ቃለ መሕትት ምስ መሓመድ ጣሃ ተወከል

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ነሓስ,21,2005
 ካርቱም

መሓመድ ጣሃ ተወከል ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ናብ ሃገራት ኣዕራብ በጺሑ። ኣብቲ ዑደቱ ምስ ዝመልከቶም ትካላተን ሰበሰልጣን ብዛዕባ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝምልከት ተዘራሪቡ። ኣቶ ተወከል በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ዓቢ ኣበርኪቶ ኣብ ናይ ሱዳን ፖለቲካዊ ሃዋሁ ኣብቲ መምራጽ ምክትል ፕረዚደንት ናይ ረፓብሊክ ሱዳን ክሳተፍ ተዓዲሙ ንሱዳን መጽዩ።ኣብቲ ዝመጻኣሉ ገዜ ምስ SPLAን ናይ ኡማ ውድብን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባትን ተራኺቡ።ጋልፍ ኢንፎርሜስን ሰንተር ምስ ኣቶ ተወከል ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታት ዞባዊ ሃዋሁን ኩነታት ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራን ህሉው ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራን እዚ ዝስዕብ ቃለ ምልልስ ኣካይዱ።

 

 ከተካፈለና’ዶ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ዑደትካ ናይ ሱዳን

 

ምብጻሕ ናተይ ናብ ሱዳን ብናይ ውልቀይ ዘመልከት ስራሐን ምክትታል ነቲ ዘሎ ምዕባለ ናይቲ ቦታን እዩ።ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣተኩሮይ ኣብቲ ኣብ ሶማሊን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዝነበረ ምዕባለታት እዩ ኔሩ።ብግልጺ ክንዛረብ አንተኮይኑ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሃዋሁ ነቲ ናተይ ናይ ውልቂ ሰርሐይ ጎስየ ክካታተልየ ጸኒሐ።ምብጻሕ ንሱዳን ኣብዚ ግዜ ግን ምስ ምብጻሕ ንሃገራት ኣዓረብ ዝቑጸር እዩ።ከምንፈልጦ ሱዳን በዚ ትገብሮ ዘላ መእታው ተቓለስቲ ካብ በረኻ ናብ ዋና ከተማ ካርቱም ካልኦት ናይ ፖለቲካ ተቓወምቲ ኣብ ካልእ ዓለም ዘለዉን ኣብ ዓቢ ናይ ለውጢ ደረጃ እያ ዘላ።

 

– ኣብዚ ጉዕዞኻ ናይ ካርቱም እንታይ እዮም እቶም ቀንዲ ነገራት ዝገበርካዮም

ርክባት ምስ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ሰሜን ሱዳንን ደቡበን ኣካይደ።ኣብቲ ናይ ሱዳናዊ ምክትል ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ምምራጽ ስነ-ስርዓት ተሳቲፈ።

 

– ኣብ ምእታው ተቓወምቲ ሱዳን ናብ ካርቱም ዘሰክፍ ነገር ኣለካ ድዩ?

ኣነ ኣብዚ ሓሳብ እዚ ወልሓንቲ ስክፍታ የብለየን ኣብዚ ቀረባ ገዜ ብሰርዓት ህግደፍ ዝተባህለ ግን ካብ ሓቅነት ዝረሓቐ እዩ።ተቓወምቲ ሱዳን ኣብ ናጽነትን ዲሞክራስያዊ ለውጢን ዝበል ኣረኣእያ (ሓሳብ) እዮም ተቓሊሶም ስለዚ ንሕዝቢ ኤርትራ ሕማቕ ጸልዋ የብሉን ግን ለውጢ እብ ኤርትራ ብናይ ጎረባብታ ኩነታት ምዕባለ ከውሰን የብሉን።ንኣብነት ስርዓት ኣስመራ ኩል ግዜ ብምሕጋዝ ንተቓወምቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ስርዓቱ ከሕይል ይደሊ ናይዚ ውጺኢት እዚ ግን ዓቢ ክሳራ እዩ።ኤርትራውያን ተቓወምቲ ብቲ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ዕድላት ተጠቂሞም ቃልሶም ኣብ ህዝቢ ከፍልጡ ኣለዎም።

 

ናይ ኢትዮጵያ መስርሕ ምርጫ ተዓዚብካዮ ኔርካ? ከመይ ረኺብካዮ?

እዚ ናይ ኢትዮጵያ ምርጫ ተርእዮ ዓቢ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብዚ ዞባ እዩ።እቲ ናይ መጀመርያ ምርጫ ኣብ 1995 ዓ.ም ዝነበረ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ተነጺጎም እዮም እቲ መሪሕነት ክኣ በቲ ዝመርሕ ዝነበረ ሰልፊ እዩ ተታሒዙ።ኣብቲ ካላኣይ ኣብ 2000 ዓ.ም ዝነበረ ምርጫ ደማ ካብ 43 ሰልፊታት 22 ሰልፊታት ተሳቲፈን ብብዙሕ ነገራት እቲ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ተዓዊቱ።ኣብዚ መወዳአታ ዘተገብረ መርጫ ወርሒ ጉንበት ናይዚ ዓመት እዚ ዝተገብረ ግን ዓቢ ተርእዮ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝምሀር እዩ ምኽንያቱ ድምጺ ናይ ተቓወምቲ ኣዝዩ ዓቢ ኣዩ ኔሩ 35 ካብ 83 ሰልፊታት ተሳቲፈን።ኣብቲ ውጽኢት እቲ መንግስቲ 315 ወንበር ክረከብ ከሎ እቶም ተቓወምቲ ድማ 200 ወንበር ኣብቲ ባይቶ ክረኽቡ ከለዉ 23 ወንበር ንሶማሊ ዞባ ተዋሂቡ።ኣነ ይኣምን አየ እዚ ኩሉ ምዕባለታት ዝግበር ዘሎ ኣብ ኢትዮጵያ ንዲሞክራሲ ትምሀርቲ ኣብዚ ዞባ’ዚ ከምዝኸወን።

 

– ነዚ ብመርበባትን ገለ ሰባትን ዝቐርበልካ ዘሎ ወቐሳ ብኸመይ ትገልጾ?

እወ ኩሉ ግዜ የንበብ’የ ጽሑፋት ዝመጹ ገሊኦም ጽቡቕ ደገፍን ሃናጺ ዝኾነ ነቐፌታን ኣብቲ ንጽሕፎ ዜናታት ዘለዎም እዮም።ዝመጽእ ሓሳባትን ነቐፌታን የኽበር እየ።ሓደ ነገር ከረጋግጾ ዝደሊ ግን በዞም ሽም ንምጽላም ኢሎም ዝገብርዎ ከምዘይርበሽ ከፍልጦም ይደሊ።እዞም ኣብ መስከረም ዝጸሓፉ ጽሑፋ ዋላ እካ ገለ ትሕዝቶ ይሃልዎም ንፉሉይ ዕላማ ከገልግሉ ተባሂሎም እዮም ዝጸሓፉ።ብዛዕባ እዞም ኣብ ደቀባት ዝተጻሕፉ ብቐታ ነቐፌታ ንዓይ ዝነቕፉን ዝቃወሙን እዮም። ኣነ ኣብ ልዕሊ’ዚ ሕቶ ኣለኒ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ነጻ ዘረባ ክዛረቡ ድዮም ቆይሞም ዋላስ ካልእ ሕቡእ ናይ ፖለቲካ ኣጀንዳ ኣለዎም እዩ? ነዚ ንቃለሰሉ ዘለና  ምስፋን ዲሞክራሲ ድዮም ዚቃለሱ? ዶ እዚ ዲሞክራስን ፍትሕን ንቃለሰሉ ዘለና ሽም ስብ ብምብልሻውን ምቅዋምን ይመጽእ እዩ?እዚ ናባይ ዝገብርዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ  ዘኽብሮም ዝነበርኩ የዕሩኽትይ ከም በዓል ቀለታ ኪዳነን ቀለታ ኣስፍሃን ከይገርመኒ ኣይተረፈን።ዝኾነ ኮይኖ ግን ውሽጥና ጽቡቕ ጌርና ኢና ንፋለጥ።

 

– ኣብዚ ቀረባ ገዜ ሽምካ ብተደጋጋሚ ኣብ ናይ ኤርትራ መርበባት (websites) ወጽዮ ኔሩ በፍላይ ኣብ ግዜ ኣኬባ  ናይ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ፡ ገለ ሰባት’ውን ክቃወማኻ ተላዒለን ኔሮም ፡ እንታይ እዩ እቲ ጠንቂ?

ምናልባት እዚ ዕድለይ ክኸወን ይኽእል እዩ ምኽንያቱ ሓደ ትካል ወይ ውድብ ዝኾነ ጸገም ከጋጥሞ ከሎ ናብ ተውከውል እዮም ዘልገብዎ።ኣብ ግዜ ምምስራት ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጸግዒ ሒዝካ ብምባል ገለ ሰባት ወቒሶምኒ ኔሮም።ኣነ ከነጽሮ ዝደሊ፡- ተወከል ምስ ዝኮነ ሰብ ወይ ትካል(ውድብ) ንዲሞክራስን ፍትሕን ማዕርነተን ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለስ ኣብ ጎድኑ ደው ከምዝብል ነቲ ንኣካይዳ ስርዓት ኣስመራ ዝቃወም ከም ዝሕግዝን ከፈልጥ ይደሊ።

 

ሓደ ተጻራሪ ነገረ ግን ኣሎ ንሱ ድማ ኣቶ ተስፋይ ብሪንጂ ኣብዝሓለፈ መግለጺኡ ኣብቲ ምርጫ ኮሚቴ ዝነበረ ናይ ኤርትራዊ ህዝቢ ምንቅስቓስ ጥርጣርኡ ገሊጹ። እታ ናይ ኤትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምርጫ ኮሚቴ ብኣኻ ትምራሕ ከምዝነበረት ውን ገሊጹ?

እወ እቲ ነቐፌታ ዘገረም እዩ ኔሩ፡ ኣብቲ መግለጺኡ ዝጠቐሶ ወቐሳ ድማ ካብታ ኮሚቴ ዝያዳ ንርእሱ እዩ ወቒሱ።እቶም ኣብታ ኮሚቴ ዝነበሩ ሰባት ደማ ነዚ ወቐሳ እዚ ክምልስሉ ይክእሉ እዮም።ከም ዝዝከር እታ ኮሚቴ ብመም/ ሳልሕ ሓምደን ኣቶ ዓንደብርሃን እስቲፋኖስን እያ ትምራሕ ኔራ ካሎት ኣባላት ናይታ ኮሚቴ ዝነበሩ ደማ ግዜጠኛ ዓብደልሓፊዝ ያሲንን ጀማል ሑመድን ኣነን ኢና ኔርና።ኣነ ኣብ መሪሕነት እታ ኮሚቴ ኣይነበርኩን ናተይ ተራ ነታ ኮሚቴ ዘድልዩ ነገራት ኣብ ኣብምቕራብ እዩ ኔሩ።ዋላ እካ ነቲ ኮሚቴ ምርጫ እንተ ነቕፈ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ኣቶ ተስፋይ ብሪንጂ ነቲ ዝነበረ ኣገባብ ምርጫ ቅኑዕ እዩ ኢሉ ገሊጹ ኔሩ እዩ።እታ ኮሚቴ ብኢደ ዋኒና ዝመጸት ዘይኮነት ብመሰረት እቲ ጉባኤ ዘውጽኦ ወሳኔ እያ መጽያ ኣቶ ተስፋይ ብሪንጂ ደማ ኣባል ሰክረታርያ ናይቲ ጉባኤ እዩ ኔሩ።እቲ ውጸኢት ናይቲ ምርጫ ኣብክፉት መድረኽ ኣብ ቅድሚ ጉባኤኛታትን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝነበሩሉ እዩ ተቖጺሩ።

 

ኣብ ሞንጎኻን ኣብ መንጎ ኣድሓኖምን ፍልልያት ከምዘሎን ኣብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታ ብኣቶ ኣድሓኖም ትውቃስ ከምዘለኻ ይውረ?

ኩል ግዜ ሕማቅ ወረ ቀልጢፉ እዩ ዝዝርጋሕ።ኣነ ወን ገለ ዘረባታት ሰሚዐ ብዛዕብኡ ዘይምዝራብ ግን መሪጸ።ነቲ ዲሞክራስያዊ ቃልስና ዝቖጺን ቀንዲ ደሌት ህዝበና ኣብ ዘየገልግል ፍልልያት ኪኣቱ ኣይደለን እየ።ኣብዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ናይ ዲሞክራስይዊ ቃልሲ ብሓባር ሰሪሕና።ኣነ ወን እዚ ኢልካ ክጥቀስ ዝከኣል ፍልልይ ኣሎ ኢለ ኣያምንን።ክብሎ ዝደሊ ነገር ግን  ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ውልቃዊ ፍልልያቶም ሰጊሮም ብዛዕባ ሃገራዊ ረብሓ ክዛተዩ ይግባእ፡ ኣብ ዝኾነ ወድብ ጸገም ከጋጥም ከሎ ንሓደ ወልቀ ሰብ ከነሰክሞ ኣይግባኣን እዩ።

 

– ምስ ኣድሕኖም ሌላኹም መዓስ እዩ ኔሩ?

ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ካርቱም ብመንገዲ መስፍን ሓጎስ ኣብ 2002 ዓ.ም ተራኺብና።እቲ ዝዓበየ ርክበይ ግን ምስ መስፍን ሓጎስ እዩ ኔሩ ።ድሕሪኡ ድማ ብ 2003 ዓ.ም ኣብ ሎንዶን ምስ ኣድሓኖም ተራኺና ብዙሕ ኣኼባታት ኣካይድና።ደሕሪ እዚ ምስ ኣድሓኖም ርክብና ቀጻሊ ኮይኑ፡ ኣብቲ ግዜ ብዙሕ ሓሳባት ተለዋዊጥና ኢና።ኣነ ዝፈልጦ ነገር ኣሎ ነሱወን ብወገኑ ከምኡ።ኣብቲ ወድብ ዝኾነ ጸገማት ምስ ዘጋጥም ብባዕሎም ኣብውሽጦም ክፈትሕዎ ኣለዎም እቲ ዝተፈጥረ ዘይ ምርድደእ ነዓይ ብርሑቕ ይኹን ብቐረባ ኣይምልከተንን እዩ።

 

-ድሕሪ እዚ ኩሉ ምዕባለታት ርክብካ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ከመይ ክኸውን እዩ?

ርክባተይ ምስ መብዛሕተን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብዚእዋን እዚ ኣብ ጽቡቐ ኩነታት ይርከብ ብፍላይ ድሕሪ ምምስራት ኤርትራዊ ዲሞክራስይዊ ኪዳን።ኣብ መንጎ ውድባት ዝነበረ ፍልልያት’ውን እንዳጸበበ ይኸይደ ኣሎ።መብዛሕቲአን ሃገራውያን መርበባት ሓበሬታ ኣወንታዊ ዝኾነ ግደ ኣብዚ መስርሕ የበርክታ ኣለዋ ኣብ ሓደ ሓደ መርበባት ግን ንሃገራዊ ዕላማ ዘየገልግል ጽሑፋት ይርአ እዩ።ስለዚ ርክባትና ምስ ተቃወምቲ ውድባት ኣብ ትሕቲ ንጹር ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ብመንገዲ (ሜድያ)ሓበሬታ ክተሓባበር እየ።ቅድሚ ሕጂ ምስ ዝተፈላለዩ ውድባት ጽግዒ ከምዘለኒ ሕሜታት ኔሩ፡ ኣነ ከም ኤርትራዊ መጠን ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ክሳተፍ መሰለይ እዩ ብቡዙሓት ተቓወምቲ ውድባትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ድማ በዚ ሕጂ ዘሎ ሰልፊ ህግደፍ እውን ንኽሓብሮ ተሓቲተ ኔረ እንተኾነ ግን ኣነ ካብ ዝኾነ ጽግዒ ነጻ ኮይነ ክቃለስ መሪጸ።ሽሕ እኮ ጸገማት እንተ ኣምጻልይ ነጻ ኮይነ ብሓበሬታ ምዝርጋሕ ቃልሰይ ምቕጻል ይሕሸኒ።ኣብ ዝሓለፈ ሰልስተ ዓመታት ዝነበረ ምዕባለታት ኣብ ውሽጢ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ታሪኽ ክገልጾ ክንገድፎ ኢና።ናተይ መርገጺ ግን ከምቲ ኣቀዲመ ዘብራህክዎ ይመስል።

 

– ብዛዕባ ህሉው ምዕባለታት ኣብ ኤርትራ እንታይ ትብል?

ኣብዚ እዋን እዚ ኩሉ ሰብ ከም ዝፈልጦ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መመሊሱ እንዳ ኽፍአ ይኸይድ ኣሎ።እቲ ስርዓት ኣብ ውሽጥን ደገን ብቑጠባን ፖለቲካዊ መዳያትን እንዳንቆልቆለ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ኣክይደኡ ካብ ማሕበራት ዓለም ተነጺሉ ኣሎ።ንመጀመርታ ግዜ ድማ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣገዳስነት ምእላይ ናይዚ ስርዓት እዚ ተሰማሚዑ ይርከቡ።

 

ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርአ ዘሎ ዲሞክክራስያዊ ለውጥታት ኣብ ኤርትራ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ ትበል?

ስጋብ ሕጂ እቲ ዘሎ ስርዓት ካብቲ ኣብ ከባቢኡን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ለውጥታት ውልሓንቲ ኣይተጠቀመን።ብኣንጻሩ ከማን እቲ ስርዓት ምስ ሙሉእ ኣእምሩኡ ኣብዘይነበረሉ እዋን ንዓበይቲ ሃገራት ዓለም ኻብ ናቱ ተሞክሮ ክመሃራ ይጽውዕ ኔሩ።ከምዚ ኣትሓሳስባ ዘለዎ ስርዓት ድማ ኣብ ከባቢኡ ኣንታይ ይካየድ ከምዘሎ ከስተብሀል ኣይክእልን እዩ።ካብቲ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ለውጥታት ክጥቀም ዓቢ ዕድል ኔርዎ።ኣብ ሱዳን እቲኣብ ስልጣን ዝርከብ ዘሎ ሰልፊ ምስተቓወምቱ ብዝገበሮ ሽርክነት ቀጻልነቱ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኣረጋጊጹ።ከምኡውን ኢትዮጵያ።ንዓይ ከምዝርደኣኒ ወይ ከምዝፈልጦ ከምቲ ነዘን ጎርቤት ሃገራት ዝቐረበለን ምኽሪ (ምፍቃድ ሰልፊታትን፡ ነጻ ፕረስን) ተዋሂብዎ እዩ እንተኾነ ግን እቲ ስርዓት ነዚ ኩሉ ነጺጉ ተቓወምቲ ከምዘይብሉ እዩ ዝኣምን።ብወገነይ እዚ ስርዓት ኣብዚ እዋንዚ ዉሱናት ኣማርጺታት እዩ ዘለዎ ብናቱ ተበግሶ ለውጥታት ከምጽእ እንተ ጀሚሩ ምናልባት ናይ ምቕጻል ዕድል ይህልዎ ይኽውን።ዝኾነ ኾይኑ ግን እቲ ለውጢ ክመጽእ እዩ።

 

 

  

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2847

Posted by on Aug 21 2005 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net