ዕንደራ ህ.ግ.ዲ.ፍ ሰዓብቱን !!

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

ዕለት 20 ለካቲት 2010

ጽባሕ ንግሆ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘናብሮም መሲልዎ ብዝሓት ሓላፍነት ዘይብሉ፡ ካብ ሕጊ ዝወጸ ተግባራት ክሰርሑ ይርከቡ ኣለዉ። ህ.ግ.ዲ.ፋያን ሂወት ኣሕዋቶም ከድሕኑ ዘየተጓየዩ፡ ሎሚ ግዜኡ ኣኺሉ በትሪ ናብ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ምስ ቀንዔ ተፋእና ኢሎም፡ ኩሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ይጽዕሩ ኣለዉ።

 

እወ ሓቃታቶም’ዮም። ከም’ስ፡ እቲ ምስ ምልካዊ ስርዓት ተሻርዀም ዝፈጸምዎ እከይ ተግባራት ንዘንተ ዕለት ዝጸንሕን ዝነብርን መስልዎም፡ ምልካዊ ስርዓት እንዳቀጥቐጠን እንዳኣሰረን ዝነብር መስልዎም፡ ዝዘመትዎ ንብረት ከይተሓተቱ ዝነብሩ መስልዎም። እንተዀነ ዓለም ንመን ምስ ተጸበየት’ሞ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከምኡ ቢሉ ክነብር። ኩሉ መዓልቲ ስለ ዘለዎ።

 

እቲ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ወለድን፡ ዓቕሚ ኣደም ዝበጽሑስ ይትረፍ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝገብርዎ ዘለዉ ተግባራት፡ ሎሚ ኣብ’ቶም ልቢ ዘይቆጸሩ ህጻናት ቆልዑ በጺሑ፡ ኣቦታቶም ኣደታቶም ከም ዘይቐተለን ከም ዘይሓየረን፡ኣብ ዘይሓጢኣቶምን ገበናቶም ንጽንባር፡ ካብ ቤት ትምህርቲ በዅሮም ንሰላምዊ ሰልፊ ዝዕድመ’ዩ።

 

ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ሎሚ ንመበል ካልኣይ ግዜ እዩ ንህዝቢ ንዑ ርድኡኒ፡ ንዑ ኣተዓሩቅ`ኒ ዝብል ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኤርትራ ካብ’ተን መዋፈርቲ ኣኽረርቲ ሓይልታት’ያ ተባሂላ ኣብ መዝገብ ኣኽረርቲ ምስ ተጸነበረት፡ ፕ.ኢ.ኣ ሕንኽ ከይበለ፡ ሰብኣይኩም ሰበይትኹም፡ ቆልዓኹም ሽማግለኹም ኣብ ኣደባባይ ወጺእኹም ተማህለሉ ዝበለ፡ እንተዀነ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣብ ደገ ወጺኡ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገበረ ኣይነበረን። ትእዛዝ መልኺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ተጣሒሱ። እዚ ጥሕሰት’ዚ ድቃስ ዘይህብ ብምንባሩ፡ ሎሚ ከይድገም መዝገባት ገቲሩ፡ ነቶም ቅድም ክብል ኣብ ሕማቕ ግዜ ሒዝዎም ኽጠፍእን፡ መጣፍእቲ ክኸውንዎ ኣብ’ቲ ናይ ብክሕደት ሃገሩን ህዝቡን ዝኣለሞ ጸይቂ ተግባራት ሽርክነት ከእትዎም ዝተራእየ።

 

እንሆ ሎሚ እዚ ድዩ ዘይዚ፡ መንገዲ ጥፋኣት መድሚዱ ዝጸረገ ስርዓት ውሑዳት ዘይኮኑ፡ ኣንጻር ህዝቦምን ሃገሮም ክዓጥቑ ከይሩ ኣሎ። እቶም ኩሎም ዘበን ውራ ውራ ነፍስኻ ኣይተዕብራ ኢሎም፡ ሰብኣዊ ሕልንኦም ቀቢሮም፡ ምእንቲ ገንዘቦምን ንብረቶም ምስኡ ክጓዕዙ ዝደለዩ፡ ወጠጥ ከፊእዎም ብዘይፈተውዎን ብዘይፈተውዎን፡ በታ ሓንሳብ ዝኣተዉዋ ናይ ጥፍኣት መንገዲ መምለሲ ሲኢኖምላ ይቕጽሉ ኣለዉ።

 

ዓለም ንህዝቢ ኤርትራ ኣይከሰሰን፡ ዓለም ንህዝቢ ኤርትራ ኣይኣገደን፡ ብኣንጻሩ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምልኪ ንኽገላገል፡ ካብ ጭቆናን ፍርሕን፡ ካብ ማእሰርትን ጭቆናን ንኽገላገል፡ ኣብ ልዕሊ ዕሉል ጨቛኒ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ እገዳ ኣዊጁ።

 

ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ከም’ቲ ኣብ ኢ.ጋ.ድ ኣብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዊን ከም ዝበሎ ዝሰርሖን ዝገብሮን ኣይኮነን። እገዳ ሕቡራት መንግስታት፡ እገዳ ማለት’ዩ። ዋዛ ኣይኮነን።

 

ኣብ ሕሉፍ ታሪኽና፡ ” ከም’ቲ ዘይወግሕ መስልዋ ኣብ ቦዅራ…..” ዝበሃል ምስላ ኣበዋት፡ ዘይወግሕ፡ ሰላም ዘየምጽእ መሲልዎም፡ ብዙሓት ምስ በዓል ኮሌ/ መንግስቱ ሃይለማርያ ኣብ ኣደባባያት ኣስመራ ዓንዲሮም። ሰባት ኣሲሮም፡ ረሺኖም፡ ገዛ ገዛ እንዳኸዱ ዘሚቱ። ንዝጸልእዎ ሰብ ብፖሊቲካ እንዳኸሰሱ ኣጥፊኦም። ንሰብ ጸጋ ትድለ ኣሎኻ ውጻእ እንዳበሉ ንብረቶም ዘሚቶም። ሰብ ኣበሳቢሶም። እዚ ኩሉ ገይሮም ኣብ ከርሲ፡ ኣብ ውሻጠ ኣስመራ፡ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ መሬት ኣይትጽርና እንዳበሉ ይኸዱ ምንባሮም ምዝካር እኹል’ዩ።

 

ሰብ መዓርግን ሽመትን፡ መሓዙትን ደገፍትን ደርግ ብምኳኖም ጥራሕ ኣብ መንገዲ፡ ኣብ መዘናግዒ ቦታታት፡ ንሰባት ጠሚትኩምኒ እንዳበሉ፡ ይኣስሩን ይርሽኑነ ነበሩ። ንወራዙት ተመሃሮ ኤርትራውያን ፈቲናክን እንዳበሉ ብዘይፍቃድ ስድራ ቤትን ንመርዓን ደርዓን ኣገዲዶም፡ ንክንደይ ስድራ ቤታት ሰሎሎ ኣእትየሙሎም ከም ዝነበሩ ምዝካር የድሊ።

 

ሳላ እቶም ሂወቶም ዘይበቀቝ ጀጋኑ ስውኣትና ኤርትራ ሓራ ወጺኣ፡ ወይጦታት ደርጊ መሬት ክደንኒ ክብሉ ጀመሩ፡ መሬት ቀዲድም ከውሒ ፈንቒሎ ክኣትው ደለዩ፡ እንተዀነ ግን ቅድም ዘይተግብረ ሽዑ ትኣምር ክፍጸም ዘየክኣል ኮይንዎም።

 

ሎሚ’ውን ከም’ቲ ዝሓለፈ ኩሉ ክሓልፍን ክወግሕን’ዩ። እንተዀነ ንሕና ክወግሕ’ዩ ኢልና ከይተጸበና፡ ንህዝብን ሃገርን ንምድሓን፡ ንቕሓት ተዓጢቕና፡ ንህዝብና ከነንቕሕ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ህንጻ ሓዳስ ዲሞክራሲያዊ ኤርትራ ህዝብና ክንዮው ምልካዊ ስርዓት፡ ናብራ ሰላምን ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ይጽበዮም ከም ዘሎ እንዳሓበርና፡ ምስ ጻዕረ ሞት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክንጋየ`ይ ኢና።

ምእንቲ’ዚ ብእዝኖም ተወጢጦም ንዝኸድዎ ጉዕዞ ጀነቫ ዘይኮነስ፡ መወዳእታ ኣድማስ መሬት እንተብጽሑ’ውን ናብ ዘብልዎ የብሎምን።

 

እዚ ጉዕዞ ሰዓብቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ሂወተይ ሰሚዔዮ ካብ ዘይፈልጥ፡ ጉዕዞ ጥፍኣት፡ ጉዕዞ ሕፍረት፡ ግዕዞ ድንቝርና፡ ጉዕዞ ስርኽነት ዕዳጋ ምልኪ፡ ጉዕዞ ኣንፈት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ሃልኪ ምዃኑ ጥራሕ’ዩ ዘመስክሮ’ዩ።

 

ክንዕወት’ና

Short URL: https://english.farajat.net/?p=306

Posted by on Feb 22 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net