ቓለ መጠይቕ ምስ ኣቶ ዓንደብርሃን እስቲፋኖስ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር(ጋኢሰ)
ካርቱም

ዕለት መጋቢት 26,2005

   

         ክቡራት ተኸታተልትና ጋልፍ ኢንፎርኔሽን ሰንተር (ጋኢሰ) ምስ ኣቶ ዓንደብርሃን እስቲፋኖስ ቓለ ምልልስ ኣካይዳ። ኣቶ ዓንደብርሃን እስቲፋኖስ ገዲም ተጋዳላይ ኣብ ልዕሊ ምኻኑ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ሙሉእ ሂወቱ ኣብ ቓልስን ምህናጽ ሃገርን ዘበርከተን ዘበርክት ዘሎን እዩ።ገዲም ተጋዳላይ ዓንደብርሃን እስቲፋኖስ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምውካል ኣብ ምምላስ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ናብ ሃገሮም ከሳብ 13/10/2004 ዝሰርሐ እዩ ።ንሱ ኣካይዳን ፖሊስታትን እቲ ስርዓት ንሃገር ናብ ጸድፊ ዘምርሕ ምዃኑ ብምዕዛብ ነቲ ስርዓት ራሕርሑ ኣብ ካርቱም ይርከብ።ሕጅውን በቲ ዓቕሙ ዘፍቕዶ ነቲ ዋና ስኢኑ ዘሎ ሰደተኛ ኤርትራዊ ፍታሕ ንምንዳይ ላዓልን ታሕትን ዘብል ዘሎ ግዱስ ኤርትራዊ እዩ።ናይቲ ዝተገበረ ቓለ ምልልስ ሙሉእ ትሕዝቶ እነሆ።

ስርዓት ህግደፍ እሞ ብከመይ ክርእዮ እየ።ትካላዊ ኣሰራርሓ ወይ ሕጊ ዘይብሉ ናይ በረኻ ስርዓት እዩ።ስለዚ ስርዓት ክትብሎ የጸግም እዩ።

 መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብስንኪ ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን ሃገሩ ለቒቑ ዝኸደ ኣክንዲ እንቛዕ ድሓን መጻኹም ምባል ብጥርጠራን ከም ዘይእሙናት ገይሩ እዩ ወሲድዎም።

 ኣብ ሱዳን ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ዋና የብሉን።ኣብዚ ከም ስደተኛ ዝተሓባበሮምን ሞራል ዝህቦምን ኣካል የለን።ስለዚ ንስደተኛታት ኤርትራዊያን ሓላፍነት እትስከም ኮሚቴ ክትህልው ኣለዋ ኢልና ኢና ተበጊስና።

 ክልተ ካብ ሚኢቲ (2%) ምኽፋል ንስርዓት ህግደፍ መሻደኒ እምበር ኣብ መዓላ ሃገር ክውዕል እዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት እዩ።    

 

   ኣቶ ዓንደብርሃን እስቲፋኖስ ንዕድሜና ኣኽቢርካ ንሕቶታትና ክትምልስ ድልው ብምዃንካ ብስም ኣባላት ጋኢሰን ተኸታተልት እዚ መደብን ነመስግን።

   

 

ሕቶ፡ መን እዪ ኣቶ ዓንደብርሃን እስቲፋኖስ ?(ድሕረባይታ ኣብ ፖለቲካዊ    ተሞክሮታትካ፤ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረካ ኣበርክቶ፤ተሳታፍነትካ ድሕሪ   ናጽነት ከመይ ነይሩ?)

መልሲ፡ኣብ መጨረሻ 1973 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፈ።ኣብ ቃልሲ ድማ ኣብ ሰራዊት ከምእውን ኣብ ክፍልታት ብደረጃ ሓላፍነት ብተወፋይነት ተቓሊሰ።ኣብ 1980 ካብ ሜዳ ናብ ካርቱም-ሱዳን ከም ኣባል ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ተመዲበ።ክሳብ ተ.ሓ.ኤ.ናብ ሱዳን ተዝልቕ ኣብዚ ዝተመደብኩሉ ቦታ

ኣገልጊለ።ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ተፈናጨለት ማለት ገለ ክፋላ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ሓድነት ስለዝገበሩ ተ.ሓ.ኤ ስሙር ውድብ ዝባሃል ተመስሪቱ።ኣነ ድማ ናይቲ ውድብ ሓላፊ ክፍሊ ኣገልግሎትን ጉዳይ ዝምድናታትን  ኮይነ ኣብ ከርቱም ክሳብ ናጽነት ኣገልጊለ።ድሕሪ ናጽነት 1991 እቲ ዝነበር ሕልሚ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝተፈተሐ ካብ ኣብ ደገ ኣብ ዓድኻ ምስ ህዝብኻ ሃገርካ ምህናጽ፤ እቲ ዝዓነወ ቁጠባ ሃገር ምጽጋንን ኣብ ሃገርካ ኮይንካ ድማ ንፍትሒን ሓርነትን ህዝቢ ምስራሕን ብዝብል ዕላማ ስለዝወሰድና ምስቶም ዝነበሩ ብጾት ኣባላት እቲ ውድብ ኣዋጅ ብምውጻእ ምስ መሪሒነትና ናብ ዓድና ኣቲና።

ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተና ድማ ብግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ከም ተሓጋጋዚ ቆንስልን ሓላፊ ጉዳይ ኢሚግሬሽንን ኮይነ ኣብ ኢምባሲ ኤርትራ ካርቱም ተመዲበ ። ክሳብ 1994 መጨረሽታ ዝምድናታት ክልቴን ሃገራት ክሳብ ዝብተኽ ሰርሔ። ዝምድና ምስ ተበተኸ ናብ ኤርትራ ተመሊሰ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረስደንት ኤርትራ ክሳብ 2000 ሰርሔ።ኣብ ወርሒ 5,2000 ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራ፤መንግስቲ ሱዳንን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታትን ንምምላስ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ካብ ሱዳን ኣብ ዝተገበረ ስምምዕ ንኤርትራ ወኪለ ኣብቲ መደብ ንኽሰርሕ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረስደንት ናብ ሱዳን ተመዲበ።ካብቲ ዝተመደብኩሉ ዕለት ኣትሒዘ ክሳብ ዕለት 13/10/2004 ኣገልጊለ።

ሕቶ፡ ኣብ ሱዳን ንጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ትከታተል ነይርካ። ከመይ ነይሩ እቲ መስርሕ? ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ ምሃብካና ዶ?

መልሲ፡ እቲ መደብ ምምላስ ስደተኛታት ብመሰረት ኣብ ወርሒ 5, 2000 ኣብ መንጎ ሰለስቲኤን ወገናት፡ መንግስቲ ኤርትራ፤ መንግስቲ ሱዳንን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀኔቫ ብዝተበጸሐ ስምምዕ መሰረት እዩ ተጀሚሩ።እቲ መደብ ኣብ ክልተ ዝተኸፈለ እዩ ነይሩ።

1.መደብ ንማዓስከራት    2.መድብ ንከተማታት ነይሩ

ኣብ ኩሉ ማዓስከራት ይኹን ከተማታት ዘሎ ስደትኛ ድማ ብመልክዕ ኣኼብ  ብዛዕባ እቲ መደብ ተገሊጽሎም።ነቲ ካብ ህዝቢ ዝመጽእ ዝነበረ ሕቶታት በቶም ሰለስተ ውገናት ነቲ ዝምልከቶም ሕቶታት መልሲ ይውሃብ ነይሩ።ስለዚ ኣብቲ ዝግበር ዝነበረ ኣኼባታት ሓደ ኣካል ካብቶም ሰለስተ ወገናት ምስዘይህልው እቲ ኣኼባ ሕጋውነት ኣይነበሮን።

ኣብ ዝግበር ዝነበር ምዝገባውን ሰለስቲኦም ወገናት ይሳተፉ ነይሮም።ተመለስቲ ናብ ሃገሮም ኣብ ዝምስለስሉ ዝነበረ ግዜ ብሰለስቲኦም ወገናት ክሳብ ተሰነይ ይሰነዩ ነይሮም።እቲ ውኪል ኤርትራ ድማ ኣብ ጉዕዞ ንብረቶም ከይተርፍ ካልእ ሽግራት ከየጋጥሞም ይከታተል ነይሩ።ናብ ኤርትራ ንኽምለሱ ኣስታት 85,000  ተመዝጊቦም። ካብዚ ናብ ሃገሩ ዝተመለሰ ኣስታት 68,000 ይኸውን። 40% ካብቶም ዝተመለሱ መንእሰያት እንደገና ናብ ሱዳን ተመሊሶም እዮም።ልዕሊ 17,000 ዜጋታት ተመዝጊቦም ዘይተመለሱ ኣልዉ። እዚ ይምስል ነይሩ እቲ መስርሕ።

ሕቶ፡ ምምላስ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ዝነበረ መስርሕ ዕውት ድዩ ነይሩ ትብል? እንድሕሪ ዘይነበር እንታይ እዩ እቲ ጠንቒ?

    መልሲ፡ ብመሰረት ምምላስ ስደተኛታት መንግስቲ ኤርትራ ከም ስትራተጂክ መደብ ድዩ ሒዝዎ ነይሩ ? መንግስቲ ኤርትራ ምምላስ ስደትኛታት ከም ሜላን በለጽን እዩ ሒዝዎ ነይሩ።ድሕሪ ምብታኽ ዝምድና ምስ መንግስቲ ሱዳን ፕረስደንት ኢሳያስ ብዛዕባ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣብ ሱዳን ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ እቶም ናትና ንሃገሮም ኣትዮም እዮም ኢሉ።እንተኾነ ግን ኣብ መጀመሪያ 1995 ሓድሽ ምዕባለ ኣሪኡ ኣብ ሱዳን ንጥፈታት ተቓወምቲ ውድባት ክረአ ጀሚሩ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ኣብዚ ዝነበረ ህዝቢ ናይዘን ውድባት መሳርሒ ከይኸውን ፈሪሑ ከም’ውን ኣብ ሱዳን ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ምስ መንግስቲ እንተዝኸውን ንምንታይ ዘይተመለሰ ዝብል ዘረባታት ስለተሰመዐ መንግስቲ ኤርትራ እንደገና ኣብ ወርሒ 5,2000 ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውዕል ክኣትው ተገዲዱ።ነቲ መደብ ከይዕወት ዕንቕፋት ዝኾኖ ኩናት ናይ ኤርትራን ኢትዩጵያን እዩ።ብዙሓት ኤርትራዊያን ካብ ዶብ ተፈናቒሎም ኣብ ጋሽ-ባርካን ኣፍዓበትን ፋሕ ፋሕ ኢሎም ከለዉ ከምእውን ካብ 70 ሽሕ ንላዕሊ ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጎጉ ኤርትራዊያን መቐመጢ ከይርኸቡ ኣብ ሰላም ንዝነበሩ ኤርትራዊያን ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ኢልካ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተተሓዝ መደብ ሓቕነት ዝነበሮ ኣይነበረን።

      እቲ ስደተኛ ዝምለሰሉ ቦታ ጋሽ ባርካውን ብኩናት ዝተጸለወን ጸጥታ ዘይብሉን ዞባ ነይሩ።ንምምላስ ስደተኛታት ዘህውኽ ዓብይ ሚስጥር ከምዘሎ ግን ኣይሳሓትን። ብሓፈሽኡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ጉዳይ ዕውት ንኸይከውን ብዙሕ ዕንቕፋታት ይገብር ነይሩ።ንኣብነት ኣብ ህዝቢ ዝንቐሳቐሉ ዝነበረ ግዜ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ጸገማት ብመገዲ ማዕከናት ዜና ጎስጓስ ይግበር ነይሩ፤ ኣብ ኤርትራ ድርቒን ጸገም ማይን ከምዘሎ ይዝረብ ነይሩ ፤ ህዝቢ ኣብ ዝኣትዎሉ ዝነበረ ግዜ ኣብ ዶብ  መንግስቲ ኤርትራ ምንቕስቓስ ይግበር ነይሩ ንሓደ ዓመት ዝኸውን እቲ ዶብ ተዓጹ ንይሩ፤ ድሕሪ እዚ ትኽ ኢለን ናብ ተሰነይ ዝኣትዋ ዝነብራ መካይን ኣብ ኣርባተባዓሸር ኣብ ዶብ ከራገፋ ይግበር ነይሩ ። ስለዚ ነተን ህዝቢ ተሰኪመን ዝመጻ መካይን ከተእትወን ዘይምድላይ ኣብ ልዕሊ ተመለስቲ ተገዳስነት ዘምህላው ዘርእይ እዩ።

ሕቶ፡ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ናብ ኤርትራ ምስተመለሱ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ ኣቐባብላ ከመይ ነይሩ? እኹል ምድላዋት ነይርዎ ዶ?

መልሲ፡ ቐዳምነት እዚ ኣብ ሱዳን ዝጸነሐ ስደተኛ ጸሓይ ከይበረቐ ምስ ስውራ ዝወፈረ እዩ። ኣብ ቃልሲ ድማ ግባኡ ኣበርኪቱ እዩ።እንተኾነ ግን እቲ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ ኣቐባብላ ግን ኣይግድን ነይሩ።ተስፋ ዘቑርጽውን እዩ።

ልክዕ እዩ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዋሃብ ናይ ሓደ ዓመት ቐለብ ከም ሕሩጭ፤ዘይቲን ጸባን ዝኣመስለ ይዋሃቦም ነይሩ። ከምእውን መጀመርታ ምስ ኣተዉ ዝዋሃብ ገንዘብ ነይሩ።ንዓብይ ስድራቤት 2000 ናቕፋ፤ ንሓደ ውልቐሰብ 500 ናቕፋ ከምእውን ንክልተ ወይ ሰለስተ ስድራቤታት 800 ናቕፋ ይዋሃብ ነይሩ።እዚ ሓንሳብ ምስ ተዋሃበ ካልኣይ ኣይድገምን ነይሩ።

      ኣብ መጀመሪያ 2001 ዝተመለሱ ኣብ ከባቢ ጎሊጅ ናይ ሕርሻ መሬት ንውህዳት ተዋሂቡ።እቲ ዝበዝሕ ግን ኣይወሰደን።

      ካልእ ናይ ትምህርቲ፤ ማይን ሕክምናን ሽግር ነይሩ።ስለዚ ሓፈሻዊ ምድልዋት በቲ መንግስቲ ተገይሩ ኢላካ ምዝራብ ኣጸጋሚ እዩ።እቶም ኣብ ሱዳን ዝማሃሩ ዝነበሩ ውሑዳት ኣብ ተሰነይን ጎልጅን ዕድል ትምህርቲ ይርከቡ እምበር ዝበዝሑ ግን ናብ ሱዳን ተምሊሶም።እዞም ኣብ መዓስከራት ዝነበሩ ጽልዋታት ናይ ተቓውምቲ ስለዝንበሮም መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምንቕስቓስ እዞም ሰባት ብዙሕ ስጋእታት ስለዝንበሮ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ንምቑጽጻር ከጥዕሞ ሓጺርዎም።ካብኦም ንገለ ሰባት ምፍርራሕካብኡ ሓሊፍካውን መጠንቕቕታ ተዋሂብዎም እዩ።መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብስንኪ ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን ሃገሩ ለቒቑ ዝኸደ ኣክንዲ እንቛዕ ድሓን መጻኹም ምባል ብጥርጠራን ዘይእሙናት ገይሩ እዩ ወሲድዎም።

ሕቶ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብቶም ናብ ኤርትራ ዝተመለሱ እንድገና ናብ ሱዳን ይምለሱ ኣለዉ።እንታይ እዩ እቲ ጠንቒ ትብል?

መልሲ፡ እቲ ተንቒ ብሩህ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ባዓሉ ይምልሶ እዩ።ናብ ኤርትራ ዝተመለሱ መብዛሓቶም መንእሰያት እዮም።ክምለሱ ክልዉ ነብሶም ክመርሑ፤ ክማሃሩን ክሰርሑን ነይሩ መደቦም።ኣብ ኤርትራ ምስኣተዉ ግን ኩሉ መንእሰይ ኣብ በረኻታት ተደርብዩ ከምዘሎን ኣብ ክንዲ ንሃገር ንውልቐ ሰባት(ሰበ ስልጣናት) ከገልግል ናብራኻ ክትመርሕ ዘይካእል ምኻኑን እቲ ኣብ ኤርትራ ዝንበር መንእሰይ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክኸይድ ስለተዓዘቡ ንካላኣይ ግዜ ናብ ሱዳን ክስደዱ ተገዲዶም እዮም። ከም ተውሳኽውን ስርዓት ህግደፍ ነቲ ህዝቢ ብደረጃታት ሰሪዕዎ ስለትዓዘቡ ኣብ ኤርትራ ናይ ምንባር ድሌቶም ኣጸልሚትዎ እዮ።

ሕቶ፡ ከምዝሰማዓናዮ ንስኻ ነቲ ስርዓት ገዲፍካ ኣብ ሱዳን ትነብር ኣለኻ።ንምንታይ እዚ ስጉምቲ ወሲድካ?

መልሲ፡ ኣነ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ትዕዝብትታት ጸኒሕኒ እዩ።ብደቒቑ ይከታተሎ ነይረ እየ።እንተኾነ ግን ኣብ ውሽጢ ኮይንካ ንፍትሕን ለውጥን ምቕላስ ይሓይሽ ዝብል ዕላማ ነይሩኒ።እንተኾነ ግን ድሕሪ ኩናት ኤርትራን ኢትጵያን እቲ ዘስዓቦ ጸገማትን ውጽኢቱን ከም ኣጀንዳ ኣናተጠቐምካ ኣብ ውልቃዊ ስልጣንካ ንዝተጻረረካ እናቐንጸልካ ኣሽፈረኝ ምስተጀመረ፡ ኣነ እዚ መስርሕ ረብሓ ውልቐ መላኺ ድኣ እምበር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ክዕዘብ ጀሚረ።ኣብቲ ዝነበረ ተሪር መድረኽ ኣነ ናብ ሱዳን ተመዲበ መጺአ እንተኾነ ግን ሓንቲ መዓልቲ ቐሲነ ኣይፈልጥን።

መንግስቲ ኤርትራ ኪሒዶም ኢሉ ዝኣሰሮም ብጾት ናብ ፍርዲ ከቕርቦም ኣይኻኣለን። በድል እንተሃሊዎም መንግስቲ ናብ ህዝቢ ከቕርብ ይጽበዮ ነይረ እንተኾነ ግን ናብ ፍርዲ ህዝቢ ክቐርቦም ኣይካኣለን።ስለዚ እዚ እንታይ እዩ ዘርኤካ ህግደፍ ነዞም ሰባት ከዲዕዎም ከምዘሎ እዩ።ኣብ ከዳዕ ስርዓት ይሰርሕ ከምዝለኹ ክርዳኣኒ ጀሚሩ።

      ካልእ ምስ ናብ ሱዳን ዝመጹ ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኤርትራዊያን ይራኸብ ነይረ።ናብ ሱዳን ዘምጽኦም ጠንቒ ክገልጹ ከለዉ ጭቖና፤ ግፍዒ፤ ማእሰርቲ በቲ ስርዓት ይወርዶም ከምዝነበር ይገልጹ እዮም።እቲ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘሎ መንእሰይ ኣብ ውልቓዊ ስራሕ ናይቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ከምዝተዋፈረ ይገልጹ።ስለዚ ኣዲታቶ ኣብ ገዛ ንቡን ዝይረኸባ ገዛ ኣዘዝቲ ብዘይ ደሞዝ ክሰርሑ ፍትሒ ድዩ?እዞም ናብዚ ዝመጹ ዘለዉ መንእሰያት ድማ ኣብ ሱዳን መዕለቢ ስለዘይረኸቡ ምድረበዳን ባሕርን ሰጊሮም ናብ ሊብያን ጣልያንን ይኸዱ ኣለዉ።ገሊኦም ኣብ ምድረበዳ ከምእውን ኣብ ባሕሪ ይተርፉ ኣለዉ።ካብ ሊብያ ተእሲሮም ናብ ኤርትራ ዝተመለሱ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እቲ ስርዓት ይሳቐዩ ኣለዉ።ካብ ሊብያ ናብ ኢርትራ ክምለሱ ኣይር ጨውዮም ኣብ ሱዳን ዝዓለቡ መንእሰያት ኤርትራዊያን መንግስቲ ኤርትራ ከም ግብረሽበራዊያን ብምቑጻር ንመንግስቲ ሱድን ግብረሽበራዊያን ኣዑቒባ ብምባል መግለጺ ሂቡ።እዞም ኣብ ሊብያ ንሰለስተ ወርሒ ዝተኣሰሮ ናብ ኤርትራ’ውን ከምኡስራት ዝውሰዱ ዝነበሩ ግብረሽበራዊያን ምባሉ ባጣዓሚ ዘስደምም እዩ።እዚ እንታይ እዩ ዘርእይ መንግስቲ ካብ ህዝቢ ከምዝተፍላለይ የርእይ። ነዚ ኩሉ ጸገማት እናራኣኻ ንመንግስቲ ኤርትራ ምግልጋል ገብን ኮይኑ ተራእይኒ።

      ብመሰረት እዚ ድማ ብዛዕባ ኣካይዳን ኣሰራርሓን ጽፈት ከምዘየለ፡ ኣብ ምምላስ ስደተኛታት ምትእትታው ናይ ኢምባሲ ኤርትራ ከምዘሎን እዚ ምስ ዘይኸውን ናተይ ስጉመት ክወስድ ምዃነይ ብዕለት 17/09/04 ንቤት ጽሕፈት ፕረስደንት ደብዳበ ጽሒፈ።

ስለዚ ብዕለት 13/10/04 ድማ ኣብ ጋዜጣ ሱዳን መግለጺ ብምግባርን ንላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ዑቕባ ዘሕትተኒ ዘሎ ጉዳይ ብምዝርዛር ካብቲ ዝተዋሃበኒ ሓላፍነተይ ተሰናቢተ።

ሕቶ፡ ንስኻ ነቲ ስርዓት ብኸመይ ትርእዮ?

መልሲ፡ ስርዓት ህግደፍ እሞ ብከመይ ክርእዮ እየ።ትካላዊ ኣሰራርሓ ወይ ሕጊ ዘይብሉ ናይ በረኻ ስርዓት እዩ።ስለዚ ስርዓት ክትብሎ የጸግም እዩ።እቲ ስርዓት ብውሑዳት ጉጅለ ዝውነን እዩ።ስለዚ እዚ ስርዓት ነቲ ሓርበኛ ህዝቢ ጉልበቱ ገንዘቡን ደቑን ሂቡ ናጽነት ዘምጸአ ጠሊምዎ ኣሎ።ከምእውን ንሰላሳ ዓመት ህዝቢ መሪሖም ናጽነት ዘምጹ ጀጋኑውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኖም ኣለዉ።እዞም ሰባት ስልጣን ንህዝቢ ነረከብ፤ ዲሞክራሲ ይስፈን፤ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ይሃልው ካብ ምባሎም ሓሊፎም ንሃገርን ህዝብን ዝበደልዎ ገበን የለን።ስለዝኾነ ድማ እቲ ስርዓት ናብ ሕጊ ከቕርቦም ኣይካኣለን።ካብዚ ሓሊፉ ንስድራ ቤት እዞም ጀጋኑ ዝበደልዎን ዝፈልጥዎን ዘይብሎም ምፍርራሕን ማእሰርትን ይወርዶም ኣሎ። ስለዚ ህግደፍ ስለዘይተዘረበሉ  እምበር ብህግደፍ ዘይተገበረ ገበን ኣብ ልእሊ ኤርትራዊ የለን።ሓደ ዝገርም ነገር ኣሎ ህግደፍ ጉዳዩ ገዲፉ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብምእታው ሰላም ከምጽእ ይብል። ንሱ ባዕሉ ተቓወምቲ የብለይን ነብሱ እናታለለ ህዝብውን እናታትለለ ዝነብር ዘሎ እዩ።

ሕቶ፡ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራዊያ እትከታተል ሓንቲ ኮሚቴ ቆይማ ኣላ።ንስኻ ከም ኣማኻሪ ኮይንካ ካብ መጀምርታ ክስብ ሕጂ ትክታተላ ኣለኻ።ኣመሰራርታን ዕላማን ናይዛ ኮሚቴ ምሓበርካና ዶ?

መልሲ፡ እቲ ሓሳብ ብውሑዳትን ግዱሳትን መንእሰያት እዩ ጀሚሩ። ምስቶም መንእሰያት ብዛዕባ እዚ ሓሳባት ተዘራሪብናሉ ኣድላይ ከምዝኾነውን ተሰማሚዕናሉ።እት ቑጽሪ ስደተኛ ምስቲ ቕድሚ ናጽነት ዝነበረን እዚ ሓድሽ ዝመጽእ ዘሎ ወሲካ ብጣዓሚ ብዙሕ እዩ ዘሎ።ኣብዚ ከም ስደተኛ ዝተሓባበሮምን ሞራል ዝህቦምን ኣካል የለን።ኣብዚ ስክሪን ዝሓለፉን ዝተረፉን፤ ናብ ሃግሮም ክምለሱ ዝተመዝገቡን ስክሪን ዘይተመዝገቡን እዮም ዘለዉ።ስለዚ ናይዚ ኩሉ ክፋላት ስደተኛታት ኤርትራዊያን ሓላፍነት እትስከም ኮሚቴ ክትህልው ኣለዋ ኢልና ኢና ተበጊስና። እቶም ቕድሚ ናጽነት ብሰንኪ ስርዓታት ሃይለስላሰን መንግስቱን ዝተሰደዱ ሕጅውን ብሰንኪ እቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣስመራ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይካኣሉን።እዚኦምን ሕጂ ዝመጹ ዘለዉን ናይ ፖለቲካ ሰደተኛታት እምበር ናይ ቁጣባ ወይ ጥሜት ሰደተኛታት ከምዝይኾኑ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታትን ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ብዕለት 29/12/04 ደብዳቤ ተዋሂቡ።በዚ መሰረት ንዕለት 16/01/05 መልሲ ክዋሃብ ምዃኑ ተሓቢርና።

ኣብዚ ዕለት ቁጽሮም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራዊያን ታቤላታት ሒዞም ኣብ ቕድሚ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ተረኺቦም። እንተኾነ ግን 30 ዝኣባላታ ኮሜቴ ክትምስረት ካብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሑብራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት መልሲ ተዋሂቡ። ካብቲ ኣብኡ ዝነበረ ህዝቢ ካብ ኩሉ ቦታ ምእንታን ወከልቲ ክህልዎ ብዝብል 30 ዝኣባላታ ግዚያዊ ኮሚቴ ተመዚዛ።ኣነውን ተመሪጸ ነይረ እንተኾነ ግን ናተይ ምኽንያት ስለዘለኒ ብምሕባር ክሳብ መወዳእታ ግን ኣብ ጎኒ እዛ ኮሚቴ ኮይነ ክሰርሕ ምዃነይ ቃል ኣትየ።ዕላማ ናይታ ኮሚቴ ንኹሉ ሰደተኛ ኤርትራዊ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት ምስቶም ዝምልከቶም ኣካላት ኣናተመያየጥካ ከምእውን ብደርጃ ዓቕሚ እታ ኮሚቴ ፍታሕ ምንዳይ እዩ። ንቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ጸቕጢ ብምፍጣር ኣብ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣቓልቦ ንኽገብር እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቓልቦ ስለዝይረከበ ፍቐዶ ምድረበዳን ባሕርን ዝጠፍእ ዘሎ ድኽመት ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ምኻኑ ምግላጽን ሓላፍነት ከምዝስከም ምግባርን እዩ።

እቶም ስክሪን ዝሓለፉ ድማ ጉዳዮ ግቡእ ኣቓልቦ ተዋሂብዎም ክሳለጠሎም። ክምእውን ኣብ ዝተፈላለይ ማሕበርዊ ኣገልግሎት ከም ሕክምና ፤ ትምህርቲ፤መሰላት ደቐንስትዮ፤ ዝተኣሰሩ፤ ታሴራ ንዘይብሎምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ጉዳያትን ኣገልግሎት ንዝይረኸቡ ዜጋታት ምጥባቕን ሓገዛት ምንዳይን። እዚ እዩ እታ ኮሚቴ መዓልታዊ ክትዘራረበሉን ክትሰርሓሉን ዝተበገሰትሉ ዕላማታት።

      ኣብዚ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደልይ ጋዜጠኛ ኣቶ መሓመድጣሃ ተወከል ነዛ ኮሚቴ ካብቲ ሰልፊ ዝጀመረትሉ ግዜ ኣትሒዙ ይኹን ኣብ ግዜ ኣኼባታት ዝገበሮ ድገፍ ዝምስገን እዩ።ስለዚ ብስመይን ብስም እዛ ኮሚቴ የመስግኖ።

ሕቶ፡ ንስኻ እንታይ እዩ ኣበጊስካ ሙሉእ ግዜኻ ሂብካ ነዛ ኮሚቴ ትሕግዝ ዘለኻ?

መልሲ፡ ኣብ ላዓሊ ከዝገለጽኩዎ ምስዛ ኮሚቴ ክተሓባበር ዘገድሰኒ ቐንዲ ረቛሒ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ዋና የብሉን።ዋላእዃ መንግስቲ ሱዳን ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ብናጻ ክነብሩ የፍቕድ እምበር ጸገም የለን ማለት ኣይኮነን።

      ኢምባሲ ሃገር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ዘሎ ብዝይካ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮፍ ኢልካ እተን ክልተ ካብ ሚኢቲ ምእካብ ሓሊፉ ንህዝቢ ናይ ምግልጋል መደብ የብሉን።ኣነ ድማ እዚ ስደተኛ ብኩሉ ተበዲሉ ስልዘሎ ብዘለኒ ኣፍልጦን ተሞክሮን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ንሽግራቱ ኣብ ምፍታሕ ክተሓባበር ኣለኒ ብምባል ከም መደብ ዝጀመርክዎ እዩ። ክሳብ መወዳእታውን ክቕጽሎ እየ። 

ሕቶ፡ ክስብ ሕጂ እዛ ኮሚቴ ዝዓመመቶ ነገር ኣሎ ዶ? እንድሕሪ ኣሎ እንታይ እዩ?

መልሲ፡ እዛ ኮሚቴ ክሳብ ሕጂ መደብ ስርሖምን ሕጊ ህንጻን ኣብ ምውጻእ፤ ምስ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታትን ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ክትዘራረብ ጸኒሓ። ብመሰረት ካብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ዝተዋሃበ መምርሒ ንህጹጽ ጉዳያት እተከታተል ሰለስተ ዝኣባላት ንኡስ ኮሚቴ ቖይማ ኣላ።ድሮውን ስርሓ ጀሚራቶ ኣላ።ግን ሓደ ንገር ክፍለጥ ዘለዎ እዛ ኮሚቴ ኣሎ ዝባሃል ሽግራት ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣብ ሓደ እዋን ከትፈትሖ ምሕሳቡ ጌጋ እዩ።ኣብ ምፍታሕ እቲ ጸገም ግን ካብቲ ናይ ቕድሚ ሕጂ ዝነበሮ ከምዝሓይሽ ክፍለጥ ኣለዎ ድሮውን ጽቡቕ ተስፋታት ይረአ ኣሎ።ቕድሚ ሕጂ ነቲ ላዕለዋይ ኣካል ንምርካብ ዓቐብ ዝነበረ ሕጂ እዛ ኮሚቴ ብቐጥታ ክትራኽብ ጀሚራ ኣላ።ስለዚ ሽግር ናይ ህዝቢ ኣብ ምግላጽ ጽቡቕ ኣፍደገ ከፊታ ኣላ።ህዝብ’ውን ነዛ ኮሚቴ ክታሓባብን ክድግፍን ይግባእ።

ሕቶ፡ ካብ ህዝቢ ዝስማዕ ምዕዝምዛማት ኣሎ። ንሱ ድማ እታ ቆይማ ዘላ ኮሚቴ ንዝተወሰነ ጉጅለ እምበር ንኹሉ ኣይትውክልን እያ ዝብል እዩ።ክመይ ድዩ እቲ ምርጫ ተኻይዱ?

መልሲ፡ እዛ ኮሚቴ ኣብ ቕድሚ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሑብራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት እያ ተመዚዛ።ካብ ኩሉ ቦታታት ካርቱም ምእንቲ ክትውክል ሓደ ሰብ ከምዝምረጹ ተገይሩ።ስለዚ ካብቲ ኣብቲ እዋን ተኣኪቦም ዝነብሩ ህዝቢ እያ ተመሪጻ።እዛ ኮሚቴ ግዚያዊት እያ ፡ ኩሉ ስድተኛ ዝሳተፎ ጉባኤ ክትገብር ድማ ከም ናይ ቐዳማይ ዕላማ ሒዛቶ ኣላ።ኣብት ጉባኤ እቲ ዝነበረ ጉድለት ክዕረን ክእረምን ኣለዎ።

ሕቶ፡ እዚ ስለዝኾነ ካልእ ዓሰርተ ዝኣባላታ ኮሚቴ ተመስሪታ ኣላ ሰሚዕና።ስለዚ እቲ ጉዳይ ከመይ ክኸውን እዩ?

መልሲ፡  ዓሰርተ ዝኣባላታ ኮሚቴ ኣይተመስረተትን።እቶም ዓሰርት ዝባሃሉ ዘለዉ ብኣጋጣሚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ሓድሽ ፎርም ይዋሃብ ስለዝነበረ፡ ብዙሓት  ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያውያንን ስለዝነበሩ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንምዝርራብ ካብ ክሊቲኡ ወገናት ዓዓሰርተ ሰባት ተመዚዞም ኣትዮም።እዚ ባዛዕብ እቲ  ዕላማ ናይቲ ዝዋሃብ ዝነበር ፎርም መግለጺ ንምሃብ እዩ ነይሩ።ንስቶም ድማ ነቲ ዝተዋሃበ መግለጺ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ህዝቢ መብርሂ ክህቡ ነይሩ እቲ መደብ።ስለዚ እዚ ካብ ዘይምርዳእ ዝመጸ እዩ ይብል።

ሕቶ፡ እዞም ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ስክሪን (screen) ሓሊፍኩም ተባሂሎም ብUNHCR ዝፍለጡ ናትና ኮሚቴ ክህልውና ብምባል ይንቐሳቐሱ ኣለዉ።እዚ በመይ ትርእዮ?

 

መልሲ፡ ብዛዕባ እዞም ሰባት ዝፈልጦ የብለይን።በይኖም ኮሚቴ ክገብሩ እንተደልዮም ናቶም ምርጫ እዩ።ብወገነይ ግን ውጽኢታዊ እዩ ኢለ ኣይኣምነሉን እየ።ስለምንታይ ስክሪን ዝገበሩ ኢልካ ምዝራብ ክብሪ ይርብሉን።እወ ሓቒ እዩ ስክሪ ዝሓለፉ ስደተኛታት ቐዳምነት ይዋሃቦም እዩ።እቲ ጉዳይ ግን መሰል ስደተኛታት ይታሓለዉ ተባሂሉ ስለዝተሓተተ እዩ። እቶም ዘይሓለፉ ናይቶም ዝሓለፉ ዕድል ክወስዱ ኣይክእሉን እዮም እዚ ክፍለጥ ይግባእ።ካብ ከምዚ መደብ ሒዞም ምብጋሶም ምስዛ ድሮ ተመስሪታ ዘላን ድሮ ሰርሓ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ጀሚራ ዘላ ብሓባር እንተዝሰርሑ ውጽኢታዊ እዩ ይብል።

ሕቶ፡ ገለ ሰባት ኣቶ ዓንደብርሃን ምስ እዛ ኮሚቴ ዝደጋገፍ ዘሎ ናቱ ውድብ ንምምስራት እዩ ይብሉ።እዚ ድዩ እቲ ሕቡእ ኣጀንዳ ናትካ?

መልሲ፡ ኣነ ብወገነይ ውድብ ንምምስራት መደብ  ወይ ዕላማ የብለይን።ሎሚ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ እንተኮይኑ ብሓባር ብምስራሕ ጥራይ እዩ።ኣነ ክቓለስ እንተኾይነ ምስቲ ንስርዓት ህግደፍ ክገጥም ተጠርኒፉ ዘሎ ሓይሊ ንኡ ንምሕያል እየ ክሰርሕ። ሎሚ ውድብ ክገብር እየ ምባል እዋናዊ መድረኽ ኤርትራ ዝጠልቦ ሕቶ ኣይኮነን።እዚ ዘረባታት ድማ ስራሕ ዘይብሎ ሰባት መዕለሊ ንኽኾኖም ዝዛረብዎ እዩ።

 

ሕቶ፡ እዛ ኮሚቴ ብመን ትምወል? ብከመይ ትንቐሳቐስ?እንድሕሪ ሓጋዚ ወይ መዋሊ የብላን ኢልካ እንታይ ክግበር ኣለዎ?

መልሲ፡ ነዛ ኮሚቴ ክሳብ ሕጂ ዝምውላ ሰብ የለን።ስለምንታይ ገና ኣብ ምምስራት እያ ትርከብ ዘላ።ዝኾነ ኣባል ኮሚቴ ድማ ካብ ጅብኡ እዩ ዝንቐሳቐስ ዘሎ።ከምዚ ገይርካ ግን ነዊሒ ክኸይድ ኣይካኣልን እዩ።ስለዝኾነ ድማ ካብ ውዱብ ሕቡራት ሃገርት ጉዳይ ስደተኛትት፤ ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን፤ ካብ ግዱሳት ኤርትራዊያን፤ ከምእውን ወርሓዊ ውጽኢት ካብ ኣባላታ ምግባር ከድልይ እዩ። ድሮውን ግዱሳት ኤርትራዊያን ነዛ ኮሚቴ ንኽሕግዙ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ሕቶ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ናብ ሓደ ኪዳን ተጠርኒፈን ኣለዋ።ንስኻ ከም ዲፕሎማት ከምይ ትርእዮ? ውጽኢታዊ ድዩ ከ ትብል?

መልሲ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ሓደ ክጥርነፉ ብፍላይ ኣብዚ ግዜ ግድነት እዩ።ኤርትራ ሎሚ ድሕነት ትጽበይ ኣላ።ስርዓት ህግደፍ ሃብቲ ህዝቢ መዝሚዙ ጥራይ እዩ ክኸይድ ዝደልይ ዘሎ፡ ሕጂ ዝድለይ ዘሎ መተካእታ ነቲ ስርዓት እዩ።ሰለዚ እዘን ውድባት ብተወፋይነት ብሓባር ሰሪሔን ንህዝቢ ኤርትራ ከድሕናን ነቲ ስርዓት ክትካኣን ከምዝኽእላ ጥርጥር የለን።እተኾነ ግን ተቓወምቲ ውድባት ካብ ዝኾነ ስምዒትን ረብሓ ስልጣኖምን ነጻ ኮይኖም ወይ ካልኣይ ደረጃ ብምሃብ ተጠርኒፎም ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ክቓለሱ ይግባእ።ከምእውን መንእሰይ ኤርትራ ሃገሩ ገዲፉ ፋሕ ፋሕ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን እዘን ተቓወምት ውድባት እዚ መንእሰይ ዝድሕነሉ መገድታት ክሓስባ ታሪኻዊ ሓላፍነት እዩ።ናይዘን ሰሚረን ዘለዋ ውድባት ተግባራውነት ክረአ ግን ህዝቢ ክድግፎ ይግባእ።

ሕቶ፡ ምውሓዝ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ናብ ሱዳን ይኹን ናብ ካልእ ጎራብቲ ሃገራት ካብቲ ናይ ቕድሚ ናጽነት ዝነበረ ቑጽሪ ክትርእዮ ከለኻ ከመይ ይመስል?

 

መልሲ፡ ምውሓዝ ስደታኛትት ኤርትራዊያን ምስ ኣብ ግዜ ቓልሲ ዝነበረ ክነጻጸር ከሎ ብዙሕ ኣይፍለይን እዩ።እንተኾነ ግን ክንርደኦ ዝግባኣና ኣብ 1974 ስርዓት ሃይለስላሴ ክውድቕ ከሎ ከም’ውን ስርዓት መንግስቱ ብዙሕ መንእሰይ ይወጽእ ነይሩ።ሕጅ’ውን ንሱ እዩ ዘዘኻኽረና።ሕጅውን እዚ ስርዓት ህግደፍ ክወድቕ ይቐራርብ ምህላዉ እዩ ዘርእየና ።እቲ መንእሰይ ነቲ ፖሊስታት እቲ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ክቓወም ስለዘይኻኣለ ሃገሩ ገዲፉ ብምውጻእ ተቓውምኡ ይገልጽ ኣሎ።

ሕቶ፡ ናብዚ ዝመጽእ ኤርትራዊ ስደተኛ ግቡእ ኣቓልቦን ሓገዛትን በቶም ዝምልከቶም ትካላት ይረክብ ኣሎ ድዩ? እንድሕሪ የለን ትብል ኮይንካ ንምንታይ?

 

መልሲ፡ ናብዚ ዝመጽእ ዘሎ ስደተኛታት ግቡእ ኣቓልቦ በተን ዝምልከተን ትካላት ይግበረሉ የለን።እሱ ስለዝኾነ ድማ ሓቢርካ ንመሰልካ ምሕታት ይሓይሽ ተባሂሉ እታ ኮሚቴ ዝተመስረተት።ስለምንታይ እተን ዝምልከተን ትካላት ኣቓልቦ ዘይገበራ ንዝብል ንዓይ’ውን ገሪሙኒ እዩ ዘሎ።ኣነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት  ከም ሓላፊ ኮይነ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ምትሕብባ ኣይናኣድን እዩ።

ሕቶ፡ ኣብዚ ዝረከባ ተቓወምቲ ውድባት ነቲ ዝውሕዝ ዘሎ ስደተኛ ኣብ ምጥባቕን ምሕብሓብን እንታይ ተራ ይጻወታ ኣለዋ? ወይ እንታይ ክገብራ ኣለወን ትብል?

 

መልሲ፡ ኣነ ብወገነይ ብዙሕ ዝተሓባበራ ኮይነን ኣይስማዓንን እዩ። ብመጠኑ ግን ኣሎ ንኣብነት ንሓደስቲ ንዝመጹ መንእሰያት መንቐሳቐሲ ይህቡ እዮም።

      ሓንቲ ኣገዳሲት ጉዳይ ኣነ ዝፈልጣ ካብ ሊብያ ናብ ኤርትራ ክጥረዙ ከለዉ ኣየር ጨውዮም ኣብ ካርቱም ንዝወረዱ መንእሰያት ኩለን ውድባት ኣብ ጎኖም ደው ኢለን እየን። ክሳብ ሕጂ’ውን ይተሓባበረኦም ኣለዋ።እዚ ግን እኹል ኣይኮነን ካብቲ ስርዓት ሃዲሞም ንዝመጹ ዘለዉ መንእሰያት እተን ውድባት ሙሉእ ሓላፍነት ክወስዳ ኣለወን።ካብዞም መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ማዓልታውን እዋናውን ሓበሬታ ክረኽባ ይኽእላ እየን።

ሕቶ፡ እንታይ መልእኽቲ ከተመሓላልፍ ትደልይ ብፍላይ ኣብ ኣውሮጳ፤ ኣመሪካን ካልእ ቦታ ንዝርከቡ ኤርትራዊያን?

መልሲ፡ ኣብ ኣውሮጳ፤ ኣመሪካን ካልእ ቦታ ንዝርከቡ ኤርትራዊያን ኣብ ግዜ ብረታዊ ቓልስን ምህናጽ ሃገርን ምብርባር ቑጠባን ዓንደ ሕቖ እታ ሃገርን ህዝብን ብምዃን ወሳኒ ተራ ተጻዊቶም እዮም።እንተኾነ ግን ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታትን ኣገባብ ኣማሓደራን ተቐይሩ እዩ። ኤርትራ ሎሚ ብውሕዳት ውልቐሳባት ንረበሖም እትምራሕን እትርገጽን ሃገር ኮይና ኣላ።ብስንኪ እዚ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ሃገሮም ገዲፎም ናብ ጎራብቲ ሃገራት ይስደዱ ኣለዉ።ኣብዛ እንኮ ሕጊን ቕዋም ኣልቦን ዝኾነት ሃገር፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ርእይትኡን ንኸይዛረብ ኣፉ ተለጉሙሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራዊያ ኣቓልቦ እቲ ኣብ ጭቖና ዘሎ ህዝቦም ክገብሩ ይግባእ።

ኣብ ፍትሕን ዲሞክራስን ዘለወን ሃገራት እናነበርኩም ነቲ ብህዝቢ ብፍላይ ብመንእስያት ዝጻወት ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ከም መንግስትና የለን ምባል ቕኑዕ ኣይኮነን (ብፍላይ ነቶም ተደናገጽቲ እቲ ስርዓት)።ዓገብ ምባል’ውን ዘድልዮ እዩ።ኣብዚ እዋን ክልተ ካብ ሚኢቲ ምኽፋል ንስርዓት ህግደፍ መሻደኒ እምበር ኣብ መዓላ ሃገር ክውዕል እዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት እዩ።ስለዚ ኣብ ጎኒ ህዝብኹም ደው ብምባል ነቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ዓገብ እተበልኩ ይሓይሽ ይብል።

ሕቶ፡ ኣብ መወደኣታ ክዝረበሉ ኣሎ እትብሎ ነገር እንድሕሪ ኣሎ? ወይ ዝተረሰዐ ነጥቢ እንድሕሪ ኣሎ?

መልሲ፡ ዝተረፈ ዳርጋ የለን።ክብሎ እንተሃልዩ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሰክፎ ጎስጓስት ይካየድ ኣሎ ንሱ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግጭት ከይህልው እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣሽሓት መንእሰያት ከፊሉ ናጽነቱ ጨቢጡ እዩ።ኣብ ከልኣይ ዝተወለዐ ኩናት ድማ ማእለያ ዝይብሎም መንእሰያት ተሰዊኦም እዮም።ስለዚ ዳግማይ ብሰንኪ ዶብ ናብ ኩናት ምእታው ናይ ባሓቒ ዘሰክፍ እዩ።

ጉዳይ ዶብ ካብ ዝውሰን ዓመታት የሕሊፉ ኣሎ ሓንሳብ ኤርትራ ነጺጋቶ፡ ሓንሳብ ኢትዮጵያ ነጺጋቶ ኣናተባሃለ ቲያትር ናይ ከሊቴአን ሃገራት ኣብ ቕድሚ ዓለም  እናተበራረየ ይቕጽል ኣሎ።ስለዚ እዚ ጉዳይ ዶብ ድዩ ወይስ ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣለዎ ኢልካ ምሕሳብ ከድልይ እዩ።ስርዓት ህግደፍ ስልጣኑ ንምንዋሕ ብዝይካ ብኩናት ካልእ መንገዲ ክህልው ከምዝይኽእል ንምርድኡ ዘጠራጥር ኣይኮነን።ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ክነቐሓሉ ይግባእ።እዚ ስርዓት ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ጎራብትና ብሰላም ክነብሩ ስለዝይኽእሉ ሰላም ህዝቢ ኤርትራ’ውን ኩሉ ግዜ ምስትዘረገ ክነብር እዩ።ነዚ ከምዚ ዝገብር ዘሎ ስርዓት ከነጋልጾን ካብኡ ሓሊፍና ክንምክቶ ይግባእና።

ቅዋም ኤርትራ ድሕሪ ክልተ ዓመት ጸዓርን ድኻምን  ኤርትራዊያን ወጻእተኛታት ኪኢላታት ምንዳፉ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛ ኢስያስ ኣፈወርቂ ተቐቢሩ ኣሎ። እዚ ብሕሪያት ናይ ዲክታቶራዊ ስርዓት እዩ።ድሕሪ ምእላይ ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣብ ግብሪ ከውዕል ምኻኑ ሙሉእ እምነት ኣለኒ።ህዝብ’ውን ክጽዕረሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

      ኣብ መወዳእታ ንህዝብን መንግስት ሱዳን ስለ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ምሕብሓብ ምስክር ዘድልዮ ኣይኮነን።ስለዚ ብስምይን ብስም ህዝቢ ኤርትራ የመስግን።

ኣቶ ዓንደብርሃን እስቲፋኖስ ኣማኻሪ ኮሚቴ ሰደተኛታት ኤርትራዊያን ኣብ ከርቱም ነቲ ዝሃብካና ቓለ ምልልስ ብስም ጋልፍ ኢንፎሚሽን ሰንተርን ተከታተልቲ እዚ መደብን የመስግን።የቐነለይ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2902

Posted by on Mar 29 2005 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net