መዂባዕቲ ጥቅምቲ 05-06

ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ (ክ. ዜና)
 
ታሪኽ ምልስ ኢልና ብምዝካር ቅድሚ ሓደ ትውልዲ ብ 1978 ዓ.ም. ብትኽክል 28-29 ዓመት አቢሉ ይኸውን፡ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ኣስጋኢ ፖሊቲካዊ ሕልኽልኽ ኣትዩሉ ኣብ ዝነበረ መድረኽ፡ ብሓደ መንገዲ ናይ ጽንዓት፡ ብጎኒ-ጎኑ ድማ ናይ ዘለቕለቕን ቀልባዕባቕን ጒንብሕ-ጒንብሕ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ መዂባዕቲ ሰውራና ዘይትብተኽ ጭራ ትብል መዝሙር ተወሊዳ ነይራ። እታ መዝሙር ገና ህያው ስለዝዀነትስ ሕጂ’ውን ሓሓሊፍናስ ንዝምራ ኢና።

ሎሚ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ናይ ለውጢ ቃልስና ኣብ ብዙሕ ፈተነታት ይርከብ ከም ምህላዉ መጠን ኣብ መድረኽ ጽንዓትን ዘለቕለቕን ስለእንርከብ ንመድረኽ ምስግጋር ምእንቲ ከንበቕዖ መዂባዕቲ ሰውራና ክንዝክር ንግደድ። መዂባዕቲ ሰውራና መወዳእታ ዘይብሉ ግሁድን ዘይግሁድን ሕርኽራኻት ወጊና ኣብ ሃገራዊ ነጻነት ከም ዘብጽሓትና ኩላትና እንኣምኖ ታሪኽ ኢዩ። ኣብ ተጋድሎ ሂወት ሕ/ሰብ ንቕድሚት ክትስጒም ክትብል ከለኻ ምስ ዝተሓልፈ ተመኲሮ ዝመሳሰል ማሕለኻታት መስዘጋጥም ምኽሪ ምእንቲ ክትልቃሕ ታሪኽ ክትዝክር ግድነት ኰይኑ ትረኽቦ። ሕጂ ክኣ ታሪኽ-ታሪኽ ስለዝሰርሕ፡ መዂባዕቲ ሰውራና ክንድቲ ናይ ቅድምን ልዕሊኡን ግለት ጎሓሒፋ ናብ ፍረ ሃገራዊ ነጻነት (ደሞክራሲያዊ ለውጢ) ከተሰጋግረና ስለ ዘድለየትና ንምለሳ ኣለና።

ኣብ ቅልውላው ናይ ውድቀት ዝርከብ ጨቋኒ ስርዓት ከም ነብሰ-ጾር ቃሕታ ክቐያይር ግድን ስለዝዀነ ብዝተፈላለየ መልክዓት ፎቖድኡ የንጸባርቕ። በብዓይነቶም ዝተፈላለየ ስልትታት ዝጥቀሙ ካብ ሓደ ስትራተጂ ዘይወጹ ምስሌነታት ምውፋር፡ ጥንቁቝ ፖሊቲካዊ ገምጋምን ምክትታልን ዘድልዮ መልእኽትታት ምፍናው፡ ሓደስቲ ፖሊቲካዊ ባእታታትን ጒጅለታትን ምንቅስቓሳትን (ተቓወምቲ መሰል) ምጽፋይ፡ ካብ ተሪር ጸረ-ምልካዊ ኣገባብ ኣቀላልሳ ሸታሕ-ታሕ ዘብል ቃራና መንገድታት ምህንዳስ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፖሊቲካዊ ውደባታት ናይ ምዝላቕን ተዋጋይን ኣተሓሳስባታት ከምዝሰልዂን ከምዘዕገሽግሽን ምግባር፡ ተሪር ጽገናዊ ኣረኣእያ ምስፋል (ንኣብንት፡ ናይ ሓይሊ መኸተታት ኣብ ዝርኣየሉ ግዜ ዝነበረካ ናይ ምዂናን መርገጽ ከም ዘይሰማዕካን ከምዘይረኣኻን ተጓዕጺጽካ ምሕላፍ፡ ንጽገናዊ ኣረኣእያታት ብ “ሰላማዊ ኣገባብ” ቃልሲ ኣጎልቢብካ ከም ቀዳማይ ደረጃ ናይ ቃልሲ እንዳበልካ ብምዓር ኣልሒስካ ዓንዴልን ዕረን ዓያሹ ንኽውሕጥዎ ምጥባብ ዝኣመሰለ ወፍርታት ከካይዱ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ይርከቡ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ ዝልቀብ ነገራት’ውን ኣሎ፦ ብገነታዊ ፍልስፍና መንግስቲ ምፍራስን ምህናጽን፤ ኣመሓደርቲ ምውራድን ምድያብን፡ ንዝኣረገን ዝተመንወን ውልቀ-ውድባዊ ትምክሕቲ ብመልክዕ ጽገና ሂወት ክትዘርእ ፋሕተር-ተር ምባል ወዘተ…መዕለቢ ዘይብሉ ኣብ ሃዋሁው ምዝንባይ ዝዓይነቱ ሕልምታትን ዓቕሊጽበታዊ ሃተፍተፍ ምውፋርን ዘመተ ምክያድን ዝኣመሰለ ሓልዮት ዝተጎልበበ ናይ ጸር-ጸር መልእኽትታት ከምዝዝራእ ምግባርን ኢዩ። ንኽትከታተሎን ክትቋጻጸሮን ክትምክቶን ቀሊል እኳ እንተዘይኰነ፡ ኩሉ ንጥቕሙን ንዝምባሌኡን ክሳዕ ዓወት ወይ ስዕረት ከምዝስዋእ እንተ ተረዲእካ ግን ዘሰምብድ ስለዘይኮነ ንግዚኡ ከምቲ ዝብኢ ዝበሎ “ዓርከይ ህበይ ስጋ ተሰኪምኩም ናበይ”? አልካዮም ክሕለፍ ይከኣል ኢዩ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓደገኛ ማዕበል ኣብ ዝዝምብየሉ እዋን፡ ብምግስጋስ ዝግለጽ ፖሊቲካዊ ሓይሊ ንፖሊቲካዊ ዕላማታቱ ንምዕዋት ብኣረዳድእኡ ኣብ ውሽጢ ኣወዳድብኡ ክህልዉ ንዝኽእሉ በሰር-መሰር ገፈል-መፈል ሕርኽራኻት ንምዝቛቝ ፖሊቲካዊ መዂባዕቲ የድልዮ። ምሉእ ፒራሚድ ናይ ሓደ ፖሊቲካዊ ውድብ ኣበየ መድረኻቱ ንፖሊቲካዊ ምሽምሽና (ሰበባ) ከከም ኣድላይነቱ ብፖሊቲካዊ መዂባዕቲ እንተ ዘይገፊፉዎ መደብ ዕዮታቱን ፖሊቲካዊ ውሳኔታቱን ትርጒም ዘይብሎም እኩብ ፊደላት ጥራይ ኰይኖም ይተርፉ።

ሎሚ ጸገንቲ ን ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ቀዳማይ ምርጫ ኢዩ ናብ ዝብል ክስሕብዎ ይፈታትኑ ኣለዉ። ብኻልእ ኣዘራርባ ብሓይሊ’ውን እንተ ተረኺቡስ ኣይምጸላእናን ናብ ዝብል ትርጒም ከስምዕ’ሞ ብምድህላል ግዜ ክዕድጉ ክህቅኑ ከለዉ ዘርኢ ስእሊ ኢዩ። ብሓቂዶ ኣቆጻጽራኸ ይኽእሉ ትብልዎም? ዋላስ ነዚ ህዝቢ ኢዮም ዓቕምታቱ ደንዲነሞ? እቲ ናይ ሃገር ሚንስተራትን ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ተመሃሮን መንእሰያትን ናይ ምሉእ ክፍልታት ሕብረተሰብና ኣቤቱታ ተቐቢሩን ተመቝሑን ዘሎኸ መበል ክንደይን ኣየናይ ደረጃ ቃልስን  ክብሉና ኮን ይዀኑ?

ኣብዚ ግዜ’ዚ ብዙሕ ፖሊቲካዊ ህጁማት ይካየድ ስለዘሎ፡ እዋኑ’ውን ስለዝዀነ ፖሊቲካዊ መዂባዕወቲ ዘየዘውትር ውድብ ውድባዊ ጽንዓት ኣለኒ ክብል ከሸግሮ ኢዩ። ውድባዊ ጽንዓት ምስ ሓለዋ ውድባዊ ፐሮግራምን ፖሊቲካዊ ውሳኔታትን ዝተኣሳሰረ ኢዩ። መደብ ዕዮን ፖሊቲካዊ ውሳኔታትን ከም ውጽኢት ጒባኤታት ናብ ህዝቢ ክትዝርገሖ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ክቡር ናይ ዓወት መተዓየዪ መጠን ብዝምድናታት ይኹን ብኣሰራርሓ ካብ ተጻባእትን መዛናባዕትን ሓይልታት ከተግልሎን ብጽልዋ ናይ ሰዳዕቲ ከይጥቃዕን ከይብከልን ክትከላኸለሉን ይግባእ።

ንመደብ ዕዮን ፖሊቲካዊ ውሳኔታትን ክተከላኸለሉ ከለኻ፡ ኣብ መንጎ መራሕትን ተመራሕትን ዘሎ ርሕቀት ብኣፍልጦን ስነ-ኣመራርሓን ክፈላለ ዝኽእል እኳ እነተዀነ፡ ብምትእምማንን ጽንዓትን ተግባራዊ ሓቅነትን ግን ሕደ ወይ ድማ ብዝለዓለ ደረጃ ኣዝዩ ዝተቐራረበ ክኸውን የድሊ። መራሕትን ተመራሕትን ናይ ምምርራሕን ምስዕዓብን ጠባያትን ኣሰራርሓን እኳ እንተሃለዎም፡ ተመጋጋቢ ሂወት ክህልዎምን ተኣማንነት ከማዕብሉን ብምሉኣቶም ተገዛእቲ ናይ ሰውራዊ ሓቅነት ኣብ ዝዀንሉ እዋን ጥራይ ኢዩ ሓለዋ መደብ ዕዮን ፖሊቲካዊ ውሳኔታትን ክረጋገጽ ዝኽእልን እታ መዂባዕቲ ናይ ሰውራ (ለውጢ) ኣብ ስራሕ ምህላዋ ዝፍለጥን። እዚ ጽፉፍን ጥንቁቕን ኣገባብ ቃልሲ ክኣ ኢዩ ንመንገዲ ዓወት ብሩህ ዝገብሮ።

ፖሊቲካዊ መደብ ዕዮን ፖሊቲካዊ ውሳኔታትን ብዓቲ ወይ መሕብኢ ናይ መራሕቲ ኣካላት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፡ ንመራሕቲ ናብ ተጸበይቲ ናይ ዝዀነ-ይኹን ዝበረቐ ምናልባትነት ይቕይሮም። ናይ ኣመራርሓ ድኽመታት ብምጽቃጥ ይጒልበብ እሞ ንተመራሕቲ ናብ ፖሊቲካዊ ስኽፍክፍ ኣእትዩ ናይ መርገጽ ብጭቕታ ከስምዑ ይደፋፍእ። እዚ ሓደ ተርእዮ ካብቲ ምልክታት ምስግጋር መድረኽ (መርገጽካ ምንጻር) ኰይኑ ምስ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ ሃለዋት ዝመሳሰል ኢዩ። ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ (ሰ.ጒ.ኤ.) ኣቐዲሙን ሕጅን ዝከታተሎ ዘሎ ጒዳይ ከም ምዃኑ መጠን ክኣ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ነመደባቱን ውሳኔታቱን ከከላኸልን ከዐውትን ምእንቲ ክበቅዕ መዂባዕቲ ናይ ሰውራ ክጥቀም ከም ዝግባእ እዋናዊ ጠለብ ምዃኑ ከዘኻኽር ይፈቱ።

ንጹር መደብ ዕዮኻን ፖሊቲካዊ ውሳኔታትካን ብየማነ ጸጋም ክገላታዕ ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጹር ንዕኡ ዘይመስሉ ዝምባሌታትን ሓይልታትን ኣትዩ ክኽበብ ከሎ ቅልጡፍ መዂባዕታዊ ረድኤት እንተዘይተረኺቡ፡ ገለ ካብ ኣባላቱ ውዒሎም ሓዲሮም ናብ ፖሊቲካዊ ቀባሕ-ባሕ ከምዝዛዝዉ ዝገብር ጽልዋታት ይፍጠር። እዚ ሓደጋ’ዚ’ውን ናይ’ዚ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ ምስግጋር ተርእዮ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ሂወት እንተድኣ ተሳሊኻ ካብቲ መጻወድያ ክትወጽእ ዘሎ ኣሉታዊ ሳዕቤንን ክሳራን ኣዚዩ መሪር ኢዩ። ዝዀነ ውድብ ምስ ንጹር መደብ ዕዮታቱን ፖሊቲካዊ ውሳኔታቱን ብዝተፈላለየ ኣገጣሚታት (ህልኽ፡ ቀቢጸ-ተስፋ፡ በለጽ፡ ዘይብቕዓትን ጸቢብ ራኢን ናይ መራሕቲ ኣካላቱ ወዘተ…) ኣብ ጸገም ክቕርቀር ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣባላቱ ዕላምኦም ብስድዓትን ስዕረትን ከይዛዘም ኣትሪሮም ክጥንቀቑን ክቃለሱን መዂባዕቲ ሰውርኦም ክዝክሩን ክጥቀሙን የድሊ።

ሓደ ፖሊቲካዊ ውድብ ወይ ፖሊቲካዊ መራሒ እንተድኣ ስትራተጂ ስሒቱ ብፖሊቲካዊ ክሳራ ተኸቢቡ ናብ ውድቀት ተገማጊሙ፡ ኪኖ ክሳርኡ ክጥምት ቀሊል ኣይኮነን። ነዚ ትንሳኤ’ዚ ዝበቕዕዎ ውሑዳት ጥራይ ኢዮም። ኣብ ናይ ፖሊቲካ ዓለም ንፖሊቲካውያን እቲ ዝዓበየ ክሳራ ፖሊቲካዊ መስመር (ስትራተጂ) ምስሓት ኢዩ። ኣብ ቃልሲ ፖሊቲካዊ ዝምድናታት (ዘተ፡ ስምረት፡ ስሙር ግንባር፡ ወዘተ…) ከገባደድ ዝክኣል ፐሊቲካዊ መስመር ምስ ዘይሰሓትን ምስ ዘይዛናባዕን ጥራይ ኢዩ። እቲ ካብዚ እምንቶ’ዚ ወጻኢ ዝዀነ ስጒምትታት ኩሉ ዕድሚኡ ካብ ተግባር ወጻኢ ምስ ኣኼባታት ጥራይ ዝተኣሳሰረ ኢዩ። ወጻኢ ካብ ኣኼባ ኣበየነይተን ስዓትን መዓልትን ወርሕን ከምዝዝረግ ፍሉጥ ኣይኮነን። ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ ንተሞክሮታት ፖሊቲካዊ ዝምድናታት ብመጽናዕቲ ስለዝበጽሖ ትምህርታዊ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ስግጥ ኣይብልን።

ሕጽረት መብዛሕትኦም ፖሊቲካውያን መራሕቲ ንዘይዕግበታቶም ኣብ ኣኼባ ሸለል ብምባል ክሓልፍዎ ከለዉ፡ ኣብ ድሕሪ ኣኼባ ድማ ብተግባር ዘንጸባርቕዎ ምዃኖም ኢዩ። እቲ ንለውጢ ዝጽበ ብዓል ተስፋ ውጹዕ ህዝቢ ድማ ኣብ ውሳኔታት ጥራይ ብምጥማት ከምዚዶ ኣይበልኩምን ክብል ወዮ ናይ ፖሊቲካዊ ዝምድና ተበግሶ ናብ ውድባዊ ዕግርግር ይቕየር። እዚ ዘለናዮ መድረኽ ምስግጋር ነዚ ዝተባህለ ሓደጋታት ከጠቓልል ስለዝኽእል ብሓቂ ዘይትብተኽ ጭራ ዘለዋ መዂባዕቲ ከተድልየና ኢያ። ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ ካብ ተመኲሮ ዘተታት ውድባት ኤርትራን ዓለምን ብምግንዛብ ብፍላይ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ምድረኽ ምስግጋር (መርገጽካ ምንጻር) ንፖሊቲካውያን ተቓለስቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን ናይ ዘተ ወቕቲ ካብ ፖሊተካዊ ምስመሮም ወጻኢ ብዝዀነ ኣገባብ “ተዓጻጻፍነት” ብዝብል ምኽኒት ኣብ ዘየዋጽእ በካሊ ናይ ዘተ ዕንይንይ ከይኣትዉ የመላኽት።

ኣብ ቃልሲ ትብዓት ይኹን ሕመቕ፡ ጽንዓት ይኹን ክድዓት ተመሓላላፊ ስለዚኾነ፡ ካበይ ጽንዓትን መንፍዓትን ከምእትሰንቕ ብመን ክኣ ብሕመቕን ክድዓትን ከምእትልበድ ክተፈልጥ የድሊ። ሕጽረታት ብምሽፋን መንፍዓት ክስነቕ ክፍተን የብሉን። ምኽንያቱ ጽንዓትን መንፍዓትን ትብዓትን ኣብ ልዕሊ ሰረት ናይ ሕመቕን ሕጽረታትን ክንደቕ ስለዘይክኣል ውጽኢቱ ሃደሽደሽ ኢዩ። ስለዚ ፖሊቲካዊ ዝምድናታት ናይዚ መድረኽ’ዚ ማለት በዙሕ ተጻብኦታት ከቢቡና ስለዝርከብ ብሓያል ፖሊቲካዊ ጥንቃቐ (መዂባዕቲ) ክንሕልዎን ከነጻርዮን ይግብኣና።

ዓወት ዝዀነ ይኹን ውድብ/ሰልፊ ከምኡ’ውን ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ፡ ብናይ ባዕሉ ውሱን ወይ ድሩት ዓቕሚ ዝዛዘም ኣይኮነን። እቶም ካብ ዕለት ናብ ዕለት እንዳ ተዋህለሉ ዝኸዱ ብመዂባዕቲ ዝሓልፉ ናይ ቃልሲ ኣሃዱታት ኣብ ናይ ሓባር ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ኣብዝሰጋገርሉ እዋን ጥራይ ኢዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። እዚ ክውንነት’ዚ ክትርጎም ጠለብ ናይዚ ዘለናዮ መድረኽ ምዃኑ ነፍሲ ወከፍና ከለልዮ ይግባእ። እቲ መስርሕ ተጀሚሩ ምህላዉ ኣቐዲምና ዝሓበርና’ኳ እንተዀንና እቲ መዂባዕቲ ከይርሳዕ’ውን ከነዘኻኽር ከም ሓላፍነት ንወስዶ።

እዚ ምስ እንገብርን ኣብ ስምረት ሓይልታት ሰውራ (መሰረታዊ ለውጢ) ተኣማሚንና ቀላጽምና ምስ እንግትርን ጥራይ ኢና ነዚ መቕንዓት ክብረት ህዝብና ዝቐንጠጠ ስርዓተ-ሽፍታ ወይ ናብ ምብራሩ ወይ ናብ መቓብሩ ከም ዘንከራሩ ክንገብሮ እንኽእል። ቀላጽም ስምረት ሓይልታት ሰውራ ንስርዓት ምልኪ ኣበየናይ ብልዕቱ ከም ዘትክላን ምዓስን ኣበይን ከም ዝዀነ ነተን ቀላጽም ስለ ዝምልከት ኣብ ዕዳጋ ዝወርድ ትሕዝቶ ኣይኮነን። ገለ-ገለ ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰውራዊ ዕማም ያኢ ቀሊል ኰይኑሰ ብዎርክ ሾፕ ደረጃ ናብ ዕዳጋ ዘቕርብዎ ኣይተሳእኑን። ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ንዅሉ ክዝርጋሕ ከሎ፡ ናይ መጥቃዕቲ መደብ ዕዮ ኣብ መደበር ከም ሓራጅ (Garage sale) ኣይብተንን ኢዩ። ኣብ ክውንነትና ንስተራተጂ ናይ ሓይሊ ከም ካብ ሳሕልን ባርካን ተበጊስካ ካብ 1961 ካሳዕ 1991 ዝተኼደ ከይዲ ጌሮም ዘይመልክዑ ከትሕዝዎን ግርጭት ኣራቢሖም ጽገናዊ ራዒዲ ከመሓላልፉ ህርድግ ዝብሉ ስለ ዘለዉን፡ ካብዚ ፍልስፍናዊ ፌራ’ዚ’ውን መዂባዕቲ ሰውራ ክትጥንቀቕ ኣለዋ።

ነፍሲ ወከፍ ውድብ ንክብረት መደብ ዕዮታቱን ፖሊቲካዊ ውሳኔታቱን ናይ ተግባር ዕቃቤታቱን ተኣዋዲ ክኸውን ምክትታል ክግበር ኣለዎ። ፖሊቲካዊ መደብ ዕዮኻን ፖሊቲካዊ ውሳኔታትካን ናይ ተግባር ዕቃቤታትካን ዘይተኽብር እንተድኣ ኰንካ ማዕረማዕሪኡ ፖሊቲካዊ ክብረትካ ይገሃስ ምህላዉ ክዝንጋዕ ይብሉን። ኩሉ ተደማሚሩ ድማ ንኽብረት ህዝቢ ኣብ ሕሱር ፖሊቲካዊ ዕዳጋ ስለ ዘውርዶ፡ ነዝን ወድ-ኸምዝን ኣብ ግምት ብምእታው ፖሊቲካዊ መዂባዕቲ ከነዘውትርን ኣሰጓጒማና ኣብ መስትያት ኣእምሮና ክንርእን ክንበቅዕ ኣለና።

ዝኽሪ ንስዉኣት! ዓወት ንውጹዓት!

ሰ.ጒ.ኤ. (ከፍሊ ዜና)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3093

Posted by on Oct 8 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net