ኣኼባ ምሕዝነት ውድባት ኤርትራ ኣውንታዊ ምዕባለ የርእይ፡ ተቓውሞ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተቶኩሱ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር

ፍ.ገብረሂወት

ካርቱም

ለካቲት ዒስራን ሸሞንተን

    ካብ 1998 ኣትሒዙ መደብና ብቛንቛ ዓርብ ክንፍኑው ጸኒሕና። ብምቅጻል ካብ 2004 ኣትሒዙ ብቛንቛ እንግሊዝ ንህዝብና ሓበሬታ ነቅርብ ኣለና።

    እንተኾነ ግን እቲ  ህዝብና ናይ ቛንቛታት ዓረብ፤ ትግሪኛ ፤ እንግሊዝ ተዛራባይ ብምዃኑ ንእንበብቲ ቛንቛ ትግርኛ እቲ ዘድልይ ሓበሬታ ከነብጽሕ ኣይጸንሓናን፡ ኣብ እዋኑ ዘይምጅማርና ይቕሬታ ንሓትት።

     ዕላማ ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር፡ መቐጽልታ ናይት ብቛንቛታት ዓረብን እንግሊዝን ኮይኑ፡ ናብ ህዝብና እዋናዊ ሓበሬታ ምብጻሕን ኣብ ምህናጻ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እጃሙ ከበርክት ተርኡ ከምዝጻወት ምግባር እዩ።እዚ ኢንፎርሜሽን ሰንተር

ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ጸግዒ ነጻ ምኻኑ ኣቐዲምና ንሕብር።

   መደብና፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ናይዚ ወርሒ ብዝተጀመረ ምሕዝነተኣዊ ኣኼባ ውድባት ኤርትራ ኣብ ካርቱም ዝካየድ ዘሎ  ዜናዊ ጸብጻብ ብምጅማርና ዮሃና ንብል።ብዘይተሳትፎኹ ስለዘይንምእብል ተሳትፎኹም ከይፍለየና ንላቦ።

   ዝሓለፈ ሰሉስ ናይዚ ወርሒ ዝተፈላለያ ውድባት ኤርትራ ብሓባር ሰሚረን ምእንቲ ክሰርሓ፡ ኣብ ሓደ ሓበራዊ ሓሳብ  ንምብጻሕ ኣብ ካርቱም ኣኼባ ተከፊቱ፡ ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ኣኼባ ልኡኻት መንግስታት ሱዳን ፤ ኢትዮጵያን የመንን ተሳትፎም። እቶም ወከልቲ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ምቛም ዲሚክራሲያዊ ስርዓት ዝካእሎም ከብርክቱ ምኻኖም ቃል ኣትዮም።

    ነቲ ኣኼባ ዝመርሖ ዘሎ ኣቶ ሑሴን ከሊፋ ኮይኑ፡ ካብተን ዓሰርተ ሽዱሽተ ውድባት እተን ዓሰርተ ኣርባዓተ ብኣቦመንበረን እተን ክልተ ብወከልተን ይሳተፋ ኣለዋ። ኣብዚ ዝቕጽል ዘሎ ኣኼባ ፡ ዝሓለፈ ሮቡዕ እተን ውድባት ኣብ ሓደ ሓበራዊ ቻርተር ድሕሪ ምዝታይ ንኩለን ውድባት ዝጥርንፍ ቻርተር ኣጽዲቐን።

    ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣትሒዘን፡ ኣብ ኣተገባብራን ኣሰራርሓን ዝምልከት ይመያየጣ ከምዘለዋ ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።ንዝኾነ ውሳነታት ዝግበር ብሓባር ድምጺ ብምሃብ ከውሰን፡እቲ ውሳነ ሰለስተ ርብዒ ድምጺ ካብ ኣኼቤኛታት ምስዝረክብ ክኸውን ከምዘለዎ ተረዳዲኤን።

   ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኣካይዳ ካብ ኩለን ውድባት ብዝተዋጸአት ሰክረታርያት ኮሚቴ ነይሩ። እዚ ግን ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ምሕዝነት ኣብ ዓወት ክበጽሕ ኣይካኣለን።እታ ዝተመረጸት ኮሚቴ ክሳብ ሕጂ እዚ ሓድሽ ዝምስረት ዘሎ ምሕዝነት ውጺኢታዊ ምዕባለ ከተምጻ ኣይካለትን።

    ኣብዚ ሕጂ ዚካየድ ዘሎ ኣኼባ ፡ ናይቲ ዝሓለፈ ድኽመት ድሕሪ ምግምጋም ሓንቲ ፈጻሚት ሽማግለ ትሽዓተ ዝኣባላታ ሓላፍነት እትስከም ፡ ተሓታትነት ዘለዋ ክትምረጽ ሓሳብ ቐሪቡ ኣሎ።ብምቅጻል ኣብ መንጎ እተን ዓበይትን ናእሽቱን ውድባት ናይ ዓብላልነትን ዘይተዓብላልነትን ፍልልያት ተራእዩ።እዚ ግን ነት ኣብ ምህናጽ ዲሞክራሲ  ሃገርና ዓንቅጺ ምኻኑ ድሕሪ ምስምማዕ፡ ኣብ መርሒነት ዝሕዛእ መንበር ብመሰረት ብዝሕን ዕብየትን ውድባት ክኸውን ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ።

   እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ሽወደን ዝርከባ ዝተፈላለያ ውድባት፡ ሓደ ሓበራዊ ኮሚቴ ክመርጻ እብ ምርዲዳእ በጺሐን።ነቲ ኣብ ካርቱም ዚካየድ ዘሎ ኣኼባ እተን ውድባት ፍልልያተን ኣጽቢበን ኣብ ሓደ ጠማሪ ሓሳብ ክረዳደኣ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዘሰክመን መድረኽ ምዃኑ ተላብዮም።

    ኣብ ሽወደን  ኣስታት ኣርባዓ ሽሕ ዝበጽሑ ነበርቲ ኤርትራዊያን ኣለዉ።ነዚ ህዝቢ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገሩን ምህናጽ ዲሞክራሲ ስርዓት ጎስጓስ ዝገብራ ሰለስተ ውሩያት መደበር ቴለቪዥን ኣለዋ።ንሳተን ካኣ ኣዳል፤ ዘተን ራህዋን ይባሃላ።

    ሽወደን ኣብ ምጥባቅ መሰል ኤርትራዊያ ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ክሳብ ምትካል ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዓብይ ተራ ተበርክት ዘላ ሃገር እያ።

    ብኻልእ መገዲ ኣብ ሱዳን ዚርከቡ ዓሰርተ ሰለስተ ፍሉጣት ጋዜጠኛታት ኣብ ክልተ መደብራት ዜና ዝሰርሑ። ኣብ ምምሕልላፍ ዜና ንሕዝቢ ካብ ዓሌትን ወገንን ነጻ ኮይኖም ኣብ ምጉስጓ ዲሞክራስን ኣብ ምፍናው ሓቂ ሓበሬታ ንኽሰርሑ ብሓባር ኣስሚረሙሉ።ብዝይካ እዚ እቲ ውሩይ ደራፋይን ገዲም ተጋዳላይን ሑሰን መሓመድ ዓሊ  ነቶም ኤርትራውያን ሱዳናዊያንን  ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገርና ብምዝካር እቶም ካልኦት ውድባት ዛጊት ዘይትዓወታሉ ዓብይ ህዝባዊ ድፕሎማሲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራንሱዳንን ዝነበረ ጥቡቅ ምሕዝነት ኣበራቢርዎ።ገዲም ደራፋይ ሑሰን መሓመድ ዓሊ ነቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝካየድ ዘሎ ኣኬባ ምሕዝነት ንምዕዋቱ ዝሳተፍ ዘሎ ኮይኑ ዓብይ መኽሰብ ኣብ ነበርቲ ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን ዘመዝገብ እዩ።      

    ኣብ ደገ ዝርክርቡ ኤርትራዊያን ምእንቲ ፍትሒን ምቋም ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ዝገብርዎ ዘለዉ ምትእክካብን ውህደትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ክንጸባረቅ ጀሚሩ።ፕረሲደንት ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ቻይና ንዑደት ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ ዝተፈላለየ ጭርሖታት ዝሓዘ ውረቐት ናብ ህዝቢ ተበቲኑ።ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ፡ ምንቕስቃስ ንለውጢ፤ ሕጂ ናጽነት ኤርትራ እዩ ዝብል ይርከቦ።

   እዚ ካኣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ህዝብ ንመጀመርታ ግዜ ንለውጢ ምንቅስቃስ ምጅማሩን ንመንግስት ህግደፍ ክደፍሮ ከምዝጀመረ መራእያ እዩ። ህዝብ ንተግባራት ህግደፍ ብሕሹኽሹኽ ዝዛረበሉ ዝነበረ ግዜ ኣብቂዑ ናብ ተግባራውነት ስጉምቲ ከምዝተሰጋገረ ዘርእይ ምንቅስቃስ እዩ።

   ኣብ ኤርትራ ሽዱሽተ ወርሒ ኣሕሊፉ ዘሎ ስእነት ነዳዲ ዛጊት ፍታሕ ኣይተረኸበሉን።ኣብዚ እዋን ኣብ ጎደናታት ኤርትራ ዚንቐሳቐሳ ዘለዋ መካይን ናይ መንግስቲ፤  ድፕሎማት፤መርዓ ፤ ህዝባዊ ማጓዝያ ጥራይ እየን። እቲ ሲቪል ህዝቢ ካብ ብዘይ ሕጋዊ ብዝኣትው ነዳዲ ተጠቃሚ እዩ። እዚ ግን ብስርዓት ህግደፍ ምስዝርከብ ካብ ተሓታትነት ነጻ ኣይገብሮን እዩ።ነዚ ኩሉ ጠንቂ ዝኾነ ሊብያ ኣብ እገዳ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ፡ ነዳዲ ብመንገዲ ኤርትራዊት ኩባንያ ትሸይጥ ነይራ። እብዚ ግዜ ዘይተከፈለ ሽያጥ ነዳዲ ኣስታት ሰለስተ ሚኢቲ ሚሊዮን ዶላር ክትከፍሎ ብዘይምኻኣላ እዩ። ነዚ ንምፍታሕ  ኢሳያስ ምስ ፕረሲደንት ሊብያ ማዓመር ቓዛፊ ብዚገበሮ ምርድዳእ፡ እቲ ዕዳ ኣብ ዚባን መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ምንቅስቃስ ነዳዲ ኣብ ኤርትራ ሊቢያዊት ኩባኒያ ክትጻጸሮን ኣብ ዓሰብ ዝርከብ መጻረይ ነዳዲ ብመንገዳ ክነጥፍ ምኻኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

  ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ኮሚሽን ድርቂ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተፈጠረ ዘይምስምማዕ ክሳብ ሕጂ ኣብ ህዝብ ሃስይ ስንብራት ገዲፉ ኣሎ።እቲ ቐንዲ ዚነብረ ጸገም መንግሲት ኤርትራ ነቲ ዝዋሃብ ሓገዛት ብመንገዱ ክዋሃብ ብማሕታቱ እዩ፡ እንተኾነ ግን እቲ ዝዋሃብ ዝነበረ ሓገዛ ናብ ህዝቢ ከምቲ ዝድለይ ይበጽህ ብዘይምንባሩ፡ እብ መውዳእታ እቲ ዝዋሃብ ዝነበረ ሓገዛት ደው ኢሉ።

    ስርዓት ህግደፍ ንዕዳጋታት ኤርትራ ገቢቱ ብምሓዙ፡ ነዚ ንምቁጽጻር ብመንገዲ ህግደፍ ዝሽየጥ ዘሎ ሃለክቲ ነገራት ከም ዘይቲ፤ ፊኖ፤ ሽኮር፤ቴንዲኖ ወ.ዘ.ተ ንመነባብሮ ህዝቢ ኣብ ዓብይ ጸገም ኣውዲቅዎ ኣሎ።

   እቲ ኣፍራይ ዚባሃል ጉልበት ኣብ ድፋዕ ስለዘሎ፡ ኣብቲ ግቡእ ሲቪላዊ ስርሓት ህዝብ ከም’ውን ኣብ ማሓረስ ይሳተፍ ብዘይምህላዉ ህዝብ ናብ ድርቅን ሕሰምን ከምዚቃላዕ ካብ ዝገበርዎ ቐንዲ ረቛሒታት እዮም።

   መንእሰይ ኤርትራ ዕድሚኡ ትሕቲ ኣርባዓ ዘበለ ካብ ሀገሩ ወጻኣኢ ከውጽእ ኣይፍቐደሉን እዩ። እንተላይ እቶም ብመንግስቲ ህግደፍ ተጣይስኩ  ዝተባሃሉ።

    ምህዳም ሰራዊት ኤርትራ ናብ ሱዳን፤ ኢትዮጵያ፤ የመንን ሱዑድያ ዓብይ ጸገም ክንሱ መንግስቲ ህግደፍ ግን ነዚ ዛጊት ፍታሕ ከምጽእ ኣይካኣለን።

   ብሓፈሽኡ መንግስቲ ህግደፍ በቲ ዘለዎ ውልቀ መላኪ ባህሪያቱ ንህዝብን ሃገርን ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ነጺልዋ ይርከብ።

   ስለዚ ብሰንኪ ነቲ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ጸገማትን ሕሰምን ኣብ ህዝብ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣፍደገ ጉድጓድ መቃብሩ ደው ኢሉ ሰለዘሎ ዝደፍኦ ሓይሊ ከምዘድልዮ ንምርዳእ ኣጸጋሚ ኣይኮነን።

  ኣብ መወዳእታ እዚ ኣብ ከርቱም ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ውድባት ኤርትራ ምእንቲ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራን ምህናጽ ዲሞክራሳዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ድዮም ዝዝትዩ ዘለዉ ወይስ ንርብሓ ሰልጣኖ እዮም ?

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2938

Posted by on Mar 1 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net