ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ብሃንደበታዊ ሕማም ዓሪፉ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር

ጥቅምቲ 18, 2005

ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ቃልሲ ንምስፋን ናጽነተን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ  ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ኣቦወንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኣቶ ስዩም ዑቕባሚካኤል  ብሃንደበታዊ ናይ ልቢ ሕማም ዓሪፉ።

ኣቶ ስዩም ፍሉጥ ተጋዳላይ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ መዓስከር ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ’ውን ካብቶ ዓበይቲን ፍሉጣትን መራሕቲ እዩ ኔሩ፣ንሱ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብቲ ዝጸንከረ ዓመታት ደው ከምዝብልን ከምዝቕጽል ዝገበረ መራሒ እዩ።እዚ ክኾነሉ ዝኸኣለ ስለቲ ንሱ ዝፍለጠሉ ዓቢ ናይ ሞራል ዓቕምን ተጻዋርንትን ተስፋ ናይ ዘይሙቕራጽን ተባዕነትን ተሪር መርገጸን ዝነበሮ ተውሀቦ እዩ።

ኣቶ ስዩም ንጹር መርገጺኡን ብሃገራውነቱ ዝሕበንን መራሒ፣ ንሱ ኣብ ሃገራዊ መርገጺኡ ጽኑዕን ዋጋ ዕዳጋ ዘይፈልጥን እዩ ኔሩ።ንኣብነት ኣቶ ስዩም ኣብቲ ዶባዊ ውግእ ዝግበረሉ ዝነበረ ግዜ  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣዝሃቦ ቃል ኢትዮጵያ ውግእ ደው ከተበል ብምጽዋዕ ንባድመ ገዚኣ ኢትዮጵያ ብምባል፣ ናይቲ ውግእ ምቕጻልን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምእታውን መግዛእቲ እዩ ምባሉ ናይ ሓልዮትን ተባዕነትን ኣብ ልዕሊ ህዝቡን ሃገሩን መርኣያ እዩ።

ንሱ ካብ መርገጺኡ ከይትኣልየ ክሳብ መወዳእታ ሂወቱ ብተባዕነት ተቓሊሱ።ኣቶ ስዩም ዝመሰለ ሃገራዊ መራሒ (ጅግና) ካብ ገዛእ መሬቱ ኣብ ካልእ ዓዲ ክቕበር መርኣያ ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረሉ ዘሎ ጭካኒ ኩነታት እዩ።ኣቶ ስዩም መባእታ ተምህርቲ ኣብ ቤት/ት ጣልያን፣ ካልእይ ደረጃ ኣብ ቤት/ት ልኡል መኮነን እዮ ወዲኡ፣ ብድሕሪዚ ናይ ቃልሲ መንፈስ ሓዲርዎም ካብቶም ቀንዲ ወደብትን ኣወሃሃድትን እዩ ኔሩ።ንሱ ኣብ መወዳእታ ግቡኡ እንዳ ፈጸመ ኣብቲ ግዜ እቲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተዋህቦ ዕማም ንምፍጻም ንስሱዳ ግጹ እንዳኸደ ተኣሲሩ፣ ከምኡውን ካልእ ዕማማት ኣብ ኢትዮጵያ ንምፍጻም ይሰርሕ ኔሩ።ንሲ 1965 ዝተገብረ ናይ ተምሃሮ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ኣስመራ ካብቶም ቀንዲ ተሳተፍቲ እዩ ኔሩ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ካርቱምን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰውራዊ ባይቶ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም ዳሳት ተተኪሎም ውዒሎም።ካብቶም ቀዳሞት በጻሕቲ ኣቦወንበር ኤዲኪ ኣቶ ሑሴን ከሊፋ፣ ኣቶ ኣሕመድ ናስር፣ ዶር በየነ ኪዳነን፣ ካልኦት መራሕቲ ተቓወምቲ ውድብባት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ እዮም ኔሮም።ከምኡ’ውን ብኣማኢት ዝፍቀዱ ኤርትራዊያን ኣብ ዝተፈላለያ ኩርንዓት ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳንን ጀርመንን ናብ ቤት ጽሕፈታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ብምብጻሕ ነቲ ውድብን ስድራቤት ስዉእን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም ክብል ውዒሎም።

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር ምስ ገለ ካብ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ብዛዕባ መስዋእቲ ኣቶ ስዩም ዝገበሮ ሓጺር ቃለ-መሕተት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

ሱዳናዊ በዓል ስልጣን

ዓቢ ሱዳናዊ ብዓል ስልጣን ንGIC ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣቶ ስዩም ጽኑዕን ብጉዳይ ህዝቡ ዝኣምንን፣ ንጹር ኣረኣእያን፣ ዓቢ ተራ ኣብ ምሕያል ተቓወሞ ዝተጻወተ እዩ ብምባል ናቱ መስዋእቲ ዓቢ ሓዘን ንሓው ህዝቢ ኤርትራ እዩ ኢሉ።ንሱ ብተወሳኺ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ንስድራቤት ስዉእን ንህዝቢ ኤርትራን ኣመሓላሊፉ።

ኣቦወንበር ኤዲኪ ኣቶ ሑሴን ከሊፋ

ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም ምእንቲ ህዝቡ ዝተቓለሰ ሃገራዊ መራሒ እዩ፣ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ተራ ዝነበሮ ኮይኑ፣ ንምሕያል ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዓቢ ጻዕሪ ጌሩ እዩ።ንሱ በቲ ዝነበሮም ህዱእ ዲፕሎማስያዊ ክእለት ንምሕያልን፣ ሓድነትን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ።ናቱ መስዋእቲ ንህዝቢ ኤትራን ንተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ንቤተሰቡን ዓቢ ክሳራ እዩ ክብል ገሊጹ። ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ሃገራውያን ሓይልታትን ንስድርኣቤት ስዉእን ጽንዓት ይሃብኩም ክብል ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣቶ ብርሃነ ኪዳነ (ሃንጀማ)

ብመጀመርያ ንስድራቤት ስዉእን ንውድብ ሶውራዊ ባይቶን፣ ንኤዲኪን ንህዝቢ ኤርትራን፣ ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።መስዋእቲ ኣቶ ስዩም ንተቓወምቲ ሓይልታት ዓቢ ክሳራ እዩ።ነቲ ንሱ ዝተቓለሰሉ ዕላማ ንምተግባር ክንሰርሕ ይግብኣና፣ ስዩም ሓያል መራሕ ብምንባሩ ናቱ መስዋእቲ ዓቢ ሃጋፍ ፈጢሩ፣ እንተኾነ ግን ብሓድነታዊ መስርሕ ነዚ ሃጋፍ እዚ ምሽፋን ይግብኣና።እዚ ድማ ምእንቲ እቲ ንሱ ዝተቓለሰሉ ምስፋን ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ንምትግባር እዩ።

ዶር በየነ ኪዳነ

ኣቶ ስዩም ብዓቢ ተስፍኡ ዝፍለጥ መራሒ፣ ናይ ኩነታት ምጽንካር ብዘየገድስ ንመጻኢ ብብሩህ ኣረኣእያ ዝጥምት ዝነበረ መራሒ እዩ።ኩላትና ከምቲ ስዩም ዝሓለፎ ክንሓልፍ ኢና እቲ ዓቢ ሓዘን ግን ኣብ ኣዝዩ ወሳኒ ግዜ ኣብ ታሪኽ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዓርፉ፣ ናቱ መስዋእቲ ንሃገራዊ ቃልስን ንስዳቤቱን ዓቢ ክሳራ እዩ።ንህዝቢ ኤርትራን ቤተሰቡን ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

ኣቶ ኣሕመድ ናስር

ሃንድበታዊ መስዋእቲ ናይ ኣቶ ስዩም ንተቓወምቲ ሓይልታትን፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ዓቢ ስምባደ እዩ ኢሉ።ብፍላይ ድማ ኣብዚ መድረኽ እዚ ኣብ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ኤርትራ ኣንጻር ዲክታተራዊ ስርዓት።ኣቶ ስዩም ኣብ ዝተፈለለየ እዋናት ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ዝተፈላለየ ናይ መሪሕነት ቦታታት ዝሓዘ ኮይኑ፣ ተሪርን ኣብ መርገጺኡ ጽኑዕ ዝኾነ ንመጻኢ ብብሩህ ኣረኣእያ ዝጥምት እዩ ኔሩ፣ ፖልቲካዊ ፍልልያትና ብዘየገድስ መስዋእቲ ኣቶ ስዩም ናዕና ዓቢ ክሳራ እዩ።ንስድራቤት ስዉእን፣ ንህዝቢ ኤርትራን፣ ንተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

ዳኢረክተር ናይ GIC ኣቶ መሓመድ ጠሃ ተወከል

ብመጀመርያ ንህዝቢ ኤርትራን፣ ንስድራቤት ስዉእን፣ ንውድብ ሶውራዊ ባይቶን፣ ንመላእ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

ሎሚ መዓልቲ ኤርትራ ዓቢ መራሒ ከሲራ።ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ ምስኡ ኣብ ዝገበርክዎ ርክብ ነቲ ዝነበረ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ሰጊርና ብጽቡቕ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ንኽንሰርሕ ተስሰሚዕና ኔርና።ስዉእ ኣቶ ስዩም ተባዕን ሓቀኛን ሓላፍነት ዝስምዖ ሓላፊ እዩ ኔሩ፣ ንሱ ዓወት ናይ ግድን ክመጽእ ምኻኑ ዝኣምን ዝነበረን፣ ምእንቲ ምሕያል ተቓወምቲ ውድባት ዝሰርሐ መራሒ እዩ ኔሩ።

መስዋእቲ ኣቶ ስዩም ንተቓወምቲ ኤርትራ ዓቢ ክሳራ እዩ፣ ንሱ ካብቲ ዝኣምነሉ መግለጺ ከይትኣልየ ካብ ንንእስነቱ ከሎ መርገጺታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሒዙ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ብተባዕነት ተቃሊሱ።

ኣቶ ስዩም ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ይኹን ኣብ ድሕሪ ናጽነት ምእንቲ ዲሞክራሲ ዓቢ ኣበርክቶ ዝነበሮ ኤርትራዊ መራሕ እዩ።ንሱ ኣብ ምምስራት ሃገራዊ ምሕዝነት 1999 ዓ.ም ከምኡ’ውን ኣብ ምምስራት ኤዲኪ 2005 ዓ.ም ዓቢ ተራ ዝነበሮ እዩ።ውድብ ሶውራዊ ባይቶ ኣሰር ስዉእ ኣቶ ስዩም ተኸቲሉ ኣብ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ዓቢ ተራ ክህልዎ እምነት ኣለኒ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2814

Posted by on Dec 18 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net