ዜናዊ ትንተና ፡- መጻኢ ፖለቲካዊ መቐይሮ ኤርትራ

GIC
27/11/2006
ኣካል ናይቲ ንዓመታት መንግስቲ ኤርትራ ክኸስሮ ዝጸንሓ ተኸታታሊ ናይ ሰላም ተበግሶታት ኣብዚ ዛለፈ ሰሙን እቲ ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ናይ ኣብ ወርቐት ምምልካት ተብግሶ ምሕሳሙ ነቲ ሽግር ናብ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ኣንፈት ይምርሕ ኣሎ ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ኮሚሽን ብሰንኪ እዚ ምሕሳም ዕማሙ ዛዚሙ እቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ከሰጋግሮ ስለዝኾነ ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ እተን ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ብሰንኪ ዘለዎ ዝምድና ብፍላይ ድማ ምስ ኣሜሬካ ፡ ምስ እዚ ኣብ መንግስቲ ኣሜሬካ ዝተራእየ ምቅይያራት ናይ ሰበስልጣን  ፡  እቲ ስጋብ ሕጂ ብጉልባብ ግብረሽበራ ምክልኻል ምስ መንግስቲ ኤርትራ ጥቡቕ ዝምድና ዝጸንሖ ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ዾናልድ ራምስ ፊልድ ብሓልፊ ማእከል ስለያ ኣሜሪካ ምቕያሩ እሞ ኸኣ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ መንግስቲ ኤርትራ ንማእከል ስለያ ኣሜሪካ ብግልጺ ክትውንጅል ምጽነሓ ንጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ባይቶ ጸጥታ ምስግጋሩ ንመንግስቲ ኤርትራ  ምስ ዓበይቲ ሃገራት ምስ ዘለዋ ዝምድና ዓቢ ክሳራ እዩ ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ምልሻ  እስላማዊ መጋባእያ ዝገብሮ ዘሎ ምትሕግጋዝ ንዓበይቲ ሃገራት ባህ ከምዘየበለንን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት  ክገብሮ ንዝደሊ ድማ ክዕወት ከምዘይክእል ብኣጋ ክግመት ይከኣል ። ከምኡውን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮፊ ኣናንን ዝበዝሑ መሳርሕቱን ኣፍሪቓውያን  ምስ ምዃኖም  መንግስቲ ኤርትራ  ኣብ ልዕሊ እቲ ውድብን ዕማሙን ትውስዶ ዝነበረት ስጉምታትን ዘለፋን  ሸለል ብምባል እቲ ዝግባእ ጸብጻብ ናብ ባይቶ ጸጥታ የሕልፉ ዘይምንባሮም ንመንግስቲ ኤርትራ ዕድል ሂቡዩ   ፡ እንተኾነግን ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ኮፊ ኣናን ብሓድሽ ናይ ኣሜሪካ ጸግዒ ዘለዎ  ኮሪያዊ ዋና ጸሓፊን ክትካእ ምኻኑ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝመሰለካ ዘለፋን ጸርፍን ሸለል ዝበሃለሉ ክህሉ ኣይክእልን እዩ ።

እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ባይቶ ጸጣት  ምስጋሩ ንኤርትራ ዘርብሕ ኣይኮነን ።

ኣብ ካልእ ፖለቲካዊ ምዕባለ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ኣዎንታዊ ተራ ኣበርኪተ ብምባል ከም ዓቢ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ጌራ ክትዛረበሉ ምፍታና ነቲ ውሽጣዊ  ሽግር  ንምሽፋን ኮነ ኢሉ ዝተገብረ ምዃኑ እዩ ። ብግብሪ ክረኣ እንከሎ ግን ህዝቢ ኤርትራ ብሕሰም ናብራ መሰረታዊ ዕለታዊ መነባበሪ ስኢኑ ፡ ባኒ ክረክብ ኣብ ሪጋ እናወዓለ ፡ ሃገር ብምልእታ ኣብ ወተኣደራዊ መዓሰከራትን ኣብያተ ማእሰርቲ ተቐይራ እንከላ ንመቃነዪ ተባሂሉ ማእለያ ዘይብሉ ንዋት ዓቕሚ ሰብን ኣፍሲሳ  ኣብ ስገረ ዶብ ብምኻድ ንተቓወምቲ ጎረባብቲ ምሕጋዝ ልሙድ ባይርያዊ ተርእዮ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ኣሎ ። መንግስቲ ኤርትራ ቅኑዕ ርኢቶን ንነባሪ ሰላም ዝሓስብ ኔሩ እንተዝኸውን ግን ውሽጣዊ ሽግሩ ክፈትሕን ፡ መንባብሮ ዜጋታቱን ከመሓይሽ ብቐዳምነት ክሓስበሉን ኣወንታዊ ጅማሮታት ንቅዋማዊ መንግስቲ  ክወስድ ምተገበኣ ።

በቲ ሓደ ወገን  ህዝብን መንግስትን ሱዳን እንተ ሪኢና ድማ ሕጋዊ  መሰሎምዩ ንሰላምን ውሕስነትን ሃገሮም ዝከላኸል ዘበለ ውሳኔ ክወስዱ ። ሱዳናውያን ውሽጣዊ ሽግሮም ንምፍታሕ ኣብ ዝገብርዎ ኩለመዳያዊ ተበግሶታት ንነባሪ ሰላምን ሏኣላውንተን ሱዳን እዚ ዞባውን ጠቓሚ ስለዝኾነ ክንድግፎም ይግባእ ። እቲ ምንታይ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ኣዎንታዊ ኣብርክቶ ክገብሩ ምጽንሖም ንህዝቢ ኤርትራ ሓደጋ ኮይኖም ኣይፈልጡን ። ብግልባጡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ንመንግስቲ ሱዳን ንምግልባጥ ዘይተገብረ የለን ክበኣል ይከኣል ።  ስለዚ እዚ ኩሉ ተሓሊፉ  ህዝቢ ኤርትራን ሱዳንን ንዘልዎ ባህላውን ቁጣባውን ታሪኻውን ምትእስሳር ዝያዳ ዝድንፈዓሉ ኣድሽ መደረኽ ክኽፈት ክልቲኡ ህዝብታ ብሰላምን ቅሳነትን ዝነብረሉ ኩነት ክፍጠር ዘሎና ምንዮት ወሰን የብሉን ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ደምበ ታቓውሞ ብሰንኪ  መንግስቲ ኤርትራ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኽተሎ ተናኻሲ ፖሊሲን  ፡ ምስፍሕፋሕ ምንቅስቓስ ናይ ሲቪል ማሕበራት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለምን ፡ ምዕንባብ ማእከላት ሓብሬታን  ጽቡቕ ናይ ስራሕ ሃዋህው ከምዝነበረ ዝፍለጥዩ ።እንተኾነ ግን ደምበ ተቓውሞ ንነዊሕ ዝጠመተ ስትራተጂ ኣውጺኡ ኣብ ክንዲ ዝኸይድ ኣብ ውሽጣዊ ሽግራቱ ጥራይ ኮለል ክብል ምጽንሑ ዝበለጸ ናይ ስራሕ ግዜ ከሲሩዩ ክበሃል ይከኣል ።

እንተኾነ  ግን ህጂውን ደምበ ተቓውሞ ሕቶ ህዝቢ ስጋብ ዘይተመለሰ ፡ ንዘለዎም ናይ ህዝቢ ምድሓን ሓላፍነት ብግቡእ ተረዲኦም ፡ ናይ ዝሓለፈ ብቑዕ ገምጋም ብምግባር ነቲ ተሪፉ ዘሎ ዕድል ናይ ስራሕ ብዝግባእ ክምዝምዝዎን ብዝሓሸ ውሳኔታት  ክወጹ ብኣጋ ክሕሰበሉ ይግባእ ።

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3247

Posted by on Nov 27 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net