ጉባኤ ስምረት ሽውዓተ ውድባት ኤርትራ ብዓወት ተዛዚሙ

ጋልፍ ኢንፎርመሽን ሰንተር
ሓምለ 27, 2005
ካርቱም

እቶም ሸውዓተ ውድባት ነቲ ዝነበሮም ስም ውድቦም ቐንጢጦም ኣብ ” ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ” ተጸንቢሮም

ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ተጠርኒፎም ንስምረት ዝዕለመ ዝጽዕሩ ዝነበሩ ሽውዓተ ውድባት ማለት ሰልፊ ተራድኦ ኤርትራ፤ እስላማዊ ግንባር ኤርትራ (ገስገስቲ ሓይልታት ሓቂ) ፤ ሰልፊ እስላማዊ ስኒት ኤርትራ፤ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር፤ ስሙር ሃገራዊ ውድብ፤ ምሕዝነት ተሳትፎ ምንቅስቃስ ኤርትራዊያንን ተቓውሞ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራን ካብ ዕለት ሓምለ 23-26, 2005 ዘካየድዎ ጉባኤ ደምዳሚ ኣዋጅ ብምውጻእ ተዛዚሙ።ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ዕምረ ዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍ ንምሕጸር ቃልስታቱ ከሐል ምዃኑን ተመሳሳሊ መርገጺ ምስ ዘለዎም ውድባት ብሓባር ክሰርሕ ምዃኑ እቲ ኣዋጅ ኣብሪሁ።ኣብ መዳእታ ንጉረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ንመንግስቲ ሱዳን በቲ ዝተገበረሎም ምግያሽ ምስጋና ቐሪቡ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብቲ ዝተጋበአ ጉባኤ መርሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብዛዕባ ዘሰላሰለቶ ዕማማት ጻብጻባ ኣቕሪባ።ጉባኤኛትት ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ብዑምቐት ተከትዖምን ዘትዮምን።

ኣብቲ ዝተገበረ ምርጫ 49 ዝኣባላታ ባይቶ ተመሪጻ።ኣብዚ መምህር ዓሊ ዑመር ኣደም (ኣምሓራይ) ኣቦ መንበር ባይቶ፤ ኣቶ ዓብደልቃድር ያሲም ምኽትል ኣቦ መንበር ኮይኖም ተመሪጾም።ስዒቡ ኣባላት ማኽላይ ኮሚቴ ንምቛም ካብ ነፍስወከፍ ውድብ ኣርባዓት ሰባት ብምምዛዝ 28 ዝኣባላታ ማእኸላይ ኮሚቴ ቆይማ።ኣቶ ኢብራሂም መዓልም ኣካቢ ናይዛ ማእኸላይ ኮሚቴ  ኮይኑ ተመሪጹ።ብድሕሪኡ ዝሰዐበ መስርሕ ምምራጽ ፈጻሚት ሽማግለ፡ ሽወዓት ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ኮይኖም ተመሪጾም።ንሳቶም፡

1. ኣቶ ሕሩይ ተላ —— ኣቦ መንበር

2. ኣቶ እድሪስ ገሳ —— ምክትል ኣቦ መንበር

3. ኣቶ ዶክተር ዑስማን ኣቡበከር —–ወጻኢ ዝምድናታት

4. ኣቶ ያቆብ እንድሪያስ —– ክፍሊ ዜና

5. ኣቶ ዓብዱራህማን መሃመድ ዓሊ—–ገንዘባውን ቁጠባውን ጉዳያትን

6. ኣቶ ሸኽ ኣደም መጃውራይ —– ውድባዊ ጉዳያት

7. ኣቶ እስማዒል ናዳ —– ወታደራውን ጸትታውን ጉዳያትን

እዞም ኣባልት ፋጻሚት ሽማግለ ስልፊ ጉባኤ ኤርትራ ኮይኖም ዝተመረጹ ብዛዕባ ኣብቲ ጉባኤ ዘነበር ሃዋህው ኣምልኪቶም ናይ ብሓቂ ሰሚርኩም ዲኹም? ቕጻልነት ናይዚ ሰምረት ብኸመይ ከትውሕስዎ ኢኹም? ናብ ህዝቢ እተምሓላልፍዎ መልእኽቲ እንተልዩ? ንዝብላ ሕቶታት ንምምላስ ምስ ጋልፍ ኢንፎርመስን ሰንተር ዝገነርዎ ሓጺር ርክብ እነሆ፡

1. ኣቶ ሕሩይ ተላ – ኣቦ መንበር

      ናይ ብሓቂ ሰሚርና ኢና ስለምንታይ ነቲ ዝነበረ ዘይምርድዳእን ምትርጣርን ስለዝሰገርና።እዘን ሽውዓተ ውድባት ዝባሃላ ዝነበራ ነናተን ቁጥባዊ ሂወት ክመርሓ እየን ጸኒሐን፡ ሕጂ ግን ናይ ሓባር ቁጠባዊ ሂወት ንኽህልወን መበገሲ ባጀት የድልየን።

      ክሳብ ሕጂ ሳላ ደገፍ ህዝቢ ኣብዚ በጺሕና ኣለና።ሕጅ’ውን ደገፍካ ንቕድሚት ምእንቲ ከወንጨፈና ቁጠባዊ ሃገዝካ ክትገብር ንምህጸን።ሎሚ ብዛዕባ ውድባውን ውልቃውን ጠቅምታት ገዲፍና ኣብ ህዝባውን ሃገራውን ጥቅምታት ኣተኩርና ክንቃለስ ምዃና ንህዝቢ የረጋግጽ።

2. ኣቶ እድሪስ ገሰም – ምክትል ኣቦ መንበር

      ዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍ ንምልጋስ ብምሉእ ልብና ኣሚና እንኣትዎ ዘለና ስምረት እዩ።ቐጻልነት ናይዚ ስምረት ንምርግጋጽ ኣብ መንጎና ዘሎ እምነት ክንሕልዎ ክንኽእል ኣለና።እዚ ምስ እንገብር ኢና ኣብ ዓወት ክንበጽሕ እንኽእል።ህዝብና’ውን ተመሳሳሊ እምነት ክህልዎ ይግባእ።ልክዕ ከምዚ ንሕና ኣብ ዓወት ስምረት በጺሕናዮ ዘለና ካልኦት ወድባት ኣብ መስርሕ ዘለዋ ተመሳሳሊ ዓወት ይምነየሎም።

3. ኣቶ ዶክተር ዑስማን ኣቡበከር – -ወጻኢ ዝምድናታት

      እዚ ሓድነት ሽውዓተ ውድባት ኣብ ታሪኽ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ናይ መጀመርታ እዩ።ኩሎም ውድባት ናቶም ፕሮግራም ገዲፎም ኣብ ሓደ ፕሮግራም ምጥርናፎም ሓደ ዓብይ ዓወት እዩ።ኩሎም ኣባላትናን ኣብ ደገን ውሽጥን ዝርከብ ህዝብና ነዚ ስምረት ክጽበይዎ ጸኒሖም እዩ።ብዙሓት’ውን ነዚ ስምረት ዘይኸውን እዩ ክብሉ ጸኒሑም እዮም።እንተኾነ ግን ዕላማና ነቲ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ምልጋስ ስለዝኾነ ናብዚ ውህደት ክንበጽሕ ክኢልና።እዚ ብዓይነቱ ሓድሽ ዝኾነ ውህደት ንኤርትራዊ ዲሞክራሲያዉ ኪዳን ሓድሽ ሓይሊ ከምዝህቦ ይኣምን።

4. ኣቶ ያቆብ እንድሪያስ – ክፍሊ ዜና

      ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ጌጋታት ተማሂርና ሰፊሒ መስናዕቲ ገይርና ኢና ኣቲናዮ ነዚ ስምረት።ኣብ ትግባር ክትመጽእ ግን ቐሊል ጉዳይ ኣይነበረን፡ ክንበጽሖ ዝግባኣና ነገር ስለዘሎ ግን ኣቲናዮ።እዚ ስምረት ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ እዩ ስለምንታይ ንመጀመርታ ግዜ ሸውዓተ ውድባት ብደረጃ ሰልፊ ዝቖማሉ ተርእዩ ብምዃኑ።ሕጂ ዘይዓገበ እንተልዩ ብደረጃ ውልቐሰብ እንተዘይኮይኑ ብደረጃ ውድብ ካብዚ ስምረት ዝወጽእ የለን።

      እዚ መሰርሕ ተጀሚሩ ኣሎ ቐጻልነቱ ክነረጋግጽ እንተኾይኑ ነዚ ስልፊ ህዝቢ ክውንኖ ክንገብር ኣለና።ከም’ውን እዚ ሓድሽ ወለዶ ተሳታፊ ኣብዚ ሰልፊ ክንገብሮ ክንኽእል ኣለና።

5. ኣቶ ዓብዱራህማን መሃመድ ዓሊ-ገንዘባውን ቁጠባውን ጉዳያትን

      ንሕና ከም ስምና ኢና፡ ስሙር ውድብ ንባሃል።ኣብ ስምረት ንኣምን።ኣብ ሓደ ርእይቶ ንኽትበጽሕ ናይ ባሓቂ ቐሊል ኣይኮነን።እንተኾነ ግን ንሕና ዕንቕፋት ክንኸውን ኣይንደልይን ኢና።ንሕና ንምርግጋጽ ቕጻልነት ናይዚ ስምረት ካባና ዝድለይ ዘበሉ ኩሉ መስዋእቲ ክንከፍል ድልዋት ኢና።ከምእ’ውን ዘለና እምነትን ዝኣተናዮ ቃል ክንሕልው ይግባእ።በዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና ሰምረት ንህዝቢ ዓብይ ሞራል ከምዝህቦ ይኣምን።

6. ኣቶ ሸኽ ኣደም መጃውራይ – ውድባዊ ጉዳያት

      እዚ ሓድሽ ተርእዮ እዩ።ቅድሚ ሕጂ ሓንቲ ውድብ ንሸውዓተ ትምቐል ነይራ፡ ሕጂ ግን ሽውዓተ ውድባት ናብ ሓደ ይሰምራ ኣለዋ።ዝኾነ ኣባል ውድብ ናቱ ውሽጣዊ ስምዒት ገዲፉ ኣብ ምርግጋጽ ቐጻልነት እዚ ስምረት ክሰርሕ ይግባእ።ከም’ውን ህዝቢ ነዚ ስምረት ክድግፍን ሓገዙ ከበርክትን ይግባእ።

      ንሓድነት ዝጽውዕ ውድብ ዝሓሽን ዝኸበረን እዩ።ስለዚ ልክዕ ከምቲ ንሕና ኣብዚ ታሪኻዊ ዕለት በጺሕናዮ ዘለና ኣብ መስርሕ ምጽንባር ንዘለዉ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንኽወስዱ እንጽበዮ ጉዳይ እዩ።

7. ኣቶ እስማዒል ናዳ – ወታደራውን ጸትታውን ጉዳያትን

      እወ! ናይ ባሓቂ ሰሚርና ኢና።ኣብዚ ጉባኤ ጽቡቅ ናይ ምርድዳእ መንፈስ ተራእዩ እዩ።ነዚ ዝበጽሓናዮ ዓወት ከስብ መውዳእታ ንምዕቃቡ ክንጽዕረሉ ኢና።ካባና ዝጎደለ ነገር እንተማልኢና ናይ ህዝብና ድሌት ኣማሊኢና ክንብል ንኽእል።ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ተረኺቡ ዘሎ ዓወት ክሕጎስ ኣለዎ።ሓጎሱ ቐጻሊ ንኸውን ግን ኣብ ምድጋፍን ምሕብሓብን እዚ ሰልፊ እጃሙ ከበርክት ኣለዎ።

ኣብ መዛዘሚ ጉባኤ ‘ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ’ ወከልቲ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ክፍሊ ዜናን ኣምባሰደር መሓመድኑር ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ህዝባዊ ጉዳያት፤ ወኪል ምትእኽኻብ ሃገራት ሰንዓ፤ ወኪል መንግስቲ ሱዳንን ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ተረኺቦም።ኣብያተ ጽሕፈት ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፤ ስውዲንን ኣሜርካን ክኽፈት ምዃኑ ተፈሊጡ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2880

Posted by on Jul 27 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net