ተለቪዥን ኣስመራ ቃለ-መጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝገበረቶ ኣብ ቀረባ ግዜ ከተቕርቦ እያ

ናይ ኣቱራቢ ኣራኣእያ ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪቃ (ካብ ኣርካይቭ)

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር
ሕዳር 10, 2005

ተለቪዝን ኤርትራ ነዊሕ ቃለ-መጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኤሰያስ ኣፈወርቂ ኣካይዳ ከምዘላን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክፍኖ ምኻኑን ተፈሊጡ ኣሎ።እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመልአ ቃለ መጠይቕ ብሰለስተ ቃንቃታት (ትግርኛ፡ ዓረብ፡ ትግረን) ክፍኖ ምኻኑ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።ተለቪዥን ኤርትራ ከምዝሓበሮ እቲ ቃለ መጠይቕ ብዛዕባ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራን ብዛዕባ ዝምደናታት ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘተኮረ ክኽወን እዩ።

ናይ ቀረባ ምንጪታት ንጋኢሰ ከምዝሓበርዎ ፕረዚደንት እቲ ሰርዓት ኣብቲ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ብዛዕባ ሓድሽ ውሽጣዊ ፖሊሲታቱን ዝምድናታት ምስ ሱዳንን ህሉው ኩነታት ሱዳን ጻዕርታቱ ንምስፋን ሰላም ኣብ ሱዳን ክዛረብ ምኻኑ ብተወሳኺ ድማ ኣብቲ ቃለ-መጠይቕ ናይ ቀረባ ምምሕያሽ ወይ ዘተ ምስ ኢትዮጵያ ክህሉ ከምዘይክእል ዝኾነ ዘተ ድማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ባድመ ከይወጸት ከምዘይከኣልን ደገፍ መንግስቲ ኤርትራ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዝገልጽ ክኸውን እዩ።ከምኡውን ፕረዚደንት እቲ ሰርዓት ነቕፌታቱ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኮፊ ኣናንን ከምዘሓደሰ ተፈሊጡ።

ዳግመግምት ኣብ ውሽጣዊን ቁጠባዊን ፖሊሲታት ክግበር ምኻኑን ተወሳኺ ናይ ህዝቢ ተሳተፎ ከተኣታቱ ምኻኑን ዝተፈላለዩ ውሽጣዊ ጸገማት ድማ ፍታሕ ክገብረሎም ምኻኑ ብምሕባር እዚ ኩሉ ድሕሪ ዶብ ምሕንጻጽ ውግእ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ኣዕረፈን ክትግበር ምኻኑ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ኢሰያስ ዘምደናታቱ ምስ ሱዳን ኣብ ምምሕያሽ ይጽዕር ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ዝምድናታት ህግደፍን ኣብ ሱዳን ኣብ ሰልጣን ዝርከብ እስላማዊ ግንባር ድሕሪ ናይ 10 ዓመታት ወጥሪ ምምሕያሽ ኣርእዩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ከምዝዝከር ኢሰያስ ምስ ኣሸርቕ ዝተባህለት ናይ ቀጠር ጋዜጣ ኣካይደዎ ኣብዝነበረ ቃለ-መጠይቕ እስላማዊ ግንባር ሱዳን ንምውዳቕ ስርዓት ኣስመራ ይሰርሕ እዩ ከምዝበለን ንኣቱራቢ ድማ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስርዓታት ክግምጥል ዝሰርሕ ክብል ከሲስዎ ከምዝነበረ ይዝከር።ህዝባዊ ግንባር ድማ እስላማዊ ግንባር ሱዳን ኣብቲ ኣብ 1989 ዝገበርዎ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝሓገዘተን ኣብ ስልጣን ኣብ ሱዳን ንክትቅጽል ተራ ከምዝነበራን ኣብሪሁ ኔሩ፡ እንተኮነ ግን ኣብ ቃለ-መጠይቑ እስላማዊ ግንባር ሱዳን  ናይ ህግደፍ ገንዘብ ምምንዛዑ ከምዘቖጥዖ ገሊጹ ኔሩ።ኢሰያስ ከምዝበሎ ህዝባዊ ግንባር ንእስላማዊ ግንባር ሱዳን ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ኣጽዋር ከምዘረከበት ብምብራህ ንእስላማዊ ግንባር ሱዳን ገንዘብ መንግስቲ ኤርትራ ሰሪቑ ክብል ከሲሱ።ብመጠኑ ድማ እስላማዊ ግንባር ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ተሪር መጥቃዕቲ ፈንዩ ከምዝነበረ ይዝከር።

ከምቲ ገለ ክፋል ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ እስላማዊ ግንባር ዝበሎ ዝጠቐስናዮ ኣብዚ ዝስዕብ ድማ ገለ ካብቲ ኣቱራቢ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ዝብሎ ክንጠቅስ፡-

ኣብቲ ኣቱራቢ ምስ ዝተፈላለያ ጋዜጣታት ሃገራት ውሽመጥ ብታሕሳስ 1998 ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ስዒባ ሱዳናዊት ጋዜጣ ኣርእይ ኣልዓም ኣውጽያቶ ኔራ፡ ኣቱራቢ ብዛዕባ ዝምድናታቱ ምስ ኢሰያስን መለስን ኣስፍሕ ኣቢሉ ገሊጹ ኔሩ።ኣብቲ ቃለ-ምልልስ ንኢሰያስ ሓላፍነት ናይ ቅልውላው ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሰኪምዎ። ናይ ቀረባ ምምሕያሽ ኣብ ዝምድናታት ሱዳንን ኤርትራን ክህሉ ከምዘይክእል ብምግላጽ እቲ ናይ ዝምድና ምምልላስ ምስ ምቅያር ፖሊሲታት ናይ ኢሰያስ ኣተኣሳሲሩዎ።

ንስኻ መሃንዲስ ኪዳን ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምንባርካ ዝዝከር እዩ ምኽንያት ምፍራስ ናይዚ ኪዳን እዚ እንታይ እዩ ትብል፡ ኣብ ዝብል ሕቶ ክምልስ እንከሎ።ሓቂ እዩ ዘተኣሳሰር ሓደ ሕልሚ ኔሩና እቲ ሕልምና ብምውዳቕ ሰርዓት መንግስቱ(ደርጊ) ብርሃን ርእዩ እዩ፡ ነብሲወከፍ ናቱ ናይ ምምሕዳር እስትራቴጂ ኔሩዎ ናትናን ናይ ኢትዮጵያን ኣረኣእያ ብሩህ እዩ ኔሩ ኤርትራ ግን  ፖለቲካዊ ኣረኣእያኣ ኣብ ምህናጽ ደርጅኣ ብምንባሩ ብሩህ ኣይነበረን ንሕና ግን ኤርትራ ካብቲ ናይ ክልቲአን ሃገራት ፖለቲካዊ ኣረእእያ ኣይትርሕቅን እያ ዝብል እምነት ኔሩና።እዚ ኪዳን ብ1994 ኢሰያስ ብሃንደበት ናይ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምቁራጽ ስጉምቲ ምስወሰደ እቲ ኪዳን ፈሪሱ ብኡ መጠን ድማ ኢሰያስ ተራ ናይ ምጽላም ስእሊ ናይ ሱዳን ኣብቲ ዞባ ክጻወት ጀሚሩ፡ እዚ ኢሰያስ ዘገበሮ ኣክይዳ ዓቢ ሃጋፍ ኣብ ዝምድናታት ሱዳንን ኤርትራን ኣሕዲሩ።

ንስኻ ብምፍራስ ኪዳን ናይቶም ኣዕሩኽ ኣሜሪካ ኣብቀርኒ ኣፍሪቃ ኢልካ (ኤርትራን፡ ኢትዮጵያን) ዝሰመኻዮም ታሕጋስካ ገሊጽካ ይበሃል ዝብል ሕቶ ክምልስ እንከሎ ድማ ኣቱራቢ ከምዚ ይብል፡- እቲ ኪዳን እቲ ስግኣት ኣብ ልዕሊ ሱዳን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሃገራት ናይቲ ዞባ ኣሕዲሩ ከምዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ኢሰያስ ብሽም እቲ ኪዳን ብዛዕባ ጸጥታ ቀይሕባሕሪ ብዛዕባ ሱዳንን ሶማልን መንገዲ ምቕያር ኩነታት ኣብተን ሃገራት ይዛረብ ከምዝነበረ ምስጢር ኣይኮነን እቲ ኪዳን እቲ ስግኣት ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ እዩ ኔሩ ዝሕዝን ደማ ገለ ናይ ዓረብ ሃገራት ምስ ኢሰያስ ኮይነን ኣንጻር ሱዳን ደው ኢለን እየን ነዚ ዘረጋግጽ ጭብጥታት ድማ ኣለና ክብል ኣብቲ ቃለ-መጠይቕ ተዛሪቡ ኔሩ.።ስዒቡ ኣብ ዝቐረበሉ ሕቶ ሓቅነት ክስታት ኣብ ልዕሊ ሱዳን ንተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ይድግፍ እዩ ኣብ ዝብል እዩ ኔሩ፡-ንሱ ኣብ ዘረብኡ ንሕና ከነረጋግጾ ነደሊ ሱዳን ንተቃወምቲ ከም ፖለቲካዊ ጸቕጢ ከምዘይትጥቀመሎም እቲ ዞባ ድማ ኣብተወሳኺ ወጥሪ ክንእትዎ ኣይንደለን ኢና ብምባል ብዙሓት ኤርትራዊያን ኣብ መሬት ሱዳን ኣለዉ ንሕና ግን ኣብ ካልእይ ሃገሮም ከምዘለዉ ኢና ንቖጽሮም እንተኾነ ግን ኢሰያስ እቲ ንዕኡ ኣብ ስልጣን ዘምጽኦ ንኻልኦት ኣብቲ ስልጣን ከየምጽኦም ስግኣት ኣለዎ፡ መርገጺ ናይ ሱዳን ንጹር እዩ፡ ቅድሚ ሕጂ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ይድግፍ ኔሩ ኢስያስ ዝጠልቦ ዘሎ ግን ሱዳን ናይ ሓጺን መንደቕ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ክሃንጽ እዩ ኢሉ።

መንግስቲ ሱዳን ሓላፍነት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ይሰከም ምኽንያት ምስ ኢሰያስ ኮይኑ ኣንጻር ተቓወምንቲ ወድባት ኤርትራ ደው ኢሉ እዩ ንዝብል ክሲ ብኸመይ ተምልሶ ተባሂሉ ምስተሕተተ ኣቱራቢ ሓላፍነት ዝስከም ወገን እንተሃልዩ ተቓወምቲ ኤርትራ እዮም ብምባል ካብ ቅድሚ ናጽነት ኣትሒዞም ናይ ሓድነታዊ መስርሕ ክነጽጉ ጸኒሖም ባዕሎም ድማ እቲ ሜዳ ንኢሰያስ ገዲፎሞ ውጽዮም፡ ንሕና በቲ ዘለና ዝምድናታት ምስ ኩለን ውድባት ኤርትራ ሓደ ሓደነታዊ ኣረኣእያ መጻኢ ኤርትራ ዝውስን ከቕርቡልና ሓቲናዮም እንተኾነ ግን እተን እርባዕተ ዓበይቲ ውድባት ብሓንሳእ ኮፍ ኢለን ምዝታይ ነጺገንኦ እዚ ኣብ 1990 እዩ ኔሩ።ሽዑ ሰውራ ኤርትራ 85% ካብ ሚእቲ ካብ መሬት ኤርትራ ትቆጻጺራ ኔራ እዚ መሬት ድማ  ህዝባዊ ግንባር እያ ትቆጻጸሮ ኔራ።

ድሕሪ ናጽነት ድማ ኩለን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዓቢ ፕሮግራም ናይ ሃገር ቻርተር ከቕርባ ሕቲትናየን ኔርና እታ ሓንቲ ውድብ ዝተማልአ ፕሮግራም ዘቕረበትልና ህዝባዊ ግንባር እያ ኔራ፡ እተን ካልኦት ውድባት ግን ብጽሑፍ መልክዕ ኤርትራ ካብ ኢሰያስ ነጻ ንኽትከወን ኽንሕግዘን ሓቲተናና፡ ንሕና ከም ሱዳናውያን ናይ ኤርትራ ናጽነት እዩ ትምኒትና ኔሩ መን የምሓድራ ብዘይየገድስ፡ እቲ ናጽነት ኤርትራ ድማ ከም ሓደ እስትራቴጂካዊ ጉዳይ ኣብ ምርግጋእ እቲ ዞባ ከምዝኾነ ኢና ቆጺርናዮ፡ ካብዚ ተበጊስና ድማ ኩላተን ውድባት ኤርትራ ሓደ ክኾና ጠሊብና እዚ ድማ ኣብ መንጉኦምን ኣብ መንጎ ኤሰያስን መንጎኛ ከንከወን እዩ ኔሩ፡ ገለ ካባታቶም ግን ናዕና ሰጊሮም ምስጢራዊ ርክባት ንምክያድ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተጸጊዖም እቲ ዝተረፈ ክፋል ድማ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ይርከብ ክብል ኣቱራቢ ነታ ጋዜጣ ገሊጹ።

ኣስዒቡ ድማ እታ ጋዜጣ ኢሰያስ ንተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ይድግፉ እዮም፡ ንኤርትራዊያን ስደተኛታት በስገዳድ መንገዲ ኣብተን ውድባት የዕስክሩ እዮም ክብል ከሲሱ ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረበትሉ ኣቱራቢ እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ጸኒሖም እዮም፡ እቲ ጉዳይ እንዳዓበየ ክመጸእ ዝገበሮ ግን ኢሰያስ ንናይ መጋድልቱ መሰላት ብምንጻግ እዩ።ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ነቲ ተቓወሞ ኣንጻር ኢሰያስ እንዳ ዓበየ ዝማጻሉ ዘሎ እቲ ስርዓት ኢሰያስ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲታት ኣብ ልዕሊ ውሱናት ወገናት እዩ።ብዛዕባ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝምልከት ግን ንሕና ሱዳን ከም ካልኣይ ሃገሮም ኢና ንርእዮም ኣብ ልዕሊኦም ድማ ዝኾነ ተቓውሞ የብልናን ብምባል ኣቱራቢ ኣብቲ ቃለ-መጠይቕ ብዛዕባ ናይ ሰላማዊ መንባር ባህሊ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ቀቢላታትን ሃይማኖትን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ብዛዕባ ዝምድናታት ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ጉዳይ ማይ ኣብ መንጎ ሃገራት እቲ ዞባ ተዛሪቡ ከምዝነበረ ይዝከር።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2783

Posted by on Nov 10 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net