ጋዜጣዊ መግለጺ

ኣብ ልዕሊ ዲክታተራዊ ስርዓት ኤርትራ ፡ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተወስደ ማዕቀብ ፡

ብኣባላት ውድባት ኤርትራዊ ደሞክርስያዊ ኪዳንን በርጌሳዊ ማሕበራትን ኣብ ሃገር ሽወደን ከተማ ስቶክሆልም ዝተገብረ ሰሚናር ፡

ኣባለት ውድባት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ ማዕቀብ ምኽንያት ብምግባር ናይ ሓደ መዓልቲ ሰሚናር ኣካይዱ። እቲ ሰሚናር ንማዕቀብ ብይን ቁጽሪ 1907 ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ፡ ዓሙቕ ዘተ ብምክያድ፡ ሕጋውነቱን ኣድማዕነቱን፡ ኣብ ልዕሊ መሓውር ስርዓት ህግደፍን ገባቲ ፖሊስኡን ዘነጻጸረ ውሕሉል ማዕቀብ ብምዃኑን፡ ንጸረ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓለምን ግጉይ ፖሊስኡ ዝገትእ ከም ዝኾነ ተገንዚቡ። ምዕራፍ ቁ. 7 ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ብምኻድ ዘትይሉ።

እቲ ሰሚናር ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ መዝነትን ሓልፍነትን ፡ ንምሕላው ፡ ምኽባር ሰላምን ርግኣትን ኣብ ዓለም ዝወስዶ ስጉምትታት፡ ማዕቀብ፡ ምውፋር ዓቃብ ሰላም ከምኡ’ውን ወተሃደራዊ ምትእትታውን ከም ዘጠቓልል ርእዩ። ስርዓት ህግደፍ ሰላም ኣብ ምዝራግ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ብሓፈሻ፡ ከም ኣብ ሶማልን ፡ ኣብጂቡትን ብፍላይ ምትእትታው ከም ዝተጸምደ እቲ ሰሚናር ርእዩ። ንኹሉ ሰላማዊ ጻውዒት ሃገራት ኢጋድ፡ ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ጸማም እዝኒ ድማ ሂቡዎ። 

ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ይገብር ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ስርዓት ህግደፍ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስለዝኸልእ ዘሎ ማዕቀብ ክገብረሉ ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ። በዚ መሰረት ድማ ዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ፡ ነቲ ስርዓት ዝዓለመ ውሕሉል ማዕቀብ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተወሲኑሉ። እዚ ማዕቀብ’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ እቲ ሰሚናር ርእዩ። ምኽንያቱ ዝርዝራት ማዕቀብ እንተሪኢና ፡ ነቲ ብሕግን ቅዋምን ዘይከይድ፡ ብህዝቢ ዘይተመርጸ ኣካይዳን ንብረትን ዝገትእ ማዕቀብ ምዃኑ ሰሚናር ተገንዚቡ። ብኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ብጨቋንን ረጋጽን ዝኮነ ስርዓት ህግደፍ ኩሉ መዳያዊ ማዕቀብ ኣብ ህይወቱ ካብ ዝገብረሉ ሓያሎይ ዓመታት ከምዝገበረ ሰሚናር ኣስሚሩሉ።  

እቲ ሰሚናር ብስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኣንጻር ብይን ማዕቀብ ድማ ኣዕሙቑ ዘትይሉ። ስርዓት ህግደፍ ኣቓልቦ ኣብ ደገ ዝነብር ህዝቢ ንምጥምዛዝ ትርጉም ብይን ኣዛቢዑን ሓሶታዊ ፕሮፖጋንዳን ብምግባር ኣንጻር ብይን ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ንምግባር ህዝቢ የለዓዕል ኣሎ። እዚ ድማ ደገፍቲ ኣሎውኒ ንምባልን ንምርኣይን ከምኡ’ውን ገንዘብ ካብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብስም ሃገርን ሃገራውነትን ንምድላብ እንተዘይኮይኑ ፡ ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ ከምዘይብሉ እቲ ሰሚናር ተገንዚቡ። ብኣንጻሩ ከምዚ ዓይነት ሰላምዊ ሰልፊ ፡ ኣንጻር ጭቆና ስርዓት ህግደፍን ፡ ኣንጻር ግጉይ ናይ ወጻኢ ፖሊስኡን ገታር ዲፕሎማስያዊ ስትራተጂኡን ክኸውን ምተገበኤ። ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ከም ዝንጸል ዝገብሮ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተን ኣካይዳን ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ንጹግን ውጉዝን ኮይኑ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደላይ ሰላም፡ ፍትሕን ጽቡቕ ጉርብትናን ከምዃኑ ሰሚናር ተገንዚቡ።

ኣብ መደምደምታ፡ ተካፈልቲ ሰሚናር እዚ ዝስዕብ ምሕጽንታን ለበዋን ኣቕሪቦም።

  1. ተኻፈልቲ ሰሚናር ፡ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ተወሲኑ ዘሎ ማዕቀብ ፡ ’’ብምኽንያት ምዝራግ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’’ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍን መሓውሩን ዝተወስደ ውሳነ ይድግፍ። ኣብ ግብሪ ኣወዓዕሉኡ ብመሰረት’ቲ ውሳኔ ብጥብቂ ብኩለን ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ዓለም ክትግበር የማሕጽን።
  • ህዝቢ ኤርትራ ኣካል ህዝቢ ዓለም ከምዃኑ መጠን ፣ ኣብ ሃገሩ ፡ ሰላምን ርግኣትን፡ ምውጋድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ዕላማ ዘእተወ ክኸውን’ውን ተማሕጺኑ።
  1. ተኻፈልቲ ሰሚናር ፡ ብሰንኪ ውልቀ ምልካዊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘኸተሎ ዕንወትን ዘይምርግጋእን ኮኒኑ።
  2. ተኻፈልቲ ሰሚናር ፡ ዝሸባሸብ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ውጽኢት ኣልቦ ምዃኑ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡  ንምንዋሕ ጭቆና ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ዝዓለመ ብምዃኑ ኮኒኑ።
  3. ንምዕራባውያን ሃገራት ፡ ኤርትራውያን ዝመበቆሎም ዜጋታተን ኣብ ክንዲ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ማለት (ኣብ ክንዲ ማዕቀብ ዝተወሰኖሎም)  ኮይኖም ፡ ኣብ ሃገራት ምዕራብ እንዳ ዘወሩ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳን ኣብ ምእካብ ገንዘብን ካልእ ዘይሕጋዊ ነገራትን ዝዋፈሩ ዘሎዉ ክትትል ክገብሩሎምን ፡ ኣድላዪ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎምን ተካፈልቲ ሰሚናር ተማሕጺኖም ።
  4. ተኻፈልቲ ሰሚናር ፡ ንነፍስ-ወከፍ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠልብ ባእታ መኻዕበቲ ገንዘብ ስርዓት ህግደፍ ዝኸውን ክፍሊት ከይከፍል ምሕጽንትኦም ኣቕሪቦም፡ እቲ ምንታይ መናውሒ ጭቆና ህዝብና ስለዝከውን’ዩ።
  5. ተኻፈልቲ ሰሚናር ፡ ንመንግስትን ዘይመንግስታውያን ትካለት ሽወደን፡ ኣብ ሽወደን ዝግበሩ ሰሚናራትን ፈስቲቫላትን ብኢዳዙር መካዕበቲ ገንዘብ ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ስለዝኾነ ኣብ ምኽልካሎም ምስ ደሞክራስያውያን ኤርትራውያን ክተሓባበሩ ተማሕጺኑ።  
  6. ተኻፈልቲ ሰሚናር ፡ ንምኽልኻል ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክንዲ ኣብ ጎድኒ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ምዃን ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኮንኩም ክትምክቱ ተማሕጺኑ።
  7. ኣብ መወዳእታ ኣብ ሽወደን ግብራውነት ብይን ማዕቀብ እትከታተል ኣካል/ኮሚቴ ኣቊሙ።

 

 

ዕለት ፡ 20 ለካቲት 2010

ኣባላት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ጨንፈር ሽወደን ምስ

ምትሕብባር በርገሳውያን ማሕበራት ኣብ ሽወደን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=305

Posted by on Feb 21 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net