ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ምስ ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር

ሚያዝያ 05, 2005

ካርቱም

 

ኣቶ ሑሰን ከሊፋ፡

 

ý     “ተኽእሎ ናይ ዘተ ምስቲ ስርዓት እንተዘይሃልዩ ድማ ኢድና ሂብና ኮፍ ክንብል ኢና ማለት ኣይኮነን። ቃልስና…….።”

 

ý     ” ብዝሒ ካብ ኤርትራ ዝሃድሙ ዘለዉ መርኣያ ውድቐት ሰርዓት ኣስመራ እዩ።”

 

ኣቦ መንበር ፈጻሚት ሽማግለ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን(ኤዲኪ) ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሮ ዑደት ዛዚሙ። ኣብ ዕደቱ ምስ ተፈላለዩ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰፈሐቲ ርክባት ኣካይዱ።ንሱ ምስ ጠቕላይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፤ ምስ ውጻኢ ጉዳይ ኣቶ ስዩም መስፍንን ምስ ሓለፍቲ ዞብዊያን፤ኣፍሪቃዊያን፤ ዓርባዊያንን ዓለማዊያንን ማሕበራት ከምእውን ምስ ተፈላለዩ ዲፕሎማሲያዊ ኮሚሽናት ተራኺቡ። ኣብ ርክቡ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ጻዕርታት ኤዲኪ ኣብ ምስፋን ሰላምን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ገሊጹ።ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ኣብ ናይ መወዳእታ ኣኼብ ፈጻሚት ሽማግለ ኤዲኪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበረቶ መሪሑ ምንባሩ ይፍለጥ።ምስ ተፈላለዩ ካድረታት ኤርትራዊያን ውድባት’ውን ተራኺቡ።ኤዲኪ ድሕሪ ምምስራቱ ዓበይቲ ዓወታት የመዝግብ ኣሎ።ካብኡ ሓደ ድማ ቅድሚ ሰሙን ዝተጀምረ ፈነወ ሬድዮ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ንሰላምን ንዲሞክራስን  ዝግበር ዘሎ ምዕባለ እዩ።

ብዛዕባ ስራሕ ናይቲ ኪዳን መብርህታት ንምሃብ ኣቶ ሑሰን ምስ ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር ቃለ ምልልስ ኣካይዱ።ትሕዝቶ ናይቲ ዝተገበረ ቃለ ምልልስ እነሆ፡

 

v     እዚ ኪዳን ካብ ዝምስረት ድሮ ሳልሳይ ወርሒ ሒዙ ኣሎ።ስለዚ እቲ ስራሕ ከመይ ይኸይድ ኣሎ

 

ፈጻሚት ሽማግለ ኣኼባታታ ዛዚማ ኣላ።እዚ ኣኼባ ከም ኣገዳስን ዓብይን ስጉምቲ ኢና ንግምግሞ።ኣብ ኣኼባና ብማእኸላይ ባይቶ ዝጸደቐ መድብ ስራሕ ሓንጺጽና  ከምእውን ምምሕዳራዊ ኣገባባቱ ንምትዕርራይ መምሪሕታት ወጺኡ ኣሎ።

 

v     ምምስራት ኤዲኪ ጽልዋታቱ ኣብ ውሽጥን ደገን ንዝርከቡ ኤርትራዊያን

 

ብሓፈሻ እቲ ጽልዋ ኣወንታዊ እዩ።ስምምዕ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ብሰንኪ ምፍልላይ ተቓወምቲ ውድባት ተሃስዩ ጸንሑ እዩ።ህዝቢ ምምስራት እዚ ኪዳን ብሃንቐውታ ዝጽበዮ ዝነበረ እዩ።ዜና ስምረት ተቓወምቲ ውድባት ምስተሰመዐ ኣብ ደገን ውሽጥን ዘሎ ህዝቢ እፎይታ ተሰሚዕዎ እዩ።እቲ ህዝቢ ምቕራብ ምእላይ እቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ክራኣዮ ጀሚሩ ኣሎ።በዚ ኣጋጣሚ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንዲሞክራን ሰላምን ዝሰርሕ ዘሎ ኪዳን ምድጋፉ ምስጋናይ የቕርብ።ከም’ውን ኤርትራዊያን ዌብ ሳይታት ዝጻወተኦ ዘለዋ ተራ ኣብ ምዕዋት ኣንጻር እቲ ፕሮፖጋንዳዊ ዜና ብማዕከናት እቲ ስርዓት ምብደሀን ንንእድ።

 

v     እቲ እዋናዊ ፕሮግራም ኤዲኪ ቃልሲ ኣብ ኣንጻር እቲ ስርዓት እንታይ እዩ?

 

ኣርማ ኤዲኪ፡ ኣብ ኤርትራ ክገብሮ ዝደልዮ ፕሮግራማቱ የንጸባርቕ።ቆጽሊ ኣውሊዕ ሰላም፤ ሰማያዊ ምድሪ ግዝኣት ኣብ ልዕሊ ማያትና፤ እቲ ሚዛን ፍትሒ ከም’ውን እታ ቐንዴል ናጽነት የመልክት።ህዝቢ ኤርትራ ሰላም፤ ፍትሕን ናጽነትን የድልዪ እዩ።ናትና ፕሮግራም ድማ ምጉስጓስ ህዝቢ ኣብቲ ኣርማና ሒዝዎ ዘሎ ዕላማታት ዘቶከረ እዩ።

 

v     መርገጺ ጎራብቲ ሃገራት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እዚ ኪዳን

 

ጎራብቲ ኤርትራ ልክዕ ክምቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሳቐዮ ዘሎ በቲ ስርዓት ይሳቐያ ኣለዋ።እንተኾነ ግን ነቲ ስርዓት ምቕዋም ብሓፈሽኡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ናይ ኤዲኪ ሓልፍነት እዩ።ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዲክታቶራዊ ስርዓት ንምቕዋም ክእለት ከምዘለዎ ይኣምን።

 

v     ኣብ ሓንት ዘውጻኩማ መግለጺ ናትኩም ድልውነት ንዘተ ምስቲ ስርዓት ዝሓዘ ነይሩ።ነዚ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

 

ብናትና ወገን ከም ተቓወምቲ ቅድምን ድሕርን ምምስራት ኤዲኪ ንዕላማታት ህዝቢ ኤርትራ በቲ እቲ ኪዳን ዘጽደቆ መገድታት ብዙሕ ጻዕርታት ኣካይድና ኢና።ናትና መልእኽቲ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ድልውናትና ንዘተ ምስቲ ስርዓት እዩ።እንተኾነ ግን ዝኾነ መልሲ ካብቲ ስርዓት ዝተዋሃበ የለን።እቲ ኪዳን ኣዊጅዎ ዘሎ ድማ ድልውነት ንምፍታሕ ምምሕዳራዊ ጸገም፡ ዘተ ብምፍጣር እዩ።

 

v     እቲ ስርዓት ዘተ ነጺግዎ ኣሎ።እንታይ ኢኹም ክትገብሩ?

 

ዘተ ሓደ ካብ መሳርሒታት ዕላማታትና ንምውቓዕ እዩ።ተኽእሎ ናይ ዘተ እንተዘይሃልዩ ድማ ኢድና ሂብና ኮፍ ክንብል ኢና ማለት ኣይኮነን።ቃልስና ብዝተፈላለየ ኣገባባት ናብ ድሌታት ህዝብና ዘብጻሓና ክንቕጽል ኢና።

 

v     ርክባትኩም ምስ ሃገራት ኣውሮጳን ኣሜሪካን። ናይዘን ሃገራት መርጋጺ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት

 

ድሕሪ ናጽነት ብዙሓት ሃገራት ምስቲ ስርዓት ተደናጊጸን እየን።ካብኣተን ድማ ሃገራት ኣውሮጳን ኣሜሪካን እየን።ነቲ ስርዓት ሓገዛት ሂበን እየን ምኽንያቱ ኤርትራ ከም ሓዳሽ ሃገር ኣብ ምዕባሌኣ ዝሕግዛ፤ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛ ኣብ ምምላስ ስደተኛታት፤ ኣብ ምህናጽ ሃገር፤ ኣብ ምብርባር ትካላትን ነቲ ብሰንኪ ኩናት ተዳኺሙ ዝነበረ ቁጠባ ንምብርባር ዝዓለመ ነይሩ።እዚ ድማ ንሓድሽ ሃገር ዘድልያ ሓገዝ እዩ ነይሩ።እዚ ድልውነት ሓገዝ እናሃሰሰን እናነከየን መጺኡ።እዚ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ዝክተሎ ዘሎ ዲክታቶራዊ ኣገባብ ከም’ውን ዝክተሎ ዘሎ ጅምላዊ ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝቓውምዎ  ዘሎ እዩ።እዚ ድማ ኤርትራ ምስተን ሰብኣዊ መሰል ዝግህሳ ሃገራት ክምትስራዕ ገይሩዋ እዩ። ኤርትራ ብኹለን ውድባት  ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውርጳዊ ሕብረትን ኣሜሪካን ከምትውቐስ ገይርዋ እዩ።

 

v     ርክብ ኤርትራ ምስ ሃግራት ዓረብ

 

ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ርክብ ኤርትራ ምስ  ብዙሓት ሃገራት ዓረብ ድኹም ከምዘሎ ይፍለጥ፡ ምስ ገሌኤን ድማ እቲ ርክባት ኣብ ምብታኽ ገጹ በጺሑ ኣሎ።እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ቐንዲ ጠንቂ ንሰደድ ጸገማት ኣብዚ ዞባ ብምዃኑ እዩ።ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ድማ ርክብ ኤርትራ  ኣብ ሕማቕ ኩነታት እዩ ዝርከብ። ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ወኪል የብላን እዚ ድም ድሕሪ እቲ ስርዓት ወኪሉ ምስሓቡን ነቲ ሕብረት ከም ተድጋጋፊት ኢትዮጵያ ምውሳዳ እዩ።ብግብሪ እንተሪእና እቲ ስርዓት ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ክምዘየለ እዩ ዝቁጸር ምኽንያቱ ምስቲ ነቲ ሕብረት ዘቖማ ሃገራት ኣብኡ ሰለዘየላ።ኣብ ኢጋድ’ውን እንተሪኢና ርኡይ ግብራዊ ህላወ የብላን።ኩሉ ከምዝፈልጦ ኣብተን ብሰላምን ጸጥታን ዝግደሳ ዞባዊያን ሃገራት ምትሕግጋዝ ሰንዓ ኣባልነት የብላን።

 

v     ካብ ኤርትራ ዝመጹ ሰባት ቁጣባ እታ ሃገር ተገማሚዑ ከምዘሎ ይሕብሩ።ሓቅነቱ ከምይ እዩ?

 

ብዘይጥርጥር ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ዜሮ ደረጅኡ እዩ በጺሑ ዘሎ። እቶም ካብ ኤርትራ ዝመጹ ሰባት ዝብልዎ ድማ ምግናን ዘይተሓወሶ ሓቅታት እዩ።ስርዓት ኣስመራ ኣብ ምምጻእ ነዳዲ ዝክተሎ ዘሎ ኣገባብ ኮንትረባንድ ሓደ ምስክር እዩ።ንሓንቲ ጃሎን ነዳዲ ኣስታት 20 ዶላር ኣሜሪካ በጺሑ ከምዘሎ ይፍለጥ። ኣብታ ሃገር ቁጠባ ዝባሃል ሙሉእ ብሙሉእ የለን።እቲ ስርዓት ኣብ ንግዲ ኮንትሮባንድ ብናእሽቱ ጉጅለታቱ ዝተምርኮሰ እዩ።

 

v     ምኽንያት ምህዳም ካብ ኤርትራ እናበዘሕ ዝመጽእ ዘሎ

 

እዚ ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዎ።ሓደ ካብ ምኽንያታት ድማ ፖለቲካውን ቁጠባውን ስግኣታት ኣብ ሂወት ዜጋታት ከምእውን እቲ ስርዓት  ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝኣወጆ ግዱድ ውትህድርና እዩ።ኣብ ልዕሊ እዚ ንዓመታት ዝቐጸለ በቲ ስርዓት ዝተፈጠረ ወጥሪ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጎራብታን እዩ።በዚ ምኽንያት እዩ ድማ ዝኾነ ሰብ ካብ ኤርትራ፡ ወተሃደር ይኹን ሰርሓተኛ ናይ መህደሚ ዕድል ኣብ ዝረኽበሉ ዘሎ እዋን ዝሃድም ዘሎ።

 

v     ኣብ ኣፍደገ መበል 14 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዘለናሉ እዋን ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ መልእኸቲ ተመሓላልፍ?

 

ንህዝቢ ኤርትራ ከምሓላልፎ ዝደልይ መልእኽቲ  ድሕሪ ኤዲኪ ክንስራዓሉ ዝግባእ ግዜ እዩ ምኽንያቱ ህዝብናን ሃገርና ኣጋጢምዎ ዘሎ ኣሰቓቂ ኩነታት

ክውዳእ ስለዘለዎ።ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ድማ ኣብ ሰላም፤ ፍትሕ፤ማዕርነት፤ሓድነትን ዲሞክራስን ዝሰፈኖ ሃገር ኣብ ኣስመራ ከነብዕሎ፡ ሓድነት ህቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ውድባቱን ቐዳማይ ዓወት ኣብ ልዕሊ እቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት እዩ።እቲ ሓቦኛ፤ ጻዕረኛ፤ ጽንዑን ዕጉስን ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ኤርትራ ዘምጸ፡  ንዲሞክራስን ሰላምን ዓወቱ ክጎናጸፍ እዩ።ኤዲኪ ድማ ንምትግባር ድሌታት ህዝቢ ኤርትራ ንሰላምን ዲምክራስን ጻዕርታቱ ክቕጽሎ እዩ።  

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2759

Posted by on May 7 2005 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net