ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ያቆብ እንድሪያስ

ጋልፍ ኢንፎርመሽን ሰንተር
ሓምለ 19, 2005
ካርቱም

 

      ኣቶ ያቆብ እንድሪያስ ኣቦ መንበር ምሕዝነት ተሳትፎ ምንቅስቃስ ኤርትራዊያንን ሓላፊ ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባርን ኣብ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ንምስታፍ ኣብ ካርቱም ይርከብ።ብምኽንያት ሽውዓተ ውድባት ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ንስምረተን ንፋልማይ ግዜ ጉባኤ ንምግባር ኣብ ዝሽባሽባሉ ዘለዋ ግዜ፡ ነቲ ጉባኤ ኣመልኪቱን ካልእ ኣርእስትታን ኣመልኪቱ ምስ ጋልፍ ኢንፎርመሽን ሰንተር ዝገበሮ ሓጺር ቃለ መሕትት እነሆ፡

 

v     ኣቶ ያቆብ እንድሪያስ ኣቦ መንበር  ምሕዝነት ተሳትፎ ምንቅስቃስ ኤርትራዊያን፡ ኩነትት ኤርትራዊያን ኣብ ስደት ዘለዉ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኩነታት ተቓወምቲ ኤርትራዊያን ብፍላይ ከመይ ትርእዮ

 

መጀመሪያ ኣብ ቤት ጽሕፈትኩም ተረኺበ ነዚ ቃለ መሕትት ክገብር ብምዕዳምኩም የመስግን።ብመሰረቱ ክሳብ ሕጂ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን ናይ ተቓወምቲ ውድባቱን ድማ ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንፈልጦ ነገር የለን ስለምንታ እዩ ደቂ ህዝቢ ኢና ካብ ህዝቢ ስለዝወጻና ድማ ልዕሊ ህዝቢ ንፈልጦ ኣሎ ክባሃይ ኣይካእልን። ግን ኣብቲ ውድባት ኣብ ገሊኡ ከም መርሓቲ ኮይና ንቃለሰሉ ዘለና ክንርእዮ ከላና እቲ ተሞክሮታት ይፈላለይ ጥራይ ኢልና ኢና ክንሓልፎ ንኽእል።እዚ ዝብሎ ዘለኹ ጉዳይ ናይ ተቓውሞ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናበዝሐ ይኸይድ ከምዘሎ እናተነገረ ክኸይድ ጥራይ እዩ ጸንሑ። ኣብ ገለ ገለ እዋናት ንህላውነቱ ጥራይ ናይ ምዕቃብ ኮይኑ፤ ኣብ ገለ ገለ እዋናት ተደጋጋሚ ዝኹነ ዳርጋ  ከም ደርፉ ተወሲዱ ኣብ ገሊኡ ብዙሕ ናይ ምድማዕ ዘይብሉ ክንሱ ዳርጋ ከም ኣመል ተወሲዱ ብምርባሕ ይኹን ብኻል ሸነኻት ንህዝቢ ክዋሃቦ ዝጸንሐ ዘይኣፍራይ ምትእክካባት ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።

 

v     ሽውዓተ ዝተፈላላያ ውድባት ኣብ ትሕቲ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ ንስምረት ይእትዋ ከምዘለዋ ይፍለጥ። እቲ ቐንዲ ምኽንያት ወይ ድፍኢት ናብዚ ክትኣትዉ ዘገደደጉ እንታይ እዩ?

ንሕና ብፍላይ ብደረጃ ምንቅስቃስና ክንርእዮ ከላና ክሳብ ሕጂ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ከነዕውት ኢልና ሓንቲ መዓልቲ ዝተበገስናሉ ኣይነበረን።ኩሉ ግዜ እቲ ናይ ሓባር ሰፊሕ ዝኾነ ምትእኽኻባት ካብ መጀመሪያ ክምስረትን ካብ’ውን ብሓባር ንምስራሕ ዘተኮረ ቃልስታት ኢና ከነካይድ ጸኒሕና።ብዛዕባ ተቓወምቲ ብውድብ ደረጃ ተሰሪዒኻ፡ ንሕናውን ኣባላት ውድባት ኮይና ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኣትሒዝና ብድሕሪ’ውን እተን ህንጻታት ወይ እተን ፋሕ ዝበላ  ውድባት ተጋድሎ ሓርነት በብሓደ ፈቲናየን ኢና።እንተኾነ ግን ብኸምኡ ኣገባብ ተሰሪዒኻ ንውድባዊ ዕብየት ናይ ምድኻም ቃልሲ ኮይኑ ስለዝተራእናዮ፡ ንሕና ከም ምንቅስቃስ ብፍላይ ቃልሲ ከነተኣታትው ብፍላይ ድማ ብሓባር ክንገብሮ ንኽእል ልዕሊ እቲ ውሑድ ዘፈላልየና ቐዳምነት ብምሃብ ንናይ ሓባር ቃልሲ ክንደፍእ ጸኒሕና።እዚ እናተገበረ ከሎ ኣብ ታሪኽ ከም ናይ ሓባር ጽላል ንመጀመሪያ ግዜ ዝተመሰረተ ሃገራዊ ምህዝነት ኤርትራ ብፍሉይ ንሱ ዘቐመጦ ቻርተር ንምዕዋት ካልእ ፖለቲካዊ ፕሮግራማት ሃሰውሰው ከይበልና ነዊሕ ተቃሊስና።ኣብዝ’ውን ብተሞክረና ክንርእዮ ከለና ኣብቲ መጀመሪያ ርኢቶና ዝደፈአ ዝመስል ነይሩ።ከይዱ ከይዱ ግን ኩሉ ግዜ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ምትእኽኻባት ናይተን ወድባት ብነባር ሕዱር ዝኮነ ናይ ቃልሰን ኣገባብ ዋላ’ውን ንቕድሚት ዝኸይድ ዝመስል ዝነበረ ናይ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ምትእኽኻባት ንድሕሪት ክጎቶ ክኢሉ እዩ።እዚ እቲ ቅድም ዝሓለፈን ኣብ ውሽጢ ዝተሓመየን ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ዘሕለፍናዮ ተሞክሮ ክሊቲኡ ብምምዝዛን ኣብ መጨረሽታ እኩብ ድምር ናይዚ እንታይ ውጽኢት ሂቡ ካብ ዝብል መጽናዕቲ ኢና ኣብዚ ናይ ሸውዓተ ውህደት ከነጽንዕ፡ ብመጀመሪያውን ናብኡ ገጽና ከነዘንብል ዝገብርና ማለት እዩ።እዚ እንታይ ማለት እዩ መሰረታዊ ናህና ጥንሲ ሓሳብ ኣብዚ ናይ ሸውዓተ ውህደት፡ ብናህና ዝሓሰብናዮ ወይ ካልኦት ዝሓሰብዎ ሓደሽቲ ሓሳባት ዝተበገሰ ዘይኮነ ካብ ጉድለት እንታይ ተማሂርና ንኡኡ ከ እንታይ መተካእታ ከነምጻሉ ካብ ዝብል ዝተበገሰ እዩ።

 

v     ንስኻ ካብ ኣመሪካ፡ ኣብ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ንምስታፍ ካርቱም ኣቲኻ ኣለኻ።እዘን ሸውዓተ ውድባት፡ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጻ፡ ነቲ ስምረት ብግቡእ ተዳሌናሉ ኣለዋ ዶ ትብል?

ኣነ ብወገነይ ክርእዮ ከለኹ ሓቂ እዩ እቲ ድሕረ ባይታ፡ ናይ ቕድሚ ሕጂ ንቕድሚ ከይንስጉም ወሳኒ ግደ ዝተጻወተ ኣተኣለላይና እዩ ነይሩ።ስለዚ ነዚ ጽባሕ ንግሆ ንእትዎ ዘለና ውህደት ዝኣክል መጽናዕቲ፡ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ጌጋታት ንዕኡ ንኸይድገም ብጥንቃቐ፡ ንኡኡ ዘድግም ነገራት እንተልዩ’ውን ብግቡእ ኣጽኒዕናን ኣለሊናን ንኡኡ ክሰግር ዝኽእል ባእታትትን ርእይቶታትን ኣለሊና ዝኣተናዮ ነገር እዩ።ኣነ ብዝመስለኒ ብርእይቶይ ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎ እንቋቁሖ ከይጫጭሐ ጨቓዊት ኣይንፈቐድን ኢና፡ ግን እቲ እንቋቁሖ ተሓቑፉ ኣሎ።ስለዚ እንቋቁሖ ክሕቑፉ ከሎ ተስፋ ስለዝኾነ ነቲ ከሳብ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና ከም ተስፋ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ገለ ውጽኢ ክህልዎ ኢለ ይእምን፡ ብእኡ መሰረት ድማ ተዳሊና መጺና ኣለና።ብፍላይ ድማ ምንቅስቃስና ነዚ ንኸዕውት ንሓያለ ግዜ ክሰርሕ ጸንሑ እዩ።ኣብዚ ምስ መጻኹ’ውን ምስቲ ዝጸንሓና ተመሳሳሊ ኣራእያ ኣብ ጉባኤ ከይኣተና ከለና መንፈሳዊ ስምምዓትን ብሩህ ተስፋን ከምዘሎ ንዓይ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ።

 

v     ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ተሞክሮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ  ከመይ ትግምግሞ፤ እዘን ተቓወምቲ ሓይልታት ነቲ ዘሎ ስርዓት ከትካኣ ይኽእላ ዶ ትብል? እተዘይኮይኑውን እዘን ተቓወምቲ ሓይልታት እቲ ስርዓት ምሰአን ኮፍ ኢሉ  ክዝትያ መገዲ ወይ ክእለት ኣለወን ዶ?

ኣነ በታ ሳልሰይቲ ሕቶኻ ክጅምር።እዚ ምናልባት ናተይ ፍሉይ ርእይቶ ክኸውን ይኽእል እዩ።ንሱ ድማ ምስ ስርዓት ኣስመራ ምዝታይ ዝብል እዩ።ምስ ስርዓት ምዝታይ ዝብል ከም ምንቅስቃስ መጠን ፍጹም ኣይንኣምነሉን።እዚ ግን ናትና ርእይቶ ንኹሉ ይገዝእ ማለት ኣይኮነን ስለምንታይ ነዛ ፍልይቲ ርእይቶ ክንስሞ ከለና ንስልጣን ምዝታይ ምስ እቲ ስርዓት ምዝታይ ማለት ምስቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ገበናት፡ ብኡኡ ምዝታይ ከምዝኾነ ገይርና ኢና ንቆጽሮ።ስለዚ ንሕና ምስዚ ስርዓት ብተሓታትነት እንተዘይኮይኑ ብምዝታይ ምስኡ ዘቐራርበና ነገራት ኣይኽህልውን እዩ ብሃላይ እዩ።እዚ ግን ንምይይጥ ክፉት እዩ ናብ ውህደት ንኣትው ስለዘለና፡ ኣነ ከም ሓደ ሓያል ነጥቢ ሒዘዮ ከኣትው እየ፡ እዚ ድማ ናተይ መሰል እዩ።

እቲ ካልእ ዝበልካዮ ተቓወምቲ ውድባት መተካእታ ናይቲ ስርዓት ክኾና ይኽእላ ድየን ዝብል እዩ።እወ ቃልሲ ኩል ግዜ መተካእታ ማለት እዩ፡ ግን እንታይ ሒዝካ ትቃለስ እዚ ካልእ ሕቶ እዩ።ከምዚ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ሓደ ዓይነት ኣገባብ፡ ከስምር ዝኽእል ንህዝቢ ኣብ ጎኒ ከዐስል ዝኽእል ብውልቐ ውድባት ክሳብ ሕጂ ኣድማዒ ዝኾነ ቃልስታት ተኻይዱ እዩ እንተበልና ምግናን ከይኸውን።ግን ሓደ ተስፋ ዝነበሮ ሃገራዊ ምህዝነት ኤርትራ ንተስፋን ንያትን ናይ ህዝቢ ብሓደ ጠሚሩ፡ እቲ ሃገራዊ ምሕዝነት ዘይኮነ፡ ህዝቢ ነዚ ስርዓት ክትካእሉ ዝኽእል መድረኽ ተቐሪብሎ ከዘሎ ዳርጋ ኣብ ምእማን በጺሑ ነይሩ።ኣብቲ ውሽጡን ብድሕሪኡ ዝተርኣየ ምዕባለታት ግን ንድሕሪት ደፊእዎ ከምዘሎ ብርሁ ኮይኑ፡  ካብ ህዝብ’ውን ዝስማዕ እዩ።ስለዚ እቲ ስርዓት ክቅየር ድዩ ዝብል፡ ንዝኾነ ነገር መጀመሪያን መወዳእታ ከምዘለዎ፡ እቲ ስርዓት ምቕያሩ ዘይተርፍ እዩ ዝኸውን።

መተካእታ ክትኾኑ ትኽእሉ ዲኹም ዝበልካዮ፡  ንሕና ልክዕ ከም ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ንሕና ብድሌትናን ብዓቕምናን በቲ ሕጅ ንኣትዎ ዘለና ውህደት ፍሉይ ኣገባብ ቃልሲ ከነተኣታው እዩ ዘሎ ዕጥቅና።እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዳ ንሕናውን ኣብኡ ኣቲና ዘካየድናዮ ኣገባብ ቃልሲ ዘይዐወተ፡ ንሱ ንኸይድገም ብጥንቃቐ ንኣትዎ ዘለና ቃልሲ እዩ።ንሱ ድማ እዚ ሓድሽ ኣገባብ ቃልሲ እንብሎ፡ ንሕና ኩሉ ህዝቢ ናይ ኩሉ ከይዲ፡ ኣብ ክንዲ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሓለፈ ውድባት ይኹን ሃገራዊ ምሕዝነት ሕጅ’ውን ኪዳን፡ እዚ ኣገባብ ቃልሲ ጀሚርካልና ኣለና ኢልና፡ ንኡኡ ክሳብ ነፍቕደሉ ክኸይድ ኣይኽንጽበይን ኢና፡ ሓንሳብ እቲ ኣገባብ ምስ ኣታሓዝናዮ፡ እቲ ዝተረፈ ቃልሲ ህዝቢ ዝሶዕቦ  ኣገባብ ቃልሲ ንምፍላጥ ወይ ንምክያድ እዮ ዝኸውን እቲ ዕላማና። እዚ ድማ ኣብ ታርኽ ቃልሲ ናይ ተቓወምቲ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ ይገብሮ ኢልና ንኣምን።ሕጂ ንሕና ንምስርቶ ዘለና ውህደት ዋንኡ ህዝቢ እዩ ብሃልቲ ኢና።

 

v     ኣብ መወዳእታ ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን ንደንበ ተቓወምቲ ኤርትራ ብመገዲ ጋልፍ ኢንፎርመሽን እንተልዩ?

መጀመሪያ ንህዝቢ መልእኽቲ ንኸመሓላልፍ ዕድል ብምሃብኩም ብስም ምንቅስቃስን ብስም እዚ ሕጂ ንኣትዎ ዘለና ውህደት ደጊመ የመስግን።ንህዝቢ ኤርትራ ብዝዓባ ሽግሩ ደጋጊምካ ምንጋሩ ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ስርዓት ኢሰያስ እዚ ይገብረካ ኣሎ ምባል ንታሪኽ ታሪኽ ኣይትነግሮን ኢኻ።ህዝቢ ኤርትራ ብዓሉ ሽግር ዝረክብ ዘሎ ስለዝኮነ  ብዛዕባ ሽግሩ ክትደርፈሉ ከለኻ እዚ ዘይግቡእ ይመስለኒ።እታ ሓንቲ ግን ዝኾነ ይኹን ኣባል ተቓወምቲ ሓይልታት ይኹን ብፍላይ ኣብ ደገ ዘሎ ህዝብና ብዝካእሎ ኣብ ጎኒ እቲ ዘርብሕ ተቓወሞ ተሰሊፉ ምእንቲ ህዝቡ ግብኡ ክገብርን ምእንቲ ህዝቡ ክቃስን ናትና ጻዎዒት እዩ።ኣብ ምወዳእታ ኣብዚ ተረኺበ ነዚ ቃለ መሕተት ክገብር ዕድል ብምሃብኩም የቐንየለይ።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2832

Posted by on Jul 19 2005 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net