ቓለ መጠይቕ ምስ ኣቶ ሑሰን ከሊፋ

ጋልፍ ኢንፎርኔሽን ሰንተር (ጋኢሰ)

ክቡራት ተኸታተልትና ካብ ዕለት 23/02/05 ክሳብ 05/03/05 ኣብ ከተማ ካርቱም ንምምስራት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ጉባኤ ከምዝተኻየደ ይፍለጥ።ኣቦ መንበር እቲ ኪዳን ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ኣብ ቤ/ጽ ዓዲምናዮ ብዕለት 12/03/05 ምስ ጋልፍ ኢንፎርኔሽን ሰንተር (ጋኢሰ) ቓለ ምልልስ ኣካይዱ።ናይቲ ዝተገበረ ቓለ ምልልስ ሙሉእ ትሕዝቶ እነሆ፡

ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ንዕድሜና ኣኽቢርካ ንሕቶታትና ክትምልስ ድልው ብምኻንካ ብስም ኣባላት ጋኢሰን ተኸታተልት እዚ መደብን ነመስግን።

ሕቶ፡ መን እዩ ሑሰን ከሊፋ?

መልሲ፡ ብዓል ሓዳርን ኣቦ ሽዱሽተ ቆሉዑ እየ። ክልተ ኣወዳትን ኣርባዓተ ኣዋልድን      ኣለውኒ።ኣብ 1961 ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ) ተሰሊፈ።ካብ 1964-65 ካብቶም ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ነይረ።ናይ መጀመሪያ ኣዛዚ ሰራዊት ዝረኸብክዎ ኣቶ ጣህር ሳለም ኣብ ኣዶቡሓ ነይሩ።ኣብ 1969 ናብ ኢራቕ ከይደ ግቡእ ወታሃደርዊ ትምህርቲ ተከታቲለ።ኣብ  1972 ትምህርተይ ውዲአ ተመሪቐ።ብድሕሪ እዚ ናብ ሜዳ ተመሊሰ፡ ከም ሓላፊ ብርጌድ 64 ኮይነ ተመዲበ።ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ኮይነ፡ ከም ኣዛዚ ሰሜንን ደቡብን ደንካሊያ ብድሕሪኡውን ከምተቖጻጻሪ ሰሜን፤ ደቡብ ደንካሊያን ኣከለጉዛይ ኮይነ ተመዲበ።ድሕሪዚ ወታደራዊ ስታፍ ነይረ።ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ ምክትል ኣቦ መንበር ኮይነ ተመሪጸ። ክሳብ ሕጂ ከም ምክትል ኣቦ መንበር ናይቲ ውድብ ኮይነ ይሰርሕ ኣለኹ።

ሕቶ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ሃገር እጃምካ ንምብርካት ንምንታይ ናብ ሃገርካ ዘይኣተኻ?

መልሲ፡እወ! ሓጎስ ናይ ናጽነት እቲ ዝዓበየ እዩ።ኣብ ሃገርና ኣቲና እጃምና ከነበርክት ብዙሕ ጻዕርታት ገይርና።ንኣብነት ብመገዲ የሕዋትና ሱዳን፤ የመንን ኢማራት ዓረብን ሃገራዊ ዕርቒ ክግበር።እንተኾነ ግን እቲ ስርዓት ንጻዕርታት ሽኽ ዛይድን ሱዳንን ነጺግዎ።ከምትፈልጥዎ ሸኽ ዛይድ ዓብይ ሓገዝ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝገበረ እዩ።ንሱ ኣብዚ ናይ ዕርቂ ጻውዒት ንዓናን ነቲ ስርዓትን ንምቕርራብ ናይ ክልተ ሚሊዮን ዶላር ኣመሪካ ከምእውን ኣሳለጥቲ ካብ ሃገራት ውሽመጥ ከምጽእ ምኻኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ። ብሰንኪ ኣብያ እቲ ስርዓት እቲ ጻዕርታት ከንቱ ኮይኑ።ካብዚ ሓሊፍውን ተቓወምቲ የብለን እናበለ ነቲ ህላወ ተቓወምቲ ነጺግዎ።ነዚ ኣዋጅ ንሕናውን ነጺግናዮ ዋላዃ ገለ ተቓወምቲ ተቐቢሎም ናብ ሃገሮም ይመለሱ እምበር።ስለዚ ክሳብ ሕጂ መገድና ንቕጽል ኣለና።ንሕናውን ከም መትከልና ህላወ ናይ ሓደ ውድብ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣይንድግፎን ኢና።

ሕቶ፡እዚ ከምዚ ኢሉ ግን ተ.ሓ.ኤ ምስቲ ስርዓት ብሚስጥር ርክብ ነይርዎ ዝባሃል ዘረባታት ኣሎ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ትብል።

መልሲ፡መጀመሪያ(ስሓቕ) እቲ ስርዓት ህላወ ናይ ካልኦት ተቓወምቲ ኣይኣምንን እዩ።ካልኣይ ምስቶም መሳርሕቱ ዝነበሩ ከማን ክመያየጥን ክላዘብን ኣይካኣለን።በንጻሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጉኒዎም እዩ ዘሎ።ዝሓስብ ሓንጎል ጥራይ እዩ ብዛዕባ ልዝብን ዘተን ዝኣምን።ዝርርብን ዘተን ካብ መምርሒታትን ፍልስፍናን እቲ ስርዓት ወጻኢ እዮም።

      ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ዝነበረ ቃልሲ ይበዝሕ ነይሩ ካብ እቲ ኣንጻር እቲ ስርዓት፡ እዚ ድማ ኣድማዒ ውጽኢት ንኸይርከብ ዝገበሮ እዩ።ስለዚ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ሕብረት ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ነቲ ቕንዲ ዕንቕፋት ኮይኑ ዝነበር ኣወጊዱ ኣንጻር እቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ቃልሱ ኣቕኒዑ ኣሎ።ስለዚ እዚ ኪዳን ኣብ ሓጺር ግዜ ምዕባለ ከርእይ ምኻኑ እምነት ኣለኒ።

ሕቶ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን መሪሕነቱ ከመርጽ ዝተከተሎ መስርሕ ከመይ ነይሩ?

መልሲ፡ብመሰረተ ብዝሒን ዕብየትን እተን ውድባት መናብር ተሓዚእለን።ነተን ዓሰርተ ሓደ ውድባት ከክልተ ፡ ነተን ሓሙሽተ ውድባት ሓሓደ ተዋሂብዎን ። ስለዚ ዕስራን ሸውዓተን ዝኣባላታ ማእኸላይ መሪሕነት ተመሪጻ።ኣብላት እታ ፈጻሚት ሽማግለ ግን ኣብ ዓቕምን ተወፋይነትን ውልቀሰባት ምርኩስ ብምግባር እዮም ተመሪጾም። እዞም ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ንውድቦ ወኪሎም ዝኣተዉ ዘይኮኑስ ክሰርሑ ዝኽእሉን ሙሉእ ግዚኦም ከወፍዩ ዝኽእሉ ብድምጺ እዮም ተመሪጾም። ስለዚ ንዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ተከቲልና መስርሕ ምርጫ ኣካይድና ስለምንታይ ንሱ ስለዝኾነ ቃልስና።

ሕቶ፡እቶም ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ካብቲ ናይ ውድቦም ናይ ስራሕ ተጽዕኖ ነጻ ኮይኖም ክሰርሑ ድዮም ወይስ ኣብ ክልቲኡ እዮ ክሰርሑ?

መልሲ፡ተስዓ ሚኢታዊ ናይቲ ግዚኦም ነዚ ጽላል ወፊዮም ክሰርሑ እዮም።እዚ ድማ ኣብ ቐጻልነት ፕሮግራም እቲ ውድብ ዝሙርከስ እዩ።ካብ ዝሓለፈ ጌጋታትና ብዙሕ ተማሂርና ስለዝኺና ኣብዚ ዝመጽ ሽግር ከጋጥመና እዩ ዝብል እምነት የብለይን።ብሙሉእ ዓቕምና ኣዋሃሂድና ንምዕዋት ዕላማታት ኤዲኪ ክንሰርሕ ኢና።

ሕቶ፡ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ እንታይ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ኢኹም ትጥቐሙ?

መልሲ፡ንሕና መጀመሪያ ብሰለማዊ መንገዲ እቲ ዘሎ ኩነታት ንምፍትሑ ክንጽዕር ኢና።እቲ ካካይ ተግባራት እቲ ስርዓት ዘካይዶ ዘሎ ብምቕላዕ ኣብ ህዝብ ጽዑቕ ጎስጓስ ክንገብር ኢና።ህዝቢ መጀመሪያ ነዚ ፈሊጡ ክላዓል ክኽእል ኣለዎ።ካብዚ ሓሊፍካ ኩነታት ኤርትራ እንተደኣ ርኢና፡ ቁጠባ፤ጸጥታውንን ወታደራውን ኩነታት ኣብ ዝኸፈአ ደርጃ እዩ ዘሎ።ኣብ ልዕሊ እዚ እቲ ስርዓት ነቶም ላዕለዎት ሐለፍትን መሳርሕቱን ዝነበሩ ዓሰርት ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጉንዎም እዩ ዘሎ ከምእውን በቲ ተጻባኢ ባህሪያቱ ካብ ጎራብቲ ተነጺሉ ኣሎ። ኣብ ዚሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣንጻር ኣመሪካን ኣውሮጳው ሕብረት ናይ ቃል ዘለፋ ጀሚሩ ኣሎ።እዚ ኩሉ ንዓና ዓብይ ዕድል እዩ ዓቕምናን ሓይልናን ኣዋሃሂድና ክንዕወት እንተደኣ እቲ ስርዓት ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍትሕ እዚ ወጥሪ እንተዘይተቐቢልዎ።

ሕቶ፡ከምቲ ኣቐዲምካ ዝበልካዮ እቲ ስርዓት ናትኩም ህላወ ኣይኣምንን እዩ። ስለዚ ብሰለማዊ መንገዲ ንኽፍታሕ ምጽዋዓኩም ኣይገርምን ዶ?

መልሲ፡እወ እቲ ናትና ድሌት ካብቲ ድሌት ናይ ህዝብና ዝፍለይ ኣይኮነን፡ ህዝብና ኣደዳ ሽግርን ጸገምን ኮይኑ እዩ፡ መሪርዎ እዩ። ሰላም ኣብ ኢዱ ክንሳ ኣማዓዲዩ ይጥምታ ኣሎ። ብመሰረት እዚ ከም መጀመሪያ ኣማራጺን ድሌትን እዚ ኪዳን ብውሕድ ክሳራን ውጻኢታትን ነዚ ጸገም ምፍታሕ። እቲ ስርዓት ብዛዕባና ህላወ  ዘይምግላጹን ብዙሕ ኣገዳስነት የብሉን እንተድኣ ሕዝብና ኣለሊናን ፈሊጥናን።

ሕቶ፡እቲ ስርዓትን ተደናገጽቱን ኣብዚ ተኣፋፊ ዘሎ ግዜ ርክብ ምስ ጎራብቲ ምግባርኩም ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያ ከም ጥልመይ እዮም ዝቆጽርዎ?

መልሲ፡ኣነ ከምዝመስለኒ እቲ ስርዓት እዩ ክብሪ ቃልሲ ናይ ኤርትራዊያን ዘሕሰረን ሕድሪ ናይቶም ጀጋኑ ስዋእትና ዝጠለመን።ከምዝፍለጥ እዚ ስርዓት ኣብ ግዜ ቃልሲ ምስ ግንባር ወያነ ዝምድና ብምፍጣር እንድዩ ኣንጻር የሕዋት ኩናት ዝገበረ።እዚ  ስቕያትን ሽግርን ኣብ ነፍስወከፍ ኣእምሮ ኤርትራዊ ጸሊም በሰላ ዝገደፈ እዩ።ሕጂ ንዓና ዝምድና ገይሮም ኢሉ ክኸስስ ይገርም እዩ።ሓደ ሓቂ ክፍለጥ ዘልዎ ግን ኣብ መንጎ ህዝብታት ክሊቴን ሃገራት ጥቡቕ ዝምድና እዩ ዘሎ ሕጂውን ክቕጽልእ እዩ።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ስርዓት ክሳብ ሕጂ ማሕዛ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ክፍልጥ ኣለዎ።ቐዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ነቶም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያ ሓድነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ክምተኽብር ኣረጋጊጽሎም እዩ።ንሕናውን ብዛዕባ እቲ ንቡር ዝምድናና ተመያይጥና ኢና።ስለዚ ድሌት ናይ ጎራብትና ሰላምን ዲሞክራስን ምስፋን ምዃኑ ኣረጋጊጽና ኢና።ርክብና ምስ ጎራብትና ንቡርን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓታት ዝተሞርከሰ እምበር ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳ ከምዘይብሉ ክፍለጥ ኣለዎ።ንሕና ነቲ ቕድሚ ናጽነት ዝጀመረ ቃልሲ ንረባሓ ህዝቢ ኤርትራ ሕጅውን ዝቕጽል ዘሎ ኣብ ዕላምኡ ንምብጻሕ  እምበር መሳርሒ ናይዝኾነት ሃገር ክንከውን ዝተበገስናሉ ዕላማ ኣየፍቕደልናን እዩ።ስርዓት ኣስመራ ግን ብሓዊ ዝገብሮ ዘሎ ጸወታ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቕዮን ዘንብዖን ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ዞባና’ውን ህውከት ፈጢሩ ኣሎ።ስለዚ ነዚ ጸወታ ሓዊ ደው ከብሎ ኣለዎ።

ሕቶ፡ርክብኩም ምስ ኢትዮጵያ። ኣብዚ ግዜ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኩናት እያ ዘላ። ስለዚ ናትኩ ርክብ ምስ ኢትዮጵያ ተኣፋፊ ዶ ኣይገብሮን?

መልሲ፡ርክብና ምስ ኢትዮጵያ ፍሉይ ኣይኮነን።ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ንሰርሕ እዩ እቲ ቐንዲ ዕላማና። እዚ ክሲ ናይቲ ስርዓት ይትረፍ ዶ ንዓና ነቶም መሳርሕቱ ለውጢ ዝሓተቱ ኣብ ማእሰርቲ ዳጉንዎም እዩ ዘሎ።ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተማሃሮ፤ ጋዜጠናታትን ካልኦትን ነቲ ስርዓት ይቓወምዎ ኣለዉ።ስለዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ስርዓት ዝተቓወመ ዘበለ “ወያነ” ስም እዩ ዝጥመቕ ዘሎ። እዚ ድማ እቲ ስርዓት ነዚ ዝኣረገ ሜላ ከም መጎሳጎሲ ዝጥቐመሉ ዘሎ እዩ።

ሕቶ፡እዚ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዓሰርተ ሽዱሽተ ውድባት ዝጠርነፈ እዩ።ኣብ መስርሕ ጸገም ምስዘጋጥም ብኸመይ ክትፈትሕዎ ኢኹም? ነዚ ዝምልከት ኮሚቴ ኣላትኩም ዶ?

መልሲ፡ኮሚቴ ምግባር ኣገዳስነት የብሉን ስለምንታይ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ትካል፡ ኣብ ሓደ ብሓባር ዘውጻናዮ ቻርተር ክንሰርሕ ስለዝተበገስና። ኣብ ልዕሊ እዚ ኤዲኪ ኣብ ዝተሓተ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን መትከላትን ተሰማሚዑ እዩ።እዚ ክንብል ከለና እቶም ሓለፍቲ ውድባት ኣብ ምዕዋት እዚ ኪዳን ብቕንዕና ተበጊሶ ኣለዉ ማለት እዩ። ስለዚ ብዓሉ እዚ ሓደ ናይ መፍትሒ ጸገምና እዩ።

ሕቶ፡እዚ ኪዳን ንኹሉ ተቛዋማይ ክምዘይጠርነፈ ርዱእ እዩ።ስለዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘይተጠርነፉ ዘለዉ ውድባት ንኣባልነት ዝንልከት ከመይ እዩ?

መልሲ፡ኣባል ናይዚ ኪዳን ክከውን ዝደልይ ውድብ እንተሃልዩ ማእጾና ክፉት እዩ። ሓንቲ ውድብ ኣባል ንምዃን ከተማልኦ ዘለዋ ነጥባታት፡ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዘለዋ፤ ስሩዕ ጉባኤ ትገብር፤ተወፋይነት ኣብ ስራሕን መሪሕነትን ተርእይ ከምእውን ኣገባብ ቃልሳ ንጹር ዝኾነ ከም ውድብ እዚ ኪዳን ክትሓብር ትኽእል እያ።

ሕቶ፡እዚ ኪዳን ንቶም ተቓውምቲ ውድባት ጥራይ ዝጠርነፍ እዩ። ነቲ ስቪል ሕብረተሰብን ምሁራትን ንምስታፍ ዝሓዝክሞ መደብ ኣሎ ድዩ?

መልሲ፡እወ! እዚ ኪዳን ንዝተወሰኑ ፖለቲካዊ ውድባት ጥራይ እዩ ሓቑፉ ዘሎ። እንተኾነ ግን ናብ ሓደ ጽላል ምብጻሓና ዓብይ ስጉምቲ እዩ።ምስቲ ስቪል ሕብረተሰብ’ውን ርክብ ክህልወና እዩ።ድሌት ናይቲ ስቪል ሕብረተሰብ ኢና ንምልስ ዘለና ስለምንታይ ናይ መጀመሪያ ሕትኡ ዝነበረ ሕብረት ናይዘን ውድባት እዩ እዚ ድማ መሊስናዮ ኢና። ነቲ ስቪል ሕብረተሰብ ከነሳትፎ ናይ ግድን እዩ እንተደኣ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ክሰፍን ኮይኑ።ስለዚ ንቻርተርን ሕጊ ሕንጻን ዝተቐበለ ናብቲ ኪዳን ኪጽንበር ማዕጾና ክፉት እዩ።

ሕቶ፡እንታይ እዩ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ናይቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሃጓፍ ኣብ መንጎ ኣብ ውሽጢ ዝሎ ህዝቢን ኣብ ደገ ዘለዎ ተቓወምትን?

መልሲ፡መጀመሪያ ነቲ እትብሎ ዘለኻ ሃጓፍ ኣይሰማምዓሉን እየ። ስለምንታይ ምትእስሳር ኣለዎም።ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን መንባብሮ ህዝብና ኣብቲ ዝኸፈአ ደረጃ እዩ በጺሑ ዘሎ።ከም ባኒ፤ ሽኮርን ካልእ መሰረታዊ ነገራት ሪጋ ሒዝካ ኢኻ ትወሰድ።ተቐማጦ ከተማ ኣስመራ ልክእ ከምቶም ነበርቲ ገጠር ተጸበይቲ ረድኤት ኮይኖም ኣለዉ።ኣብ ውሽጢ ከተማ ዘለዉ ብዓሎም ናይ ዓይኒ መሰካክር እዮም ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዘይሓላፍነታውን ሕልና ኣልቦ ዝኾነ ፖሊሲ እቲ ስርዓት ይሳቐይ ምህላዉ።

ሕቶ፡ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝተረሳዓኹም ተቃለስቲ ሕጂውን ዘተረሳዓኹም ተቛወምቲ ኢኩም ትባሃሉ። ናይዚ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ?

መልሲ፡እወ እቲ ቕንዲ ምኽንያት ካብቶም ንኤርትራ ዝገዝኡ ዝነበሩ ዝብገስ እዩ።ኣብ ግዜ ባረታዊ ቃልሲ ምዕራባዊያን ነቲ ቃልሲ የድንቕዎ ነይሮም፡ ሓንቲ ኣፍሪቃዊ ሃገር ነታ ሓንቲ ብኸመይ ትገዝኣ ብምባል።እቲ ጸገም ካብዚ ዝጀመረ እዩ። ንሕና ናጽነትና ዝረኸብና ብሓይልናን ብመስዋእቲ የሕዋትናን እዪ፡ በዚ ድማ እቲ ዝግባኣና ክብሪ ካብ ዓለም ረኺብና።ሎሚ ተጋደልቲ ናብ ጮቆንትን ቐተልቲን ኣብ ልዕሊ እቶም ደቆምን የሕዋቶን ምእንቲ ናጽነት ዘሰውኡ ተቐይሮም ንዝብል መን ይኣምን።ሎሚ እዞም ሰባት ዝኸፈአ ናብራ ከሕልፉ ምተገበአ ዶ? ስድራቤታት ኤርትራ ተበታቲኑ፡ ዝኾነ ሰብ ሓጎስን ጓሂን ናይ ስድርኡ ብሓባር ኣክንዲ ምክፋል ከምዝይምልከቶ ማዕዶ ማዕዶ ይርእዮ ኣሎ።ከምዝኽነ ኤርትራዊ እዚ ስርዓት ካብ ሰማይ ድዩ ወይስ ካብ ፕላኔት ኢለ ይሓትት።ካበይ እዩ መጺኡ ምስ እዚ ኩሉ ጭካነ ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ህዝቢ ቅትለት ዝፍጽም። መብዛሓቶ ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ከምእውን ኤርትራዊያን፡ “ነዞም ተጋደልቲ ዕድል ሃብዎም ነዞም ናጽነት ዘምጹ እንትይ ቅያ ክምዝሰርሑ ክትርእይዎም ኢኹም” ዝብል ነይሩ።እንተኾነ ግን ዘሕፍር ኩነታት እዩ ዘሎ፡ ካብ ደገን ወጻእን ኣንጻር እዚ ስርዓት።ህዝቢ ኤርትራ፡ ንቃልሱ ህያውን ዘይርሳዕን ዝገበረ እዩ። እዚ ተቓውሞ ኩሉ ዝሳተፎ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ዞባናን ዝቕይር እዩ።እቲ ግዜ ኣኺሉ እዩ ዲሞክራሲ ይመጽእ ኣሎ ናብ ኤርትራ፡ ኤርትራ ዓዲ ራህዋ፤ ፍትሕን ናጽነትን ክትከውን እያ።

ሕቶ፡ምስ ዞባውን ኣህጉራውን ዘለኩም ዝምድና ከመይ ይመስል?

መልሲ፡ንሕና ዞባውን ኣህጉራውን ጽቡቕ ዝምድን እዩ ዘለና ብፍላይ ፖሊሲ ናይቲ ስርዓት ዝምድናን ምስ ሱዳን ከዓሙቕን ክድልድልን ገይርዎ እዩ።ከምእውን ምስ ኢትዮጵያን የመንን ጽቡቕ ዝምድና ኣለና።ናይ ስርዓት ኣስመራ ዘምጾ ፍልልያት ምስ ጎራብቲ ኤርትራ ኣብ ሓደ ዕጽው ገዛ በይና ከምትተርፍ ገይርዋ እዩ።ኣብ መንጎናን ጎራብቲ ሃገርትን ዘሎ ምሕዝነት እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኢዱ ዘይአትወሉ እዩ፡ ብመሰረት እዚ ልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዘኽብራን ዝድግፋን እየን።ነቶም ኣብ ኣውሮጳ፤ ኣመሪካን ሃገራት ዓረብን ዘለዉ ኤርትራዊያን ኣብ ምልጋሰ ሕሳባት ንምቕያር ዲሞክራሲ ከምእውን ፖለቲካዊ ርክባት ምስ ጎራብትና፤ኣውሮጳ፤ ኣመሪካን ሃገራት ዓረብን  እጃሞም ከበርክቱ ንኣምን።እዚ ነቲ ስርዓት ካብ ኩሉ ርክባት ክንጽሎ እዩ።ስለዚ ኣብ ክሳዱ ኣትያ ዘላ ገመድ ንምስሓብ ኣሎ ዝባሃል ፋይላት ክንከፍት ኢና።

ሕቶ፡ ኣብዚ ቕረባ ማዕልታት እቲ ስርዓት ንመንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ማእከናት ዜና ክዘልፍ ይስማእ ኣሎ እዚ ከመይ ትርእዮ?

መልሲ፡ ሎሚ እዚ ስርዓት ቃልሱ ምሳና ኣይኮነን ኣንጻር መንግስቲ ኣመሪካ እዩ።እዚ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ እቲ ስርዓት ኣብ ናይ መወዳእታ ዓቕሊ ጽበትን ተስፋ ምቑራጽን እዩ ዝርከብ ዘሎ።ኩሉ ሰብ ከምዝፈልጦ ኣብ ዘሓለፈ ሽዱሽተ ዓመት እቲ ስርዓት ሰለስተ ኣስካሓካሓቲ ውግኣት ንኤርትራ ዘይርብሕ ኣካይዱ እዩ።ስለዚ ኤርትራ ኣብ ድቕድቕ ዝበለ ጸላም ተዋሒጣ እያ ዘላ ስለምንታይ እቲ ስርዓት ብኹሉ ሸነኻት ሓዊ ስለዝወለዐ።

ሕቶ፡ ምስ ሃገራት ዓረብ ዝምድና ናይ ምግባር ተኽእሎ ከዘሎ ይስማዕ እዩ።ንምንታይ እቶም ተቓወምቲ ውድባት ንምዕዋት ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ክጠማሉ ዘይደለያ?

መልሲ፡ ሃገራት ዓረብ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ማሕዙትን ደገፍትን ኤርትራ ነይረን።እዚ እቲ ሓቒ እዩ ኣብ መዝገብ ታሪኽ’ውን ሰፊሩ ዘሎ እዩ።እንትኾነ ግን እቲ ጉዳይ ድሕሪ ናጽነት ተቐይሩ ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዳግማይ ደም ምፍሳስ ከይኣትው ብምባል።በዚ ምኽንያት ምስትቓወምቲ ርክብ ኣይገበራን።ኣብ ልዕሊ እዚ  ምስዚ ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ ቕልውላው ክጸልውን ምጅማሩ፡ኣድህቦ እዘን ሃገራት ከምቲ ዝድለይ ኣይኮነን ስለምንታይ ናይቲ ስርዓት ፖሊሲ ንኻልኦት ዘየሳትፍ ገባቲ ብምኹኑ።በዚ ኣጋጣሚ ንኹለን ሃገራት ዓረብ ምስቲ ስርዓት ዝምድና ዘለዎን ኣብ ልዕሊ እቲ መንግስት ጸቕጢ ክገብራ ምእንታን ቕትለትን ማእሰርትን ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብል ይጽውዕ።

     ክቡር ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ነቲ ዝሃብካና ቃለ ምልልስ ብስም ተከታተልቲ የመስግን።የቐነለይ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2987

Posted by on Mar 13 2005 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net