ጥበብ ኣብ ምፍጣር ጸገማት

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ሰነ 15, 2005
ካርቱም  

ብሰንኪ ምትእትታው መንግስቲ ኤርትራ ዘተ ሰላም ኣቡጃ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቱን ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጠጠው ኢሉ ድሕሪ ምጽንሑ ዝሓለፈ ዓርቡ ኣብ ኣቡጃ ተጀመሩ።ናይ መወዳእታ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበር ዘተ ሰላም ኣቡጃ ኣብ ምጅማሩ ብሰንኪ ምትእትታው መንግስቲ ኤርትራ ንኽልተ መዓልቲ ተዘናቢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ዳግማይ ጀሚሩ።ዘተ ሰላም ዝመርሕ ዘሎ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ሳልም ኣሕመድ ሳለም ኣቦ መንበር ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ነቲ ውድብን ንፕረስደንታት ኣፍሪቃ ኣብ 1993 ኣብ ካይሮ ተሪር ነቐፌታ ብፕረስድንት እቲ ስርዓት ከምዝቐረበሎም ይፍለጥ። ሳልም ኣሕመድ ሳልም ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን፤ ኤርትራን ጅቡትን ከም መንጎኛ ኮይኑ ሰሪሑ።ከምእውን ምስ ፕረስደንታት ሩዋንዳ፤ ዚምባቤ፤ ቡርኩናፋሶን ጅቡትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መንጎኛ ኮይኑ ዝተሳተፍ ኮይኑ እንተኾነ ግን ኣብ 1998 ጻርታቶም ኣይተዓወተን።ኣብ 2000 ኣብ ዝተበጸሐ ስምምዕ ሰላም ብመንጎኝነት ፕረስደንት ኣልጀሪያ ዓብልዓዚዝ ቡተፈሊቓ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተገበር ጻዕሪ ሳልም ከም ኣማኻሪ ናይቲ መንጎኝነት ኮይኑ ክምዝሰረሐ ይፍለጥ።ንሱ ንኣስታት ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ኣቦ መንበር ውድብ ሓድነት ኣፍርቃ ኮይኑ ዝሰርሐ ኮይኑ ኤርትራ ግን ጸግዒ ኢትዮጵያ ሒዙ ብምባል ትከስስ።ኤርትራ ኣብ ዘተ ስላብ ኣቡጃ ብትገብሮ ዛላ ምትእትታው ጸገም ሳልም ምስ ስርዓት ኣስመራ ዝትውደአ ኣይመስልን እዩ።እንትኾነ ግን ሳልም መፍትሒ ንምርካብ እቲ ዘተ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቱን ንምቕጻል ኤርትራ ከም ኣማኻሪት እምበር ከም ሞንጎኛ ከምዘይትሳተፍ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።እዚ ዝኾነሉ ስርዓት ኣስመራ ደጋፊ ተቓወምቲ ከምዝኾነ ብመንግስት ሱዳን መርትዖ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ።ስለዚ ኤርትራ ከም መንጎኛ ዘይኮነት ከም ኣማኻሪ ተቓወምቲ ኮይና ክትቕጽል ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ስርዓት ኣስመራ ዘተ ሰላም ሱዳን ንምፍሻል ዝተበግሰ ስርዓት ምዃኑ እዚ ሓደ መርኣያ እዩ።ድሕሪ ዘተ ሰላም ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ሱዳን ምፍሻሉ ርክብ ስርዓት ኣስመራ ምስ ክይሮን ትሩቡልን ከምዘሓአፈፈ ይፍለጥ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ኣሰይድ ሙስጠፋ ዑስማን ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ተሌቪዥን ኣልጀዝራ ኣብ ዝገብሮ ርክብ እቲ ብሰንኪ ስርዓት ኣስመራ ተዓናቒፉ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ኣቡጃ ቐጺሉ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።ንሱ ኤርትራ ብዘይዕድመ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝመጸት ብምሕባር ንኤርትራ ነቒፉን ሓላፍነት ኣሰኪሙን።ንሱ ምምጻእ ኤርትራ ናብቲ ዘተ ሃንደበታዊ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ መንግስቲ ሱዳን ንኤርትራ ከም ኣማኻሪት ናይ ተቓወምቲ እምበር ከም መንጎኛ ከምዘይፈልጣ ኣፍልጡ።ኣሰይድ ሙስጠፋ ኣስዒቡ ኤርትራ ከም መንጎኝነት ቅብልት ዘይምዃና ምኽንያት ክዝርዝር ከሎ ኤርትራ ምስ ዞባ ዳርፉር ዘራኽባ ጉዳይ ክምዘይለ ብዘይካ ጫድ፤ ሊቢያን ግብጸን ብዶብ ዝራኸባ ከምእውን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ባዓል ናይ ናይጀሪያን ድቡብ ኣፍሪቃን ንጥፍቲ ኣባል ከምዘይኮነት ኣብሪሁ።ስለዚ ኤርትራ ወሽጣዊ ጸገማት ከምዘለዋ ብምጥቃስ ጸገማ ክትፈትሕ ይግባእ ክብል ኣስሚርሉ።ንሱ መንግስቲ ሱዳን ንመንግስቲ ኤርትራ ከም ቐንዲ መሻርክቲ ናይ ዘይምርግጋእን ናይ ዘይምስፋን ሰላም ከምዝወዶ ኣፍሊጡ።እቶም ሞንጎኛ ዝባሃሉ ኣብ 2004 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተካየደ ኣኼባ ሕብረት ኣፍርቃ እሞ ኤርትራ ዘይትሳተፈቶ ከምዝተወነ ሓቢሩ።ሰለዚ ኤርትራ ናይ ሞንጎኝነት ሕጋውነት የብላን ኢሉ።

ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ንመንግስቲ ሱዳን ዘተ ሰላም ኣቡጃ ንምትዕንቃፍ ጻዕሪ ይገብር ክብል ከሲሱ። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ናይጀርያ ኣቶ ዳናኤል ዮውሃንስ መንግስቲ ሱዳን ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ተቓወምቱ ኣብ ኣቡጃ ዝጀመሮ ዘተ ስላም ንምትዕንቃፍ ጻዕርታት ይገብር ክብል ከሲሱ።ኣብ ዜናዊ መግልጺ እቲ ኣምባሳደር እዚ ሓድሽ ነገር ከምዘይኮነ ብምግላጽ ሱዳን ዓብይ ጸገም ኣብ መስርሕ ሰላም ኮይና ኣላ ክብል ኣፍሊጡ።መንግስቲ ሱዳን ንሕና ኣብኡ እንድሕሪ ኣለና ካብ መስርሕ ሰላም ክስሕብ ምዃኑ ኣጠንቂቁ ኢሉ።ተቐማጦ ዳርፉር ንሕና ኣብኡ ክንህልው ድሌቶም ምዃኑ ኣብ ዝገልጽሉ ዘለዉ እዋን መንግስቲ ሱዳን ንዓና ከተርሕቕ ትጽዕር ኣላ ኢሉ።ናትና ተሳተፍነት ድማ ኣብ ትሩቡሊ ሊቢያ ፕረስደንት ናይጀሪያን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍርቃን ፤ ፕረሰደንት ሊቢያ፤ ፕረስደንት ሱዳንን ካልኦትን ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተወሰነ ምዃኑ ኣብሪሁ።መንግስቲ ሱዳን ንዓና ከም ደገፍቲ ተቓወምቲ እዩ ዝከሰና ድሕሪ ምባል እዚ ዝለመድናዮ ዘልረባ እዩ ኢሉ።ኣብ መውዳእታ ኤርትራ ንህዝቢ ሱዳን ደገፍ ከምዘልዋን መንግስቲ ሱዳን ይቐብሎ ኣይቐበሎ ኤርትራ ቐንዲ መሽርክቲ ንመስርሕ ሰላም ብምዃና ንምስፋን ሰላም ኣብ ዳርፉር ጻዕርታታ ክትቕጽሎ ምዃና ኣስሚርሉ።

ኣብ 1992 ፕረስደንት ኤርትራ ናብ እስራኤል ዑደት ኣብ ዝገበረሉ ኣምባሳደር ዳንኤር ቆንሲል ኤርትራ ኣብ ፓሪስ ብምንባሩ ብጉጀለ ጋዜጠኛታት ዓረብ ብዛዕባ እቲ ዑደት መብርሂ ክህብ ኣብ ዝተሓተተሉ ግዜ እተን ንዑደት ፕረስደንት ኢስያስ ዝኮነና ሃገራት ዓረብ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣብ ግዜ ቃልሲ ኤርትራ ዝኾነ ሓገዝ ካብ ሃገራት ዓረብ ከምዘይረኸበት ብምዝራቡ ዓብይ ጸገም ኣብ ዝምድናታት ኤርትራን ሃገራት ዓረብን  ክምዝፈጠረ ይፍለጥ።ስለዚ ኣቶ ዳንኤል ካብቶም ብዲፕሎማሲያዊ ኣገባብ ዘይቕየዱ ዲፕሎማሰኛ ብምዃኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ነበር ኣቶ መሓሙድ ሽሪፎን ካልኦት ሓለፍትን ነቲ ብዳናኤል ዝተዋሃበ መግለጺ ከምዝነጸግዎ ይዝከር።በዚ ምኽንያት ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ብዛዕባ ርክባት ምስ ሃገራት ዓረብ ዝኾነ መግለጺ ከይውጽእ መጠንቐቕታ ከምዝተውሃቦ ይፍለጥ።ንሱ ይቕሬታ ብምሕታት ነቲ ዝትርጉም ዝነብረ ሰብ ናይቲ ዝተገበረ ጌጋ ሓላፍነት ኣሰኪሙ።በዚ ምኽንያትን ድሕሪ ዝምድና ኤርትራን ፓሪስን  ምሕርፋፉ ካብ ፓሪስ ተሳሒቡ ናብ ጅቡቲ ተመዲቡ።ኣብ ግዚኡ ዝምድና ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝበጸሐ ይፍለጥ።ድሕሪ ናብ ኣስመራ ምስሓቡ ናብ ናይጀሪያ ከም ምክትል ኣምባሳድር ክይኑ ተመዚዙ። እንተኾነ ግን ኣምባሳደር ናይጀሪያ ነበር ኣቶ ኣድሓኖም ገብረማሪያም ናብ ተቓወምቲ ውድባት ድሕሪ ምጽንባሩ ከም ኣምባሳደር ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።ሚኒስተር ውጻኢ ጉዳያት ናይጀሪያ ፕረስደንት ኤርትራ ንፕረስደንት ናይጀሪያ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሽምግል ሓቲቱ ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣቶ ዳኒኤል ነቲ ብወጻኢ ጉዳይት ናይጀሪያ ዝተዋሃብ መግለጺ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ ድሕሪ ምባል ፕረስደንት ኤርትራ ንናይጀሪያ ንሽምግልና ከምዘይሓተተ መልሲ ብምሃቡ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ከምዝሓርፈፈ ይፍለጥ። እቲ ኣብ መወዳእታ ዝፈጠሮ ምትዕንቓፍ ኣብ ልዕሊ ዘተ ሰላም ኣቡጃ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቱን እዩ።እቲ ተሪሪ ነቐፌታ ንመንግስቲ ሱዳን ዘቕረቦ እዩ።እዚ ድማ ኣብነት ዲፕሎማሲያዊ ስርሓት ስርዓት ኣስመራ ዘርእይ እዩ።ከም ዝዝከር ኣቶ ዳንኤል ኣብ ሰውራ ኤርትራ ሓደ  ካብቶም ደገፍቲ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ኣብ ህዝባዊ ርክባት ይነጥፍ ከምዝነበረ እምበር ተጋዳላይ ከምዘይነበረ ይዝከር።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2799

Posted by on Jun 16 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net