ዶክተር ኣልጋነሽ ፈስሃ ጋንዲ ምስ ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ካርቱም  
ግንቦት 11, 2005  

v     ኣብ ኤርትራ ጸቕጢ ኣሎ፤ኣብ ኤርትራ ሰብ ይመውት ኣሎ፤ኣብ ኤርትራ ሰብ ይህበስ ኣሎ፤ኣብ ኤርትራ ስብ ይጠፍእ ኣሎ።

v     እዛ ተመስሪታ ዘላ ሓድሽ ኪዳን ንኹሉ ኤርትራዊ ልቡ ክትመልሶ ኣለዋ።እምነት ክትህብ ኣለዋ።ኣተኣማማኒት ክትከውን ኣለዋ።

v     ምስታ ቆይማ ዘላ ሓዳሽ ኪዳን እንተሰሪሕናን ተሓባቢርናን በዚ ዝርኣየኒ ኩነታት ኢሰያስ ኣብ ቐረባ እዩ ዘሎ።ሕጂ ካባና እዩ።

v     ዶክተር መጀመሪያ ታሪኽ ሂወትኪ ምነገርክና ዶ?

ስመይ ኣልጋነሽ ፍስሃ ጋንዲ ይባሃል።ኣብ ዓዲ ጥልያን ተማሂረ ብፖለቲካል ሳይንስ ዶክተሬት ወሲደ።ኣብ ዓዲ ጥልያን ሰላሳ ዓመት ተቐሚጠ፡ ኣብኡ ይሰርሕ፤ ኣብኡ ይነብር።ናተይ ካምባኒ ኣላትኒ ናይ ቢዚነስ ኣድሚኒስትሬሽን።ሓንቲ ጓል ኣላትኒ።

v     ድሕሪ ናጽነት ናብ ኤርትራ ተመሊስኪ ነይርኪ። ኩነታት ኤርትራን ስድራኽን ከምይ ረኺብክዮ? ንምንታይ ገዲፍክዮ ተመሊስኪ?

ኣብ 1991 ሃገርና ናጻ ስለዝወጸት ዓዲ ንምርኣይ ተመሊሰ።ናጽነት ስለተረኸበ ህዝቢ ብጠዓሚ ተሓጉሱ ነይሩ።ንካልኣይ ግዜ ኣብ 1992 ምስ ተመለስኩ ኣቦይ ድሕሪ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ካብ ሱዳን ተመሊሱ።ኣገባብ ኣቐባብላ ናይ ኣቦይ ጽቡቕ ኣይነበረን።እቲ ዘሕዝን ነገር ገዛውተይ ምለሱለይ ኢሉ ምስ መንግስቲ ይቓለስ ነይሩ፡ ክሳብ መወዳእታ ግዜ ግን ኣይመለስሉን።ንሱ ዓመት ዓመት ይመላለስ ነይሩ።እቲ ነገር እናተደባለቐን እንተበላሽወን ይኸይድ ከምዝነበረ ይዝከረኒ።ኣብ መወዳእታ 1999 ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምስ በዘሐ፤ምግፋፍ ምስ በዘሐ፤ ሓደ ፕረስደንት ተባሂሉ ኣብ ስክራንን ምንዝርናን ምስተራእየ ዘይጠቕም ምዃኑ ምስ ረኣኹ ንኸይምለስ ወሲነ።ብድሕሪኡ ብሱዳን ኣቢለ ወጺአ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ተሪፈ።ኣብ ዓዲ ጥልያን ድማ ኣንጻር እዚ ባዕድያዊ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻሩ ክዛረብን ክሰርሕን ጀሚረ።

v     ዶክተር ኣብ ብረታዊ ቃልሲ መዓስ ተሰሊፍኪ? እንታይ ተራ ነይርኪ?

ኣነ ሓንቲ ካብተን ካብ ወጻኢ ናብ ሜዳ ኣብ ሰብዓታት ዝኣተዋ ደቕንስትዮ ኮይነ ኣብ ፈለማ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሳቲፈ።ኣብኡ ድማ ማዕርነት ደቕንስትዮ ዝብል ፕሮግራም ሓንጺጸ፡ ብጣዕሚ ገስጋሲ ዝኾነ ፕሮግራም እዩ ነይሩ።በዓል ኣምና ማሊክን ዛህራን ጃብርን ኣብኡ ነይረን።ኣብ መወዳእታ 1969 ክማሃር ኢለ ናብ ዓዲ ጥልይን ከይደ። ኣብ መወዳእታ 1970 ትምህርተይ ገዲፈ ካብ ዓዲ ጥልያን ናብ ሜዳ ኣትየ፡ ተሳቲፈ።ኣብቲ ሃገራዊ ጉባኤ ተሳቲፈ ኣብ ሜዳ ንሓሙሽተ ወርሒ ዝኸውን ኮፍ ኢለ።ወተሃደራውን ሰውራውን ትምህርቲ ወሲደ።ካብኡ ናብ ዓዲ ጥልያን ብምኻድ ትምህርተይ ቐጺለ።ኣብ 1975 ኣብ ኣልጀሪያ ኣኼባ ኣብ ዝተገበረሉ ግዜ ንደቐንስትዮ ወኪለ ተሳቲፈ።ክሳብ 1983 ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ይቓለስ ነይረ። ኣብ 1983 ኩናት ሕድሕድ ምስ ተጀመረ ካብ 1986 ክሳብ 1990 ዘሎ ግዜ ካብ ፖለቲካ ሪሕቐ ጸኒሐ።ኣብ 1991 ናብ ዓዲ ምስ ተመለኩ እቲ ኩነታት ምስ ረኣኹ ናብ ፖለቲካ እንደገና ተመሊሰ።ናተይ ናብ ፖለቲካ ምምላስ እተፈላለየ ርእይቶን ኣገባብን ዘለዎ እዩ። ስለምንታይ ኣብቲ ናይ ወዲ ሰብ ማዕርነትን ክብረት ወዲ ሰብ ክህልዎ ኣለዎ ኣብ ዝብል ጭርሖ ድምጺ እየ ተሳቲፈ።ኣብቲ ዶግማቲዝም(Dogmatism) ዝብል ናይ ፖለቲካ ኣራእያ ኣይክተሎን እየ።ካብኡ ክሳብ ሕጂ ኣቐድም ኣቢለ ከምዝበልኩኻ ካብ ኤርትራ ኣብ 2000 ምስ ወጻኹ ምስ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምስ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ሁማን ራይት(Human Right) ዝባሃል፤ ምስ ግሪን ፓርቲ(Green Party) ኣባል ስለዝኾንኩ ጉዳይ ኤርትራዊያን ኣብ ወጻኢ ክከታተል ጀሚረ።

v     ዶክተር ሕጂ ንስኺ ከም ሓንቲ ተዓዛቢት ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ምስቲ ዘሎ ኩነታት ከመይ ትርእዮ ወይ ትግምግምዮ?

እቲ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቛኒ መንግስቲ ምዃኑ ዘይሳሓት እዩ።ብተግባር ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣርባዓተ ዓመታት ኤርትራዊያን ብብዝሕ ክስደዱ ርኤ።ብሱዳን ንሊብያ ኣቢሎም ናብ ዓዲ ጥልያን ይኣትዉ ኣልዉ።ኣብ ዓዲ ጥልያን ዘድልይ ሓግዛት ኣይዋሃቦምን፡ መንበሪ ወረቐት እንተሃብዎም እዃ ንሰለስተ ወርሒ ይኸውን ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ከተሐድሶ ኣለካ።ኣብ መጀመሪያ 800 ዩሮ ንመነባብርኦም ይህብዎም።በቃ!!ኣብ ልዕሊ ገዛ ዘይብሎም ናይ ሕክምናን መግብን ሓገዝ የብሎምን።ኣብ ማልታ ሓደ ዓብይ ጸገም ተረኺቡ ነይሩ።እታ ኤርትራዊያን ዝሓዘት መርከብ ብጌጋ ናብቲ ቦታ ኣትያ።120 ደቐንስትዮ ዝርከበኦ 220 ሰባት ነይሮም።ናብ ኤርትራ ከምዝምለሱ ተገይሩ።ኣብኡ ገሊኦም ተፈቲሖም ገሊኦም ተኣሲሮም።ሓደ ሮቤል ዝባሃል ተቐቲሉ።እዚ ኩሉ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት እናራኣኹ ከምእውን ኣብ ሳዋ ኣብ ልዕሊ ደቐንስትዮ ዝግበር ብልሽውና ዘሕደረለይ ሕርቓንን ጓሂን፡ ብኸመይ ክቓለሶ፤ ብኸመይ ገይረ እዚ ኣውያት ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ብዝብል ሓሳብን ድሌትን፤ እዚ ግፍዓዊ መንግስቲ ብከመይ ይጠፍእን በቲ ዝገብሮ ዘሎ ግፍዒ ኣብ ዓለም ብኸመይ ይፍለጥ ብዝብል በቲ ዝከኣለኒ መንገዲ ይንቐሳቐስ ኣለኹ።

v     ኩነታት ኤርትራዊያን ንምዕዛብ ናብ ሊቢያን ቱኒዝያን ከይድኪ ነይርኪ።ኣብ ዓዲ ጥልያን ትገብርዮ ዘለኺ ምንቕስቓስ ጸገማት ኣየጋጠክን ዶ?እንታይ ዓይነት ርእይቶ ረኺብኪ ኣብቲ ትገብርዮ ዘለኺ ምንቓስቓስ?

ኣብዚ ዝገበርኹዎ ምንቕስቓስ ቐዳምነት ብወገን ኤርትራዊያን ዝረኣኹዎ እንታይ እዩ እቲ ናቶም ናሽናሊዝም(Nationalism) ኣሎ።ድሌት ሃገር ኣሎ፡ እቲ ናቶም ድሌት እቲ መንግስቲ መዓስ እዩ ዝጠፈኣልና ንዓድና ክንምለስ እዩ።ከም ስደት ዝኸፈአ ነገር የለን። ተሰዲድካ ዘይእንጀራኻ ምብላዕ፤ ተሰዲድካ ዘይንፋስካ ምውቓዕ፤ ተሰዲድካ ናይ እንደማትካ ገጽ ክተሐጉስ ከይፈተኻ ጓሂኻ እናቛሓምካ፡ እንበላዓኻ ክትኸይድ ሕማቕ ነገር እዩ።እዚ ኩሉ ጭንቐትን ጓሂን ከሎ እቲ ሓደ ነገር ናዓይ ዘሐጎሰኒ እቲ ሰብ ሃገራውነት ኣየጥፈአን።ብኤርትራ ክትዛረብ ከለኻ ሕቡንን ደላይ ናጽነቱን እዩ።እቲ ዘሕዝን ግን ሓደ ከምዚ ዝአሰለ ክሪሚናል(criminal) ኣነ ይብሎ ነቲ ሕቡን ህዝቢ ክቐትልን ክቐጽዕን ምርኣይ እዩ።

v     ብዛዕባ ኤርትራዊያን ኣብ ሊቢያን ካልእ ቦታ ዘለዉ ሽግራቶም ንምፍታሕ ብወገን እቶም ዝሕግዙኹም መንግስታት ማለት ብወገን ጥልያን፡ ሊቢያን ካልኦትን እንታይ ዝተገበረ ጻዕሪ ኣሎ?

እታ ሓንቲ ሃገር ትሕግዘኒ ዘላ ብወገን ጥልያን ዝተገበረ የለን።መንግስቲ ጥልያን ምስ መንግስቲ ሊቢያ ፖለቲካውን ወታደራውን ሰምምዓት ገይሩ ኣሎ።እቲ ዶብ ምእንታን ኽሕለው።እቶም ዝሃድሙ ንምዕጋት ማለት እዩ።ንኽወጹ ዕድል የብሎምን፡ መንግስቲ ጥልያን’ውን ነቲ ኢሰያስ ዝደልዮ ነገር ደይ መደይ ኢሉ ይድግፍ ኣሎ ማለት እዩ።ስለምንታይ ንሕና ሰለስተ ኣርባዓተ ግዜ ናይ ሊብያ ነገር ብኣንመስቲ ኢንተርናሽናል ተከታቲልናዮ ኢና።እንድሕሪ ነዞም ኤርትራዊያን ኣውጺኽሞም ክትኩንውኑ ኢኹም ተባሂሎም፡ መንግስቲ ሊብያ ኣይነውጸኦምን ኢና ኢሎም።ሰለስተ ኣርባዓተ ወርሒ ሱቕ ኢሎም የዐሼሙና፡ ብክልተ ነፈርቲ መሊኦም ወሲደሞም። በዚ ጉዳይ ኣነን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከሲስናዮም።ሕጂ መንግስቲ ጥልያን እንታይ እዩ ዝገብር ዘሎ ደጋፊ ኢሰያስ ስለዝኾነ ነቲ ዶብ ናቱ ዓጽዩ ምእንታን እቶም ስደተኛታት ከይኣትዉ።ስለዚ ክሳብ ሕጂ ብወገን ጥልያን ዝተገበረ የለን።ብኤውሮጳዊ ፓርልያመንታርያን ግን ዝተገበረ ነገር ኣሎ።ናይ ሓንቲ ደቨሎፕመንት ኢንኮፐሬሽን(Development Incorporation) ትካል ሓላፊት ዲርክተር ሊዛን ሞርጋንቲኒ እትባሃል ኣብ ዝሓለፈ ቕነ ከይድናያ ” እዚ ነገር ቅልጡፍ ፍታሕ ክርከበሉ ኣለዎ ኢላ”።ንሳ ሓንቲ ካብተን መሓዙተይ ትድግፈኒ ዘላ እያ።ብወገን ቱኒዝያ ሓድሽ ነገር ስለዝኾነ ንክታተሎ ዘለና ጉዳይ ኮይኑ፡ መንግስቲ ቱኒዝ ከምዘይገፎም ንፈልጥ ስለምንታይ ንሕና ከይድና ተዛሪብናዮም።ስራሕ እንተረኺቦም ይስርሑ፡ መገዲ በዚ ናይ መርከብ ንሕና ኣይንቕበሎን ኢና ስለምንታይ ሰብ ክሃልቕን ክመውትን ይኽእል እዩ ኢሉና።ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮነ ብኤውረጳዊ ሕብረት ነዚ ኩሉ ንቃለሶ ዘለና ክስባ ሕጂ ዝተገበረ የለን፡ ፍታሕ’ውን ኣተረኸቦን።

v     እዞም ክሳብ ሕጂ ኤውርጳዊ ከይድኪ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኤርትራዊያን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ተረኽበሉ ተዛሪብክ ነይርኪ።እዚ ስራሕ ክግበር ከሎ ንምንታይ ናብ መድያ ኣይምጽን ኣሎ? ንምንታይ ኣብኡ ከይድኪ?

ብዕለት 15 መጋቢት ብናይ ኤውሮጳዊ ኮሚሽን ማለት ኤውሮጳዊያን ፓርላመንት ዝባሃል ተዓዲመ ከይደ።እቲ ኣኼባ ብዝዓባ ሰብኣዊ መሰላት እዩ ነይሩ።ኣብዚ ኣኼባ ኣምባሳደር ኤርትራ ዓንደብርሃን ወ/ጊዮርጊስ ተርኺቡ ነይሩ።እቲ ኣቦ መንበር ዝነበረን እቶም ፕረስደንታትን ኣብ ኤርትራ ግቡእ መሰል ደቂ ሰባት ኣይተኽበርን ኣላ ኢሉ ሓቲቱ። ኣነ ብዝተኸኣለ መጠን ኣብ ኤርትራ ጸቕጢ ኣሎ፤ኣብ ኤርትራ ሰብ ይመውት ኣሎ፤ኣብ ኤርትራ ሰብ ይህበስ ኣሎ፤ኣብ ኤርትራ ስብ ይጠፍእ ኣሎ፤ኣብ ኤርትራ ካብ ንእሽተይ ክሳብ ዓብይ ኣብ ሳዋ ዝባሃል ቦታ ወታሃደራዊ ትምህርቲ እናሃቡ ዳርጋ እቲ ቤት ትምህርቲ ተሪፉ ኣሎ፤ብመገዲ እምነት እንተሪኢና ድማ እቶም ናይ የህዋ መሰካክር፤ፕሮቶስታንት፡ ኢቨንጂሊስት፡ ምስልምና ብስም ግብረሽበራ(terrorist) ተኣሲሮም ኣለዉ።ሕጂ ከምተኸታተልናዮ ድማ ብናይ ፖለቲካ ይብልዎም ኣለዉ።

ኣቶ ዓንደብርሃ እንታይ ዝብል መልሲ ሂብሉ ንሕና ኢትዮጵያ ኩሉ ግዜ ስለትደፍኣና፡ ኢትዮጵያ ኩናት ክገብር እየ እናበለት ድቃስ ስለዝኸላእትና እቲ ሃገር ሰላም ዘይምህላዉ እወ ሓቕኹም ግን እዚ ኩሉ ኣይወረደን ሓሶት እዩ ኢሉ።ኣን ብወገነይ ምኽንያት ንምርካብ ሕጂ ኢትዮጵያ ትብሉ ኣለኹም፡ ምስ ኢትዮጵያ ድኣ እዚ ኩሉ ዓመት ተዓርቑም ነይርኩም ሙሽ?ተሰማሚዒኹም ሙሽ ክሳብ 1998? ካብ 1991-1998 እንታይ ተገይሩ? ብጀካ ጸቕጢ። ንስኺ ደጋፊት ኢትዮጵያ ኢኺ ዝብል መልሲ ሂቡኒ።እቶም ካልኦት ፓርላሜንታል እንታይ ኢሎም ካልእ ምኽንያት ኣይትድለይ እያ ትብለካ ዘላ። ኣበይ ኣለዉ እቶም ዓሰርተ ሓሙሽተ? ኣበይ ኣለዉ እቶም ጋዜጠኛታት? ኣበይ ኣልዉ እቶም ሃይማኖታዊያን? ኢላ እያ ተሓተካ ዘላ ነዚ ትምልስ እንተኮይናካ መልስ እንተዘየሎ ናትካ ድኽመት ንፈልጥ ኢና ሱቕ በል ኢሎሞ።እቲ ሕቶ ከይተመለስ ንሕና ተቛውምቲ ዝባሃል ኣይንኣምነሉን ኢና ኢሉ። ብዛዕባ ተቓወቲ ድኣ ኣለዉ እምበር ኣነ ከማን ከም ተጣባቒት ስብኣዊ መሰላት ጥራይ ዘይኾንኩስ ከም ኣባል ናይ ሓንቲ ተቓዋሚት እየ ኣብዚ ተዓዲመ መጺኤ ኢለ መሊሰሉ። ንሱ እንታይ ዝብል መልሲ ሂብሉ፡ እዞም ተቓውምቲ ዝባሃሉ ኣልቓዒዳ ግብረሽበራዊያን ኢዮም ኢሉ።እቶም ፓርሊያምንታሪያን ኮሪዮም ተሲኦም እንታይ ኢሎም” ስማዕ እምባኣር ንሕና ዓደምቲ ኣልቓዒዳ ኢኹም ትብላና ኣለኻ?” ንሕና ንዶክተር ኣልጋነሽ ንፈልጣ ኢና ኩሉ ግዜ ሓደ መንግስቲ ዲክታቶራዊ ክኸውን ከሎ ንዓኩም ዝቓወመኩም ግብረሽበራዊያን ኣልቓዒዳ ኢኹም ትብልዎም፡ ጽቡቕ ዘይትምልስ፤ሕቶታት ዘይትምልስ ኢሎሞ።ነቲ ሕቶታት ከይመለሰ ተሲኡ ከይዱ።ኣብቲ ኣኼባ ኣስታት 150 ዝነበሩ ኣባላት ኮሚሽንን ፓርላመንትን ገሪምዎም ዋጭ ዋጭ ኢሎም እዚ ድኣ እንታይ ይባሃል ኢሎም።ሓገዝ ንኤርትራ ዝዋሃብ  ንግዚኡ ጠጠው ከብልዎ ወይ  ኣብ ህዝቢ ምእንታን ክበጽሕ ምቑቕጻር ክግበረሉ ሓቲተ።ስለምንታይ እቲ ዝዋሃብ ዘሎ ሓገዛት ኣብ መሸመቲ ኣጽዋር ዝውዕል እንተኾይኑ ኣይጠቕምን ዘሎ ብምባል ተዓጽዩ።

v     ዶክተር ንስኺ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት በጽሒኺ።እንታይ እዩ ኣበጊስኪ?
ኣነ ከምቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝበልክዎ እቲ ጭንቂ ናይ ህዝበይ ኣብ ሕቖይ ሓዚለዮ ስለዝኸይድ፡ ምስ ገለ የዕርኹተይ ተሰማሚዐ እዚ ጉዳይ ክርእዮ ኣለኒ ብምባል ከምእውን ኣብዚ ሰለስተ ኣርባዓተ ዓመት ሓደሽቲ ኤርትራዊያን ናብ ኢትዮጵያ ይመጹ ኣለዉ ዝብል ሰሚዔ ነይረ።ሕጂ እንታይ እዩ ነይሩ እቲ ሕቶ ኣብኡ ብኸመይ ይበጽሕ? ከመይ ገይረ እቲ ናቶም ድምጺ ንዓለም የስምዕ ዝብል ሓሳብ ሒዘ ተበጊሰ።ብሓገዝ እዚ ሓድሽ ኪዳን ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዘድልይ ቢሮክራሲ ቅጥዒ ብዝቐልጠፈ ኣስሊጦምለይ፡ ፍቓድ ረኺበ።ብድሕሪኡ ነዞም ክልተ ጋዜጠኛታት ሒዘ ከይደ።ኣብቲ ዝበጸሓናዮ ካምፕ ኣስታት 8,900 (ሽሞንተ ሽሕን ትሽዓተ ሚኢትን) ኤርትራዊያን ኣለዉ።ካብኦም 2566 ደቐንስትዮ፤ 5034 ሰብኡት፤ 883 ቆልዑ(ካብ 0-4 ዝዕድሜኦም) እዩም።ካብቲ ህዝቢ 40% ካብ ብሄረ ኩናማ እዮም።እዚኦም ካብ 4-5 ዓመት ንላዓሊ ኣብቲ ቦታ ዝገበሩ እዮም።ኣነ ካብቲ ዝርኣኹዎ ዝገረመኒ እንታይ እዩ ናይ ስደት ነገር ከቢድ እዩ እንተኾነ ግን እቲ ዝነብርሉ ቦታ ናይ መጨረሻ ምድረበዳ እዩ።ሙቐት ዘለዎ፤ ከተተንፍስ ኣይትኽእልን ኢኻ፤ ቐጠልያ ዝባህል ከማን የብሉን።ኣብኡ ብትብዓት ኤርትራዊያን ናቶም ገዛውቲ ሰሪሖም፡ መራኸቢ ቦታታት ሰሪሖም ብጭቓ ማለት እዩ።ንሕና መጀመሪያ ኣብቲ ቦታ ምስ ኣተና ሓንቲ ኮሚቴ እያ ተቐቢላትና።እንታይ ገሊጻትልና ንሕና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምስጋናን ነቕርብ ስለምንታይ ካብ ጭንቂ ወጺና ኣብዚ ምስ መጻና ብጽቡቕ ተቐቢላትና።ግን ድሓር ናብ ማሕቡስ ሰዲታትና እዚ ቦታ ናዕና ማሕቡስ እዩ።ኣብ ጭብቂ ናይርና ካብ ጭንቂ ኣውጺኣትና ናብ ጭንቂ የኤቶምና።ንሕና እንታይ እዩ ተስፋን? ስደተኛታት ኮይና ክንነብር ዲና? ወይስ ክንመውት ኢና? ዝብል ሕቶ ነይሩ።ብምቕጻል እታ ኮሚቴ ብሰንኪ ጭንቐት ሰለተ ሰባት ተሓኒቖም ከምዝሞቱ፡ ሓደ ወዲ 18 ዓመት፤ ሓንቲ ሰበይቲ ኣርባዓተ ቆልዑ ዝገደፍትን ወዲ 25 ዓመት ከምዝኾኑን ካልኡት ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰባት ከምተጸለሉን እታ ኮሚቴ ሓቢራትና።እቲ ናይ ሕክምና ክፍሊ ዘዕግብ ኣይኮነን፡ ብዛዕባ መግቢ ዝምልከት 15 ኪሎ ንልዕሊ ዓሰርተ ሰባት ይህብዎም፤1.5 ኪሎ ዓደስ፤75 ግራም ዘይቲ፤1.5 ኪሎ ጨው ይህብዎም።በቲ ሕጊ ናይ ዓለም ማይ ካብ 6-20 እዩ።ኣክንዲ 20 ሊትሮ ዝህብዎም ሽዱሽተ ወይ እተበዘሐ ዓሰርተ ይህብዎም። ኣብ ሃሩር ቦታ ብመሰረት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት እንታይ እዩ ዝብል 20 ሊትሮ ማይ ንማዓልቲ ንመዓልቲ እዩ።ንሳቶም ግና 6 ወይ 3 ሓንሳብ 10 ይረኽቡ ተረዲኡካ?እዚ ኩሉ ጭንቂ እዩ። ድሓር ድማ እቲ 15 ወይ 20 ዝውስድወን እኽሊ እንታይ እዮም ዝብሉ ሓንቲ ኪሎ ክህበካ ሽጉርቲ እባ ሃበኒ ነቲ እኽሊ መለዋወጢ ገይሮም ንዓዓቶም እተን ዝተረፍ ሒደት እየን።ስለዚ ጥሜት ኣሎ።እቲ ክፍሊ ሕክምና ድሑር ዝኾነ እዩ፡ ውሑድ እዩ ዘሎ፡ ዳርጋ የለን ክንብል ንኽእል።ትምህርቲ የለን ዳርጋ ኩሎም መንእሰያት እዮም ትምህርቲ የድልዮም እዩ።ስለዚ በቲ ኣነ ዝርኣኽዎ ድኽመት ናይ ጉዳይ ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት እዩ።እቲ ሓገዝ ኣበይ ይኣትው ከምዘሎ እንድዒ ሓገዝ ትህብ እንተልያን እንተዘየልያን ኣብ ቦታይ ምስ ተመለስኩ ዝሕተተሉ ጉዳይ እዩ።ስለምንታይ ከምዚ ኮይኑ ዝፈልጦ ነገር የለን።ኣነ ልዑል ተስፋ ይገብር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ድሓን ዝኾነ ቦታ ረኺቡ ማይ ዘለዎ ወይ ናይ ማይ በረኸት ዘለዎ ከንብሮም።

v     ዶክተር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣይግበኦምን እዩ ኢሉ ኣብ ሱዳን ሰሪዘሞ ኣለዉ።እቲ ድኽመት ካብ ኤርትራዊያን ድዩ ወይስ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት? እቲ ጸገም ብኸመይ ክፍታሕ ኢልኪ ትኣምኒ?

ኣነ እቲ ጸገም ከፍታሕ እዩ ብሃሊት እየ።ኣነ እዞም ኣባላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብዝፈልጦ ገበናት ይፍጸም ከምዘሎ ጌጋ ብምዃኑ ንሳቶም ጥራይ እዮ እቲ ጸገም ክፈትሕዎ ዝኽእሉ።በቶም ዝምልከቶም ኣካላት ክፍታሕ እንተኮይኑ ንሕና እንታይ ክንገብር ንኽእል እቶም ክፈልጡ ዝግብኦም ኣካላት ብኸመይ ከምዝፈልጥዎ ምግባር እዩ።

v     ዶክተር ጸገም ኤርትራዊያን ኣብ ደቡብ ኣፍርቃ፤ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከቢድ እዩ።ነዚ ኩሉ እትጥርንፍ ኮሚቴ ኣብ ትካል ሁማን ራይት ኣላ ድያ? ሓበሬታ ስለዘይብለይ እዩ።…..

ቐዳማይ ነገር እተን ዓሰርተ ሽዱሽተ ተቓውምቲ ኣብ ሓደ ምጥርናፈን ሕጉስቲ እየ።እዛ ሓዳሽ ጽላል ኤርትራዊያን ኮይና ቐሪባ ዘላ ብዛዕባ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣጸቢቓ ክትስርሕ ኣለዋ።ምስ ትካላት ሰብኣዊ መስላት ብምርኻብ ከተረደአ ኣለዋ። ደው ከይበሉ ኣብ ደገ እቲ ፖለቲካዊ ምንቕስቓስ ከብርትዕዎ ኣለዎም።እንትይ እዩ ዝባሃል ነይሩ ንስካትኩም ድኣ ናብ ሚኢቲ እንዲኩም ተመቒልኩም።ኤውሮጳዊያን እዚ እዩ ነይሩ ሽግሮም።ሕጂ ኣነ ርግጸኛ እየ ከምዝሕግዙና።ንስኻትኩም ድኣ ከይሰምርኩም ንኢሰያስ ኣይተውድቕዎን ኢኹም ዝብሉ ዝነበሩ፡ ሕጂ ሰሚርና ኣለና። እታ ስምረትና ናይ ብሓቂ ስምራት ኮይና እቲ ኩነታት ናይ ሃገርና ኣብ ውሽጥን ደገን ከነፍልጥ ግብኡና እንድሕሪ ፈጺምና ኣነ ከምዝመስለኒ ብናይ ፕሮፖጋንዳ ኮነ ብንይ ፖለቲካ ምንቕስቃስ እቲ ደኺሙ ዘሎ መንግስቲ ኢስያስ ክወድቕ ይኽእል እዩ።

v     ዶክተር፡ ምንቕስቓስ ሲቪል ሕብረተሰብ(civil society) ንፍትሒ እንታይ ዓይነት ተራ ክጻወት ኢልኪ ትሓስቢ? ርኢቶኪ እንታይ እዩ?

ኣነ ብናትይ ርእይቶይ ሲቪል ሕብረተሰብ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዓብይ ተራ ክጻወት ይኽእል እዩ።ፖለቲካ ክደፍእ ከሎ ጥራይ ካብ መገዲ ወጺኡ። ስለዚ እቲ ኤርትራዊ ሲቪል ሕብረተሰብ ዘቖማ ኣብ ሓደ ዕላማን ጽላልን ኮይኖም ነዛ ስምረት ኤርትራ ኮይና ተረኺባ ዘላ ደገፍትን ሃነጽትን ኮይኖም ክርከቡ ኣለዎም።

v     ዶክተር ንስኺ ኣብ ጎኒ ተቓወምቲ ውድባት ኮይንኪ ኩነታት ሃገር ትከታተልዮ ኣለኺ? ጸገም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክቕየር ዲዩ ወይ ክቕይርዎ ድዩም? እንታ ዝብል ሓሰባት ይመጻኪ?

ኣን ከም ርእይቶይ ኣብዚ እዋን በጺሕናዮ ዘለናን ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ጭንቕን ዝኾነ ፍታሕ ክመጸሉ ሃንጎፋይ ኢለ ተቐቢለዮ እየ።ሓባሪ ናይቲ መፍትሒ ኮይኑ ክቐርብ ይኸእል እዩ።እዚ እንታይ ማለት እዩ ምስታ ቆይማ ዘላ ሓዳሽ ኪዳን እንተሰሪሕናን ተሓባቢርናን በዚ ዝርኣየኒ ኩነታት ኢሰያስ ኣብ ቐረባ እዩ ዘሎ።ሕጂ ካባና እዩ።እዚ ስምረት ናይ ብሓቂ ስምረት እንተጌርናዮ፡ የማን ጸጋም ከይረኣና ከም ሓደ ልብን ኣካልን ሰሚርና እንተ ከይድና ኢስያስ ዘይወድቐሉ ምኽንያት ይብሉን።

v     ዶክተር ከም እተከታተልዮ ጉዳይ ኤርትራ ካብ ዝተፈላለይ ቦታ ብዙሕ ዘረባታት ይስማዕ እዩ።እንታይ እዩ ንሱ እቲ ስርዓት ክፉእ እዩ እቶም ዘለዎ ትቓወምቲ ውድባት ካብቲ ስርዓት ይኸፍኡ ይብሉ።እዞም ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ውድባትን እቲ ስርዓትን ኮፍ ኢሎም ዝነቕፉ ሰባት እንታይ ትብልዮም?

ቐዳማይ ነገር እንድሕሪ ጌጋ ኣሎ ክንቐፍ ኣለዎ።ጌጋ እንድሕሪ ዘየለ ግን ብዘይጠቕም ነገር ምንቓፍ ወይ ምቕዋም ምድሓር ማለት እዩ።ነቲ ቃልሲ ምድኻም ማለት እዩ። ነቲ ቃልሲ ንቕድሚት ዘይምኻድ ማለት እዩ።ነቲ ቃልሲ እዚ ኣየድልዮን እዩ።ሕማቕ ከምዝኾነ ዝስሕቶ ሰብ የለን።

v     ዶክተር ኣብ ናይ መወዳእታ ሕቶይ ኤርትራ ሕጂ ካብቲ ትኸዶ ዘላ ስርዓት መዓስ እዩ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዝመጻ? ናይ ብዙሓት ሕቶ እዩ።ስለምንታይ ሰብ ይፈርሕ ኣሎ ካብቲ ኩነታት ዘሎ።እቲ ስርዓት ፈጢርዎ ዘሎ ኩነታት ናይ ሃይማኖት ናይ ኣውራጃ እቲ ሰብ ነቲ ስርዓት ክቓወሞ ይፈርሕ ኣሎ እቲ ፍርሒ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተፈጢሩ ኣሎ።ንስኺ ነዚ ብኸመይ ትርእዮ?

ኣነ እንታይ ባሃሊት እየ እዛ ተመስሪታ ዘላ ሓድሽ ኪዳን ንኹሉ ኤርትራዊ ልቡ ክትመልሶ ኣለዋ።እምነት ክትህብ ኣለዋ።ኣተኣማማኒት ክትከውን ኣለዋ።ሕጂ እንታይ ኣሎ ህዝቢ ብዛዕባና ኣብ ደገ ዝቃለሱ ኣለውና ከብል ክኸእል ኣለዎ።ቕድም ብግዜ ጀብሃ ዋላ ብግዜ ሻዓብያ ክንቃለስ ከለና እንታይ ይባሃል ነይሩ ኣብ ደገ ኣለውና ደቕና ክቃለሱ ክንሰድድ ይብሉ ነይሮም።ስለዚ ከይፈርሑ ዓው ኢሎም ይዛረቡን ይጻረፉን ነይሮም።እዛ ሓዳሽ ኪዳን እንድሕሪ ኣቦን ኣደን ኮይናቶም ክንቐሳቐሱ ይኽእሉ እዮም።እታ ሓድሽ ኪዳን ኢሰያስ ምስ ወደቐ መንግስቲ ክትፈጥር ትኽእል እያ።ኣብቲ ናይ ግዝያዊ ግዜ እንተድኣ እቲ ኩሉ ብዕልግና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሃይማኖት ኮነ ብኣውራጃ ኮነ መፍትሒ እንተረኺባ።መፍትሒ ክርከብ ኣለዎ እምበር ከምኡ ኢልካ ሓንቲ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ክትከውን ኣይትኽእልን እያ።ግዚያዊ መንግስቲ ኣቒሞም ሃገር ምስ ዝገዝኡ ንግዚኡ፡ ድሓር ኣነ ይመስለኒ ኩሉ ነገር ክታዓራረይ እዩ።ስለምንታይ ኣብ ዓድታት ፓርትታት ክቆማ እየን።ናተን ፖለቲካዊ ፕሮግራማት ነቲ ህዝቢ ዝጠቕም፤ዘገስግስን ዘማሕድርን ከውጻ እየን።እቲ ቅዋም ዝባሃል ኣሎ፡በቲ ቅዋም ክክየድ እዩ።

v     ዶክተር ኣብ መጨረሽታ ናትኪ መደምታን መልእኸትን እንታይ እዩ?

ናተይ መልእኸቲ እንታይ እዩ ስመር ስመር ክብረትካ ክሕለው፤ስመር ናጽነትካ ረኺብካ፤ ስመር ምእንቲ ፍቕሪ ሃገር፤ ስመር ምእንቲ ናጽነት ሃገር።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2786

Posted by on May 11 2005 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net