ቃለ-መሓትት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ምስ ጋዜጣ ኣልሓያት

ሱዳናዊት ጋዜጣ ኣል ሓያት ሕታም ቍ. 1145 ቀዳም 01ሓምለ 2006 ገጽ 7፡ ፖለቲካ

  • ንሕና ንልዝብ ድልዋት ኢና። መንግስቲ ሱዳን ድማ ኣብ መንጐናን ኣብ መንጐ ስርዓት ኢሳያስ ልዝብ ክግበር ኣዎንታዊ ግደ ክትጻወት ትጽቢት ንገብር።
  • ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ ኵሉ ኣገባብ ቃልሲ ንጥቀም።
  • ሱዳን ንህላወ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ደው ከተብል’ያ ዝብል ትጽቢት የብልናን። ንሕና ዲሞክራስን ናጽነትን ፍትሕን ከነስፍን ኢና ንቃለስ።

 

ምስ ኣልሃዲ መሓመድ ኣሚን፡ ኣንዓም ዓማር፡ ህወይዳ ኣሽወያ

እተገብረ ቃለ-ምልልስ፤ ስኣላይ ዕልም ኣልሃዲ ሓምድ

ድሕሪ ኢሳያስ ናብ ካርቱም ዝገበሮ ብጽሖትን፤ ስዒቡ ዝመጸ ልዝብ መንግስቲ ሱዳንን ናይ ምብራቕ ሱዳን ተቓወምቱን ኣብ ኣስመራ፤ ሱዳን’ከ፡ ንተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ምስ ስርዓት ኢሳያስ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንምልዛብ እንታይ ግደ ኮን ትጻወት ትኸውን? ሱዳን’ከ፡ ከም’ቲ ኢሳያስ ኣብ ጕዳይ ምብራቕን ካልእ ቦታታት ሱዳንን እተጻወቶ ግደ ኣብ ኤርትራ ክትጻወት ተኽእሎ ኣሎ’ዶ?። ነዝን ካልእ ሕቶታትን መልሲ ንምርካብ ምስ ኣቶ ኣሕመድ ሙሓመድ ናስር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣካይድና። ብዛዕባ’ዚ ዝተዋህበ መልሲ ኣስዕቢና ነቕርበልኩም።

1. ልክዕ ከም’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ንመንግስቲ ሱዳንን ንተቓወምቲ ግንባር ምብራቕን ንምልዛብ ዝወሰደቶ ስጕምቲ፡ ሱዳን’ከ ንዓኹምን ንኢሳያስ ኣፍወርቅን ንምዕራቕ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ትወስድ’ዶ ይመስለካ?

መልሲ፡- ብቐዳምነት ኣገደስቲ ዝዀኑ ሓቅታት ንምርግጋጽ ዝኣክል፡ ህዝብን መንግስትን ሱዳን፡ ብሰሪ’ቲ ዘሎ ናይ ጕርብትናን ናይ ታሪኽን ዝምድናታት ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት፡ ንሰውራ ኤርትራ ክትድግፍ ከምዝጸንሐት ምጥቃስ ግድን ኢዩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ጸጥታን ምርግጋእን ንምስፋን ክትጻወት እትኽእል ግደ ኣለዋ። እዚ ንሽግራት ኤርትራ ንምፍታሕ ዝሕልን ስለዝዀነ፡ ንሕና ሓንጐፋይ ኢልና ኢና እንቕበሎ። ብወገና ዝዀነ ይኹን ተቓውሞ የብልናን። ኤርትራ፡ ንመንግስትን ግንባር ምብራቕን ሱዳን ንምርኻብ እትወስዶ ዘላ ተበግሶ፡ መእተዊ ንፍታሕ ሽግር ኤርትራ ክኸውን ንትስፎን ንጽበን።

ሕቶይ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ርእይቶ ብሸነኽ ሱዳን ኣሎ ድዩ ዝብል’ዩ? መልሰይ፡ ከምኡ ዝብል ናይ ሱዳን ርእይቶ እንተደኣ ሃልዩ፡ ንሕና ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልና፡ ኵሉ ናይ ሃገርና ቅልውላው ክንፈትሕ ድልዋት ኢና።

2. ግን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ናይ ምብራቕ ተቓወምቲ ብተኣማንነት ክትሰርሕ ድያ?

መልሲ፡- ኣይኰነን። እዚ ስልቲ’ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ሽግር ኣሎ ኢሉ ኣይኣምንን ኢዩ። በንጻር ናይ’ቲ ቀደም ዝገብሮ ዝነበረ ክዋሳእ ዝገበሮ ብዙሕ ረቛሕትታት ኣሎ። እዚ ሕጂ ዝብሎ ዘሎ፡ ምስ’ቲ ቅድም “ጥርፍቲ ወይ ፋንዳመንታል ሱዳን”፤ “ስርዓት ሱዳን ኣሸባሪ’ዩ፡ ንጸጥታ ናይ’ቲ ዞና ንምዝራግ’ዩ ዝሰርሕ” …ወዘተ፡ ዝብሎ ዝነበረ ኣነጻጺርካ ክርአ እንከሎ፡ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ጥራሕ ምዃኑ’ዩ ዝበርሃልካ። እዚ ሃንደበታዊ ዝዀነ ለውጢ’ዚ ውጽኢት ናይ እናዛየደ ዝኸይድ ዘሎ ውሽጣዊ ቅልውላዋትን ካብ ኵሉ ኵርንዓት ኣብ ልዕሊኡ ዝግበር ዘሎ ተጽዕኖታትን ኢዩ። ንሽግር ሱዳን ንምፍታሕ መንጐኛ ምዃን፡ ብርእይቶኡ ካብ’ቲ ውሽጣዊ ቅልውላዋቱን ካብ’ቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ተጽዕኖታት ዝወጽኦ ኰይኑ ተሰሚዕዎ።

3. ንስኻትኩም’ከ ንልዝብ ድልዋት ዲኹም?

መልሲ፡- እወ፡ ድልዋት ኢና።

4. ንልዝብ እተቕርብዎ ቅድመ-ኵነት ኣሎኩም’ዶ?

መልሲ፡- የብልናን። ንሕና እነቕርቦ ቅድመ ኵነት የለን። ንሕና፡ እቲ መንግስቲ ፍታሕ ዘድልዮ ቅልውላው ከምዘሎ ክኣምንን፤ ንህላወ ናይ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ክቕበልን ጥራሕ ኢና እንጽውዖ። እንተደኣ እቲ ስርዓት ነቲ ቅልውላው ክፈትሕ ቅሩብነት ኣርእዩን ብህላወ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ኣሚኑን፥ ንሕና መንጐኛታት ኣብ ዝሳተፍዎ ናይ ጠረጴዛ ልዝብ ኮፍ ኢልና፡ ነቲ ሽግር መሰረታዊ ፍታሕ ብምርካብ ስልጣን ነቲ ዋናኡ ዝዀነ ህዝቢ ኤርትራ ንምስርካብ ድሉዋት ኢና። ህዝቢ ድማ፡ መን የመሓድሮ ክመርጽ ናቱ መሰል ኢዩ።

5. ብርእይቱኹም መፍትሒ ናይ’ዚ ሽግር’ዚ እንታይ’ዩ ትብሉ?

መልሲ፡- እቲ መፍትሒ፡ ብርግጽ፡ ኵሉ ኣገባብ ቃልሲ ምጥቃም ኢዩ። እንተዀነ ግን፡ እዚ ስርዓት’ዚ ዲክታቶርያውን ቀንጻልን ስለዝዀነ ብፍቶቱ ስልጣን ከረክብ ከምዘይኰነ ከነረጋግጽ ንፈቱ። ውድቀቱ እናተረጋገጸሉ ምስ መጸ ግን፡ ናብ ልቡ ክምለስ ይኽእል ኢዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ከቢድ ጸገም’ዩ ዘሎ። ስለዝዀነ ድማ፡ ኵሉ ዓቕምታት ኤርትራ ኣብ ጸጥታዊ ትካላቱ’ዩ ዘዋፍሮ ዘሎ። ንሕና፡ ነቲ ቅልውላውት ሰላማዊ መፍትሒታት ክርከቦ ኢዩ ድሌትና። ማለት ኣብ መንጐና ልዝብ ክካየድ ኢና ንደሊ። እቲ ስርዓት ነዚ ጠለባት’ዚ ንኽቕበል ከነገድደሉ እንኽእል ብዙሕ ናውቲ ውን ኣሎና። ንኣብነት፡ ሽሕ’ኳ፡ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምብጻሑ፡ ካብ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይነውሕ ግዜ፥ ብ20 ሰነ 2001 ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ካብኡ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ንዘለዎ ዘበለ ኵሉ ከምዘይቅበልን፤ ርእይቶኡ ንዝገለጸ ክኣስርን ምዃኑ እንተፍለጠ፡ ንሕና ግን፡ ህዝባውን ዲፕሎማስያውን ዜናውን ከበባ ክንገብረሉን ክንጽሎን፤ መልእኽትና ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ንዝርከብ ህዝብና ዋላ ውን ኣብ’ቶም ደገፍቱ ከነብጽሕን፡ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግብኣና። ከምኡ ውን፡ ንሲቪላዊ ማሕበራትን ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብን መልእኽትና ከምዝበጽሖም ክንገብር ኣሎና። ምስ’ዚ ኵሉ ግን፡ ነቲ ሽግር ብሰላማዊ ኣገባብ ኢና ክንፈትሖ እንደሊ። ኵሉ ኣዋጃትናን ጸዋዒትናን ድማ ነዚ’ዩ ዘረጋግጽ። ድሌትና፡ ብሓባር ኮፍ ኢልና፡ ነቲ ሕሉፍ ምዕራፍ ዓጺና፡ ኣብ ናይ መጻኢ መድረኽ ሃገራዊ መደብ ዕዮ ዝተሰረተት ሓዳስን ዘመናዊትን ብልጽግትን ሃገር ምህናጽ ኢዩ።

6. እቲ ስርዓት ንልዝብ ክቕበል ዘገድዶ እንታይ ዝተቐየረ ነገር ኣሎ? ንኣብነት፡ ስለምንታይ ኢኹም ወተሃደራዊ ኣገባብ ቃልሲ ዘይትጥቀሙ?

መልሲ፡- ነቲ ስርዓት ንምቕያርን ንምውዳቕን፡ ኵሉ ኣገባብ ቃልሲ ቅቡል ኢዩ። ወተሃደራዊ ኣገባብ ውን ሓደ  ካብኡ ኢዩ። ንሕና፡ ግን ንሰላማዊ ኣገባብ ኢና ቀዳምነት ንህብ። ወተሃደራዊ ኣገባብ፡ ምስ’ቲ ኣብ ዞናና ኣካቢቡና ዘሎ ኵነትት ውን ዝምድና ዘለዎ ኢዩ። ንሕና፡ ንሃገርና ካብ ኣዕናዊ ውግእ ሕድሕድ ከነናግፋ ኢዩ ምርጫና። ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ ወተሃደራዊ መሳርሒታትና ክንጥቀመሉን ከነናጣጥፎን ኣይንደልን ኢና። ምኽንያቱ ከኣ፡ ውግእ ዋጋኡ ቀሊል ኣይኰነን። ነቲ ስርዓት ከነጋልጽን፡ ዓለምና ቆላሕታኡ ናብኡ ክገብርን፡ ነቲ ግሃሲ ፖሊሲታቱ ከነብርህን ምኽኣልና እኹል ኢዩ። ክበርህ ዘለዎ ካልእ ጕዳይ ከኣ፡ ንሕና ንበይንና ጥራሕ ኣይኰነን ነቲ ስርዓት ንቃወም ዘሎና። ዝቃወምዎ መምህራን ናይ ዩኒቨርሲታትን ምሁራትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ውን ኣለዉ። ከምኡ ውን፡ ኵነታት ናይ ኤርትራ እናኸፍአ ይኸይድ ምህላዉ ዝከታተሉ ተዓዘብቲ ኣለዉ። ነዚ ስርዓት’ዚ ዝዅንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ ኣሎ። ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ሕማቕ’ዩ ዘሎ። ከምኡ ውን፡ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ እሱራት ኣለዉ። እዚ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንኤርትራ ምስ ኢሳያስ ኰይኖም ዘማሕድርዋ ዝነበሩ፡ ከም በዓል ማሕሙድ ሸሪፎ ኣብ ማእሰርቲ ዝበልዩ ኣለዉ። ኣብያተ-ክርስትያናትን መሳጊድን ተዓጽዩ። ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሃለዋት ናይ እሱራት ንምጽናዕ ናብ ኤርትራ ልኡኽ ሰዲዱ ነይሩ፤ መንግስቲ ኢሳያስ ግን ኣይተቐበሎምን። ብሓጺሩ፡ ኵሉ መዳያዊ ህይወት ኣብ ኤርትራ ሕማቕ’ዩ ዘሎ። ኣብያተ-ማሕቡስ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካብ ሰራዊትን ብዝሃደሙ፡ ናብ ፍርዲ ዘይቐርቡ እሱራት ኢዩ መሊኡ። ዶብ ናይ ሱዳን ክሰግር እንከሎ ዝተታሕዘ ስደተኛ ይቕተል ኣሎ። ዋላ እቶም ቀደም ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን መራሕትን ዝነበሩ፡ ሎሚ ምሳና ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኢዮም ዘለዉ። ናይ ቀደም ሚንስተር ምክልኻል ምሳና ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣሎ። ፍርቂ ካብ’ቶም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣብ ማእሰርቲ ኣለዉ። ልዕሊ 30 ዝዀኑ ቆንስላትን ኣምባሳደራትን ነበር ኣብ ውድባት ተቓውሞ ተጸንቢሮም ነቲ ስርዓት ግርም ገይሮም ስለዝፈልጥዎ የቃልዕዎ ኣለዉ። እቲ ኵነታት ንለውጢ ምቹእ ኢዩ ዘሎ። ምኽንያቱ ከኣ፡ እቲ ምፍሕፋሕ ኣብ ውሽጢ እናሰፍሐ ስለዝኸደን፤ ልዕሊ 70% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንሓደጋ ናይ ጥሜት ተሳጢሑ ስለዘሎን ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ነቶም ኣብ ሰብኣዊ መዳይ ዝተዋፈሩ ማሕበራት ክሰጕግን፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ካብኦም ከኣ፡ ስርሖም ደው ከብሉ ዝግድድ ቀረጽ ከኽፍልን ይርአ ኣሎ። ንሕና፡ እቲ ኵነታት ክመሓየሽ’ዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎና። ስርዓት ኢሳያስ ከኣ ናብ ውድቀት ገጹ’ዩ ዘምርሕ ዘሎ ዝብል ግምት ኣሎና። ስርዓት ኤርትራ ካብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ካብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ድማ ብፍላይ ስለዝተነጸለን፤ እቲ ቀደም ካብኦም ዝረኽቦ ዝነበረ ደገፍ ስለዝኸሰረን፤ ንሕና፡ ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ኣህጕራዊ ማሕበረ ሰብ ከም ዲሞክራስያዊ መተካእታ ከነቕርቦ ኢና ንሰርሕ ዘሎና።

7. ኣመሪካውያን ግን፡ ጌና ከም መሓዝኦም ኢዮም ዝቆጽርዎ ዘለዉ?

መልሲ፡- ኣይመስለንን። ምስ ኣመሪካ ዘሎ ዝምድና ተበላሽዩ ኢዩ። ንኣብነት፡ ኢሳያስ፡ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንመንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ መዓት ጸርፊ’ዩ ኣዝኒብሉ። ኣብኡ ተሳቲፉ ዝነበረ ኣምባሳደር ኣመሪካ ውን፡ ነዚ መጥቃዕቲ’ዚ ብምጽራር፡ ካብ’ቲ በዓል ክስሕብ ተገዲዱ። ኣመሪካውያን ረብሓታቶም ኢዩ ዘገድሶም። ነዚ ከኣ፡ ሕብእብእ ከይበሉ ኢዮም ረብሓና ልዕሊ ኵሉ ኢዩ እናበሉ ክገልጽዎ ዝስምዑ። እቲ ስርዓት ዋላ ዲክታቶር እንተዀነ፡ ኣብ ረብሓኦም ክሳዕ ዘይተዳፍኦም፡ ይሕልውዎን ይከላኸልሉን ኢዮም። ንረብሓኦም ዝጻረር እንተዀይኑ ድማ፡ ብኵሉ ዓቕሞም ኢዮም ዝቃለስዎ። ብርእይቶይ እቲ ዲሞክራሲ፡ ናጽነት ዝብልዎ መዐቀኒታት ንፖለቲካዊ ሃልኪ ጥራሕ ኢዮም ዝጥቀምሉ። ስለ’ዚ፡ ዝምድና ኣመሪካን ሱዳንን እንተደኣ ተመሓይሹ፡ ኢሳያስ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ወረቓቕቲ ኵሉ ክሓርር ኢዩ።

8. ኣመሪካ፡ ንኣብነት ከም’ቲ ኣብ ዒራቕ ዝገበረቶ፡ ኣብ ስልጣን ከተብጽሓኩም እንተደኣ መሪጻ፡ ክትቕበልዎ ዲኹም? ሕቶይ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ርእይቶ ብሸነኽ ሱዳን ኣሎ ድዩ ዝብል’ዩ?

መልሲ፡- ኣይኰነን። ንሕና፡ ናይ ደገ ሓይሊ ክድግፈናን፥ ኣብ ጐድኒ ርእይቶ ደው ክብልን፥ ድሌታትና ከኽብርን ጥራሕ ኢና ክንጠልብ ዘሎና እምበር፤ ለውጢ ከምጽኣልና ክንጽበ ኣይንኽእልን። ነቲ ስርዓት ናይ ምቕያር ወይ ምውዳቕ ሓላፍነት ንኤርትራውያን ጥራሕ ዝምልከት ጕዳይ ኢዩ። ንሕና መታን ንኤርትራ ከነመሓድር፡ ናይ ኣመሪካ ሰራዊት ናብ ኣስመራ ክኣቱ ኣለዎ ኣይንብልን። ንሕና፡ ብልዑላውነት ሃገርና ኣይንጻወትን ኢና። በቲ ክኸውን ይኽእልን ሕጋውን ኢዩ እንብሎ መንገዲ ግን፡ ናይ መንጐኝነት ተበግሶ ሓንጐፋይ ኢልና ንቕበሎ ኢና።

9. ነቲ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ዝዀነ ይኹን ዓወት ከየመዝገብኩም ን15 ዓመታት ኣብ ምቅዋም ትርከቡ ኣለኹም። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ እቲ ተቓውሞ ድኹም ስለዝዀነ ድዩስ ወይስ እቲ መንግስት ስለዝሓየለ ኢዩ?

መልሲ፡- እቲ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ድኹም ምዃኑ ክንሓብኣልኩም ኣይንደልን ኢና። ጠንቁ ከኣ፡ እቲ ተቓዋሚ ውድባት ተበታቲኑ ስለዝጸንሐ ኢዩ። ግን፡ ካብ 1999 ጀሚሩ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ፍልልያቶም ብዘየገድስ፡ ንመጀመርያ ግዜ ዝተሓተ ነጥብታት ዝሓዘለ ቻርተር ተቐቢሎም ኣብ ትሕቲ ሓደ ናይ ሓባር ጽላል 13 ውድባት ክጥርነፉ ምብቅዖም፡ ካብ ምብትታን ናብ ምትእኽኻብ ዘሰጋገረና ሓድሽ ተመኵሮ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓድሽ ውድብ ናብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣባል ክኸውን ተቐቢልና። እቲ ናይ ኪዳን ክሊ ኣብ መጻኢ እናሰፍሐን፤ ነቲ ስርዓት ንምልጋስ ዘኽእል ምቹእን ወድዓውን ኵነታት እናተማልአን ክኸይድ እንተደኣ ከይዱ፡ ንስርዓት ኢሳያስ ከነልግሶ ምዃና ነረጋግጸልኩም።

10. እቲ ኣብ መንጐ ኣስመራን ካርቱምን ዝተኻየደ ዘተ ናይ ጸጥታ ፋይል ሓዚሉ ምንባሩን፤ ኵነታት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ውን ኣካሉ ምንባሩን ይዝረብ። ስለ’ዚ፡ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ስጕምቲ ወይ መጥቃዕቲ ዝወስድ’ዶ ይመስለኩም?

መልሲ፡- ሱዳን፡ ህላወ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ንምድሳስ ስጕምቲ ክትወስድ’ያ ዝብል ግምት የብልናን። ከምኡ ዝብል ትጽቢት ብወገና የብልናን። እንተደኣ ኣጋጢሙ ግን፡ ንሕና ተመኵሮ ዘለዎም ተጋደልቲ ስለዝዀና፡ ምስ ዝዀነ ይኹን ሓድሽ ምዕባለ፡ እናተዓጻጸፍና ክንሰርሕ ንኽእል ኢና።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3277

Posted by on Jul 4 2006 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net