ቀዳማይን ዕላውን ጸብጻብ ናይቲ ብመጋባእያ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ ተኸቢሩ ዝወዓለ ብዓል ሓደ መስከረም

 
 
 
 
እቲ ብቐዳም ዕለት 02.09.06 ብመጋባእያ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ ተኸቢሩ ዝወዓለ በዓል ሓደ መስከረም ብዓወት ተዛዚሙ።ዕዱማት መብዛሕትኦም ስዓቶም ኣኽቢሮም ድሕሪ ምምጽኦም፡  በብጉጅለ ኮፍ ኢልካ ጉዳይ ሃገር ናይ ምምያጥን፡ ሕድሕድ ምልላይን፡ መደብ ናይ ምሳሕን ተገብረ።

ብድሕርዚ ድማ መደብ ናይ ሓደ መስከረም መበል 45 ዓመት ብዕሊ ተጀመረ። ኣብ መእተዊ ናይቲ በዓል፡ ብጻይ መሓመድ ብርሃን ፍትዊ ንዕዱማት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቱ ብድሕሪ ምቕራቡ፡ እቲ ባዓል ብዝኽሪ ስውኣት ከም ዝኽፈት ገብረ። ብምቕጻል እዚ ሎሚ ነብዕሎ ዘለና ባዓል ሓደ መስከረም፡ በቲ ኣቐድም ኣቢሉ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ናይ ሎሚ-ዓመት ብዓል ሓደ መስከረም ዝትገብረ ጻውዒት መሰረት፡ መደብና ቅድሚዚ ባዓልዚ ምግባርና፡ ሰላማዊ ሰልፊ ንምግባር ከምዝነበረን፡ ብተክኒካዊ ጉዳይ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንኽግበር ተማሓላሊፉ ከምዘሎን ድሕሪ ምግላጹ፡ ንኹሎም ተሳተፍቲ ናይቲ በዓል፡ ነቲ ንኸግበር ተሓሲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ኩሎም ፈተውቶምን ብጾቶምን፡ ኮይኖም ክሳተፍዎ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ምሕጽንትኡ ኣቕረበሎም። ካብኡ ብምቕጻል ድማ፡ ንኣባላት መጋባእያ፡ ቃል ውድቦምን ማሕበሮምን ንኸቕርቡ በብሓደ ዕድል ከፈተሎም።

ብኣቶ ወልድኣብ ፍስሓጽየን ዝቐረበ፡ ቃል ሲቪካዊ ማሕበር ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን።

ዝኸበርኩም ዕዱማት!!

ዝኸበርኩም ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝኸበርኩም ኣባላት ሰ.ዲ.ኤ

ኣቀዲመ ብስመይን፡ ብስም ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይን፡ ሰላምታይ ከቕርበልኩም ይፈቱ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን!!

ብሓደ መስከረም 1961 ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝተጀመረ፤ ብጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ብጾቱን ካብ ዝብሰር እነሆ ድሮ 45 ዓመቱ ኮይኑ።

ሳላቲ ዘይሕለል ጻዕርን መስዋእትን ጀጋኑ ኣሓትናን ኣሕዋትናን፡ ኣቦታትናን ኣዴታትናን፡ ድሕርቲ ሃገር ዘብረሰን፡ ብዙሕ ሂወት ዝበልዐን ዝተሓላለኸ ምእንቲ ነጻነት ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ፡ ብ1991 ይዛዘም ድኣምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ብድሕሪኡ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ቀሲኑን ትሓጒሱን ኣይፈልጥንዩ። በኣንጻሩ እኳ ድኣ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዕሱብ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኮይኑ ተገርፈን ተኣስረን፡ ብዘይ ዓስቢ ተገዝአን ንደቁ ንዳግማይ መስዋእቲ አሳጥሐን፡ ናብ ስደት ኣምርሐን ድኣምበር፡ ጻማ መስዋእቲ ናይደቁ ኣይረኸበን።

ሃገርና ኤርትራ ግን ናይቶም ውሑዳት፡ ንሂወቶም ዓቂቦም ንመንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሓዊ እንዳጠበሱ፡ ንሙሁራት እዳቐንጸሉ፡ ሃገራውን ህዝባውን ሓልዮት ንዘለዎም ደቀባት፡ ኮነ ኢሎም ብምሒር ግፍዒ ኣእምሮኦም ከም ዝስሕቱ እንዳገበሩ ዝመጹ መራሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍን ኮራኹሮምን፡ ዋንነት ኮይናያ ተሪፋ ዘላ።

እዚ ድማ ነቲ ዓመት-ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ብተቓወምቲ ኤርትራውያን ዝኸብር ዘሎ ብዓል ሓደ መስከረም፡ ኣዝዩ ፍሉይ ይገብሮ። ጅግና ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ኩሎም እቶም ብድሕሪኡ ብመስዋእቲ ዝሳዓቡ ጀጋኑን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ከላቕቕዎ ኢሎም ዝጀመርዎ ቅኑዕ ቃልሲ፡ ሎሚ ብድሕሪ ነጻነት ከምቲ ናታቶም ሕልሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕጉስን ቅሳነት ዘለዎን ሂወት ዘሕልፍ ኔሩ እንተዝኸውን፡ ንሓደ መስከረም ብምሉእ ሓጎስ ኣብ ማእከል እቲ ንፈትዎ ህዝብናን፡ ነፍቅራ ሃገርናን፡ ኰንና መብዓልናዮሞ፡ ብመስዋእቲ ጀጋኑና ዝያዳ ሓበን ድኣምበር፡ ጓሂ ኣይምተሰምዓናን።

ሎሚ ንበዓል ሓደ መስከረም ነብዕለሉ ኣብ ዘለና ማዓልቲ፡ ብዙሓት ደቀን ምእንቲ ሃገር ዘሰውኣ ስድራቤታት፡ ዕለታዊ መግቢ ምስኣን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሎሚኸ እንታይ ክመጸናዩ እንዳበላ ብፍርሒ ተሾቕሪረን ኣለዋ። ብኣሽሕት ዝቑጸሩ ደቂ ሃገር ተኣሲሮም፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኮንተይነራትን ጎዳጉድን ህ.ግ.ዲ.ፍ ይሳቐዩ ኣለዉ።

መንእሰያት ኤርትራ ብግብረ-ሽበራ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ኣብ ልዕሊኦም ይፍጸም ብዘሎ ግፍዕን ሕሱም ስቓይን፡ ንመርየት ሃህ ኢልኪ ውሓጥና ይብልዋ ኣለዉ። መዋእሎም ዝተቓለሱ ሓርበኛታት ተጋደልቲ፡ ነቲ ናይ ነጻነት ቃልሲ ዝገደፈሎም በሰላን ጠያይትን፡ ስነ ኣእሙራዊ ስምብራትን፡ ሓገዛት ክግበረሎምሲ ይትረፍ፡ ንሳቶምውን ይእሰሩን ይርሸኑን ኣለዉ።

ባዓል ሓደ መስከረም እንበኣር፡ ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ይበዓል ብምህላዉዩ ካብቲ ንሕና ኤርትራውያን እንደልዮን እንምነዮን ባዓል ሓደ መስከረም ዝፍለ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ጎቦ ኣዳል ብሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝተበሰረ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ንምልቓቕን፡ ኩሉ ዜጋ ብሰላም ዝነብረላ ሃገር ንምህናጽንዩ ኔሩ፡፡  ኣርትራ ሃገርና ግን መርየታ ድኣዩ ነጻ ወጺኡምበር፡ ህዝባ ኣብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ባርነትዩ ተነቚቱ ዘሎ።

ነቲ ቅዱስ ዕላማ ናይ ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ኣብ መዕረፊኡ ምብጻሕ እምበኣር ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ሓላፍነትዩ።

ኩልና ከምእንፈልጦ፡ እቲ ብተቓወምቲ ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ንምቕያርን፡ ምዕብልትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ መቓብር ህ.ግ.ዲ.ፍን ኣገልገልቱን፡ ንምህናጽዩ። ስለዚ ካኣ ነቲ ሎሚ-ጽባሕ እንዳበለ ምዓልቱ ዝጽብጽብ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዕድሚኡ ንምሕጻር እቲ ቃልሲ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ የድልዮዩ።  

ሎሚ ምስ ኣየናይ ውድብ ወይ ሲቪካዊ ማሕበር ኰንካ ትቃለስ ዘይኮነስ፡ ምስ መን ኩን ብዘየገድስ ኣብ ቃልሲ ምስታፍ ጥራሕዩ እቲ ቀንዲ ዝድለ ዘሎ። ስለዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ፡ ምስ ናተይ ስነ ሓሳብ ወይ ዕላማ ዝሰማማዕ ኣለዎ ዝብሎ ውድብ፡ ወይ ሲቪካዊ ማሕበር ኣትዩ፡ ምእንቲ ስምረት ናይተን ብዙሕ ዝፈላሊ ዘይብለን ውድባትን፡ ምእንቲ ምቅልጣፍ ንኹሉ ዘሳትፍ ሃገራዊ ዋዕላን፡ ክቃለስ ጉቡኡ ጥራይ ዘይኮነስ ሓላፍነቱውንዩ።

ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ግዲኦም ከዕዝዙን፡ ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ክሳተፍዎን ሂወት ክህብዎን ይግባእ። ከምዚ ጌርና ዓቕምታትና እንተድኣ ኣዋሃሂድና ድማ፡ ንበዓል ሓደ መስከረም ኣብ ሑቕፊ ህዝብና ኰንና ነብዕለሉ እዋን ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ።

ማሕበርና ከም ሲቪካዊ ማሕበር መጠን፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ንምምጻእ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ምስ ኩሎም ተቓወምቲ ውድባት ኮነ ውልቀ ሰባት ብምትሕብባር፡ ኩሉ እቲ ካባና ዝድለ ዝኾነ ብተወፋይነት ከነማልእ ምዃንና በዚ ኣጋጣሚዚ ደጊምና ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ። 

ባሕቲ መስከረም ንዘልኣለም ከቢራ ትንበር!!

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ንስዉኣትና!!

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!! ——- የቐንየለይ!

ኣቶ ወልደስላሰ ተስፋይ፡ ኣባል ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ኖርወይ፡ መግለጺ ሃበ። ኣቶ ወልደስላሰ ኣብ መግለጺኡ፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ብብዝሒ ደገፍቲ ኣብ ዝነበርዎ እዋን፡ በማኢት መላይን ዶላራት፡ ካብ ህዝቢ ሓገዛት ይረክብ ከም ዝነበረ ባዕሉ ይገልጾ ኔሩ። ሎሚ ከምኡ ዓይነት መግለጺታት ካብ ዘየውጽእ፡ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ህዝቢ እንዳጸልኦ ይኸይድ ከም ዘሎዩ ዘረድኣና። ከምቲ ጉቡኡ ካኣ እቲ ንህ.ግ.ዲ.ፍ ተነፊግዎ ዘሎ ሓገዛት ሎሚ ተቓወምቲ ክረኸብዎዩ ምተገብአ፡ አዚ ግን የለን። ስለዚ ካኣ ተቕውሞ መታን ክብርትዕን ዝያዳ ከድምዕን፡ ህዝቢ ክሕግዞን ከተባብዖን ኣለዎ ክብል፡ ዘረብኡ ደምደመ።

ኩቡራት ኣንበብቲ!! ካብዚ ብምቕጻል ድማ ብኣባል ማእከላይ ባይቶን፡ ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ጨንፈር ኖርወይን፡ ኣቶ ዘርአ ኣብርሃ ዝቐረበ መግለጺ እነሆ ከምዘለዎ ነቕርቦ። 

ሰልፊ ዲምክራሲ ኤርትራ الحزب الديمقراطي الإرتري

ቓል ሰልፊ ዲምክራሲ ኤርትራ ኣብ መጋባእያ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ ንምበል 45 ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም፡

ኩብራት ኣሕዋትን ኣሓትን!

ኩቡራት ኣባልት መጋባእያ ተቓወምቲ ኤርትራ ኣብ ኖርወይ!

ኩቡራት ዑዱማትን ኣጋይሽን

ብመጀመርያ ንዞም ንዚ ናይ ሎሚ መዓልትን መጋባእያ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ክምዝዕወት ዝገበሮ ኣብ ቓልሲ ዝርከቡ ጉዱሳት ኣሕዋተይ ክምስግን እፈቶ። እዚ ማጋባእያ’ዚ ሓዪሉ ንኩሎም ምእንቲ ድምክራሲ፤ ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ኣብ ኤርትራ ንምምጻእ ዝቓልሱ ኤርትራዊያን ክሓቚፍ ተስፋና ደረት የብሉን።

ብመበል 45 ዝኽሪ መስከረም ማዓልቲ በረታዊ ቓልስና ምብዓል ንደርፍን ጎልያን ዝዓለመ ዘይኮነ፤ መትከላት መስከረምን ሕድሪ ስዉኣትና ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ተዓቂቡ ከምዘሉን ንምርግጋጽ ዘትኲረ ብዓል ከምዝኩነ ምዝኽኻር ዘድልዮ ነገር ኣይኮነን።

ህዝብና ደላይ ኲናትን ደም ምፍስሳን ዘይኩነስ፣ ንሓያሎ ዓመታት ናጽነቱን ድሌቱን ንምርዋይ ኩሉ ሰላማዊ ኣገባብ ቓልሲ ተኸቲሉ እዩ። ግን ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓልም ጸማም እዝኒ ምስ ረኸበ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 በሬታዊ ቓልሲ ንምኡዋጅ ተገዲዱ።

ሰለዚ ደረጃ ብደረጃ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ኣብቲ ቃልሲ ተጸንቢሩ ከቢድ ዋጋ ድሕሪ ምኽፋል ናጸንትና ክንጭብጥ ክኢልና።

ከምቲ ዝሓለምናዮን ንሱወኣትና ተመባጺዕናዮን፤ ሎሚ ማዓልቲ ኣብ ክንዲ ኣብ’ታ ኤርትራ ድምክራስን ብዝሒ ሰልፊታትን ሰብኣዊ ፍትሕን ዝሰፈና ናይ ባዓል ባሕቲ መስከረምን ካልኦት ብዓላት እንብዕል፤ ኩላ ኤርትራ ናብ ዓቢ ቤት ማእሰርቲ ተቐዪራ ህዝብና ካብ መባእታዊ ነገረት ተሕሪሙ ይርከብ። እዚ ኹሉ ብሰንኪ ጉጉይ መምርሕን ፖልሲ መንግስቲ ህግድፍ ከምዝኹነ ብሩህ እዩ።

እዚ ኣብ ኤርትራና ወሪዱ ዘሎ ገበናዊ ተግባራት ናዕና ከቢድ ሓላፍነት ከምዝውርድልናን ምእንቲ ድምክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ምዕሩይ ዕድላት ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ንምምጻእን ቓልስና ክንድልድል ተወሳኺ ሓላፍነት ይውርደልና እዩ ኣሎ።

ስለዚ፦ መጋባእያ ተቓወምቲ ኤርትራዊያን ኣብ ኖርወይ ሓዲ ካብቲ እንኽተሎ ኣገባባት ቓልሲ ሰልዝኹነን ንኹሉም ኤርትራውያን ኣብ ስደት ምስ ባህሎምን ሃገሮምን ዝህሎም ምትእስሳር ንምሕያል ዝዓለመ ስለዝኹነ ኩሉ ኤርትራዊ ንዚ መጋባእያ ንምሕያል ክስራሕ ተስፋና ዓቢ እዩ።

ብወገና ከም ሰደኤን ጨንፈሩን ኣብ ኖርወይ፦ ንዚ መጋባእያ የኹን ንኩሉ ኣብ ምሕያል ምትእኽካብ ኤርትራውያንን ምድዳል ሓድነቶምን ዝዕድም ተበጎሶታት ንምጽንባርን ንምሕያልን ድሉዋት ምዃና ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ክንረጋግጽ ንፈቶ።

ደጊመ ምስገና ን ኣዳለውቲ እዚ ባዓል’ዚ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣት።

ይቕንየለይ።

2/09.06

ኦስሎ/ኖርወይ

መጋባእያ ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ  

04.09.06

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3280

Posted by on Sep 2 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net