ዜጋታታ ዘይከብሩላ ሃገር፡ ክብርትን ኵርዕትን ክትከውን ዘይከኣል ኢዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
07 09 2006
 
 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ደቡብ ምድረ-በዳ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት፡ ብዘይካ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዝሓየለ ሰራዊት ዝነበራ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ቃልስን ዘርኣዮ ጽንዓትን ንኣህዛብ ናይ ዓለም ዘስደመመ ተርእዮ ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኰነን። መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ብኣመሪካን ሶቭየት ሕብረትን ዝምራሕ ዝነበረ ናይ ምዕራብ ሃጸይነትን ናይ ምብራቕ ዴስነትን ዝድገፍ ስርዓት ምንባሩ ድማ ዝያዳ ዘገርም ይገብሮ።

ሃገራት ምዕራብን ምብራቕን፡ ንረብሕኦም ልዕሊ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ከቐድሙ ዝደረኾ ምኽንያት ከኣ፡ ናይ ኤርትራ ዲኦግራፊካውን ስትራተጂካውን ኣቀማምጣ ኢዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰብኣውን ንዋታውን ዓቕምታቱ ውሑድ፡ ደገፍቲ ውን ዘይብሉ ምዃኑ’ኳ ይፈልጥ እንተነበረ፤ ብፍትሓውነት ናይ ጕዳዩ ኣሚኑን፡ ናጽነት ልክዕ ከም ማይን ኣየርን ህይወትን ክኽልከል ዘይብሉ መሰል ወዲ ሰብ ምዃኑ ተረዲኡን፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብረታዊ ተጋድሎኡ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣበገሰ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ናጽነት ሃገሩን ሓርነት ወዲ ሰብን ንምርግጋጽ፡ ልክዕ ከም’ቶም ካልኦት ኣህዛብ ንናጽነቶም ዝኸፈልዎ ክቡር ደምን ንብዓትን ስደትን ክኸፍል ምዃኑ ይግንዘብ ነይሩ ኢዩ። ካብ’ዚ እምነት’ዚ ተበጊሱ ከኣ’ዩ፡ ንንቁጽን ጥሉልን፡ ከተማን ገጠርን፡ ንሰብን እምንን ዘንደደ ናይ 30 ዓመታት ሓርነታዊ ውግእ ድሕሪ ምክያድ፥ ብ25 ግንቦት 1991 ንሰራዊት መግዛእቲ ሓግሒጉ ካብ መሬቱ ከውጽእን ናጽነቱ ክጐናጸፍን ዝበቕዐ።

በሽሓት ዝቝጸሩ ሰማእታት ብዝኸፈልዎ ደም፡ ሰራዊት መግዛእቲ ካብ ኵሉ ከተማታትን ገጠራትን ወጺኡ፡ ብጀጋኑ ተጋደልቲ ክትካእ እንከሎ፡ ኣዴታትን ኣሓትን ኣንስትን ዕንባባን ሰትን ሒዘን ይቕበላኦም ነበራ።

እዚ ናይ ሓጐስ ወቕቲ’ዚ ሓዘን ዝተሓወሶ’ዩ ነይሩ። እቲ ሓዘን ግን በቲ ዘጋጠመ መስዋእቲ ዘይኰነስ፡ እንታይ ደኣ፡ እቶም ካብ ኵላትና ዝኸበሩ ሰማእታትና፡ ነዚ ናጽነትናን ሃገርናን ዝተወልዳሉ ዕለትን ዝነበረ ሓጐስን ከይሰምዑ ምሕላፎም ኢዩ። ስደተኛታትና ግን፡ ናጽነት ኤርትራ ካብ እተረጋገጸትላ እዋን ኣትሒዞም፡ ናይ ስደት መዋእል ኣኽቲሙ፡ ናብ መሬቶምን ስድራቤታቶምን ክምለሱ ጥራሕ ኢዮም ሃረር ክብሉ ጸኒሖም። ህዝብና ነዚ ሓጐስ’ዝን፡ ነዚ ጽቡቕ ባህግን’ዚ፡ ንልዕሊ 50 ዓመታት ኢዩ ተጸብይዎ። እቲ 20 ዓመታት ሰላማዊ ቃልሲ ዘካየደሉ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ 30 ዓመታት ከኣ ብረታዊ ተጋድሎ ዘካየደሉ መዋእላት ኢዩ።

ሕጂ ከኣ፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 15 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ዝዓጸድናዮ ማእቶት እስኪ ንርአ። ድሕሪ ናጽነት ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ሃለዋት፡ ዋላ’ኳ ካብ’ቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዘሕለፎ ዝመረረ እንተዘይኰነ፥ ካብኡ ዝንእስ ግን ኣይኰነን። ድሕሪ’ዚ ኵሉ ህዝብና ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዘሕለፎ ሓሳረ-መከራን ውርደትን፥ ድሕር’ዚ ኵሉ ምእንቲ ፍትሕን ናጽነትን ዝኸፈሎ ክቡር መስዋእትን፡ ሰውራና ካብ ደቃ ጨቈንቲ ክትወልድ መን ተጸብይዎ?!!!

እታ ኣህዛብ ዓለም ዘድንቅዋን ዘመጕስዋን ዝፈትውዋን ዝነበሩ ኤርትራ፡ ሎሚ፡ ከም ተናኻሲትን ምንጪ ናይ ዘይምርግጋእ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን፥ ከምኡ ውን፡ ከም መሳርሒ ናይ ገለገለ ናይ ግዳም ሓይልታት ኣንጻር ረብሓታት ኣህዛብን መንግስታትን ናይ ዞናና ኰይና ኢያ ትፍለጥ። ስርዓት ኤርትራ ከኣ፡ ኣርሓ ናይ’ቲ ዞና ኰይኑ ድሌቱ ንምፍጻም ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት እናሻዕ ውግኣት ከባርዕ ይርከብ ኣሎ።

ኣብ ውሽጣዊ መዳይ ድማ፡ ስርዓት ኤርትራ፡ ነቲ ህዝብና ብዅሉ ዝውንኖ ዓቕምታት ንምርግጋጹ እተጋደለሉን እተሰውኣሉን ሃገራዊ ክብርታት ብምጥላም፤ ኣብ ክንዲ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብያተ-ማእሰርቲ ብምህናጽ፡ ካብኡ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ዘለዎም ዜጋታትን፥ ህዝብና ንዝተቓለሰሉን ዝተሰውኣሉን መሰረታዊ ናጽነታት ናይ ወዲ ሰብ ክረጋገጽ ዝጠለቡ ናይ ትማሊ ናይ ቃልሲ ብጾቱን ክኣስር ተራእየ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ከም’ቲ ኣብ ህንዲ እትሕተም መጽሔት “ኒው ስተይትስማን” ዝበለቶ፡ ህዝብን ሃገርን ስልጣንን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ናይ’ቲ ካብ’ቶም 10 ዝኸፍኡ ናይ ዓለምና ዲክታቶርያውያን ኣብ 2ይ ደረጃ ዝስራዕ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣትዩ። እቲ ስርዓት፡ ንመንእሰያት፡ ኣብ መደበር ሳዋ ብምጕራት ንናይ ባርነት ሃለዋትን ምዝመዛን የቃልዖም ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ቍጠባ ሃገር ከንቈልቍል፡ ጥሜትን ስእነተ ስራሕን ከም ሳዕሪ ሮማዲ ከስፋሕፍሕ፡ ስድራ-ቤታት ክበታተና ናይ ግድን ኰይኑ።

ኣብ ትሕቲ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታትን፡ ከም ውጽኢት ናይ’ቲ ግጉይ ፖሊሲታትን በሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ናብ ስደት ገጾም ከምርሑ ተገደዱ። ኣብ ነፍስወከፍ ዕለት፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ መብዛሕትኦም ከኣ ናይ ዩንቨርሲቲ ትምህርቶም ዝወድኡ ወይ ድማ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣትዉ ዝሸባሸቡ ዘለዉ መንእሰያት ናይ ኤርትራ ዶባት ኣቋሪጾም ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ይሰግሩ ኣለዉ።

ዋሕዚ ናይ’ዞም ኣዝዮም ኣገደስቲ ክፍሊ ካብ ክፍልታት ሕብረተሰብና ዝዀኑ መንእሰያት ናብ ስደት፡ ንህላዌን ቀጻልነትን ህዝብን መሬትን ኤርትራ ከም ሃገር ዝህድድ ዘሎ ዓቢ ሓደጋ ኢዩ። እታ ክንምለስ ሃረር እንብላ ዝነበርና ሃገርና ኤርትራ፡ ሎሚ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ስለእተቐየረት፡ መዓስ ካብኣ ንወጽእ ኢልና እንሓልመሉ ግዜ’ዩ መጺኡ ዘሎ። ነቲ ናይ ባሕቲ መስክረም ወለዶ ዝተቓለሰሉ ናይ መሰልን ዲሞክራስን ዕላማታት ንምርግጋጽ ሓደን ሓድነትን ኰይና እንተዘይተቓሊስና፡ እዚ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ኵነታት ክቕየር ኣይክእልን ኢዩ። ዜጋታታ ዘይከብሩላን፥ ናይ ንእስነት ዕድሜኦም ኣብ ቃልሲ ዘብለዩ፡ ነቲ ህዝብና ዝተቓለሰሉን ዝተሰውእሉን ዕላማታት መሰረታዊ ናጽነታት ወዲ ሰብ ምጥላቦም እንተዘይኰይኑ ካልእ ኣበሳ ዘይፈፈጸሙ ተጋደልቲ ደቃ ኣብ ማእሰርቲ ዝኣርጉላ ሃገር፡ ክብርትን ኵርዕትን ክትከውን ፈጺሙ ዘይከኣል ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ዓይጋ ፎርም እተባህለ ናይ ኢትዮጵያውን መርበብ ሓበሬታ ብዘውረዶ ሓበሬታ መሰረት፡ ንቤተ-ሰብ ናይ’ዞም ኣብ ታሕቲ ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊኦም ብዝተፈጸመ ናይ ዓዘባ ተግባራት ኣብ ማእሰርቲ እተሰዋኡ ምርኡያት ተጋደልትን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

  1. ማሕሙድ ሸሪፎ፡- ሓላፊ ዞባዊ ምምሕዳራት
  2. ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ፡- ኣባል ሚኒስትሪ ምክልኻል
  3. ሳልሕ ከክያ፡- ሚኒስተር መጕዓዝያን ርኽክባትን
  4. ኣስቴር እስጢፋኖስ፡- ሓላፊት ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዞባ ዓንሰባ
  5. ተስፋገርጊስ ካብ ወረዳ ጸሮና

 

ከምኡ ውን፡ ንቤተ ሰብ ናይቶም፡ ብሰንኪ ፖሊሲታት ስርዓት ኢሳያስ፡ ንሃገሮምን ዝፈትዉዎም ስድራታቶምን ገዲፎም፡ ዝሓሸ መነባብሮ ንምርካብ ንስደት እናምርሑ እንከለዉ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 283 መንእሰያት ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ መሪር ኵነታትን፡ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ህሞትን ንህዝብና ዘለዎ ምርጫ፡ ኣብ ጐድኒ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተሰሊፉ፥ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ምውዳቕን፤ ህዝብና ብሰላምን ርግኣትን ፍትሕን ብልጽግናን ዝነብረሉ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ኢዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3337

Posted by on Sep 7 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net