብድሆታት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን መፍትሒ ምንዳይ

 

  • ቑጠባዊ ሓገዛት ዝርክብሉ ንጥፈታት ምግባርን ካብ ማሕበራትን ውልቐ ሰባት ሓገዛት ንምርካብ ምንጣፍ

 

  • ህጹጽ ሓገዝ ንዘድልየን ስድራቤታት ሓገዝ ዝርክባሉ መገዲ ምንዳይ

 

v     ማሕበርኩም ካብ ፖለቲካዊ ጸግዒ ነጻ ከምዝኮነት ትሕብር ኣለኻ፡እንተኾነ ግን ኣንጻር ስርዓት ኣስመራ ትዛረብ ኣለካ።እዚ ኣይገራጨውን ዶ?

እወ! እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ዓድና እዩ ተሰዲዱ እዚ እቲ ሓቂ እዩ።እንተኾነ ግን ማሕበርና ናይዝኾነ ፖለቲካዊ መጋበሪያ ኣይኮነትን ጸግዕውን ከምዝይብላ ክሕብር እፈትው።ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ መንእሰያት ኣብዚ ስዓት ዝፈትዎም ወለዶም፤ ህዝቦምን ሃገሮም ገዲፎም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ይእትዉ ኣለው፡ ምኽንያቱ ዲክታቶራዊ ስርዓት ኤርትራ ይኣስሮምን የሳቕየሙን ስለዘሎ።ኣብዘን ሃገራት መንእሰይ ኤርትራ መሰሉ ስለዝተሓረሞን ዝጣብውቐሉ ኣካል’ን ስለዘይጸንሐ ብድፍኢት እዚ እዩ እዛ ኮሜተ እተመስረተት።ኣብዛ ማሕበር ዝተጠርነፉ ውልቐ ሰባት ነናቶም ፖለቲካዊ ኣራኣያ ወይ ጸግዒ ክህልዎም ይኽእል ይኸውን፡ ንሕና ነዛ ማሕበር ዝመስረትና ንምጥባቕ ሰባኣዊ መሰላት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ምዃኑ ኩሉ ሰብ ክፈልጦ ይግባእ።

 

v     ኣብ መወዳእታ ከተመሓላልፎ እትደልይ መልእኽቲ እንተልዩ

ኣብ ውሽጢ ሱዳን ንዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሓበራዊ ዓወት ንምምዝጋብ ምሳዛ ኮሚቴ ክደጋገፉ ይጽወኦ።ንኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና ከምሓላልፎ ዝደልይ መልእኽቲ፡ ንጉዳይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብፍላይ መንእሰያት ኣብ ዓንኬል ሽግር ኮኩድድ እናራእኻ ኢድካ ኣጥሚርካ ሱቕ ምባልን ንመሰል ኤርትራዊያን ስደተኛትት ዘይምትባቕን ሓላፍነቶም ዝዘንግዑ ኮይኖም ይስማዓኒ፡ ስለዚ ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ሒዝኩ ክትንቐሳቐሱ ይጽዉዕ።

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2754

Posted by on Jul 7 2005 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net