ሓው ሑሴን ምስ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ክፍሊ ኣፍሪቃዊ ጕዳያት ተራኺቡ

ቤት ጽሕፈት ዜና

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

08.03.2006

ሓው ሑሴን ኸሊፋ፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ትማሊ ዕለት 07 መጋቢት 2003 ምስ ኣና ብራንት፡ ምኽትል ኣካያዲት ክፍሊ ኣፍሪቃዊ ጕዳያት ኣብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ሽወደን ተራኺቡ። ሓው ኢብራሂም ዓብደላን ሓው ፍስሃጽዮን ናይርን፡ ሓለፍቲ ናይ ዜና ፕሮጀክት ናይ ማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን ሽወደን፡ ንኣቦ መንበር ኣሰንዮም ኣብ’ቲ ርክብ ተሳቲፎም ነይሮም።

ሓው ሑሴን ኸሊፋ፡ ኣብ መእተዊ ዘረባኡ፡ ንሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ሽወደን፡ ነዚ ናይ ርክብ ዕድል ምፍቃዶምን ንስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ክሰምዑ ድልውነቶም ምርኣይን ብስም ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ምስጋናኡ ገሊጹ።

ቀጺሉ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞም ዘሎ ግፍዓዊ ፖሊሲታትትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ጸረ ዲሞክራስን ጸረ ሰላምን መርገጻቱን ብዝርዝር ኣብሪሁ። ናይ ህዝቢ ኤርትራ ድሌትን ትጽቢትን በቲ ስልጣን ዝጨበጠ ጕጅለ ከምእተጨውየን፥ እቶም ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ እተቓለሱ ፖለቲካዊ ውድባት ኣሸበርቲ ኢዮም ተባሂሎም በቲ ስርዓት ከምእተዀነኑን፥ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ናይ’ታ ሃገር ከይሳተፍይ ከም እተኸልከሉን፤ ንልዝብ ዝገበርዎ ጻውዒታት ሰማዒ እዝኒ ከምዝሰኣኑን ኣረዲኡ። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ብኣዕሩኽ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ጐረባብቲ ሃገራትን ኣቢሎም፡ ንዘተ ምስ’ቲ ስርዓት ከምዝጸውዑ ድማ ጠቒሱ።

ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ኵሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝሳተፈሉ ሰላማዊ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምርግጋጽ ኢዩ ጽዒሩ። እዚ፡ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ግን፡ ብስርዓት ኢሳያስ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ንሕና ጸረ ዓመጽን ግፍዕን ኢና፤ ኣብ ኤርትራ  ሰላምን ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ግዝኣተ-ሕግን ንምንጋስ ድማ ንቃለስ ኣሎና ኢሉ።

ብዛዕባ ምምስራት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብዝምልከት ከኣ፡ ካብ 1999 ጀሚሩ እተጓዕዞ መስርሕ ብዝርዝር ገሊጹ። ሓደ ውድብ ኣብ ኤርትራ ንበይኑ ሰላምን ዲሞክራስን ከረጋግጽ ኣይክእልን ኢዩ ካብ ዝብል ዕግበት ተበጊሶም 13 ውድባት ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ብ1999 ከም እተጠርነፉ፤ ድሒሩ ከኣ፡ ብመጋቢት 2005፡ ኣብ’ቲ ምሕዝነት ዘይነበሩ ውድባት ብምጽንባር 16 ውድባት ዘጽለለ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከምዝቖመ ኣብሪሁ።

ሓው ሑሴን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝምርሓሉ ቻርትርን ዝቕየደሉ ውሽጣዊ ሕግን፡ ከምዘለዎን፤ ውሕሉል ምምሕዳር ንምርግጋጽ ከኣ፡ ንበርገሳዊ ማሕበራት ፍሉይ ትዅረት ከምዝህብን፥ ዓቕምታት ኪዳን ክብ ኣብ ምባል ከምዝጽዕርን ሓቢሩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ቍጽጽርን ትካላትን ዘይብሉ ሓደ ሰብ ዘሕምቆ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምዃኑ ገሊጹ።

ብዛዕባ’ቲ ገለ ኣባላት ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ናይ ራዕዲን ሽበራን ጕጅለታት ኢየን ዝብል ጸለመታትን ጥርጠራታትን ኣመልኪቱ፡ ሓው ሑሴን ኸሊፋ፡ ናይ ኣመሪካ ናይ ስለላ ትካላት ኣብ መደበራት ተቓወምቲ ውድባት ብኣካል ከምዝበጽሑን፤ ዝዀነ ይኹን ናይ ሽበራ ንጥፈታት ከምዘየካይዳን፤ ብኣንጻሩ ምእንቲ ሰላምን ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላት ዝቃለሳ ውድባት ምዃነን ኣረጋጊጾም ናብ ሃገሮም ከምእተመልሱን ሓቢሩ።

ሓው ሑሴን ኸሊፋ፡ ግደ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ግጭት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ ኢዩ ንዝብል ካብ ኣና ብራንት ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ ተቓወምቲ ኣካል ናይ’ቲ ጐንጺ ከምዘይነብሩን፤ ግን፡ እቲ ጐንጺ ንህዝቢ ዝሃሲ ስለዝዀነ፡ ከም ተቓወምቲ ከገድሰና ግድን ኢዩ ኢሉ። ካብ’ዚ ተበጊስና፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ጐንጽን ምስኡ ዝዛመድ ካልእ ጕድያትን ንዘራረብ ኔርና ኢሉ። መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ምስ ተቓወምቱ ክዛረብ ከምዘይድሊ ውን ሓቢሩ።

ምስ ቀዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ ኣብ ዝገበርናዮ ዝርርብ፡ ናይ ዶብ ጐንጺ ብሓይሊ ክፍታሕ ከምዘይክእል ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ በጺሕና። ኢትዮጵያውያን ውን፡ ንሰራዊቶም ካብ ዶብ ስለዝሰሓቡ፡ እቲ ክኸሰት ኢዩ ተባሂሉ ዝፍራሕ ዝነበረ ውግእ ኣይተኸስተን። ከምኡ ውን፡ ናብ ሃገራት ምትሕጋጋግዝ ፎርም ሰንዓ፡ ናብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ናብ ዓረብ ሊግን ናብ ኣቶ ዓምር ሙሳ፡ ተጻብኣታት ደው ንምባልን ሰላም ኣብ መንጐ ክልቲኡ ሃገራት ንምስፋንን ግዲኦም ክጻወቱ ዝጽውዕ መዘክር ውን ኣቕሪብና። ብቐጥታ፡ ኣብ’ቲ ጐንጺ ናይ ክልቲኡ ኣቲና ግዴና ከነበርክት ዘኽእለና ወግዓዊ ውክልና እኳ እንተዘይብልና፤ ብዘይቀጥታዊ ኣገባብ ሰላም ንምስፋን ዘኽእለና ጻዕርታት ካብ ምክያድ ዓዲ ኣይወዓልናን ኢሉ።

ቀጺሉ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ስደተኛታት ኣመልኪቱ፡ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብ ነፍስወከፍ ሰሙን ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ጭቆናን ግፍዕን ናይ’ቲ ስርዓት ኣምሊጦም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ይኣትዉ ምህላዎም ሓቢሩ። እቲ ካብ ኵሉ ዘስግእ ድማ፡ እዞም ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ እቶም ከፍሪ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎም መንእሰያት ምዃኖም ኢዩ ኢሉ። ኣስዒቡ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ፡ 20,000፤ ኣብ ሱዳን ድማ 500,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ኣለዉ ኢሉ።

ኣብ መደምደምታ፡ ናይ ሽወደን ዘይመንግስታዊ ውድባትን ሰብኣዊ ማሕበራትን ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከብ መደበራት ስደተኛታት ክበጽሓን፤ ንስደተኛታት ዘድሊ ደገፋት ከበርክታን ጸዊዑ። ከምኡ ውን፡ ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ቻርተርን መዘክርን፤ ከምኡ ውን፡ ብመደበር ሶይራ ዝቐረበ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላትን ንእና ብራንት ኣረኪቡ።

ኣና ብራንት ውን ብሸነኻ፡ ናይ መንግስቲ ሽወደን ፖሊሲታትን መንግስታ ንኤርትራ እተበርክቶ ደገፋት ኣብሪሃ። ኣብ ዘረብኣ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝነበሩ ገለ ዓመታት፡ ተስፋታት ከምዝነበሮም፡ ድሒሩ ግን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላት ብዙሕ ከምዘይሰጐመ ድሕሪ ምግላጽ፤ መንግስታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎ ንዘሎ ጐደና ክቕይር ጸቕጥታት ከምዝገብር ኣረዲኣ።

ንጐንጺ ዶብ ኣመልኪታ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ብይን ክትቅበልን ኣብ ግብሪ ከተውዕሎን፤ ኤርትራ ከኣ ንልዝብ ድልውቲ ክትከውን ይግብኣ። ከምኡ ውን፡ ኤርትራ፡ ነቲ ንምንቅስቓስ ሰራዊት ዓቓቢ ሰላም ዝእግድ ውሳኔታታ ከተልዕሎ ኣለዋ ኢላ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3290

Posted by on Mar 8 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net