ፍልልያትና ከም ጸጋ እንተዘይሪኢናዮ ሓደጋ’ዩ !

ቀዳማይ ክፋል

ኤርትራ ሃገርና ካብ ነዊሕ ዘመናት ኣትሒዛ፡ ሃብታም’ያ ክትበሃል እነከላ፡ በቲ ነገራዊ ዕቝር ባህሪያዊ ሃብቲ ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ዝግለጽ’ዩ። ኤርትራ ብነገራዊ ማለት ተፈጥሮ ማዕድናትን ወይ ቅመማውን ሚነራልን ጥራሕ ኣይኮነትን ሃብታም፡ እንታይ ደኣ ናይ ትሽዓተ ሕብረ ብሄራት ጉጅለታት ባህላውን፡ እምነትን እትውንን ሃገር’ያ። እዞም ፍልልይታ ከኣ ክዓብዩን ምዕብሉን’ምበር ክድምሰሱን ኽተፍኡን ዘይግበኦም ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ’ዮም።

ነዚ ከም’ዚ ዝኣመስለ ነናቱ ሙሉእ መነንት ዘለዎ ንምልኣት ሃገር ኤርትራ ዘቆመ ፍልልያት’ዚ ከም ሃብቲ ጸጋ ወሲድና፡ ንምምሕዳሩን ንምንባዩን እንተዘይኪእልና፡ ነቲ ንኤርትራ ዘቆመ መንነት፡ ነቲ ንኤርትራ ዘቆመ ሕብረ ብሄራት ምፍራስ ከም ማለት’ዩ። እዚ እንተፈረሰን እንተተጎድኤን ከኣ ብዛዕባ ሃገር ኤርትራን ህዝባን ኮሪዕና ክንዛረበሉ ዘኽእለና ኣይኮነን።

እቲ ሽግር ዘምጽእ ዘሎ እቲ ፍልልይ ኣቋውማ ህዝብናን፡ ባህሪ ኣቐማምጣ ምድረ ገጽ ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ንፍልልያት ዘይምቕባል’ዩ። ብተወሳኺ ጠንቒ ናይ’ቲ ፍልልያት ዘይምቕባል ተርእዮ ዘጋድድ ብህድኣት ዘይምርኣይን ዘይምምርማርን ክኸውን ይኽእል።

ሓደ ሕብረ ብሄራዊ ጉጅለ፡ ሓደ እምነት፡ ንባዕሉ ኣብ ትሕቲ ጭው ዝብለ ጨፍላቒ ስርዓት ዝመሓደርን ዝናበይን ንባዕሉ ካብ ምልክንን ጭቆናን ከይተገላገለ፡ ንመሰልቱን ኣሕዋት ብሄራትን ሃይማኖታትን ክጭፍልቕን፡ ክጭቁንን ኣይክእልን’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብመሰረቱ ንህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ኣይኮነን፡ ንማንም ብሄር’ውን ዝውክል ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብሓደ ውልቀ መላኺ ዝምራሕ ጉጅለ ፡ ጃንዳ ህ.ግ.ዲ.ፍ እዩ።

ዕላማ ናይ’ዚ ብውልቐ መላኺ ዝምራሕ ጉጅለ ጃንዳ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከኣ፡ ኩሉ ኣፍደጋታት ሰላም ዲሞክራስን ዓጺኻ፡ ህዝቢ ብምእሳርን ብምግፋዕን ስልጣን ምድልዳልን፡ ምንዋሕን’ዩ። ስለ’ዚ ከኣ ኤርትራዊ ይኹን፡ ዘይኤርትራዊ ኣብ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ከቐምጦ ዝኽእል ሚዛን ርዱእ ብምዃኑ ብዙሕ ግዜ ዝወስድ ከመራምረካ ዝኽእል ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽና ኣብ ዝተፈላልየ መድረኻት ገገለ ውልቀ መራሕቲ ንመበቆላዊ ፍልልይ ጸብጺቦም ኣብ ማእከል ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ንኽነጻጸግን፡ ንኽነጻጸልን ብዙሕ ፈቲኖምን’ዮም። እንተዀነ ብዙሕ ከይተጓዕዙ ፈሺሎምን፡ ርእይቶኦም ተጎምጕሞም ዳግማይ ኣብ ናይ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ከይተመልሱ ሓሊፎም’ዮም።

ኣብ ገገለ ተርኽቦታት ህዝቢ ብምድንጋር ይውሓዱ ይብዝሑ ሰዓብቲ ረኺቦም ናይ’ቲ ዘልዓልዎ ግጉይ ርእይቶ ዝተወዓወቱ ዝመስሎም ኣይሰኣኑን። ናይ’ዚ ጉዳይ ኣውራ ኣብነት ክዀነና ዝክእል ከኣ ህ.ግ.ዲ.ፍ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ፍልልያት ጸብጺብካ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ምንጽጻልን ምንጽጻግን ኣሎ ክትብል ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። እቲ ምስ ፍልልያቱ ተሓቋቝፉን ተሰማሚዑን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ባህላዊ እምነታዊ ፍልልያቱ ንምንጽጻሉን ንምንጽጻጉን ዝግበር ሃቐነ ኣብ እዝኑ ባዕዲ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ እቶም ተማሂርናን ፈልይጥናን ዝብሉ እንተዘይኮይኖም፡ እተም ተናሂርናን ሰልጢናን ዝብሉ እንተዘይኮይኖም፡ ንሳቶም ዝዝርግዎ ወግዒ፡ ዘዳርንዎን ናይ ሓሶት መብጽዓታት እንተዘይኮይኑ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኤርትራ ምስ ብሄራታን ብዙሕነት ባህልታትን ይፈልጣ፡ መንነቱን ክብረቱን ከኣ ብኡ ይመዝን።

ሎሚ ምስ’ቲ ምሒዝር ፈላላይ ቅዋም ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ እቲ ንስደት ዘምርሕ ዘሎ ኤርትራዊ’ኳ፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ቃልሲ ዝሓለፍናዮ ሕውነትን ምትሕልላይን ብቀጻልነት ብምውዝውታር፡ ኤርትራዊ ሕልና ዓቒብዎ ይኸይድ ምህላዉ ምርኣይ ዓብይ ምስክርነት ናይ’ቲ ሎሚ በቶም ምሁራትን ናይ ፖለቲካ ፈልጣትን ዝወርድ ዘሎ መርዛም ሕንዚ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ሙሉእ ሓድነት ኣብ ዘየረጋገጸሉ እዋን ንሙሉእ ሓድነት ተቃወምቲ ሓይልታት ጠለባት ምቕራቡ፡ ናይ’ቲ ንመጻኢ ከም ህዝብን ሃገርን ዘዋጽኦ ኣማራጺ ዘይብሉ መንገዲ፡ መስርሕ ህንጻ ዲሞክራሲያዊ ትካል ምዃኑ ብምእምና’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ፍልልያት ባህሊ፡ ሃይማኖት፡ ልምዲ ፈጺሙ ንምጥፋእ ዝግበር ሓድነት ዘይኮነ፡ ነቲ …..

ሕብረ ብሄራዊ ባህሊ ከም ዘለዎ ብምቕባል፡

ከም ዘለዎ ብስልጡን ኣገባብ ብምምሕዳር፡

ንኽዓብን ክምዕብልን ነጽናት ብምሃብ፡

ነፍሱ ከምሓድር ስልጣን ብምሃብ፡

ንምትግባሩ ብዝውስን ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ፡ ኣብ’ዚ ውሳኔ ናይ ክህሉ ዝኽእል ራእይ ኣብ ሓድነት’ምበር፡ ሓድነታዊ ራእይ ንኩሉ ባህልን ልምድን ዝደባልቕን ዝሓዋውስን፡ ዝጥፍእን ዝርምስን ኣይኮነን።

እቶም ወግዒ ዝህቢ ኤርትራ ክዝርጉን ክፍንጥሑን ዝደልዩ ከኣ፡ በቲ ሓድነታዊ ራእይ ናይ ምትሕውዋስን ምጥፋእን ኣንፈት ፖለቲካዊ ንቕሓቶም ዘብልሑን፡ ዝምጕቱን’ዮም። እዚ ናታቶም ሞጎት ከኣ ይረፍስ ሎሚ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ኣብ’ቲ ድሕር ሕብረ ምጣነ ሃብታዊ ቅርጻን፡ ድሕሩ ኣገባብ ማእቶትን ሂወት ህዝቢ ኤርትራ ዝምርሓሉ ዝነበረ መዋእል’ኳ ዘገለግል ሽጣራ ፖለቲካ ኣይኮነን።

እቲ ዝገርም ሎሚ ኣብ ምዕራብ ሃገራት፡ ብስንኪ ኵናት፡ ባህሪያዊ ሓደጋ ካብ ዓዱን መነባብርኡን ዝተመዛበለ ህዝቢ፡ ኣብ ቦታ ስደት ባዕዲ ሃገራት ዝነብር፡ ካብ ሕሉፍ ኵናት ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣትሒዙ ንልዕሊ 50 ዓምታት ኣብ ስደት ዝርከብ ናይ ዝተፈላልየ ህዝቢ ሙሉእ ዓለም፡ ኣብ ናይ ስደት ሃገሩ ባህሉ ቋንቍኡ ተቐባልነት ረኺቡ፡ ብፍላይ ኣብ ባይቶታት ኤውሮጳ መካትዒ ኮይኑ ዘሎ ኣብዝሓ ባህሊ ዘለዎ ህዝቢ ከም ዘለዎም ብሕጊ ንኸስፍሩ ዝቃለስሉን ዝማጎትሉን ዘለዉ መዋእል’ዩ።

ኤሮጳውያን ኣብ ስደተኛታት ዝለዎም ኣረኣእያ ናይ መብዛሕትኡ፡ ብኣውንታዊ ዝርእዮን ዝግምግሞን’ምበር፡ ንስደተኛታት ከም ተጽዕኖን ጸገም ዝርእዮ ኣይኮነን። እቶም ናይ ስደተኛታት ብኣውንታዊ ገምጋማትን ሚዛንን ዘስፍሩ፡ ስደትኛታት በቲ ሒዘሞ ዝመጹ ናይ ስድራ ቤታዊ ምትእስሳር፡ ናይ ስራሕ ባህሊ፡ ናይ ካልእ መዓልታዊ ከም ኣመጋግባ ዝኣመስለ፡ ባህሎም ከም ዝሃብተም ዝርእዩን ዝግንዘቡን’ዮም። ኣውራ ድማ ቁጠባዊ ዕብየቶም ብዘይ ደግፍ ስደተኛታት ክረጋግጸ ይኽእል ዘይምንባሩ ዘመልክትን’ዩ።

እሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደቱ ናይ ብዙሕነት ባህሊ፡ ሃይማኖት፡ ኣብ ስራሕ ዘለዎ ትግሃት በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣብነታዊ ዝዀነ ሚዛን ካብ ዝተነበረሉ፡ ኣብ ሃገሩ ብሃይማኖትን ብሄራት ፈላልዮም ከዳኽምዎን፡ መንነቱ ከጥፍእሉ ኣብ ሓሰር ሓዊ ዝርኵዑ ደቂ ሃገር ብኽመይ ክምዘን ይኽእል።

ይቕጽል

ዕለት 2 ሕዳር 2009

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=28

Posted by on Nov 4 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net