ስለምንታይ ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር “ፈስቲቫል”

ፈስቲቫል ንዓበይቲ ፍጻሜታት ሃማኖት ባህሊ ፖለቲካ ንምዝካር ዝግበር ሰፊሕ ህዝባዊ በዓል እዩ። ትርጉም ፈስቲቫል እዚ ብምዃኑ ንሕና ኣንጻር ፍስቲቫል ኣይኮናን። በዚ ጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ተዋዲዱ ዝምወልን ዝቕስቀስን፡ ብስም “ፈስቲቫል” ዝተጸባበቐ ውራይ፡ ነቶም ቀንዲ ጠለባት ህዝቢ ንምጥምዛዝ ዝግበር ብተራ ጓይላን ዕብዳን ተጎልቢቡ ዝፍጸም ብምዃኑ ክንቃወሞ ባህርያዊ ኣዩ። ኩሎም ኩነታት ሃገርና ዘስቆርቁሮም ሕልና ዘለዎም ተቐማጦ ስግር ባሕሪ  ኤርትራውያን ኣብዚ ግዜ’ዚ ካባኦም ዝጥለብ ዝተሓተ ዕማም ብቅሉዕ ነዚ ሃገር ዝሸምም ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ምቅዋም እዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ብኣጋጣሚ’ቲ ንራብዓይ ዓመት ነካይዶ ዘለና ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ተቓውሞ ክዝከር ዝግበኦ ሽግራት ሃገርና ብዙሕ እኳ እንተኾነ ገለ ካብቶም ክጥቀሱ ዝግበኦም እዞም ዝስዕቡ እዮም።

ስርዓት ህግደፍ ብዘይ ቅዋም ሃገር ይመርሕ ኣሎ

ውልቀ መላኺ ሰርዓት ህግደፍ ዝጽደቐ ቅዋም ብምውጋን ሃገር ይመርሕ ኣሎ። ንኹሉ ኤርትራዊ ዝሕፍር ነገር እንተሎ ድማ፡ በዘይቅዋም ኣትመሓደ ሃገር ኣብ ዓለም ኤርትራ ንበይና እያ።ቃል ፕረሲደንት ሕጊ ሃገር ኣዩ።ሕልፊ አህዛብ ዓለም ዝተቓለሰን መስዋእቲ ዝኸፈለን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ፈቐድኡ ብዝተዘርበ ቃል ፕረስደንት ከም ትእዛዛት መልኮት ንህዝቢ ኤርትራ ይመርሕ ኣሎ። በዚ ባህርያት’ዚ ዝተዳለወን፡ ህዝባዊ መልክዕ ዘይብሉን ውራይ ህግደፍ ብትሪ ክንቃወሞ ንግደድ።

ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ኣርሜናዊ ስርዓት

ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክተከል ህዝባዊ ምርጫ ከካይድ ኣቀዲሙ ዝኣተዎ መብጽዓ እኳ እንተኾነ ድሌት ህዝቢ ጠሊሙ፡ ኣብ ቦትኡ ብረሲደንት ዝመርሖ ጭፍራ ኣረሜናዊ ስርዓት ተኺሉ ህዝቢ ከሳቕን ሃገር ኣብ ሓደጋ ከእቱን ይረአ ኣሎ። እቀዲሙ ከምዝተባህለ “ንዘይውክለካ ስርዓት ግብሪ ምኽፋል” ስለዝኾነ ነዚ ዘይሕጋዊ መደናገርን ስርዓት ንምቅላዕ ዝድሊ ጻዕሪ ክካየድ ኢዩ።

ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል

ምግሃስ ሰባኣዊ መስል ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝላዐለ ጥርዙ በጺሑ ኣሎ። ብቀጻሊ ምእሳር ዜጋታትን ብዘይ ፍርዲ ንዓመተት ኣብ ኣብያተ ማኣሰርቲ ምድጓንን ቀንዲ መለለዩ ናይ’ቲ ስርዓት እዩ። እዚ ተጻዋርነቱ ዘጥፈአ ስርዓት ኣብ ናይ ፖለቲካ ተቓወምቱ ከይተወሰነ፡ ብጃምላ ናይ ሃማኖት ተንቀሳቀስቲ፡ ፍትሒ ዝሓተቱ ወነንቲ መሬት ዓድታት፡ ወለዲ ኣብ ክንዲ ደቆም ወ ዘ ተ፡ ኣብ ደሴታትን ሰናጭሮን ይእሰሩ እለዉ። ኣተሓሕዛ ኣሱራትን ኣገባብ መርመራ እሱራትን ኣስካሕካሕትን ባርባራውያንን ምዃኖም ብተጥበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበረሰብ ዓለም በብግዚኡ ይረጋገጹ ኣለዉ። በዚ ተግባራት’ዚ ዝፍለጥ ስርዓት ኣብ ዘዳለዎ ውራይ ምስታፍ ኣነዋሪ ብምዃኑ ክኹነን ይግበኦ።

 

ምእጋድ ነጻ ፕረስ

ነተን ብሓርከትከት ሓድሽ ወለዶ ክዕንብባ ዝጀመራ ምልክት ዲሞክራስያዊ መስል ዝኾና ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው ናኣዳለውተን ኣብ ሚስጢራዊ ኣብያተ ማኣሰርታቱ ዳጒንዎም ይርከብ። ብተጣበቕቲ ነጻ ፕረስ ዝግባእ ኩነኔ ተግይሩ እኳ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ሃለዋት እቶም ግዳያት ዝተረጋገጸ የለን። ነዚ ናይ ሓሳብካ ምግላጽ መሰል ዓፊኑ ጓይላን ዳንኬራን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ስርዓት ንምልላዩ ፍሉይ ብልሒ ዘድልዮ ስለዘይኮነ በዚ ኣይንግራህን።

ውድቀት ቁጠባ

ኣብ ኤርትራ ኣፍራያይ ዓያዪ ግልበት እታ ሃገር ኣትያቶ ኣብ ዘላ ሽግር ኣብ ውትህድርና ተጸሚዱ ብምህላዉ፡ ቁጠባ ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣሎ ክባሃል ይካኣል።

ጥዕና ዘለዎ ናይ ቁጠባ ፖሊሲ ስለዘየለ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ኣውፈርቲ ርእሰማል ካብ ሃገር ክርሕቁ ይራኣዩ ኣለዉ። ኩሉ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ትሕቲ ጸቢብ ግጅለ ንረብሓ ህግደፍ ተቕርቒሩ ይጓዕዝ ስለዘሎ፡ ሃገራዊ ቁጠባ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ከንቆልቅል ይረአ ኣሎ። በዚ ዝሰዓበ ሕሰም መነባብሮን፡ ጥሜትን ኣብ ህዝብና ዓቢ ሓደጋ የንጻላሉ ኣሎ። እዚ እናረአኻን እናሰማዕካን ህግደፍ ኣብ ዝቓነየቶ ሙዚቃ ክትስዕስዕ ማለት፡ ጸበባን ሽግርን ህዝብና በዚ ዘለዎ ንኽቅጽል ምድጋፍ ከም ማለት ስለዝኾነ እይንውዕሎን።

ባህላውን ማሕበራውን ዕንወት

መንእሰይ ወልውዶ ካብ ትምህርትን ስልጠናን ተገሊሉ፡ ናይ ስራሕ ዕድል’ውን ብሰንኪ ውትህደርና ሰለዘይፍቀድ፡ ሃገርና ኣብ መጻኢ ዓቢ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ይጽበያ ኣሎ።ብዋሕዲ ሕክምናን ኣግልግሎትን ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ህጻናትን ኣዴታትን ኤርትራ፡ ሃገርና ዝተሓተ ኣገልግሎት ብምሃብ እትሳቐ ዘላ እያ። ስደት ከም ኣብ ግዜ መግዝእቲ ህዝቢ ይውሕዝ ኣሎ። እቲ ናይ ሕጂ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ዳርጋ ኩሉ ዝስደድ ዘሎ መናሰይ ብምዃኑ እዩ። ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ንሃገሮም ከይተመልሱ ኣዝዩ ከርፋሕ ናብራ የሕልፉ ኣለዉ ምስ ምንዋሕ ግዜ ባህሎምን መንነትምን ከይሃስስ ዓቢ ስክፍታ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ጉቦ ብልሽውና ወይ ብስልጣን ምብዕላግ ሽርሙጥና (5% ካብ’ዚኤን ትሕቲ ዕድመ) እና ዓበየ ይመጽእ ኣሎ። ሰብኣዊ ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ኣዝዩ ተደፊሩ ምህላዉ ይንገረሉ እዩ። ናይ ዘ ኤጅ ጸሓፊ ኣውስትራልያ ጋዜጠኛ ሃቭየር ላ ካና ንመዓስከር ሳዋ ጠቒሱ “ደቂ ኣንስትዮ ዝዕመጻሉ መዕስከር” ክብል ገሊጽዎ። ምስሊ ሃገርና እዚ ክንሱ ነዚ ብግቡእ ነኸይንርኢ ዝግበር መታለሊ ውራይ ህግደፍ ኣይንታይናን እዩ።

ዲፕሎማስያዊ ውድቀት

ኤርትራ ብሰንኪ’ዚ ከም ዕቡድ ከልቢ እንዳተናኸሰ ዝመርሕ ዘሎ ፕረሲደንት “ምስሓቕ ሽራፋት” ኮይና ኣላ ክበሃል ይከእል። ስርዓት ህግደፍ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ተባኢሱ ኣብ ዕጹው ማዕጾ በጺሑ ኣሎ። ንሕበራት ሃገራት ጠቕላሊ ጸሓፊኡ ኮፊ እናን  ንኤውረጳዊ ሕብረት ንመንግስቲ ኣመሪካ ንግብረ ሰናይ ማሕበራትን ካልኦት ዲፕሎማሰኛታትን ክጻረፍን ክዝንጥልን ይውዕል እሎ። ባዕሉ ብዝፈጠሮ ተነጽሎ ሃገርና ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ወዲቓ ትርከብ። መዓልቲ መጸ ዘስደምምን ኩነታት ሃገር ናብ ታኼላ ዝሸምም ወረ ምስማዕ ኤርትራዊ ለሚድዎ እዩ። ነዚ ብምኽዋል ህዝቢ ንምትላል ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ውራያት ዘየለ ሓሶትን ኣብ ሓቂ ዘይተሞርኮሰ መግለጽታትን ይገብሩ ኣለዉ። ነዚ ክትሰምዕ ብመራሕቲ ህግደፍ ኣብ ዝዳሎ ሰሚናራት ምስታፍ ካብ ነብስኻ ምትላል ሓሊፉ ካልእ መልሲ ስለዘይርከቦ ሎሚ መበል ራብዓይ ዓመቱ ተኾኒኑ እዩ።

ኮሚቴ ኤርትራውያን ኣብ ኣውስትራልያ ንፍትሕን ሰላምን

23/12/2005

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3011

Posted by on Dec 23 2005 Filed under Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net