ቓለ መጠየቕ ምስ ኣቶ ሙሴ ኤፍሬም

ጋልፍ ኢንፎርኔሽን ሰንተር (ጋኢሰ)

ፍ.ገብረሂወት

ዕለት 09/03/05

ክቡራት ተኸታተልትና ካብ ዕለት 23/02/05 ክሳብ 05/03/05 ኣብ ከተማ ካርቱም ንምምስራት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ጉባኤ ከምዝተኻየደ ይፍለጥ።ምስቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ፡ ጋልፍ ኢንፎርኔሽን ሰንተር (ጋኢሰ) ቓለ ምልልስ ኣካይዳ ነይራ።ሓደ ካብኦም ኣቶ ሙሴ ኤፍሬም ይባሃል።ኣቶ ሙሴ ኤፍሬም ንዕድሜና ኣኽቢሩ ንሕቶታትና መልሲ ብምሃቡ ብስም ኣባላት ጋኢሰን ተኸታተልት እዚ መደብን ነመስግኖ።

ኣቶ ሙሴ ኤፍሬም ነቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ተቓዊሙ ኣባል ስልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ብምዃ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ምሁር እዩ። ኣብቲ ብኣቦመንበርነት ኣቶ መስፍን ሓጎስ እትምራሕ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ውሃቢ ቃል ናይቲ ሰልፊ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ እዩ።ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ  ንዝርከቡ ኤርትራዊያን ኣብ ምጉስጓስ ንዲሞክራስን ምቅላዕ እቲ ካካይ ተግባራት እቲ ስርዓትን ዓብይ ተራ ዝጻውት ዘሎ እዩ።ንሱ ኣብ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ንመጀመርታ ግዚኡ እዩ ዝሳኣተፍ ዘሎ።ካብቶም ኣብ ምህብታም ሓሳባት ኣብቲ ጉባኤ ዓብይ ተራ ዝተጻወተ ኤርትራዊ መንእሰይ እዩ።ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር ምስ ኣቶ ሙሴ ኤፍሬም ዝግበረቶ ቓል-መጠየቕ እነሆ፡  

ሕቶ፡ ብዝዓባኻ መላኻና ዶ?

መልሲ፡ ኣነ ሙሴ ኤፍረም ይባሃል።ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ እየ።ኣብዚ ውድብ ውሃቢ ቃል ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ኮይነ ይቃለስ ኣለኹ።

ሕቶ፡ ካብ ዕለት 23/2/05 ኣትሒዙ ክካየድ ዝቐነይ ኣኼባ እንታይ እዩ ትሕዝትኡን ውጽኢቱን ነይሩ?

መልሲ፡ እቲ ውጽኢት ብብዙሕ ኩርናዕ ክረአ ይካኣል እዩ።እቲ ቐንዲ ንዓይ ዘገድሰኒ ወይ እንታይ ትዕዝብትታት ከመሓላልፍ ይኽእል፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክፈልጥ ጸንሑ እዩ ብፍላይ ኣውሮጳዊ ሕብረትን መንግስቲ ኣሜርካን ከም’ውን ተደናገጽቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ስርዓት ኣብዚ ግዜ እንድሕሪ ወዲቑ ተካኢ ከምዘይብሉ።እምባኣር ንሕና ከም ኤርትራዊያን ተኣኻኺብና፡ ኣብቲ ዝተሓተ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ንኹላህና ከራኽበና ዝኽእል ነጥብታት ማለት ንሕቶ ዲሞክራሲን ብዝሑነት ዘለዎ ስርዓት ንምትካል ክመይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ብዙህ ኣካቲዕና እዩ። ካብ ሕጂ ንንዮው እምባር ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ኣሎ።ነቶም ተደናገጽቲ ተካኢ ክኸውን ዝኽእል ጊዚያዊ መንግስቲ ክምስርት ዝኽእል እዚ ምዃኑ ተለልዩ ኣሎ።እዚ ነብሱ ዝኻኣለ ዲፕሎማሲያዊ ጽልዋታት ኣለዎ። ካብኡ ሓሊፉ ተሩፉ ግን ኣብዚ ገዛ ተኣኪብካ ማለት ኣብ ኩሉ ነጥብታት ተሰማሚዒኻ ማለት ኣይኮነን።ግን ከም ኤርትራዊያን ኣብቲ ሓድነት ናይቲ ህዝብን ብዓለማዊ መንግስቲ እትምራሕ ሃገር ስለዘርእይ ሓደ ጎደና ምዕባለ እዩ።ካብ ኩሉ እቲ እከይ ነገራት እቲ ስርዓት ዘተኣታተዎ ኣሊኻ ዳግማይ ትንሳኤ ንዲሞክራሲ ክግበር ዘለዎ እዩ።ህዝቢ ሰላምን ዲሞክራሲን ዝምነይ እዩ።ንህዝቢ እዚ ጉዳይ ከሐጉሶ ይግባእ።

ሕቶ፡ ኣብዚ ኣኼባ እቲ ቐንዲ ዘካተዐን ነዊሕ ግዜ ዝወሰድ ኣንታይ እዩ?

መልሲ፡ ስለስተ ነጥብታት እዮም ነይሮም። ቐዳማይ ቅዋም ኤርትራ እዩ።እቲ ስርዓት ዘይቕበሎን ኣደስኪልዎን ዘሎ እዩ።ክሳብ ሕጂ ተራ ዘይትጻወተ፡ ስማዊ ቅዋም ኮይኑ ዘሎ እዩ።ስለዚ እዚ ቅዋም ንሕብረተሰብ ኤርትራ ዝውከል ስለዝኾነ ከምንታይ ክረአ ኣለዎ?ስለዚ እዚ ቅዋም እቲ ስርዓት ኣብ ዝወድቐሉ ግዜ ብዘይዋዓል ሕደር ክትግበር ኣለዎ።እቲ ካልኣይ ነጥቢ ልኡላውነት ኤርትራ እዩ።ኣብዚ ሕጂ ኣብ ተዋጠር ምስ ጎራብትና ኣብ ዘለናሉ ግዜ ብፍላይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክልቴና ዝተሰማማዓናሉ ጉዳይ ዶብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ወኪል ሕብረተሰብና ኮይኑ ዝተሰማማዓሉ፡ ናይ መጨረሽታን ቐያድን ክኸውን ስለምንታይ ክልቴኤን መንግስታት ዝከተማሉ ስለዝኾነ፡ ውጽኢት ናይቲ ብይን ብዘይውዓል ሕደር ክትግበር ኣለዎ።እቲ ብይን ፍትሓዊ ግን ኣይኮነን ስለምንታይ ኣብ ከባቢ ጾሮና ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓድታት፡ ኢትዮጵያ ከምዓዶም ዘይፈልጥዎ  ናብኦም ኣትዩ እዩ። ኣንተኾነ ግን መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቐያድን ናይ መጨረሽታን ክኸውን ኢሉ ዝፈረማሉ ስለዝኾነ ክትግበር ኣለዎ ዝብል ነይሩ፡ ጸዲቁ’ውን። እቲ ሳልሳይ ነጥቢ መጻኢት ኤርትራ ዝብል እዩ።ኤርትራ ዝተፈላለዩ ብሄራት፡ ሃይማኖታትን ቛንቛታትን ዘለዋ ስለዝኾነት ከመይ ገይርካ ተማሓድራ ዝብል  ነይሩ።ኣብ ዓለማዊ መንግስቲ ድዩ ወይስ ናይ ሃይማኖት ምትእትታው ኣብ ፖለቲካን መንግስትን ዝብል ነይሩ።እዚ ከማን ማእኸላይ ዝኾነ ፍታሕ ረኪብናሉ።በቲ ቅዋም ዝውስኖ ክትማሓደር ከምዘለዋ፡ ኣብ ስድራቤት ከመይ ትማሓደር ንዝብል እታ ሰድራቤት ዝተፈላለየት ስለዝኾነት ነታ ስድራ ይምልከት ብዝብል ሓሊፍናዮ።

ሕቶ፡ ሸውዓተ ውድባት ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊት ዲሞክራሲያዊ ውህደት ዝብል ስም ተጠርኒፈን ኣለዋ ውድብኩም ነዚ ከመይ ይርእዮ?

መልሲ፡ እዚ ውህደት ብጣዓሚ ኣገዳሲ ኣዩ።ዝሙጎስ ስጉምቲ እዩ።ስለምንታይ ዓሰርተ ሽዱሽተ ኣይዲኦሎጂ የለን።ክህልው እንተኮይኑ ኣርባዓተ ውይ ኣብዚ በጺሒናዮ ዘለና ዓለም ሓሙሽተ ናይ ፖለቲካ ራኢታት እዩ ክህልው ዝኽእል።ብዛዕባ ኣከባቢኻ ዘይምብካል፤ሶሻሊዝም፤ኮንዘርቫቲዝምን ሊበራሊዝምን ክኸውን ይኽእል እዩ።እተን ዓሰርተ ሽዱሽተ ውድባት ዝፈላልየን እንታይ እዩ? ካብቲ ዝጠቐስኩዎ ኣይዲኦሎጂ ከወጻ ኣይኽእላን እየን።እተን ሓደ ዝመስላ ውድባት ነዚ ተረዲኣኤን ብዓለን ስጉምቲ ምውሳደን ዘሐጉ እዩ።

ሕቶ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ብዝሒ ውድባት ኣንፍቱ ኣጥፊኡ፡ ተስፋውን ቆርጹ።ሕጂ ግን እተን ውድባት ተመሳሳልነት ዘለወን  ይጥርነፋ ኣልዋ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ እንታይ ይጽበይ ?

መልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዘን ውድባት ንስሙ ወኪለን ዝንቐሳቐሳ ስለዝኾና ብዙሕ ትጽቢት ኣለዎ።ልክዕ ንመንግስቲ ኤርትራ ክቆጻጸሮ ዝፍትን ዋላኳ ዕድል ኣይርከብ እምበር ንኽቆጻጸረ፡ ነዘን ውድባቱ ግን ክቆጻጸረን ክኽእል ኣለዎ።ስለምንታት ንሕና ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ክንዛረብ ከለና ህዝቢ ናይ ግድን ብዙህ ትጽቢ ክገብር ኣለዎ።ንኣብነት እዚ ዝግበር ዘሎ ሕብረት ካብቲ ሓደ ትጽቢት ህዝብና እዩ።ከምዚ እንዳበልና ደ ኮን ናብ ሓሙሽተ ሰልፍታት ንጥርነፍ ንኸውን ካብኡ ሓሊፍናውን ናብ ሰለስተ ንመጽእ ንኸውን ዝብል እምነት ኣለኒ።

ሕቶ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ስርዓት ምስ ጎራብቲ ኣብ ተዋጠር እዩ ዘሎ።  ስለዚ ምስ ጎራብቲ ምሕዝነት ምግባር ንህዝቢ ኤርትራ ኣየሰክፎን ዶ?

መልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክስከፍ ይኽእል ይኸውን ስለምንታይ ኩሉ ግዜ ኣብ ተኣፋፊ እዋን እትፈጥሮ ዝምድና ኣሰካፊ ስለዝኾነ።ሓደ ነገር ክንቅይሮ ዘይንኽእል ባህሪያዊ ሕጊ ኣሎ ። ኢትዮጵያ፤ ሱዳን፤ጁቢቲን የመንን ጎራብትና እየን፡ ናይ ሓባር ረብሓ ክትምስርት ናይ ግድን እዩ። ጎራብትና እንድሕሪ ዘይቐሰና ህዝብና ክቐስን ከምዘይኽእል ክፍለጥ ኣለዎ። ብሕልፊ ምስ ኢትዮጵያ ዝተውሃበና ፍርዲ ክትግበር ኣለዎ፡ ካብ ምኩናን ዓዲ ኣይንውዕልን።ንሕና ናይዚ ፍርዲ ትግባረ ንጽበ ኢና።እንትኾነ ግን ህዝቢ ክሰግእ ኣለዎ ንሕና ኣብተዋጥር ከለና ናብኡ ከይዶም ኣንታይ ይብሉ ይኾኑ ንዝብል ኩሉ ግዜ ክሓትሉ ኣለዎም።እዘን ውድባት ድማ ኣብ ዝኾነ ጎረቤት ዓዲ ኣቴን ኤርትራዊ መርገጺ ከነጽራ ኣለወን።

ሕቶ፡ መሪሒነት ኤዲኪ ንምምራጽ ዝግበር ዘሎ ምቕርራባት ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍሉይ ይገብሮ ድዩ? ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ድዩ ክኸውን?

መልሲ፡ ጽብቕቲ ሕቶ እያ ስለምንታ ንዲሞክራሲ እናተቃለስካ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ክተኣታተው ኣለዎ።ብሕልፊ ድማ ሓዲሽ ኪዳን ክትምስርት ከለኻ።ንኣብነት ብናህና ውድብ እንተራኢና መን እዩ ዝውክለና ብምባል ብዲምክራሲያዊ መንገዲ ወኪልና ቐሪብና ኣለና፡ ካልኦት ውድባት ‘ውን ከምኡ ክገብራ ተስፋ ይገብር።እዚ ግን ግዚያዊ መድረኽ ኣዩ፡ ንመጻኢ ዝምረጹ ግን ከምቲ ግቡእ እቲ ግዜ ኣናዊሕካ ህዝቢ ዝሳተፎ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ሕቶ፡ ኣብ መወዳእታ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደገን ውሽጥን ዝርከብ እንታይ መልእኽቲ ተመሓላልፍ?

መልሲ፡ እዚ ህዝቢ  ብዙሕ ዝተፈተ ህዝቢ ስለዝኾነ ሕጅ’ውን ከምትማሊ፡ ነቲ ኣብ መንገዲ ዝተዓንቅፎ ዕላማታቱ ናይቲ ቕድሚ ሕጂ ንቃለሶ ዝነበረና ልኡላውነት መሬት  ጥራይ ዘይኮነስ ምእንቲ መዓርነት፤ ፍትሕን  ዲሞክራሲን ሕጂውን ክቃለስ ኣለዎ።

ክቡር ኣቶ ሙሴ ኤፍሬም ነቲ ዝሃብካና ቃለ ምልልስ ብስም ተከታተልቲ የመስግን።የቐነለይ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2974

Posted by on Mar 10 2005 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net