ኣቓልቦ ዘድልዮ ጉዳይት(ንስደተኛታት ኣብ ሱዳን)

ያሲን    ብዓብደልዓዚዝ 

            

ሱዳን ሓንቲ ካብተን ንዉዕል ጀኔቫ ኣብ መፈለምታ ዝፈረመት ሃገር ኢያ.ካብ 1960 ጀሚራ ድማ ንመንግስቲ ሱዳን ወኪሉ ደንጋጊ ህግታትን ተግባርን ኣካል ዝኾነ ማለት ኮር(commissioner office of refugee) ኣቑማ.ካብ ሓፈሻዊ ዕላማታት ናይ ኮር ማእከላት ጥዕና ምድላው,ኣብ ማእከላት ስደተኛ ምቕባልን ዘድሊ ጠለባት ስደተኛ ምምላእ,ኣብ ቐዋሚ ቦታ ምስፋር,ኣህጉራውያን ማህበራትን መንግስታትን ሽግር ናይ ስደተኛ ንምፍታሕ እጃመን ከበርክታ ምስኣር ትግባረ ናይ ፕሮጀክትታት ምክትታል ምስ ሃገራዊ ስትራጂ ብዝሳነ መንገዲ ንኩሉ ንጥፈታት ኣብ ማዓላ ምውዓል ዝብል ይርከቦ.
 እዚ ዓይነት ዓላማታት ዝሃዘ ኣካል እምባኣር ኣብ ጉዕዙኡ ዝራኣዩ ጉድለታት ክህሉ ንቡር ኢዩ’ ሞ እቲ ኣጋዳሲ ዝብሎ ምርኣይ ናይቲ ጉድለትን ሃናሲ ነቔፈታ ምቕባልን ኢዩ.ኩላህና ከምዘይንስህቶ ኣብ ሱዳን ዝረኣ ዘሎ ለውጥታት ናኣና ስደተኛታት ው’ን ስለ ዝሰልወና(ምክንያቱ ናይታ ሃገር ህጊ ኣክቢርና ስለ ንከይድ)ናይ ግድን ይከውን ኣባናው’ን ለውጢ ክንደሊ ወይ ክህሉ.በዚ መሰረት ሓደ ስደተኛ ኣብ ሱዳን ነብሱ ክኪኢል(ከም  ኣህጉራዊ ዉዕላት ዚኢዝዞ መሰረት )ዝተግበረ ነገራት ክንድህስስ ክንፍትን.ሓደ ስደተኛ ነብሱ ኪኢሉ ክንብል እንተኾና ማዓልታዊ ድሌታቱን ጠለባቱን ብዘይ ሓገዝ ናይ ዝኾነ ኣካል ክኽእል ኣለዎ.ምስ እዚ ኩሉ ዝፈስስ ገንዘብ (ሐገዛት)ኣብ ማዓስከራት ዕዉት ዝኮነ ማዓልታዊ ሂወት ክሕለፍ ኣይተካእለን ክንብል ንኽእል.ናይዚ ጠንቒ ከኣ ንሱር መንግስታዊ ፖሊሲ ዘይምህላውን ዘይተሰንዓ ሓገዛት ናይ ኣህጉራውያን ኣካላትን ኢዩ.ዝናኣሰ መሬት እናሃብካ(ኣብ ገሊኡው’ን እዚ ዕድል ዘይርከቦ ኣሎ)ንዕቓበ ሓመድን ካልእን ምስ ማሕረስ ዝታኣሳሰር ኣቓልቦ ዘይምግባር ካብቶም ጉሉሓት ድኽመት ኢዮም.ሓደ ኣብ ማሕረስ ዝተዋፈረ ስደተኛ ግን እኹል ዝኾነ መሬትን ኣብ ምብጋስ እኹል ሓገዝን የድልዮ.እንተኾነ ኣብ ግብሪ እዚ ዓይነት ተርእዮ ክረኣ ኣይካአለን.
ሱዳን ካብ ኣመሪካ ዝዓበየ ሓገዝ ካብ ዝረክባ ዝንበራ ሃገራት ኢያ.ድሕሪ ናይ 1989 ዕልዋ መንግስቲ ግን ሰብኣዊ ሓገዛት ከንቆልቕል ተራእዩ.ነዚ ዝስዕብ ሰንተረጅ ንመልከት.
Table (3) : Budget Allocated by UNHCR for Sudan 1982-1996                                                  
Year
Number of Refugees
Assistance in US.$
Per Capita
1982
657,000
26,582,000
40.5
1983
674,000
31,423,000
46.6
1984
924,000
48,889,000
52.9
1985
932,000
103,352,000
110.9
1986
1,165,000
73,902,000
63.4
1987
1,056,000
45,099,500
42.3
1988
1,109,000
46,463,000
41.9
1989
1,064,000
38,455,000
36.1
1990
999,000
34,844,000
34.9
1991
1,030,447
21,952,000
21.3
1992
1,093,843
12,914,000
11.8
1993
1,045,372
6,911,000
6.6
1994
1,045,645
8,500,000
8.4
1995
1,023,186
7,119,953
7.2
1996
994,541
7,119,953
7.3
 
ብሓፈሻ ምስ ከምዚ ዓይነት ሓገዛት ናብራ ሓደ ስደተኛ ኣብ ማዓስከራት ይኹን ኣብ ከተማታት ለውጢ ኣይራኣየን ክንብል ንኽእል.ካብ ቐንዲ ምክንያታት ድማ ሓገዛት ግብራውንቶም ዝከታተል ኣካል ብዘርኢዮ ተግባራትን ዘይሙዑሩይ ሓገዛትን ኢዩ.ካልእ ከም ጠንቒ ናይ ዚ ክውሰድ ዝኪኣልው’ን ብሱዳን ተሽውዩ ዳርጋ ፍርቒ  ስደተኛ ኣብ ከተማን ሓውሲ ከተማን ይንብር ብምህላዉ ኢዩ.ህላውነት ናይዚ ስደተኛ እዚ ኣብ ከተማ ዘይሕጋዊ ምኮኑ ቡሩህ ኢዩ.ስለዚ ድማ ግዳይ ናይ ዝተፈላለየ ሕቶታትን ናሳ ጉልበት ኮይኑ ዝምዝምዝን ኣካል ኮይኑ ዝተርፍ.
ከም መተቓለሊ ክብሎ ዝደሊ
1,ሕግታት ናይ ስደተኛ ዳግመ ግምት ተገሪሎም እንተዝራዩ,ምክንያቱ ኣብ መብዛሕቱ ኩነታት ከም ንዕዘቦ ንሓደ ስደተኛ ከም ጊዝያዊ ተቐማጣይ (ስጋብ ኣብ  ሃገሩ ዘሎ ሰገም ዝፍታህ ዝሰንህ)ገርካ ምውሳድ ኣሎ.ኣብዚ ተሳብኦ እኮ እንተዘይብለይ እቲ ሽግር ማዓስ ይፍታህ ዝብል ግን ኣገዳሲ ኢዩ ስለዚ ሂወት ሓደ ስደተኛ ወይ ጊዜ ናይ ሓደ ሰብ ኣብ ምብኻን ዓቢ ተራ ኣለውሞ ፍታህ ክግበር ኣብ ኣጣማምታ ናይ ጊዝያዊ ፍታህን ቐዋሚ ዝኾነ ፍታህን.
2,ሱዳን ካብ 80ታት ጀሚራ ሓደ ንሱር ህጊ ኣብ ልእሊ ስደተኛ ኣይነበራን.እንታይ ዲኣ ሃይማኖታዊ ማዓቐኒታት ወሲዳ ሰብኣዊ ሓገዛ ትህብ ኔራን ኣላን.እንተኮነ ንሰብኣዊ ተግባራት ንፖለቲካዊ ረብሓታት ምውዓል ይራኣ ኢዩ,ስለዚ ኮር ካብ ፖለቲካዊ ዝንባለታት ወስዩ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ከድህብ ይላቦ።ሃናሲ ዝኮነ ርክባት. ኣብ ሞንጎ ኮርን ላዕለዋይ ተሰዋኢ ስደተኘታትን ክህሉ ይግባእ.ዘይምትእምማንን ምውንጃልን ተሪፉ,ኣብ ሞንጎኦም ጡቡቕ ዝኮነ ርክባት  ክህሉ ይግባእ. ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት እንተዘኣትዩ ክኣ እቲ ሽግር ከም ዝፍታህ ይታማመን.ንድህነትን ሽግርን ስደተኛ ክትብሉ ዘለኩም ሰገማት ክትፈትሁ ይላቦ
 
 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3000

Posted by on Dec 20 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net