ኣንታ ካን ዶ ለባም መዓዲ ሲኢኖም!

እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ዘይሕሹ ኩሎም ጸማማት
ሓደ ደርፎም ኩሎም በሃማት
ኩሎም ዓያሹ ዘይብሎም ለባማት።

ዝገርም እኮ ኢዩ፡ ኣንታ ምዓስ ኢዮም ክልብሙ? ሰብ ምስ ጸነተ ሃገር ምስ በረሰት? እወ! እቲ ሕልሞምን ድሌቶምን ካብቀደም ካብ ጥንቲ ዝተበገስሉ ዕላማ ምዕብልትን፣ ብልጽግትን፤ ብግዝኣተ ሕጊ እትመሓደር ኤርትራ ዝይኮነ ብበትሪን፤ ብኣፈሙዝን፤ እትግዝእ ሃገር ንምስራትን ከምኡ እውን ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ንዝነበረ ዘብርስ፤ ንዝተነድቀ ዘፍርስ፤ ንለባማትን ምሁራትን ዘጽንት፤ ንዓያሹን ደናቑርን ዝሸሙን ዘንግስን፤ መደናገሪ ስርዓት ክሕደት ዝሕላገቱ ጠላም ስርዓት ንምትካል ኢይ ኔሩ ዕላምኦም።

በዚ ከኣ ኣይምተገረምናን ምኽንያቱ ታሪኽ ቀዳሞት የሕዋትናን ኣቦታትናን በዚ ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዝሰብር እከይ ስርዓት ዝተፈላለየ ምኽንያትን ሽምን እናጠመቐ ማለት ንገሊኦም የሚን፤ ንገሊኦ መንካዕ፤ ሓሙሻይ መስርዕ፤ ንገሊኦም ውን ትሕቲ ሃገራውነት እናበለ በብግዚኡን በብእዋኑን ትሕቲ ምድሪ ኣስፊርዎም ኢዩ።

ጀጋኑ ግንባሮም ንዓረር ክህቡ ከለው በዓል ኢሰያስን ሰዓብቱን ከኣ ብተንኮል ዝተባዕጠ መርዞም ኣብ ምትግባር ይውዕሉን ይሓድሩን ኔሮም።

ሕሉፍ ሓሊፍዎ ድሕሪ ናጽነት ውን እንተኾነ ነቶም ሪኦም ዘጸገብወን ጎየን ዘይደኸማ ኣብራኽ ምእንቲ ናጽነትን ሓርንርትን ህዝቦም ኣካላቶም በጃ ዝኸፈሉ ጀጋኑ፤ እዚ ከሓድን ጠላምን ኢሰያስ ንስዋኣት ከም መርገጺ እግሩ ንሱንኩላት ድማ ከም መሳልል ተጠቂሙ ኣብ ኮርሻ ስልጣን ዝደየበ መነባብሮ ይመሓየሸልና፤ ሕማቅ ኣልና፤ንቡር ኣተኣላልያ ኣይረኸብናን ኣብ ዝበልሉ እዋን ዓስቢ ገድሎምን ጻማ ስንክልንኦምን ብጥይት ክዝበጡ ኢዩ ኣዚዙ።
እዚ ድዩ ሓልዮት ኤርትራውያን?

ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ንሓንቲ መዓልቲ ውን ትኹን ብጌጋ ሓልዩሉን ሓሲብሉን ኣይፈልጥን ኢዩ እኳ ድኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተሳቐየን እናትጨፍለቐን መሪር ናብራ ካብ ዘሕልፍ ዓመታት ኣቝጺሩ ኢዩ።

ኣሞ እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣነ ኢየ ንጉስካን ኣምላኽካን እናበለ ከም ጎልያድ ብትዕቢት ተላዕጢጡ ክሳዱ ዝረግጾ ዘሎ ስርዓት ካብ ዝእገድ ውን ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ።

በዓል ዶክተር ደናቑርን ፕሮፈሰራት ተበለጽትን ዳኣ እንታይ ግበሩ ኢዩም ዝብሉና ዘለዉ ነዚ ንህዝብና ዕምሩ ዘሕጽሮ ዘሎ ስርዓት ስለዝተኣገደስ በጃኹም ግደፍዎ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ኤርትራውያን ኪሳብ ዝቐትሎም፤እታ ሃገር ክሳብ ትጸንት ግደፍዎ ኪንብል ዲዮም ዝምዕዱናን ዝመኽሩናን ዘለዉ ሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃ ንዓይ ነንጭዋስ ኣብ ሎቖታ ኪሳብ ሕጂ ዘደናገርኩምናን ዘጋገኹምናን ይኣኽለኩም ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ከምዝበሃል ግና ንእግረመንገደይ ከዘኻኽረኩም ደስ እብለኒ ምኽንያቱ ዋጋ ኢድኩም ትኽፈልሉ መዓልቲ ርሑቕ ስለዘይኮነ።

እንተ ንኢሰያስን ሰዓብቱን ግና ነታ ገመድ ኣብ ክሳዱ የእቲኹም ስሓብዋ ንሕና ከኣ ክንሕግዘኩም ኢና ዝብል ሰለማዊ ሰልፊ ኢና ክንጽውዕ እንደሊ። እሱ ጥራሕ ኣይኮነን ነቶም ንህዝብና ኣብ ምድንጋር የማናይ ኢድ ናይቲ ስርዓት ኮንኩም ወደኽ ደኽ ትብሉ ዘለኹም ውን ተኻፈልቲ ናይቲ ጽዋዕ ክትኮኑ ምኻንኩም ኣበርቲዕና ክንጽዕርን ንህዝብና እውን ቀተልቱ እምበር ደበስቱ ከምዘኮንኩም ከነፍልጦ ኢና።

ዘይወግሕ መሲልዋስ ኣብ ቦኽራ ትሓርእ ከምዝበሃል፤ እትገብርዎ ዘለኹም ኣነዋርን ኣጸያፍን ተግባራት ጌጋ ጥራሕ ዘይኮነ ገበን ምዃኑ እውን ከነዘኻኽረኩም ንደሊ። በዓል ሓሰውቲ ሓዋርያት ብጀካ እቲ ንዓኹም ዘገድሰኩም ጠቕሚን ረብሓን ካልእ ኣይጉዳይኩምን ኢዩ።እምበር ህዝቢ ኤርትራ ድኣ ወሊዱ ከምዘይወለደ መኺኑ፤ ሪኡ ዘይጸገቦም ዕሸላት ደቁ ብስርዓት ህግደፍ ጅሆ ተታሒዞም ኣይ ወሊዶም ደቆም ክሓቝፉ ኣይ ሰሪሖም ስድርኦም ክኣልዩ ኣይ ተማሂሮም ፍልጠት ክድልቡ ኣብ ወፍሪ ባርነት ተጸሚዶም ዕድመ ንእስነቶም ከንቶ ይሓልፉ ኣሎ።

ካብ ከምዚ ዓይነት ሂወት ከምልጡ ዝፈተኑ ከኣ ብተመልከተለይ ብጥይት ይዝበጡ ኣለው ብኣካል ዝተታሕዙ እሞ ኣዲኦም ኣይትርኣ ምፍጣርካ ዘጽልእ ካብ ሰብ ፍጡር ከማኻ ዘይትጽበዮ ዘስካሕክሕ መግረፍትን ስቅያትን ኢዮም ዘሕልፉ።ዕድል ጌሮም ካብ ህግደፍ ዘምለጡ ከኣ ኣብ ፈቐዶ ባሕርን ምድረበዳን ድራር ዓሳን ኣሞራን ዝኾኑ ውን ዉሕዳት ኣይኮኑን።

ርሑቕ ከይከድና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብጀካ እቶም በብእዋኑ ኣብ ኣጻምእ ምድረበዳን ኣብ ዶባት ግብጽን እስራኤልን መጻወቲ ሸፋቱ ኮይኖም ዘለው ኤርትራውያን የሕዋትናን ኣሓትናን፤ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ልዕሊ 73 መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ኣብ ሓደ እዋን ክንድዚኦም ዝእኽሉ ብጃምላ ሂወቶም ክስእኑ ከለዉ ስለምንታይ ዳኣ ሰለማዊ ሰልፊ ንምግባር ላዕልን ታሕትን ዘይበልኩም? ኢሰያስ ስለዘይኣዘዘኩም? ወይስ ብመንነትኩም ስለትጠራጠሩ? ወይስ ህላዌ እሰያስን መንነቱን ስለ ዘገድሰኩም? መልሲ ንዓኹም!

ቅንዕና ዘለዎ ሕልና ግና ክንዲ ጉጅለ ህግደፍ ካብ መገሻ ተኣጊዶም፤ኣጽዋር ምግዛእን ምሻጥን ተኣኣጊዶም፤ውልቃዊ ንብረቶምን ገንዘቦምን ክዝሕትል ተባሂሎም ኢልካ ላዕልን ታሕትን፡ ፈንጠዝያን ዳንኬራን ካብ ምግባር ብዛዕባ እቶም ከም ደቂ ዛግራ ኣብ ፈቐድኡ ተበታቲኖም ሂወቶም ንብላሽ ዝጠፍኡ ዘለዉ ብሰንኪ ሕማቕ ምሕደራን ኣተሓሕዛን ስርዓት ህግደፍ እንተትሓዝኑን እንተትግደሱን በቶም ብጓሂ ጸለሎ ተኸዲኖም፤ ማይ ገዲፎም ደም ዝነብዑ ዘለዎ ወለዲን ቤተሰብን መወቲ ኣይምተገመትኩምን።ግና ንኹሉ ግዚኡ ኣለዎ፤ በዳሊ ዝፍረደሉ ተበዳሊ ዝከሓሰሉ መዓልቲ ርሑቕ ኣይኮነን።

ኣንቱም ሰባት እዚ ስለ ዝተፈድየ ኤርትራዊ ብሰንኪ ህግደፍስ ሎሚ ኣብ ጎድኒ ቀታሊ ኣሓተይን ኣሕዋተይን ኣቦታተይን ኣዴታተይን ተሰሊፈ ግደፍዎ መሓርዎ ኪብል? እምበር ዶ ኸ ፍጥረት ሰብ ኣለዎም እዞም ሰባት? ዓገብ ዓገብ ነታ ትረግጽዋ መሬት ፍርሕዋ ኣፋ ከፊታ ከይትውሕጠኩም።እቲ ልዕሊ ኩሉ ዘሕዝን ከኣ ኢሰያስ ምፍጣርኩም ዘይፈልጠኩም ሰባት ግን ከኣ ከም ፓፓጋሎ ዝበሎ ከም እትደግሙ ዝኣምን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣይኮነን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንድግፈካ ኢና ንኽትብል ውን ክትእከብ ዘየፍቅድ ስርዓት ኣብ ደገ ኮንኩም ደገፍኩም ኣስምዑለይ ኡኡኡኡኡኡይይይ በሉለይ ኪብለኩም ከሎስ ኪሳብ ኪንደይ ደናቑር ምዅንኩም ስለ ዝፈለጠኩም ኢዩ።

ሓቅነት እንተዝህልወኩም ድኣ ስለምንታይ ህዝብና ኣብ ዓዱ ኮይኑ ኣብ ጎድኒ መንግስትና ኣሎና ክብል ዘይፍቀደሉ ኢልኩም ዘይትሓቱ? ካብ ኣብ ወጻኢ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ዶ ኣይበዝሕን? እቲ ሽግር ብኣካል ዝቕበሎን ዘስተማቕሮን ዘሎ እኮ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ እምበር ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ኣይኮነን።እቲ ሓቂ ግና ህዝብና ልቡ ክሳብ ክንደይ ካብ መንግስቲ ርሒቝ ከምዘሎ እቲ ስርዓት እውን ኣጸቢቝ ስለዝፈልጥ ሓንቲ መዓልቲ ሰለማዊ ሰልፊ እንተፍፈቒዱ ዕድመ ስልጣኑ ከምትሓጽር ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ንኢሰያስን ሰዓብቱን ልዕሊ ዝኾነ ዘፍርሖም ነገር ኢዩ።

ዝኸበርኩም ደቂ ሃገር ልቢ የዕቢኹም ኣውያትኩም ወጽዓ ህዝብና ዘቃልሕን ዓማጺ ህዝብና ዝፍረደሉ ሕግን ቁዋምን ክጸድቕ፤ህዝብና ኣብ ዓዱ ከቢሩ ሰብኣዊ መሰሉ ዝሕልወሉ ባዕሉ ዝመረጾን ዝነጽጎን (ዘውርዶን ዘደይቦን) መንግስቲ ኣብ ምቛም ክትተሓባበሩ ካብ ዝሓለፈ ተማሂርኩም ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ኤርትራዊ ብምዃን ነታ ኣብ ክሳዱ ኣትያ ዘላ ኣርዑት መግዛእትን ባርነትን ቀንጢጥኩም ዘውዲ ፍትሕን ሓርነትን ክትደፍእሉ እጽውዓኩም ኣሎ።

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ሰማዕታትና ወትሩ ይዘከሩ

ፍስሃየ ሓጎስ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=319

Posted by on Feb 23 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net