ኣገዳሲ መግለጺ ሰላማዊ ሰልፊ 2005 ኣውስትራልያ

ኣብዚ ንሳልሳይ ዓመቱ ብተኸታተሊ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኩነታት ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ከም ዝርከብ ይዘኻኽረና። 2004 ጃምላዊ መቕዘፍቲ መንእሰያት ኣብ ዕዲ ኣበይቶ፡ ንዝተረሸኑ ስንኩላን ማይ ሓባር መደረብታ ጥፍኣት ኤርትራውያን ዘዝኻኸረት ዓመት እያ ነይራ። እዚ ክልቲኡ ፍጻሜታት ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ ብጻዕቂ ዝነብረሉ ከባቢ ከተማ ኣስመራ፡ ንስርዓት ህግደፍ ዝበደሀ ሓያል ተቓውሞ ሓርበኛታትን መንእሰያትን ደቂ ሃገር ብኣድራጋ ጠያይቲ ዝተረሽንሉ ብምንባሩ ዲክታተር ኢሰያስ ካብ ፖልፖት ዘይፍለ ጨፍላቒ ስርዓት ምኽኑ ዝተጋህደሉ ተወሳኺ መርትዖ እዩ ክባሃል ይኽእል። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኢዩ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ስለማዊ ሰልፊ ንዝኽሪ’ቶም ብዘይ ንቡር ኣብ ጋህሲ ዝተቐብሩ መንእሰያት አሕዋትና ኮይኑ ክሓልፍ ተወሲኑ ዘሎ። እቶም ሃለዋቶምን ኩነታቶምን ዘይፍልጥ ብዘይ ሕጊ ዝተኣስሩ ዝተቐትሉ ዝተጨውዩን ሃገራውያን ከይኣክል፡ ሎሚ ኣብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ኩሉ ዜጋ ብወረ ኩናትን ቁጠባዊ ቅልውላውን ዕለተ ህላዊኡ ኣብ ጽላሎት ሓደጋ ይነብር ኣሎ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን ወዲ ሰብ ኪኖ’ቲ ንዕለታዊ ሂወቱ ዝነብረሉ መሰረታዊ ጠለባት ረኺቡ ናብ ዝያዳ መጋየጺ ዘማዕድወሉ መዋእል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓለንጊ ጥሜት ክግረፍን ብዋሕዲ መድሃኒትን ኣገልግሎት ጥዕናን ኽቕዘፍ፡ ብሰንኺ ቅረብ ነዳዲ መሰረታዊ ተድላዪ ነገራትስ ይትረፍ ሑሙማትን ነብሰጾር ኣዴታትን ናብ ሕክምና ዝበጽሕሉ፡ ህዝቢ ብሓፈሻ ዝጐዓዓዘሉ ተስሚዑ ዘይፈልጥ ናይ መረኻኸቢታት ሕጽረት ኣጋጢሙ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ዓመት መጸ ትዕዝብቲ ህዝቢ ንምጥምዛዝ ጽርግያ ተሰሪሑ፡ መንግዲ ተቐይሱ፡ እናተባህለ መናፍሕ ዝገበረሉ ዝነበረ ዕንክሊል ኣብቂዑ፡ ሎሚ እተን ቀደም ብግዜ ጣልያን ዝተስርሓ ጽርግያታት’ውን ሳላ ህግደፍ ይዝኽትማ እለዋ። መንገዲ ኣጋርን ምጸዕኛን ድማ ናብ ናይ ጥንተን ተመሊሰን ሓያል ኣገልግሎት ይህባ ምህላወን ንዕዘብ ኣለና። እወ ዋርሳይ ይካኣሎ ንጸላኢ ክዋጋእ፡ ብስገዳድ ድማ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ጎቦታት ከፍርስ ይኽእል እዩ፡ ዶላር ክቕንጥብን ነዳዲ ክቕድሕን ግን ልዕሊ ዓቕሙ እዩ። ከምቲ ኣውስትራልያ ጋዜጠኛ “ኣብቲ ሃገር ብዘካ ናይ ባህሊን ዜናን ፕሮፖጋንዳዊ ማሽን ካልእ የለን” ዝብሎ ሕጂ ድማ ህግደፍ ተሪፋቶም ዘላ መሳኺን ደረፍትን ምዚቀኛታትን ሒዝካ ብኸበሮን ጓይላን ህዝቢ ክተደናግር ምፋትን እዩ። ነዚ ብህግደፍ ዝግበር ናይ ሰለስተ መዕልቲ ጓይላን ደበላን ብሰልፊ ምቅዋም፡ ንዓና ንተቓወምቲ ዕላማ እይኮነን። እንታይ ድኣ ኣብዚ ህግደፍ ባዕሎም ዝወሰንዎ ዕለት ሓቕን ሕሶትን ገጽ ንገጽ ብምፍጣጥ ተግባራት ህግደፍ ንምቕላዕ እዩ። ንህግደፍ’ውን  ቀንዲ ዕላማኦም ኣይመስለናን። ኪኖ’ቲ ዳንኬራ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንመደባትና ደጊፎም፡ ኣብ ጎኒ መንግስቶም ምዃኖም ኣፍሊጦም ወዘተ እናበልካ ንፕሮፖጋንዳዊ ማሽን መቃነዪ መሳርሒ ምእካብ ኢዩ። ብወገና ድማ ኣበደን ህዝብን ህገርን ኣብ ዝጠፍኣሉ፡ ሕግን ፍትሕን ኣብ መዓሙቅ ኣብ ዝተቐብረሉ፡ መንእሰያት ብእኩብ ኣብ ዝርሸንሉ ግዜ ይትረፍ’ዶ ኒሕን ሕቦን ዘለዎ ኤርትራዊ ዝኾነ ሓላፍ መንገዲ’ውን ዝቕበሎ እይኮነን ንምባል እዩ። ንሕናን ህግደፍን ብልክዕ ተፋሊጥና ኣለና። እቶም ኣብ መጻወድያ ህግደፍ ዝርከቡ “ወራዙት” አሕዋትና ግን ኣንተስ ብዘይፍላጥ እንተስ ብበለጽ “እንታይ’ሞ ተቓዊምካ”፡ “እዚ ድኣ ዘይባህሊ እዩ”ወዘተ…… ዝብሉ ዝኑባት ኣለዉ። እብ’ዚ ግዜ’ዚ ንተግባራት ህግደፍ ዓው ኢሉ ዝከላኸል ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ የለን ክበሃል ይካኣል። የግዳስ ነቲ ትሑት ስቕታ ተቓውሞኦም ናብ ግሁድ ንምቕያር ሓደ ካብ’ቲ ተታሓሒዝናዮ ዘለና መደባት ኣዩ። 

እዚ ካብ ዕለት 14 ጥሪ 2005 ዝጅምር ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኣውስትራልያ ክሳተፍዎ ትጽቢት ዝግበርሉ፡ ናይ ሰለስተ መዕልቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣጋጣሚ ብምግባር፡ ነቶም ዓመት መጸ ንጥፈታትና ኣበይ ከምዝበጸሐ ዝክታተሉን ብሞራልን ሓሳብን ዝተሓባበሩና ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን ሎሚ’ውን ከምቀደምና ብዝላዓለ ሞራልን ፍናናን ተበጊስና ምህላውና ክነበስርም ንፈቱ።

ዕላማታት ተቓውሞ

  • ብቕዋም እትምራሕ ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈና ሃገር ንምምስራት፡ እብ ዝግበር ምንቅስቓስ ኤርትራውያን እጃምካ ምብርካት።

 

  • ዶብ ዝሕለፎ ሰብኣዊ ግህሰት ኤርትራውያን ብምቅዋም፡ ንሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ምጥባቕ።

 

  • መስል ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምኽባርን፡ ዘጝጥሞም ዘሎ ግፍዕታትን ሕደጋታትን ንምኽልኻል እበርቲዕካ ምስራሕ።

 

  • ዲሞክራስያውን ፍትሓውንስርዓት ንምትካል ምስዝቅለሱ ህገራውያን ውድባት ማሕበራት ሰልፋታት ውልቀሰባት ምትሕግጋዝ።

 

  • ንሰብኣዊ መስል ወዲሰብ ምስ ዝጣበቓ፡ ሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ማሕበራት ብሓባር ምስራሕ።

 

  • ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ዝገብሮ ኩሉ ዕይነት መደባትን ዘራጊ ዘመተታትን ብትሪ ምቅዋም።

 

  • ሕድነትን ምትእስሳርን ኤርትራውያን ንምሕያል፡ ባህሎምን ልምዶምን ንምዕቃብ፡ ስሩዕ መደባትን ጎስጓስን ምክያድ።

 

  • መስታ ኣልቦ ግፍዕታት ስርዓት ህግደፍን ምቅላዕ፡ ናብ ሰብኣውያንን መንግስታውያንን ማሕበራት ዝቐነዐ ዘመት ምክያድ።

 

ኤርትራውያን ኣውስትራልያውያን ንሰላምን ፍትሕን

ኮሚቴ ተቓውሞ

12 ጥሪ 2005

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2982

Posted by on Jan 12 2005 Filed under Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net