ሓድነት ተቓወምቲ ውድባት ትጽቢት ህዝቢ እዩ! “ሸውዓተ ፡ ሓደ ኮይነን”

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር

ነዚ ጻብጻብ ኣብቲ ኣዳራሽ ተረኺቡም ዘዳለዎ፡ መሓመድ ጣሃ ተውከል፡ፍ.ገብረሂውት፡ ዓብደል ሓፊዝ ያሲን እዮም።

ካርቱም

ዕለት 02/03/05

ኣብ ካርቱም ኣኼባ ምሕዝነት ዝሳተፉ ዘለዋ ሸውዓተ ውድባት፡ ኣብ ሓደ ውድብ ንኽጥርነፋ ኣዋጅ ኣውጽኤን ። እዚ ስጉምቲ ነቲ ምትካል ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ንቕድሚት ዘውንጭፎ እዩ።

      ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ጀርመን፡ ‘ካልሰል’ ብዝብል ስምምዕ ዝፍለጥ፡ ኣብ መንጎ ሓሙሽተ ውድባት ተመሳሳሊ ሓሳብ ቐሪቡ ነይሩ።እንተኾነ ግን ግብራውንውቱ ኣይተራአየን።ስለዚ ኣብዚ ሰሙን ዝግበር ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘን ውድባት እንታይ ንጽበይ?

      ቕድሚ ሕጂ ሽዱሽተ ውድባት ንተመሳሳሊ ዕላማ ዘበገስዖ፡ ነዚ ሕጂ ኣብዚ እዋን ኣብ ካርቱም ዝካየድ ዘሎ እኼባ ኣብ መንጎ ዓሰረት ሽዱሽተ ውድባት ንምሕዝነት፡ ናብ ዓውት ክበጽሕ ኣብቒዖነኦ እየን ።

      ኣብዚ ኣኼባ ነቲ ዝነበረ ምትፍናን ኣብ መንጎአን ኣወጊደን፡ ኣብ ሓደ ሰሚሮም ክሰርሑ ጀሚሮም ኣለዉ።

       ድሕረ ባይታ ናተን ኣብ ሓደ ክጥርነፋ ኣዋጅ ኣውጺአን ዘለዋ እንታይ ይመስል?

1. ሰልፊ ተራዶዖ ኤርትራ

      ኣቦ መንበር ናይዚ ውድብ ኣቶ ሑሩይ ተላ ይባሃል።ንሱ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣቦ መንበር ጀብሃ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ግዜ ብዘጋጠመ ምግምማዕ ናብ ጸጋማይ ክንፊ ተፈንጪሉ። ኣብ 1971 ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ምንቅስቃስ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ኣብ ውሽጢ ጀብሃ ብዘጋጠመ ጸገም፡ ኢ.ዲ.ኤም ዝባሃል ውድብ መርሑ ምስ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1989 ተጸንቢሩ።          ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ብምዃን ኣገልጊሉ።ኣብ 2000 ናብ ሱዳን ብምውጻእ፡ ኣብ 2001 ናብ ሽወደን ብምኻድ፡ ተቓውምኡ ኣንጻር መንግስቲ ኣኤርትራ ብምንጻር ኪንቐሳቐስ ጀሚሩ። ሕሩይ ናብ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ብምኻድ ንህዝቢ ሰፊሕ ሰሚናራት ገይሩ።

ምእታው ሕሩይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2002፡ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዓብይ ምዕባለ ኣርእዩ። ኣብዚ ግዜ ንሱ ኣቦ መንበር ናይ ምትእኻካብ ውድባት ኤርትራ ኮይኑ ተመሪጹ።እንተኾነ ግን ሰውራዊ ባይቶ ፡ ሕሩይ ናብ መሪሕነት ምምጻእ ስለዘይተቐበለቶ ካብቲ ኣኼብ ሲሒባ።

2.       ተቓውሞ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ

      እዚ ውድብ ብእስማዒል ናዲ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ሕቶ ብሄር ካብቲ ቐንዲ ጸቂጦም ዝንቐሳቀስሉ ኢዮም።

      ኣቦ መንበር ናይዚ ውድብ እስማዒል ናዲ ካብቶም ፍሉጣት ኣብ ግዜ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምንባሩ ይፍለጥ። እዚ ውድብ ሓደ ካብቶም ንምምስራት ምሕዝነት ውድባት ኤርትራ ጻዕርታት ዝግብር ዘሎ እዩ

3.       ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር

      ዶክተር መሓመድ ዑስማን ኣቡበከር ነዚ ውድብ ዝመርሖ ዘሎ እዩ። ንሱ ካብቶም ቐዳሞት መስረቲ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራዊያን ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ካይሮ ካብ ዝነበሩ እዩ።ኣብቲ ግዜ ከም ኣቦ መንበር ናይቲ ማሕበር ኮይኑ ኣገልጊሉ።

      ኣብ 1976 ህዝባዊ ሓይልታት ናብ ክልተ ምስተመቕለት፡ኢሰያስን ሮሞዳንን ብሓደ ሸነኽ ዑስማን ሳልሕ ሳበ በት ካልእ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ንሱ ምስቲ ብሳበ ትምራሕ ዝነበረት፡ ኣብ 1977 ከም ኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማግለ ብምዃን ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዓብይ ተራ ተጻዊቱ።

      ኣብ 1997 ውድብ ንምምስራት ናብ ሱዳን ብምምጻእ ፈተነታት ገርይሩ። እንተኾነ ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክዕወት ኣይካኣለን።ኣብ 1999 ንካልኣይ ጊዜ ናብ ሱዳን ብምምጻእ፡ ኣብ ፖርት ሱዳን ሰፊሕ ሰሚናር ብምግባር ናቱ ውድብ መስርቱ።ንሱ ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዑደት ብምግባ ብፍላይ ኣብ ማእከናት ዜና ዓብይ ተራ ተጻዊቱ።

      ኣብ ወርሒ ሽዱሽተ 2004 ንሽዱሽተ ውድባት ኤርትራ፡ናብ ሓደ ውድብ ክጥርነፋ ዝገበሮ ጻዕርታት እይተዓወተን።

     4. ስሙር ሃገራዊ ውድብ

ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሰለስተ ውድባት ማለት ህዝባዊ ሓይልታት፤ ጀብሃን ኮሚቴ ሰውራ ዝሕቖፈት ውድብ እያ።ዕስማን ሳልሕ ሳበ ነዚ ምንቕስቓ ይመርሖ ከምዚነበር ይፍለጥ።

      ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ መንግስቲ ሱዳንንምድካም እዚ ውድብ ሰለተ ኣማራጺታት ሂብዎም።እቲ ዝነበረ ኣማራጺ፡

      1. ካብ ሱዳን ክወጹ

      2. ከም ተራ ስደተኛታት ኣኣብ ሱዳን ክነብሩ

      3. እብ ዓዶ ከይዶም ኣኣብ ምህናጽ ሃገሮም ክሳተፉ

እዚ ካኣ ኣብ ምድካም እቲ ውድብ ዓብይ ተራ ነይርዎ።ነዚ ተበታቲኑ ዝነበረ ውድብ ጥርኒፉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝመርሖ ዘሎ ዓሊ ብርሃቱ እዩ።

    5. ኤርትራዊ እስላማዊ ግንባር (ቐዛይፍ እል ሓቕ)

      ኣቦ መንበር ናይዚ ውድብ ሽኽ እድሪስ ጌሳ፡ ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ምንባሩ ኣብቲ ግዜ ካብቶም ቀዳሞት ተማሃሮ ህዝባዊ ሓይልታት ነይሩ። ንሱ ኣብ 2002 ካብ እስላማዊ ውድብ ተፈንጪሉ ምንቕስቓሳቱ ዝቕጽል ዘሎ እዩ።

    6. ሰልፊ እስላማዊ ስኒት ኤርትራ

     ሸኽ ኣደም ምጅውራይ ነዚ ውድብ መርሑ ዝንቐሳቀስ ዘሎ እዩ። ንሱ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ቐንዲ ተቓዋሚ ምንባሩን ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ብምዃን እጃሙ ኣበርኪቱ።ካብቶም ቀዳሞት መስረቲ ጀሃድ ነይሩ። እዚ ውድብ፡ ኣክላስን ኣስላህን ኣብዝብል ክልተ ውድባት ተመቂሉ።

      ኣደም መጅውራይ ኮሚቴ ዕርቒ ብምዃን ነዘን ኣብ ክልተ ዝተፈንጨላ ውድባት ንምቅርራብ ጻዕርታት ካብዝገበሩ እዩ።ንሱ ኣኤርትራ፡ እስላምን ክርስትያንን ዝነብሩላ ሃገር ብምዃና፡ ምምስራት እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ግጉይ መስመር ምዃኑ ይኣምን። እንዚ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ባዘይ ኣፈላልያ ዓሌትን ሃማኖትን ብስርዓት ህግደፍ ይጭፍለቕን ይግዛእን ስለዘሎ፡ ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ብቅዋም ዝእዘዝ መንግስቲ ምምስራት ዝቃለስ ዘሎ እዩ።

   7. ተበግሶ ምንቅስቃስ ምሕዝነት ኤርትራ

ያቆብ እንድሪያስ መራሒ ናይዚ ውድብ ከይኑ ዝንቐሳቐስ ዘሎ ኮይኑ፡ ንሱ ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኮይኑ ድሕሪ ምቅላስ ኣብዚ እዋን ካብቶ ፍሉጣት ተቓወምቲ ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ያቆብ እንድሪያስ ወኪል ሕብረት ውድባት ኤርትራ ብምኻን ኣብ ኣመሪካ ዝንቐሳቐስ ዘሎ እዩ።

እዋጅ ሰልፊ ዲሞክራሲያዊ ውህደት ኤርትራ

ካብ ዕለት 23/02/05 ኣትሒዙ እተን ዓሰርተሽዱሽተ ውድባት ንምሕዝነት ዝሳረፍኦ ዘለዋ፡ ናይተን ዓሰርተ ሰለስተ ኣቦመንበረን ናይቶም ሰለስተ ወከልቲ ኣብ ዝተረኸብሉ፡ ሽውዓተ ውድባት ብሓባር ሰሚረን ንኽሰርሓ መግለጽል ኣኣውጺኤን። እተን እርባዓተ ኣባላት ምሕዝነት ክኾና ከለዋ እተን ሰለስተ ግን ኣባል ናይቲ ምሕዝነት እይጸንሓን።

ናይቶም ሽዱሽተ ውድባት መራሕቲ ብኣካል ተረኺቦም ነቲ ስምምእ ክታሞም ከንብሩ ክርልርዉ፡ ኣቶ ያቆብ እንድሪያስ ደገፉ ብፋክስ ገሊጹ። ዶክተር መሓመድ ዑስማን ኣቡበከር፡ ንሰልፊ ዲሞክራሲያዊ ውህደት ኤርትራ ብምውካል ነዚ ሕልሚ ክውን ንምግባር ዘይተሓለለ ጻዕሪ ዝገበሩ ኣካላት ኣመስጊኑ ።

 ወኪል መንግስቲ ሱደን ኣብቲ ታርኻዊ ዕለት ተረኺቡ፡ደገፉ ድሕሪ ምግላጽ፡ መንግስቲ ሱዳን ብሓጎስ ከምዝቅበሎን ንተግባርውነቱ ኣብ ጎኖም ደው ክምዝብል ገሊጹ።ብምቅጻል ኣቶ ሑሰን ከሊፋ መርሒ እቲ ኣኬባ ፡ ነቶም ኣብዚ ታሪካዊ ዕለት ዝበጹሒ እንቛዕ ሓጎሰኩም ድሕሪ ምባል እዚ ዝተወሰደ ስጉምቲ ሃገርዊ መንፈስ ዘለዎ እዩ ክብል ገሊጽዎ።ቀጺሉ እዚ ስጉምቲ ነቲ ቃልሲ ይዐውቶ እምበር ኣየድክሞን ክብል ኣስሚርሉ።

ጽማ`ቅ ናይቲ ዝተዋሃበ ኣዋጅ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡

ካብ እለት 01-02/03/05 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ መጸውዒ ናይተን ዝሰመራ ሽውዓተ ውድባት “ዲሞክራሲያዊ ውህደትኤርትራ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኤርትራን ኣብ ሞንጎአን ዘሎ ፍልልያት ድሕሪ ምዝታይ ፡ ፍልልያተን ኣጽቢበን።እቲ ዝጸነሐ ኣካይደአን ተመሳሳልነት ከምዝነበሮ ተርዳዲአን።ብምቕጻል ኣብ መሰረታዊ መትከላትናይቲ ዝምስረት ውድብ ተረዳዲዖም።እዚ ኻኣ ነት ስራሕ መገዲ ዝጸርግ ምኻኑ እቲ መግለጺ ድሕሪ ምሕባር ፡

  • መራሕቲ ናይቶ ውድባት ኣባላት ናይቲ ምንቕስቓስ ምኽኖም እቲ መግለጺ ይሕባር።
  • እዞም ውድባት እብቲ መሰረታ መትከላት ከይወጻ ክሰርሓ ሓደ ኣካል ናይቲ ምንቕስቓስ ኮይነን ክሰርሓን ።
  • እብዚ ቀረባ ግዜ ጎባኤ ክገብራ ተስማሚኤን።
  • ላኦለዋይ መራሕቲ ንኽመርጹ ተሰማኒኣኤን።

እቲ መግለጺ ነቲ ዝካየድ ጉባኤ እተሳልጥ ሓንቲ ኣሳናዳኢት ኮሚቴ ካብ ነፍስወከፍ ውድባ ሓደ ብምምዛዝ ክቆውም ተረዳዲኦም።

እቲ መግለጺ ኣስዒቡ ህዝቢ ኤርትራ እተን ፋሕ እለን ዝነበራ ውድባት ብሓንሳብ ሰሚረን እድማዒ ሰራሕ ክሰርሓ ድልየቱ ነይሩ ድሕሪ ምባል እዚ ውህደት ኣገዳሲ ይገብሮ ኢሉ።ብምቕጻ እዚ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ ኣብ ሃገርና፤ ምስ ጎራብትናን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣድማዒ ሰራሕ ክነሰርሕ ሓልፍነትና ምዃኑ ንህዝቢ ቃል ንኣትው ምባልም ኣቲ መግለጺ ይሕብር።ኣባላትናን ህዝቢ ኤርትራ ነዚ እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ ናይ ባሓቒ ሓድነት ምኻኑ ፈልጦም ክስዕብዎ ጻውዒት ምቅራቦ ኣቲ መለጺ ደንዲሙ።   

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2956

Posted by on Mar 3 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net