ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቓ ብዝይካ ኣብ ኤርትራ

ኣቶ መሓመጣሃ ተወከል፡ ንሶማል ሞራላዊ ደገፍ ምሃብ ታሪኻዊ ግዴታ እዩ።

 

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር(ጋኢሰ)
ካርቱም

ዕለት መጋቢት 28,2005

ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ዓበይቲ ዲሞክራሲያዊ ለውጥታት ተራእዮምን ይራኣዩን ኣለዉ። እንተኾነ ግን ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዲሞክራሲያዊ ለውጥታት ንምትእትታው ጻዕርታት ኣየራአየትን።

    ጅቡቲ ፕረስደናታዊ ምርጫ ኣብ ዕለት 8/4/05 ንምግባር ምሉእ ምድልዋት ገይራ ኣላ።ፕረስደንት እታ ሃገር ኣቶ እስማኢል ዑመር ገለ ንኻላኣይ ግዜኡ ይወዳደር ኣሎ ክብል ዝበጽሓና ሓበሬታ ሓቢሩ።ከምዝዝከር ጅቡቲ ዲሞክራሲያዊ ምርጫን ብሰለማዊ ኣገባብ ምስግጋር ስልጣን ዘተኣታተወት ቐዳመይቲ ሃገር ኣብ ቐርኒ ኣፍርቃ እያ።ኣብ ግንቦት 2000 እዚ ሕጂ ዘሎ ፕረስደንት ኣቶ እስማኢል ዑመር ገለ ምስ መራሒ ተቓወሚ ጅቡቲ ኣቶ ሙሳ ኣሕመድ እስማኤል ተወዳዲሩ ከምዝተዓወተ ይፍለጥ።ኣብቲ ግዜ ፕረስደንት ጅቡቲ ዝነበረ ኣቶ ሓሰን ጉለት ድማ ነቲ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ብህዝቢ ንዝተመረጸ  ስልጣኑ ኣረኪቡ ተሰናቢቱ።

ኣብ 2004 ኣብ ኬንያ ታሪኻዊ ለውጢ ዝተራኣየሉ እዩ። ስልጣን ካብ ፕረስደንት እቲ ሃገር ዝነበረ ፕርስደንት ዳኒኤል ኣራፕ ሞይ ናብቲ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ብህዝቢ ዝተመረጸ ፕረስደንት ሞይ ኪባኪ ተሰጋጊሩ።እዚ ድማ ብሰላማዊ ኣገባብ ስልጣን ምስግጋር ዝተኣታተወሉ ዓብይ ዝላ ኣብ ታሪኽ ኬንያ እዩ።

 ከምዝዝከር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየድ ፕረስደንታዊ ምርጫ ኣቶ ግርማ ወልደግዮርጊስ ንፕርስደንት ነጋሶ ጊዳዳ ተኪእዎ።ኣብ ግንቦት15,2005 ዓብይ ምርጫ ባይቶ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ምዃኑ ምንጭታት ሓቢሮም።ኣብዚ ምርጫ ልዕሊ ዓሰተ ሽዱሽተ ሰልፍታት ክሳተፋ እየን።ነዚ ምርጫ ዕውት ንምግበር ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ዘይመንግስታዊ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ምርጫ ኣትየን ኣለዋ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ምርጫ ከምተዓዘብቲ ንኽሳተፉ ንብዙሓት ዕድል ከፊቱ ኣሎ ክብል እቲ ዝበጸሐና ሓበሬታ ይሕብር።ብመሰረት እቲ ሓብሬታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውድብ ሑብራት ሃገራት፤ ኣውሮጳዊ ሕብረት፤ ዞባዊያንን ኣህጉራዊያንን ማሕበራት ኣብዚ ምርጫ ንኽሳተፋ ኣፍቒዱ ኣሎ ኢሉ።

  ኣብ ቐርኒ ኣፍርቃ ካብ ዝተረእዩ ለውጥታት ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ሶማል ዝተገበረ እዩ።ስልጣን ብሰለማዊ ኣገባብ ካብ ፕረስደንት ዓብደልቓስም ሳላድ ሓሰም ናብ ፕረስደንት ዓብደላ ዮሱፍ ከምተሰጋገረ ይዝከር።ኣብዚ እዋን ብዛዕባ ሶማል ዝግደሱ ብሓባር ተጠርንፎም ኣብ ሶማል ዑደት ይገብሩ ምህላዎም ካብቲ ቦታ ዝበጸሓና ሓበሬታ ይሕብር።ዕላማ ናይዚ ልኡኽ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምሕያልን ሰላም ንምርግጋጽን ኮይኑ ድሮ እቲ ልኡኽ ኣብ ከተማታት ሞቓድሾ፤ ኣርጌሳን ጆሃርን ከምዝበጸሐ ተፈሊጡ ኣሎ።እቲ ልኡኽ ኣብ ዑደቱ ምስ ዝተፈላለዩ ሶማሌዊያን ከምዝተራኸበን ኣብ ርክባቱ ብዛዕባ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ሶማል ብፍላይ ኣብ ቐርኒ ኣፍርቃ ድማ ብሓፈሽ ተዘራርቡ።

 ጋልፍ ኢንፎርመሽን ሰንተር (ጋኢሰ) ነዚ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ዝግበር ዘሎ ለውጥታት ብፍላይ ድማ ኣብ ሶማል ይከታተሎ ኣሎ።ብመገዲ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ሶማል ከምእውን ዳይርክተር ጋኢሰ ነዚ ዓበይቲ ለውጥታት ጸባብ ንምግባር ኣብቲ ቦታ ይንቕሳቐሱ ኣለዉ።

ኣቶ መሓመድጣሃ ተወከል ዳይርክተር ጋልፍ ኢንፎርመሽን ሰንተር(ጋኢሰ) ኣብ ርግኣትን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ሶማል ካብቶም ዝግደሱ እዩ።ንሱ ካብቶም ቕዳሞት ጋዜጠኛታት ኣብ ሶማል ኣብ 1997 ዝነበር ፍጻሜታት  ካብ ውሽጢ ሶማል ብመገዲ ኣልጅዚራን ማዕከናት ዜና ዓረብን የማሓላል ምንባሩ ይዝከር። ንሱ ካብቲ ኣብቲ ግዜ ዝተገበረ ዓሰርተ ሰለስተ ዋዕላታት እተን ናይ መወዳእታ ከልተ ዋዕላታት ማለት ዋዕላታት ዓርታን ናይሮብን ሪፖርት ምግባሩ ይፍለጥ። ኣቶ መሓመድጣሃ ተወከል ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ምስ ተሌቭዥን ሃርጌሳ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ግዜጣዊ ዋዕላ፡ ሶማል ኣብዚ ደልዲላ ረጊጻትሉ ዘላ እዋን ፍሉይ መንግስቲ ካብ ሓሙሽቴአን ቀቢላታት ምምስራቱ ፍሉይ ሓይልን ደገፍን ዝህቦ እዩ ክብል ተዛሪቡ።ብምቕጻል ብመሰረት እዚ ድማ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ተዓዊታ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃን ዓለምን ግቡኣ ክትጻወት ክምትኽእል ኣስሚርሉ። ሶማሌያውያን ይብል ንሱ ኣብ ሓደ ሃገራዊ ዕላማ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ጽላል ምስምምዖም ንሶማል ካብ ሕንፍሽፍሽን ኩናት ኣውጺኡ ናብ ሰላምን ርግኣትን ዘምርሓ ዓብይ ስጉምቲ እዩ ኢሉ።

ብምቕጻል ሶማል ገባሪት ጽቡቕ ንሃገራት ቐርኒ ኣፍሪቃ እያ፡ ንኣብነት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝግበረቶ ሓገዛት ኣብ ምዕዋት ሰውራ ዓብይ ተራ ነይርዋ፤ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ማለት ነዚ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ኣንጻር መንግስቱ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ንምዕዋቱ ዓብይ ግደ ነይርዋ ከምእውን ናጽነት ጅቡቲ ኣብ ምምጻእ ተረኣ ዝተጻወትት ሃገር እያ ድሕሪ ምባል ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምርግጋእን ምዕዋት ዕላማታትን ሶማል ሞራላዊ ግዴታ ኣለወን ክብል ኣስሚርሉ።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3029

Posted by on Mar 28 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net