ጋዜጣዊ ዋዕላ ምስ ሓለፍቲ ውድባት ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዝሰመራ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር
መጋቢት 06/05
ካርቱም

ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ነዚ ጸብጻብ ዘቕረቡ መሓመድጠሃ ተወከል፤ፍ.ገብረሂወት፤ዓብደልሓፊዝ ያሲን፤ዓብዱ ያሲን፤ ዓብዱ ሱሌማን እዮም።

ካብ ዕለት ለካቲት 23,2005 ክሳብ መጋቢት 05,2005 ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ክምዝተጋበአ ኣብ ዜና ተከታቲልኩ።እዚ ጉብኤ ነቲ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዘይተመለሰ ክምላስ ዝትየጋበአ እዩ።ነቲ ሕቶ ዲሞክራሲን ክብሪ ሰባዊ መስል፤መሰል ብሄራት፤መሰል ቛንቛታት፤ምቛም ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ትግባረ ቕዋም ሃገረ ኤርትራ ጸማም እዝኒ በቲ ዲክታተራዊ ስርዓት ተዋሂብዎ ዘሎ ከትግብር ዝተበገሰ ምትእክካብ እዩ።እባላት ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር ምዝተፈላለይ ሓለፍትን ወከልትን ናይተን እብ ሓንቲ ጽላል ሰሚረን ዘለዋ ውድባት ኣዘራሪባ ነይራ።እቶም ሓለፍቲ ፡እዚ ኪዳን ንኽምስረት ዘበገሶም ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ?ቐጻልነት ናይቲ ኤዲኪ ብምንታይ ይረጋገጽ? ህዝቢ ኤርትራካ ብዚ ኪዳን እንታይ ክጽበይ እዩ? ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ናይ ዝሃብዎ መልሲ ጽማቕ ትሕዝቶ እነሆ፡

ኣቶ ሑሰን ከሊፋ (ኣቦ መንበር ፈጻሚት ሽማግለ ኤዲካ)

እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ዝምልስ እዩ።ስለምንታይ ንምህናጽ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ዝተበገሰ እዩ።እዚ ምሕዝነት ተፈጢሩ ዘሎ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ቐንዲ ምኽንያት ምንቁልቛል ቁጠባ፤ድኽነትን ምብካል ሰላሙ ዝኾነ ዲክታቶራዊ ስርዓት ምልጋስ እዩ።ነቲ ኪዳን ተበጊስሉ ዘሎ ዓበይቲ ዕላማታት ሽትኡ ክወቕዕ፡ ተግሂና ክንሰርሕ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዘሰክመና እዩ።

      ውጽኢት ናይቲ ኣኼባ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስማዓኒ ስለምንታይ እቶም ዝተፈላለየ ኣራኣያ ዝነበርና፡ብሓንሳብ ክነብርን ምንሰርሕን እብ ግብሪ ዓውዒልናዮ ኢና።ኣርኣያታትካ ኣጽቢብካ ኣብ ሓደ ጠማሪ ሓስብ ምብጻሕ ቀሊል ኣይኮነን።ስለዚ ኣብ ሓደ ዕላማ በጺሕና ኣለና፡ ኣብ ሓደ ጽላል ምጥርናፍና ነታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ መሊስና ኣለና ይብል።ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንኹለን ሰልፍታት ጠርኒፉ ዝኸይድ ኣይነበረን።ስለዚ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ታሪኽ ዲሞክራሲ ኤርትራ እዩ።ብመሰረት እዚ ንሕና ኤርትራዊያ ብሓባር ክነብርን ክንሰርሕን ከምንኽእል ኣረጋጊጽና።እዚ ባዕሉ መልሲ ነቲ ስርዓት ተቃወምቲ የብለይን ፡ ናተይ ጸገም ምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት እዩ ዝብሎ ዝነበረ እዩ።

      እዚ ዲክታቶራዊ ስርዓት ካብ ምድሪ ገጽ ኤርትራ ክጽረግ ኣለዎ።ሰላም ኪባሃል ከሎ ንህዝቢ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ንጎረባብቲ እዩ።ስለምንታይ ጎራብትና ሰላም እንተዘይረኺብም ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ክረክብ ስለዘይክእል።

      ካብዚ ኪዳን መን እዩ ዝረብሕ? ህዝቢ ኤርትራ እዩ።ህዝቢ ኤርትራ መዋእሉ ኣብ ኩናት ተሽሚሙ ስለዝነብር ካብዚ ክውጽእ ክኽእል ኣለዎ።ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዓለም ናብ ሓደ ቁሸት ኣብ ትኸደሉ ዘላ እዋን ምስ ጎራብትና ብሕውነታውን ልዝብን ጸገምና ፈቲሕና ክነብር ንኽእል ኢና።እቲ ዘሎ ስርዓት ኣክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ብዓሉ ጉዳዩ ዝፈትሕ ካልኦት ሓይላታት ኢደን ከምዘእትዋ ገይርወን እዩ።

ንህዝቢ ኤርትራ ከማሓላልፎ ዝደልይ መልእኽቲ እንተሃልዩ፡ኣታ ሃገር ናብ ጸድፊ ትኸይድ ስለዘላ ነዚ ንምድሓን ኣብ ሓደ ጽላል መጺና ኣለና።ህዝቢ ነዚ ሰናይ ተግባት ተርኡ ከብርክት ክድግፎን ኣብ ጎኑ ደው ክብላ ኣለዎ።እዚ ጽላል ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ ዝተበገሰ ከምዃኑ መጠን ድሕሪ ምውዳቕ ሓደ ዓብይ ጽላል ገይርና ብልዝብን ሰላምን ዲሞክራሲ ዘሕመረታ ሃገር ምህናጽ እዩ።

ኣቶ ብርሃነ በየነ(ኣቦ መንበር ላዕለዋይ መሪሕነት)

    

     ህላወ ብዙሕነት ሰልፍታት ጸገም ዝፈጥር ኣይኮነን።ህዝቢ ንመረርቲ ነገራት ውጺት ናይቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ዝኾኑ ብብዝመስሎ ተወዲቡ ክቃለስ ጸኒሑ እዩ።እቲ ቐንዲ ጸገም ዝነበረ ግን ዕቕምኻ ኣዋሂድካ ዘይምስራሕ እዩ ነይሩ።እዘን ውድባት ንፍልልያተን ንግዚኡ ንጎኒ ገዲፈን ኣብቲ ዘራኽበን ነጥብታት ሕቢርካ ንምስርሕ ተሰማሚዔን ኣለዋ።እዚ ካኣ ነቲ እዋናዊ ሕቶ መሊሱ እዩ።ናይ ሓባር ጸላኢ ዝኾነ ዲክታቶራዊ ሰርዓት ንኽንቃለስ ተበጊስና ኣለና፡ ሓድነትና የሐይልና እንተዳእ ሰሪሕና ኣብቲ ውጽኢት ከምንበጽሕ ምሉእ እምነት ኣለኒ።እተን ውድባት በቲ ኣቲኤነኦ ዘለዋ መብጻዓ እንተሰሪሐን ዕድመ ናይቲ ስርዓትን ስደት ናይ ህዝብና ካብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ዘብቅዓሉ ግዜ ነዊሕ ኣይክኸውንን እዩ።

      ህዝቢ ልዕሊ ሃገሩ ዝሰርዖ ነገር የለን።ብዙህ ዋጋታት ከፊሉ እዩ።እቲ ዝከፈሎ ዋጋ ከይኣክል ኣብቲ ዝከፈአ ዓዘቕቲ ኣትዩ ይርከብ ኣሎ።ካብዚ ናጻ ክወጽእ ኣለዎ፡ ንሕና ንጻውዒታቱ ክንልምስ ኣይጸንሓናን።ሕጂ ግን ደቁ ናብ ሓደ ይመጹ ስለዘለዉ፡ ሓድነቱ ንጻዕርታቱን ከሐይልዎ ኣለዎም።ውጽኢት ከምዝርከብ ኣይጠራተርን።

ኣቶ መስፍን ሓጎስ (ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ)   

ኣገዳስነት እዚ ጉባኤ፡ ዝተፈላለየ ኣራኣያ ዝነበረና ኣራኣያና ከነጽብብን ብሓደ ክንከውን ኣኽኢልና እዩ።ጽቡቕ ኣንፈት’ውን ኣርእዩ።ኣብቲ ሓፈሻዊ ሃገረዊ ዕላማታትና ሕሳባት ተለዋዊጥና።ብመሰረት እዚ ኣብ ሓደ ዝተሓተ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዓቅምታትና ከነዋሃህድ ኣኺእልና እዩ።  ኣብ ልእሊ እዚ ኣብ ሞንጎና ዝነበረ ዘይምትእምማን ተወጊዲ ነጻ ኮይና ኣብ ምርድዳእ ምብጻሕ ቀሊል ኣይኮነን።ንህዝቢ ከማሓላልፎ ዝደልይ እንተሎ፡ ነዚ ቑዱስ ተግባር ተረዲኡ፡ ብሕባር ከስርሕ ዘኸእል ኪዳን ተመስሪቱ ስለዘሎ ካብቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ክገላገል ክስዕቦን ክጽዕረሉን ኣለዎ።

ኣቶ ዓብደላ ኣደም(ኣቦ መንበር ህዝባዊ ምንቅስቃስ)

እዚ ኣኼባ ጽብቕ ነይሩ።ከምዚ ዓይነት ርክብ ምስ ዝተፈላለያ ውድባት ንዓይ መጀመርታ እዩ።ነንሕድና ሕሳብ ንሓሳብ ክንቐያየር ዕድል ፈጢርልና እዩ።ዝተፈላልየ ሓሳባት ነይሩ፡ ድሕሪ ብዙሕ ምይይጥን ዘተን ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣብ መፍቲሒ በጺሕና።ዝኾነት ውድብ ካባና ጀሚሩ ዝብጽሓናሉ እምነት እንተሃልዩ፡ንሕቶ ዲሞክራሲ ክንምልስ ክኢልና።ነቲ ዘሎ ዲክታቶራዊ ስርዓት ክትቅይሮ እንተኮይንካ ኣብ ሓደ ዓብይ ጽላል ምኻን እዩ ዘድላይ።እዚ ካኣ ሓላፍነይ ናይ ኩልና ኮይኑ ኣብ ምትእምማን በጺሕና ። እቲ ሓይሊ ናይ ተቃወምቲ ሓይሊ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ገዛ ኣሎ፡ ግን እዚ ተወዲቡ ዘሎ ነቲ ቃልሲ መልክዕ ወይ ኣገባብ ይህቦ።እዚ ነቲ ዲሞክራሲያዊ ሰርዓት ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ከዐውቶ ይኽእል እዩ።እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶራዊ ስርዓት ከልግስ ኣለዎ ንብል ነይርና።ከምእውን ኣውሮፓዊ ሕብረት፤መንግስቲ ኣሜርካን ካላኦትን እቲ ስርዓት ዲክታቶራዊ ከምዝኾነ ይፈልጡ እዮም። እንትኾነ ግን ተካኢ ከምዘይነበረ ካብቲ ዘሰክፍ ዝነበረ ጉዳይ እዩ፡ ሕጂ ግን እዚ ኪዳን ድሕሪ ምውዳቕ እቲ ስርዓት ተካኢ ክኸውን ይኽእል እዩ።ስለዚ ነቲ ዘሻቅል ዝነበረ ሕቶ መሊስና።ናህና ዘይምስምማዕ ነተን ኣብ ምህናጽ ዲሞክራሲ ኤርትራ ዓብይ ተራ ክጻወታ ዚደልያ ሃገራት ዕንቕፋት ኮይና ጸኒሕና።ምስ ጎራብትና ዝንድና ምግባር የርብሕ እምበር ኣይጎድእን እዩ ክሳብ  ሃገርዊ ረብሓታትና ልኡላውነት ሃገርና ክሳብ ዘይተንከፈ።ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ኣብቲ ዝከፈአ ኩነታት እዩ ዘሎ፡ ንሕና ከም ተቃወምቲ ኣብ ምፍታሕ ክንሳተፍ ኣይካልናን።ስለዚ እዚ ጽላል ዓብይ ተራ ክጻወት እዩ።ህዝቢ በቲ ዘለዎ ትዕግስቲ ነቲ ብሩህ ተስፋ ክጽበይ ኣለዎ።እቲ ስርዓት ክብገስ ከሎ ንህዝቢ እዩ ነይሩ፡ እቶም ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘለዎ ግን ጠሊሞሞ። ስለዚ እዚ ዲክታቶራዊ ሰርዓት ብደረጃ ዓለም ክረአ ከሎ፡ እቲ ዝከፈአን ዝድሓረን ዲክታቶራዊ ስርዓት እዩ። ኣብ ዓለም ቀጻልነት ዘራእየ ዲክታቶራዊ ስርዓት የለን።እዚ ሕጂ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትታት መሕጸሪ ዕድሚኡ እዩ።ተቃወምቲ ውድባት ጸገማቶም ኣናፈትሑ ይኸዱ ስለዘለዉ፡ ንህዝቢ ዲሞክራሲ ከነረጋግጽ ኢና።ህዝቢ ነዚ ሰናይ ጎዕዞ ክድግፎ ይላቦ።

ኣሕመድ ናስር (ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ)

ምውላድ ኤዲኪ ኣብዚ ግዜ ምዕባለ ፖለቲካ ኤርትራ የርእይ።ዲሞክራሲ ኤርትራ ናብ ጽቡቕ ጎደና  ይኸይድ ኣሎ ምእንቲ ምዕቡል ሕብረተሰብ ክምስረት።ሓድነት ሓይሊ እዩ፡ምፍልላይ ግን ድኽመት እዩ።ንሕና ከም ኤርትራዊያን መጠን ዘራክበና ነጥቢ ይበዝሕ ካብ ዘፈላልየና።እቲ ቐንዲ ዕላማና ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ኣልጊስካ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምህናጽ እዩ።ኩላህና ተስማሚዕናሉ።ኤርትራ ብዝሑነት እተሳትፍ ሃገር ክትከውን ኣለዋ።እዚ በጺሕናዮ ዘለና ዓብይ ተስፋ ንህዝቢ ኤርትራ እዩ።ነቲ ሕመረት ሕቶ ናይ ህዝቢ ዝምልስ እዩ።ኩሉ ኤርትራዊን ፈታዊ ኤርትራዊያንን ብሓጎስ ከምዝቕበልዎ ብዘይካ እቲ ስርዓት ተስፋ ኣለኒ።እዚ ስጉምቲ ምውሳና እቲ ስርዓት ናብ ምውዳቕ ገጹ ይኸይድ ምህላዉ የርእይ።ነዚ ንምሕያል ኩልና ብሓባር ክንሰርሕ ኢና።

ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ (ኣቦ መንበር ሰልፊ ተራድኦ ኤርትራ)

እዘን ኣብዚ ኪዳን ተጠርኒፈን ዘለዋ ውድባት ናብዚ ክባጽሓ ዝካኣላ ካብናተን ተበግሶ ምዃኑ እዩ።ኣብ ሓደ እንድሕሪ ዘይተጠርኒፍካ እቲ ስርዓት ክወድቕ ኣይኽእልን እዩ።ስለዚ ምሕባርና ኣገዳሲ እዩ።ኣብ ሓደ ገዛ ብሓባር ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ምንባር ቀሊል ኣይኮነን።ሓሳባትና ክንለዋውጥ ኣክኢልና እዩ።እብዚ ሎሚ ተዛዝሙ ዘሎ ኣኼባ፡እተን ዓሰርተ ሽዱሽተ ውድባት ኣብ ሓደ ዝተሓተ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ተስማሚዔን ኣለዋ።እዚ ካብ ጽቡቕ ድሌት ናይተን ውድባት ዝተበገሰ እዩ።ስለዚ መርሒነት ኤዲኪ ተፈጢሩ ኣሎ።ህዝብና ኣብ ዝሕጸረ እዋን ኣብ ዓወት ከምዝበጽሕ ኣይጥራተርን እየ።ስለምንታይ ሓደ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ተጠርዩ ስለዘሎ እዚ ተሞክሮ ተናሽዎን ተስተናዕቖን ኣይኮነን።ነዚ ታሪኽ ውሎዶታት ክዝክርዎ ክነብሩ እዮም።ስለዚ ንህዝብናን ጎራብትናን ዓብይ ዓወት እዩ።ብፍላይ ክሕግዛ ንዝደሊያ ምስ መን ከምዝዛረባ ከለልያ የኽእለን እዩ፡ወይ ምስዲክታቶራዊ ስርዓት እዩ ወይ ምስ ተቃወምቱ እዩ።ስለዚ ካብ ፈተውቲ ዲሞክራስን ህዝብን ዝበዘሐ ሓገዝ እንድሕሪ ተረኺቡ ኣብ ዝሓጸረ ዓብይ ዕላማ ክውቃእ እዩ።

ኣቶ ኢብራሂም ሃሮን (ኣቦ መንበር ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዲሞክራሲ)

ናህና ውድብ ዕላማ ብሄራት ኤርትራ መሰለን ክህልወን ኣለውን ዝብል እዩ።ሓቢርካ ምቅላስ ኣገዳስን ውጺኢታውን እዩ።ስለዝኾነ ኣብ ሓደ ሃገራዊ ቻርተር ተሰማሚዕና ንምውዳቕ እቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ብሓባር ተበጊስና ኣለና።ስለዚ ህዝቢ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ውጺኢት ናይቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ዝክተሎ ዘሎ ፖሊሲ ምዃኑ ፈሊጡ ምስዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኪዳን ሓቢሩ ክቃለስ ይጽውዕ።

እቶ ስዩም ዑቕባሚካኤል (ኣቦ መንበር ሃገርዊ ባይቶ)

ብዙሕነት ውድባት ሽግር ኣይኮነን፡ እዚ ካብ ብዝሑነት ሓሳባት ዝመጸ እዩ።ህዝቢ ኣማራጺታት ክህልዎ ይግብዖ እዩ። ኣብ መግዛእትታት ተረጊጹ እዩ ነይሩ፡ሕጅውን ካብኡ ዝኸፈአ ኣብ ትሕቲ ባዕሉ ዘይመረጾ ይግዛእ ኣሎ።ህዝቢ ካብ ሓደ ንልዓሊ ኣማራጺታት ክህላዎ ጸጋ እዩ።እንተኾነ ግን እቲ ዝነበረ ቐንዲ ጸገም ፍልልያትና ኣጽቢብና ዘይምቅላስ ነይሩ።ሎሚ ንምስርቶ ዘለና ዝምድና ነቲ ጽባሕ ነማዕብሎ ፖለቲካ ኤርትራ መበገሲ ነጥቢ እዩ።ምስ ጎራብትና ብሰላም ምንጋር ኣገዳሲ እዩ።ናይ ሓባር ጠቅምታት ስለዘለና።እዚ ሕጂ ንምስርቶ ዝምድና እዩ ንጽባሕ ዝውስኖ።ጎራብቲ ሃገራት ከም መበገሲ ተጠቂምካ ኢኻ ክትቃለስ ትኽእል።እብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ጽልኢ እቲ ኣብ እስመራ ዘሎ እዩ ናይቲ ጠንቒ ባእታ ።ስለምንታይ እቲ ስርዓት ናይ ውግእ ፖሊሲ ሓንጺጹ ስለዘሎ።ንህዝቢ ኣብ ኩናት ኣለና እናባልካ ንለውጢ ዘይምቕባል፡መንእሰይ ኣብ ጎዳጉዲ ጅሆ ሒዝካ ኣፍራይናቱ ከምዝለምስ ምግባር።ስለዚ ምስ ጎራብቲ ንምስርቶ ዘለና ዝምድና ኣሰካፊ ኣይኮነን።እዚ ግን ዝንድናታትና ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራን ልኡላውነትን ክኸውን ከምዘይክእል ኩሉ ክፈልጦ ኣለዎ።ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንህዝቢ ንምድንጋር ብኻልእ ክስእሎ ይኽእል እዩ፡ ንሕና ግን ምስ ቀልብና ኢና ዘለና።

ዓብደላ መሓመድ (ም/ኣቦ መንበር ሰደገ)

እዚ ምሕዝነት ድሌት ናይ ህዝቢ፡ ኣንጻር ዲክታቶራዊ ስርዓት እዩ።እቲ እምነት ናይ ህዝቢ እዩ ዘርእይ።እዚ ስለዝኺነ ድማ ኣብቲ ዝታሓተ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ብሓባር ተረዳዲእና ክንሰርሕ እዚ ኪዳን ዝመስረትና።እዚ ስምረት ሓድነት ናይ ህዝቢ፤ናጽነትን ልኡላውነትን ዝህልው እዩ።እዚ ተረኺቡ ዘሎ ጽላል ጽቡቕ እዩ። ስለዝኾነ ድማ መንጸፍ ንመጻኢ ዝትከል ዲሞክራሲ ኮይኑ ኣሎ።

 

ኢብራሂም መሕመድዓሊ (ኣፈ ጉባኤ ሰውራዊ ባይቶ)

እዚ ሓድሽ ምሕዝነት ዓብይ ዕድል እዩ።ጽቡቕ ኣንፈት ሒዙ ኣሎ።ድሌታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላእ ድሕሪ ብዙሕ ተሞክሮ፤ ዘተን ቃልስን እዩ ዝመጸ ።እዚ ኪዳን ክዐውት ይኽእል እዩ ስለምንታይ ተሳታፍነት ብዝሕነት ስለዘለዎን ብዙሓት ኤርትራዊያን ዝድግፍዎ ዕላማታት ሒዙ ስለዘሎን። ነዚ ምግባር ናይ ኩላህና ሓላፍነት እዩ።ነተን ውድባት ኣብ ሞንጎኣአን ዝነበር ጸገማት ነት ቃልሲ የዳክሞ ነይሩ፡ ሕጂ ምሕባረ ነቲ ቃልሲ ከዕውቶ እዩ።ፍሽለት ፖሊሲ ናይቲ ስርዓት፡ እቲ ዝዓበየ መሳርሒና እዩ ። ስለዚ ክንጥቀመሉ ክንክእል ኣለና።ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ኩሉ ሰብ ብግልጺ ርእይቱኡ ሂቡ እዩ።ኣብ ማእኸላይ ፍታሕ በጺሕና ነዚ ኪዳን ክንምስርት በቒዕና።ካብዚ እኼባ እንታይ ክንማሃር ኪእልና ኩሉ ስብ ርእይቶ ብምሃብ ብዲሞክራሲያዊ መገዲ ምፍታሑ እዩ።እዚ ንባዕሉ ሓደ ዓብይ ባህሊ እዩ።እዚ ጀሚርናዮ ዘለና ንሕጅን ንመጻእን ዲሞክራሲያዊ ኤርትራ ናብ ዓውት ዘብጽሕ እዩ።ባዚ ጀሚርናዮ ዘለና ንኩለን ሃይማኖታት፤ ብሄራት፤ ቛንቛታት ናጽነት ዝህብ እዩ።

መሓመድ ጣሀር ሸንገብ (ጸሓፊ ህዝባዊ ጉባኤ)

ካብዚ ምሕዝነት ዓብይ ተስፋ ኣለና ምኽንይቱም መሰላት ህዝቢ ኤርትራ የረጋግጽ ስለዝኾነ።ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ከምትምስረት ንኣምን።እቲ ክትዕ ውዑይ ነይሩ ኣብ ሓደ ሓበራዊ ነጥቢ ድማ ተሰማሚዕና።እንቶኾነ ግን ኣብቲ ክትዕ ብዙሕ ነትብታት ነይሮ ፡ እንድሕሪ ዘተ ተገይሩ ዘይፍታሕ የለን።

ዶክተር ዑስማን እቡበከር(ኣቦ መንበር ሃገራዊ ጉባኤ)

እዚ ኣኼብ ጽብቕ ነይሩ።ብፍላይ ኣብቲ ዝተረኸበ ውጽኢት፡እብቲ ኣኼብ ዝተፈላለየ ኣራያታት ነይሩ፡ኣብዚ ዝከሰበ እንተሃልዩ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።ስለምንታይ ኣብ ሓደ ጽላል ክመጽእ ስለዝካኣለ።ኣብ ሕደ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ምስምማዕ እቲ ዝዓበየ መሳርሒ ነት ምሕጻር ዕድመ እቲ ስርዓት እዩ።ቕድሚ ሕጂ ኣንጻር ነንሕድና ንጋብሮ ቃልሲ ይበዝሕ ካብቲ ኣንጻ እቲ ስርዓት ንገብሮ ዝነበረ።ሕጂ ግን ብሓባር ናብ ሓደ ክኸውን እዩ።ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዝከፈአ ጸገም ስለዘሎ ኤዲኪ ነዚ ንምቕላስ ሓላፍነት ተሰኪሙ ኣሎ።ኣብዚ ጽቡቕ ዝተረኣየ ነገር እንተይሩ እቶም ሓለፍቲ ንካልኦት ኣባላት ንኽሰሑ ዕድላ ምሃብ እዩ ነይሩ።

ስማዒል ናዲ (ሓላፊ ተቓውሞ ዲሞክራሲ ምንቅስቓስ ኤርትራ)

ካብዚ ሓድሽ ተፈጢሩ ዘሎ ኪዳን ብዙሕ ትጽቢት ኣለና።ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ድማ ከም ዓብይ ዓወት ኢና ንርእዮ።ቕድሚ ሕጂ ከምዚ ኣይተራኣየን።እዚ ኪዳን ኣብ ዓወት  ክበጽሕ ጎራብትን ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን ዓብይ ግደ ነይርዎም።ሱዳን ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ዓብይ ተራ ትጻወት ዘላ ሃገር እያ።

 

ዶክተር ጀማል መሓመድሳልሕ(ፌደራላዊ ምንቕስቓስ ኤርትራ)

ብዘይ ጥርጥር ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ሓድሽ ተወሊዱ ዘሎ ኪዳን ዓብይ ትጽቢት ክህልዎ እዩ።ስለዚ እዚ ኪዳን ነዚ ፈሊጡ ኣብ ተግባር ከውእሎ ኣለዎ።ናይ ህዝቢ ኤርትራ ድሌታትን ስምዒታቱ ተረዲኡ ብዝለዓለ ዓቕሙ ክሰርሕ ይግበኦ።እዚ ኪዳን ናይኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ከማልእ ኣይካእል እምበር ናይ ዝበዘሐ ከምዝጠርነፈ ይኣምን።

ካሊል መሓመድ ዕመር (ሰልፊ ፍትሕን ምዕባለን ኤርትራ)

እዚ ተዛዚሙ ዘሎ ጉባኤ ድሌታት ህዝቢ ኤርትራ ዝጠልቦ ዘማልአ እዩ።ህዝቢ ነዚ ዜና ክሰምዕ ብዓብይ ሃንቀውታ እዩ ክጽበዮ ጸንሑ።እዚ ጉባኤ እናተኻየድ ከሎ ካብ ብዙሕ ቦታታት ብተሌፎን ናይ ደገፍን ለበዋን ምልእኽትታ ይበጽሕ ነይሩ።ስለዚ መርሓቲ ከቢድ ሓላፍነት ተሰኪሞም ከዘለዉ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።እዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ኣገዳሲ መበገሲ ንዲሞክራሲን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጽ እዩ።

መሓመድጣሃ ተወከል (ተንታኒ ፖለቲካ)

ምስቲ ዝነበረ ፍልልያት፡ ናይ ኣራኣያ ድሕረ ባይታ ናይተን ውድባት ዝነበረን  ወጥሪ ኣዝሚድካ ነቲ ውጽኢት ክትርእዮ ከለኻ ዕውት ውጽኢት እዩ።ኣነ ከምውልቀሰብ እቲ ዝነበረ ፍልልያት ይፈልጦ ነይረ፡ እዚ ኤዲኪ በጺሕዎ ዘሎ ክርእዮ ከለኹ ዓብይ ዓወት ተመዝጊቡ እዩ።እዚ ቅኑዕ መበገሲ እዩ ነቲ ስርዓት ክትገጥሞ ዝብል እምነት ኣለኒ።ነቲ ቐንዲ ሃገራዊ ዕላማታት ንምርግጋጽ፡ ነቲ ውልቃዊ ዕላማታቶም ንጎኒ ገዲፎም ማለት ኣብት ንኹሉ ኤርትራዊ ኣብ ዘገድሶ ምስምምዖም ዓብይ ሃገራዊ ውጽኢት እዩ።ነዚ ንምዕዋቱን ንምዕቃቡን ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ሓልፍነት ክስከም ኣለዎ።ኣብርክቶ ናይ ኩለን ውድባት ንምዕዋት ዝገበርዖ ጻዕሪ ክምስገን ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

ኣብ ሞንገኤን ግልጺነትን ምትእምማንን ስለዝነበረ እዩ ኣብዚ ስምምዕ ክበጽሓ ዝተኻኣለ።እቲ መርሒነት ንምምራጺ ዝተከተልዎ ኣገባብ ዲሞክራሲያዊ ምንባሩ ዘረጋግጽ እዩ።ካብ ዝኾነ ምስሕሓብ ነጻ ምንባሩ ዕውት ገይርዎ እዩ።እዚ ድማ ኣብቲ ናይ ጽባሕ ምትካል ዲሞክራሲዊት ኤርትራ ዓብይ ተስፋ ዝህብ እዩ። እተን ተቓወምቲ ሓይላታት ንህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ጸልማት ገለሪያ ናብቲ ብሩህን ገፊሕን ከምዘሰጋግርኦ ተስፋ ኣለኒ።እዚ ውህደት ነቲ ስርዓት ዝገጥሞ ሓይሊ ከምተፈጠረ የረጋግጽ።ምብትታን ናይዘን ውድባት እዩ ሓይሊ ናይቲ ሰርዓት ዝነበር ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2968

Posted by on Mar 7 2005 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net