ልብ-ወለድ በትሪ ጽገናውያን

መስከረም 19-2006
ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ
 

እታ ብእትዝርግሖ ልብ-ወለድ ናይ ፈጠራ መልእኽትታት እትኽሻሕ ልሳን ጽገናውያን ብናይ ገዛእ ርእሳ በትሪ እንዳተሃርመት ክትከይድ ኢያ። በትሪ ጽገናውያን ክተግህድ ከላ መለለይኣ ናይ ሓሶት ወፈራ ኢዩ።

ኣብ ዘለናዮ እዋን ጽዕጹዕ ወፈራ ናይ ኣገጣጥማ ቃልሲ ኣብ ኣገባብ ጸረ-ምልካዊ ተቓውሞ ኣብ ዝጥለበሉ፡ ተቓወምቲ ኣብ ሰለስተ መኣዝን ናይ ተገታተር ንርከብ ምህላውና ክንፈልጥ ይግባእ። ቀዳማይ እቲ ነዚ ስርዓተ-ምልኪ ብዘየማትእ ንምምሓው ሓይሊ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽውዕ፡ ካልኣይ እቲ ንዝማህመነ ማእለማ ህግደፍ ሸቓቒጡ ንዝኣረገ ድስቲ ህግደፍ ኣለሓሒሙ ንሂወት መለኽቲ ከሳሊ ንጒዕዞ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክቐጽን ንቓልሲ ውጹዓት ክጨውን ፋሕተርተር ዝብል፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ዳሜራ ናበይ ወደቐት እንዳበለ ብቓላት ከደናግርን ክሕጸብን ጭቃ ክጽየቕን ንየማነ-ጸጋም ክከላበትን ዝውዕልን ዝሓድርን ዘሎ ዝመባሌታት ኢዩ።

እቲ ሳልሳይ ተበላጺ ዝምባሌ ብመንፍዓት ክኽሰብ ብስንፍና ክኽሰር ስለዝክኣል ናብቲ ቀዳማይን ካልኣይን እንተኣድሃብና ይምረጽ። ጸገንቲ ሎሚ ብስም “ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ” እሱር ብሕማምን ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስቅያት እንዳረገፈ፡ መንእሰይ ናብ ዘይተፈልጠ ጒዕዞ ናይ ዓቕሊ ጽበት ናብ ፎቖድኡ እንዳጸደፈ፡ ሓረግ ስድራ ቤት ወድ ሃገር እንዳተበትከ፡ ቤተ-ሰባዊ ዝምድናታት እንዳተዘርገ፡ ዓጽመ ስጋዊ ርኽክብ ህዝብና ናብ ሃላኺ ኣቕሓ እንዳተቐየረ፡ ባህላዊ ሂወት መቦቆልና እንዳተመንቆሰ፡ ታሪኻዊ ጅግንነትና ጒርብትናዊ ንዕቀት እንዳደንደኖ፡፡ ሃገራዊ ወንና ቍልቍል ኣፉ እንዳተድፍአ፡ ብዓል ወኒ መንእሰይ ንዝፈትዋ ሃገሩን ቤተ-ሰቡን ራሕሪሑ ተገዲዱ ኣብ ናይ ሓሶት መውስቦታት እንዳተሓልከ፡ ጸገንቲ ንመሻርኽቶም ከድሕኑ ረብረብቲ እንተረኸቡ ናይ ፖለቲክኦም ዓኽታ ከውሕጡና ህርድግ ይብሉ ኣለዉ። ሕጂ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ሜላ ክኣ ናይ ሓሶት ወፈራ ምክያድ ኰይኑ ኣሎ።

ሎሚ ብሓደ መንገዲ እሱራትና ካብ እምባትካላ ናብ ዒራዒሮ ተሰጋጊሮም ሕድሕዳዊ ምርኻብ ዘይብሎም  ኢደ እግሮም ተመቝሖም ኣብ ጸቢብ ክፍሊ ኣብ ጽምዋ ባይታ ተዓዂሊሎም ይማስኑን ካብዛ ዓለም ይፍለዩን ምህላዎም ክንገረናን ክንሰምዕን ከነንብብን ከለና፡ በቲ ካልእ ክኣ ጸገንቲ መሃነድሳት “ሰላማዊ ኣገባብ” እሱራትና ያኢ ክእከቡ ክኢሎምሲ ናይ ቃልሲ ገምጋም ንምግባር ዕድል ረኺቦም ናብ ህዝብናን ሰራዊትን ትዕግስትን ተጻዋርነትን ከምዘድሊ “ብሰላማዊ ኣገባብ” ለውጢ ንኽመጽእ ጽኑዕ ለበዋታቶም ከምዘመሓላለፉ ነንብብን ንሰምዕን ኣለና። ወዮም ሐለውቲ ዋርድያታት ክኣ ንዕኦም ዘይገደፈ ድኣ ንዓና ኣበይ ክገድፈና እንዳበሉ ኣብ ፈጥ-ፈጠ ይርከቡ ይበሃል ኣሎ። ኣቱም ሰባት እዚ ከምዚ ዝኣመሰል እስከ ኣብ ገገዛኹም ኰንኩም ደጋጊምኩም ኣንብብዎን ሕሰብሉን። እስከ ነዚ መልእኽቲ እዝስ ንሕና ጥራይ ዲና ነንብቦስ ዋላ እቶም ህገደፋውያን’ውን ኣንቢቦም ይኽእሉ ኢዮም? “ጎበዝኒ ብሽሞል ይሕንዘፍ እዛ ማእምን ጥራጥ ተራእይዋ”፡ ንሕናን መሪሩና ነቲ ሓቂ’ውን ዘርዚርና ምውዳእ ስኢንናዮ፡ ጸገንቲ ድማ ብልቢ ወለድ ተወሰጥ ይብሉና ኣለዉ።

ምልእኽትና እዚ ዝስዕብ ኢዩ፦ ንሕና ከም ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ ብሰላም ናብ ሰላም ክንሰጋገር ኣይንጸልእን ኢና፡ ዕላማና ሰላም ንምምጻእ ኢዩ፡ ዘይባህርያዊ ግን ባህርያዊ ኢልና ኣይንምህርን ኢና። ሃገርና ኣብ ዝምድና ማእቶት ዕዮን ርእሰ-ማልን ትርከብ ኤሮጳዊት ሃገር ኣይኮነትን፡ ሃገርና ብድኽነት ዝተሞቕሐት ብምልኪ ዝማሰነት ኣብ ዕርፍን መሬትን ዝምድና ማእቶት ዝተዓግተት፡ ሰላም ዝተጸንቀቓ፡ ናብ ጒልበታውን ባርነታውን ናይ ኣስገዳድ ጊላዊ ዝምድና ማእቶት ዝተገፍዐት፡ ዝለዓለ ፋብሪካኣ ምስካም ብረት፡ ዝማዕበለ ክፊሊታ ድማ ንነጻ ጒልበተ-ዕዮ በተረንሸዋ ለገስቲ ሃገራት እንዳተጠበረት ንጥልቀት ትልኽ ትብል ዘላ ሃገር ኢያ።

ንሕና ከም ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ ዕላማና ሰላም ምዃኑ ንፈልጥ ጥራይ ዘይኮነስ ዓቕምና ኣእምሮና ብዘይክኡ ዝፈልጦ የብሉን። ግን ንመላኺ ስርዓት እንዳተጻረፍና ኣይንስዕሞን ኢና፡፡ እቲ ጸርፊ ዋጋ ከምዘይብሉ እቲ ምስዓም ብዓል ሸርፊ ምዃኑ ይርድኣና ኢዩ። እሱራትና ብሰላም ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክንሰጋገር ተበጊሶም ተቓሊሶም ተመቝሖም ተሰዊኦም ዝተረፉ ድማ ይማስኑን ምስ ዝሓለፉ ብጾቶም ክራኸቡ ሓሙሽተ ዓመት ተጓዒዞም ኣለዉ። ከምዚ ዘለናዮ እንድሕሪ ቀጺልናን ጸገንቲ ዕድል እንተረኺቦምን ኣብ ቀረባ እዋን ገዲፎምና ክኸዱ ኢዮም።

ብኣረዳድኣ ሰልፊ ጒባኤ ከምኡ ድማ ኣብ ባህሪ መግዛእትን ምልካዊ ስርዓትን ዝምድንኡ ምስ ደረጃ ምዕባሌ ነፍሲ-ወከፍ ሃገርን በምምርኳስ፡ እቲ ብጾትና እሱራት ዝወሰድዎ ኣገባብ ቃልሲ ዝግብኦ ሓላፍነታዊ ተራ ከምዘበርከተ ንኣምን። ኣብ ክውንነቶም ምስ ክህሉ ዝኽእል ጒድለታቱ ብዘየገድስ ካብኡ ንላዒሊ ክስውኡ ኣይክእሉን ኢዮም። ጒድለት እንተጸብጸብና’ውን ኣብ ጥፉእ ኣይትዛረብ ክፉእ ኢዩ፡ ከም ቀዳማይ ደረጃ ተባዕ ቃልሲ ድማ ንምዝግቦ። ነቲ ንሶም ዝወሰድዎ ኣገባብ ቃልሲ ጋም-ማን ክንብለሉ ክንነብር ግን ክድዓት ኢዩ። ዕላምኦም ከም ዕላማ ህዝቢ ክዕወት እንተድኣ ኰይኑ እቶም ከምኦም ዘይተኣሰርና ናብ ዝለዓለ ኣገባብ ቃልሲ ከነሰጋግሮ ብሓላፍነት ንሕተት እምበር እሱራት ዘይለኣኽዎ መልእኽቲ ከነመሓላልፍን ስትራተጂካዊ ቃልሲ ክንብክልን ዝወከለና የለን። ዋላውን ንዀርዓሎም እሱራትና ተጋግዮም መልእኽቲ እንተዘመሓላልፉ ብእኡ ክንቅየድ ኣይግብኣናን። እቲ ተሪፉ ዘሎ ዕማም ግደ ናይ እሱራት ዘይኮነስ ግደ ናይ ዘይተኣስሩ ኢዩ።

ካብ ጽልእን ድሑር ታሪኻዊ ቅርሕንትን ምርብራብን ቀቢጸ-ተስፋነትን ተበጊስካ ዝተፈላለየ ምኽኒት እንዳቕረብካ ምስ ገዛእትን መለኽትን ምጒንባሕ ናይ መጀመርያ ተርእዮ ኣይኮነን። ኣብ ተጋድሎ ሰላሳ ዓመት ናይ ነጻነት ጒዕዞና ከይተረፈ ዝተሰለቕናሉ ኲርማጅ መን ይርስዖ?

ሎምን ኩሉ-ሳዕን ሓጺናዊ ሓድነት መራሕትን ተመራሕትን ዘይወልዶ ምልእኽትን ዝኾነ-ይኹን ውረድ ደይብን ክስጒምን መሰረታዊ  ፍታሕ ከመዝግብን ኣይክእልን ኢዩ። ህግደፍ ብናህሪ ነጻነታዊ ስምዒት ወድ-ሃገር ሃብቲ ደሊቡ ብባጀት ከምዘሕምቐናን ኣብ ዘዝኸድናዮ እግሪ-እግሪ ተቓወምቲ ብሰብ ሳንጣ ምስሌነታቱ ከምዝፈታተነናን ንፈልጥ ኢና። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ብዝዀነ ይኹን ጥበራን ዕርበተ-ሕልናን ኣብ ሰንደልደል ዝርከብ ክህሉ ግድን ኢዩ። ከምኡ እነተዘይህሉ ድኣ ቃልሲ መሪር ኢዩ ምዓስ ምተባህለ።

ዓቕሚ ጸገንትን ባጀታውን ክለሳ ሓሳባዊ ፈንጠርጠራቶምን ንርእዮ ኣለና፡ ንግዚኡ ከምቲ ናቶም ማሕፉዳዊ ትሕዝቶና ምሉእ እንተዘይኮነ፡ ብሃብቲ ሸፍትነት ተገዚእካ ሓሶት ካብ ምዝራእ፡ ብዋጋ ሓንቲ ቅርሺ ብብርዒ ምውጋእ ትበልጽ።

ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ከነመሓላልፎ እንደሊ መልእኽቲ ምስ ዝህሉ፡ ፓርትታት፡ ውድባት፡ ምንቅስቓሳት ፖሊቲካዊ ውልቀ-ሰባት ምሁራት ሲቪካዊ ማሕበራት ብዓቢኡ ሰፊሕ ህዝቢ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጽፍሒ ናይ ኣተሃላልዋ ዝርከብ ነዚ ክዕፍነና ዝጓየ ዘሎ ግመ ጸገንቲ ንምቕንጣጥ ክለዓዓል ከምዝግባእ ኢዩ።

ፈቲና ጸሊእና ሓደጋታት ጽገና ዝወረናን ዝብክለናን ዘሎ መድረኽ በጺሕና ኣለና፡ እዚ ኩሉ እንዳዀነ ከሎ ብሓላፍነት ክሕተታ ዝግብአን ተቓወምቲ ብድንን ይሓልፍኦ ኣለዋ፡ እቲ ዝግባእ መኸተ ይካየድ የለን። ዝመሳሰላ ውድባት ኣብ ሓድነት ምምጽአን ጥራይ ዘይኮነስ ብሓድነት ንመድረኽ ኣንቢበን እንታይ መልሲ ይህባሉን ይቃለሳሉን  ኢዩ። ሓድነት ናብ እዋናዊ መድረኽ ክወልዶ ዝኽእልን ዝግባእን ተግባራዊ ወስታ እንተዘይተሰጋጊሩ ዓቐናዊ ኰይኑ ጥራይ ኢዩ ዝተርፍ። ብዓቐን ቍጽሪ’መበር ለውጢ የለን። ብዙሓት ውድባት ኣለዋና፡ ሓይሊ ግን ይብልናን። እቲ ስነ-መጐት ንሱ ኢዩ።

ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ ብሎካዊ ሓድነት ክብል ከሎ ንመድረኽ ዝግብኦ ሚዛንን መልስን ሂብካ ናብ ተግባራዊ መምርሒ ንምስግጋር ንጹር ናይ ጽኑዕ ዕላማ ሓይሊ ንምፍጣር ኢዩ። ኩለንተናዊ ኣገባብ ቃልሲ ክንብል ከለና፡ ሓያል መኸተ ጸረ-ተገራዚ ጽገናዊ ተኣላይ ምስመር ደው ምባል ማለትና’ውን ኢዩ። ንሓደጋታት ተኣላይ መስመርን ወፈራታቱን ደው ከይበልካ ንምልካዊ ስርዓት ከዕንዎ ኢየ ምባል ናይ ዲሞክራስያውያን ፖለቲካዊ ጥበብ ኣይኮነን።

ሎሚ ንዝሓንጸጽካዮ መደብ ዕዮታትን ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ደው ኢልካ ክንዲ ምምካትን ንመድረኻዊ ዕንቅፋታት ምግላህን፡ ኣብ ዘይሰርሕ ሓጹር “ኪዳናዊ ስሙር ግንባር” ተዘሪዕካ ናይ ቀለዓለም ደገፍ ብስኽፍክፍ ክትህብ ክትነብር ኣብ ኣእምሮኻ ናይ ክሲ ቦታ ምቕማጥ ኢዩ። ዘይሰርሕ ስሙር ግንባር ንጸገንቲ ግርም ዝዀነ መጻንሒ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ንሳቶም ነዚ ተተሓሒዞሞ ዘለዉ ናይ ሓሶትን ምድንጋርን ወፈራ ኣብ ድላዮም ክሳዕ ዘብጽሕዎ ንተቓለስቲ ዝኣስርሉ ዛሬባ (ሓጹር) ኢዩ።

መላኺ ስርዓት ኣስመራ ሎሚ ዘይስዓር ሓይሊ ኰይኑ ምእንቲ ክግመት ብዝከኣሎ ዓቕሚ ይዋጋእ ኣሎ። ብግዳም ክኣ ጸገንቲ ነቲ ናይ መልኪ መምርሒ ከዐውቱ ዝፈጥርዎ ምህዞታት ንከታተሎ ኣለና። ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኣብ ከስዐ ተቓለስቲ እንዳኣተዉ ሕድርቲ ዓሶ ክዘርኡ ይጓየዩ ኣለዉ። ነዚ ሓደጋታት እዚ ዘይጥምት ጒባኤታት፡ ኣኼባታት፡ ብዓላት፡ ብጓይላን ከቦሮን ሳዕስዒትን ኣተዓሻሺዩ ዘፋንወና እንተድኣ ኰይኑ፡ ቃልሰና ይስረቕ ምህላዉ ዝገብር ኣከያይዳ ሒዝና ከምዘለና ጋህዲ ምህላዉ ይሕብር።

ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ ንሓደጋታት መድረኽ ኣብ ስዓቱ ምሕባርን ንበላሕቲ ምጽዋዕን ሓደ ካብቲ ተልእኮታት ቀዳማይ ዕላምኡ ኢዩ። ምኽንያቱ ሓይሊ ካብ ኲነታት ምርዳእ ከምዝፍጠር ስለእንፈልጥ ንመድረኽ ከነለልዮን ክንዳለወሉን እምበር ክገድፈና ዕድል ኣይንሀቦን። ወሳኒ ሓይሊ ግን ናይ ህዝብን ናይቶም ኩሎም ንምልክን መድረኻዊ ጒዕዞታቱን ዝፈልጥዎን ዝገጥምዎን መሓውራት ሓይሊ ለውጢ ስለዝዀነ ሕጂ’ውን ደጋጊምና ተልዓል ናይ ለውጢ መሓውር ንብልን ንጽውዕን ኣለና። ብዙሕ ጻዕርን መሰዋእትን ከድሊ ኢዩ። እቲ ዓወት ግን መንገዲ ሒዙ ከምዘሎ ኣይትጠራጠሩ። ስውኣትና በዝተዓጻጸፈ ዝዝከሩሉ ታሪኽ ክህሉ ኢዩ።

ዝኽሪ ነቲ ክቡር ደሞም

ዓወት ክኣ ነቲ ዋጋ ደሞም ዝሰኣነ ህዝቦም!!!  (ሰ.ጒ.ኤ.)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3095

Posted by on Sep 19 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net