ወተሃደራዊ ነብሰ ቅትለት እስላማዊ መጋባእያ ብድፍኢት መንግስቲ ኤርትራ

ዜናዊ ትንተና
GIC
26/12/06
    ከምዝፍለጥ ሶማሊያ ድሕሪ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ሲያድ ባረ ንዓመታት ብዘይ ማእከላይ መንግስቲ ኣብ ኩናት ሕድሕድ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2003 ብመንጎኝነት ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ንኹሎም ሶማላውያን ከሳትፍ ዝኽእል ናይ ዕርቂ መስርሕ ተኻየደ ። ብመሰረት እቲ ብኣሳላጥነት ኢጋድ ኣብ ናይሮቢ ዝተበጽሐ ስምምዕ ድማ ፣ ሶማሊያን ንዘለዎም ውሽጣዊ ቀቢላዊ ኣቃውማ ዝውክል መሰጋገሪ መንግስቲ ተመስረተ ።  ውህደት እቲ ዝተመስረተ መሰጋገሪ መንግስቲ ድማ እዚ ዝስዕብ ይመስል ፣ ቀዳማይ ቀቢላ ዳሩን ኮይኑ ኣብ ከባቢ ፑንትላንድ ድማ ብብዝሒ ይርከቡ ፣ ካብዚ ቀቢላ  ፕረሲደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ክኽውን ስለዝተወሰነ ፕረሲደንት ዓብደላሂ ዮሱፍ ተወከለ ። ካልኣይ ድማ ቀቢላ ሃውያ ኮይኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ካብዚ ቀቢላ እዚ ይኸውን ፣ ስለዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማሊያ ዓሊ ጌዲ ካብዚ ቀቢላ እዚ እዩ ። ኣብ ተመሳስሊ ኣርእስቲ እዚ ሎሚ ንመብዛሕቱ ክፋል ሶማልያ ተቖጻጺሩ ዝረከብ እስላማዊ መጋባእያ መሪሕነቱ ካብ ቀቢላ ሃውያ ምዃኑ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይገልጹ ፣  ንኣብነት ሸክ ሓሰን ጣህር ዑዌስን ሸክ መሓመድ ሸሪፍን ካብ ላዕለዎት መሪሕነት እስላማዊ መጋባእያ  ካብ ቀቢላ ሃውያ ምዃኖም ምጥቃስ ይከኣል ።ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እትርከብ ቀቢላ ድማ ቀቢላ ረሓዊ ኮይና ፣  ዝርግሐ ናይቲ ቀቢላ ኣብ ከባቢ  ባይደዋ ስለዝርከብ ማእከልን መዕቆቢ ናይቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ኮይና ከተገልግለ ጸንሐት ።

ብመሰረት እዚ ብኣሳላጥነት ኢጋድ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምምቕራሕ ስልጣንን መሬትን ሶማልያ ኣብ ቀቢላታት ዝተመርኮሰ ስለዝኾነ እስላማዊ መገባእያታት ካብቲ ዝውክሎ ደቡባዊ ክፋል ሶማልያ ወጺኡ ናብ ካልኦት ከባቢታት ምስፍሕፍሑ ንስምምዕ ናይሮቢን ንመሰረታዊ ኣቃውማ ህዝቢ ሶማል ኣብ ግምት ዘየእተወ ስለዝኾነ ሶማሊያውያን ዳግማይ ናብ ናይ ቀቢላ ኩናት  ሓድሕድ ከይኣትዉ ዘሎ ስግኣት ዝዓበየዩ ። እስላማዊ መጋባእያ ዘለዎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንጎድኒ ገዲፍካ እቲ ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን (ባይደዋ) ዝገበሮ ምስፍሕፋሕ ኩናት ሓድሕድ ክፍጥር ዘለዎ ተኽእሎ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ውሳኔ ብጉቡእ ዘይሓሰበሉ ኔሩ ክበሃል ይከኣል ። በቲ ሓደ ወገን ኣብ ባይደዋ ዓስኪሩ ዝርከብ   መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ድማ ምስ ኩሉ ድኽመታቱ ንኣቃውማ ህዝቢ ሶማልያ ብዝግባእ ዝውክልን ካብ ዞባውን ኣህጉራውን ውድባት ማለት በይነ መንገስታዊ ውድብ ኢጋድ ፣ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ፣ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፣ ኤውረጳዊ ሕብረትን  ማሕበር ኣገራት ዓረብን ኣፍልጦ ዝረኸበ ብምዃኑ እሱ ዘማእክሎ ኣብ ቀቢላ ዝተመስረተ ፈደራላዊ መንግስቲ እንኮ ፍታሕ ሽግር ሶማል እዩ ክበሃል ይከኣል ።

 እዚ ኩሉ ኣብ መንጎ ሶማላውያን ዘሎ ውዱዕ ኩነታት ኩይኑ ፣ ተራ ሃገራት ናይዚ ዞባ እንታይ ይመስል ? ኩለን ኣብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ተጠርኒፈን ዝርከባ ሃገራት ነቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተኸተመ ስምምዕ ብምኽባር ማእከላይ ዝኾነ መርገጺ ክሕዛ እንከላአዋ ኤርትራ ንበይና ነቲ ተቐባልነት ዓለም ዘይብሉ ንገለ ክፋል ሕብረተሰብ ሶማል ጥራሕ ዝውክል ሓይሊ ፣ ወተሃደራውን ሞራላውን ድጋፍ ክትገብረሉ ተራእያ ። መንግስቲ ኤርትራ ካብ 1995 ጀሚራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሶማል ኢዳ ዘእተወት እኳ እንተኾነት እቲ ዝኸፈኣን ንሶማልያ ናብ ኩናት ሓድሕድ ክሸምም ዝኽእል ተበግሶ ዝወሰደትስ  ኣብዚ ሕጂ እዋንዩ ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጸገም መከሓሓሲ ክትገብረሉ ስልዝደለየት ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቃለሱ ሓይልታት  ኣብ ምዕጣቕን ምድግጋፍን ብሓይሊ ክሰርሕ ጀመረት ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ መንጎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልን እስላማዊ መጋባእያታትን ኩናት ምስ ተወለዐ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ቅርሕንቲ ሕሳባታ እተሰላስለሉ ግዜ ምዃኑ ኣስተብሃለት  ። ካብ ውሽቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝመለቐ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ፣ መንግስቲ ኤርትራ ጸላኣ ጸላእየየ ፈታውየይ ካብ ዝብል ታክቲካዊ ኣጠማምታ ብምብጋስ ንኢትዮጵያ ናብ ናይ ኣጠቓላሊ ኩናት ንምእታዋ ብሰሜንን ደቡብን ግንባራት ክኽፈት ምስ  እስላማዊ መጋባእያታት ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ይገልጽ ኣሎ ። ነዚ ብሸነኽ ደቡብ ክኽፈት ዝተወጠነ ግንባር ዕዉት ንምግባሩ ድማ ሃይማኖታዊ መልክዕ ምሃቡ ዝሓሸ ኮይኑ ስለዝረኸብዎ ኣብ ባይታ ይሰርሕሉ ኣለዉ ።

በቲ ካልእ ሸነኽ  እስላማዊ መጋባእያታት ኣብ ልዕሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣዊጅዎ ዘሎ ኩናት ዘይብሱልን ህዉኽን እዩ ክበሃል ይከኣል ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ፣ ቀዳማይ  ወተሃደራዊ ሓይሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማሊ ንጎድኒ ገዲፍናች ምስ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢትዮጵያ ክነወዳድሮ እንተፈቲና እ ክወዳደር ዝከኣል ኣይኮነን ። እቲምንታይሲ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ዝተዓለመን ዝዓጠቕን ወግዓዊ ሃገራዊ ሰራዊት ክህልዋ እንከሎ እስላማዊ መጋባእያታት ግን ሰራዊታ ኣብ ርእሲ ዘለዎ ናይ ሓጺር ግዜ ድሩት ተሞክሮ ብዓይነትን ብዝሕን ፈጺሙ ክወዳደር ኣይክእልን እዩ ። ካልኣይ ድማ ኩሎም ኣባላት እስላማዊ መጋባእያታት ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘይዳወብ ክፋል ህዝቢ ሶማል ብምኻኖም ኣብ ከባቢ ዶባት ወይ ከኣ ሰሜናውን ማእከላይን ሶማል ዝግበር ኩናት ንእስላማዊ መጋባእያታት በዳሂ ይገብሮ ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ሰለስተ ዓበይቲ ቀቢላታት ሶማል ምስ ኢትዮጵያ ይዳወባን ዝሕሸ ዝምድና ኣለወን ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጥቕሰ ባእታታት  ኣብ ግምት ብምእታው እስላማዊ መጋባእያታት ተታሊሉ ንውሽጣዊ ዓቕሙን ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳይት ኣብ ግምት ከይእተወ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሃይማኖታዊ ኩናት ምእዋጁን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዝረኸበ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ክኣልዮ ምውሳኑ ወተሃደራዊ ነብሰ ቕትለት እዩ ክበሃል ይከኣል  ።

ስለዚ ሕጂውን ግዚ ከይከደ ንሕዝቢ ሶማል ንምድሓን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ክልቲኦም ሓይልታት ሶማል ኣብ መኣዲ ዘተ ብምቕራብ ሽግራቶም ክውድኡ የድሊ ። ከምኡ ድማ እስላማዊ መጋባእያታት ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎም ሽግር ንምፍታሕ ኩሉ ኣብ ኢትዮጵያ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእልዩ ዝበሃል ዘይጭቡጥ እንተታትን ምትኹታኹን ገዲፎም ሃናጺ ተብግሶ ክወስዱ ይጽነሓለይ ዘይበሃል ናይ ህዝቢ ዕማምዩ ። እንተ እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ተዋሂብዎም ዘሎ ዝንቡዕ  ሓብሬታ ግን ዘይኩርምትኻስ ሕጻ እንተትቑርጥመሉዩ,ሞ ንድሕነት ህዝቦምን ሰላም ናይዚ ኸባቢን ብጽሞና ክሓስብሉ ይግባእ  ። ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሃይማኖታዊ ኩናት ኣዊጅካ  ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኩናት ሕድሕድ ክትሸምም ምፍታን ዘይክውንነታዊ ኣብ ርእሲ ምኻኑ ከም ክለሰሓሳብውን ንዋላ ሓደ ዘርብሕ ጉዳይ ኣይኮነንን ። ብግብሪ ክረኣ እንከሎውን ኣብ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ሰበብ  ብምግባር ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትናን ጎንጺ ክፍጠር ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዮ ጸቢብዩ ፣ እቲ ምንታይሲ ኣብ ኤትዮጵያ ኣስላምን ክርስቲያንን ብሓባር ኩሉ ሃይማኖታዊ መሰሎም ተሓልዩ ብሓድነትን ብማዕርነትን ይነብሩ ስለዘለዉ ።

ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ሶማል ንልዕሊ 15 ዓመታት ብዘይ ማእከላይ መንግስቲ ብቐጻሊ ኩናት ሓድሕድ ክድቆስን ክበታተንን ንማንም ደላይ ሰላም ዘይቅቡል ክውንነት ስለዝኾነ ኩሎም ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም መሓዙት ሃገራት ብሓፈሻ እቶም ብቑሊ ማህጸኑ ኢና በሃልቲ ኸኣ ብፍላይ ሽግር ህዝቢ ሶማል ዝውደኣሉ ኩነት ክፈጥሩ ንላቦ ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3240

Posted by on Dec 26 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net