ቃለ-መሓትት ምስ ተጋዳላይ ተኽለ መለኪን

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
06.10.2006
 ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ግዜ ሓፈሻዊ ጕባኤኡ ንምግባር መዲቡ ኣሎ። ነዚ ዕላማ’ዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ብተጋዳላይ ተኽለ መለኪን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጕራዊ ዝምድናታት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ እትምራሕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጕባኤ ኣቚሙ።
ብዛዕባ’ዚ ንጥፈታት ናይ’ዛ ሽማግለ እዚኣን በጺሓቶ ዘላ ደረጃን ዝያዳ መብርሂ ንምርካብ፤ ቤት ጽሕፈት ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ምስ ተጋዳላይ ተኽለ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት ነቕርበልኩም።

1. ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንምንታይ ኣድለየ?

ድሕር’ዚ ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝኸድዎ ናይ ሓባር ጕዕዞን ኣብ መንጐኦም ዝተጠርየ ናይ ሕድሕድ ምትእምማንን፤ ነፍስወከፍና ጕዕዞና ዝምርሓሉ ብሩህ ትካላዊ ኣካይዳ ክህልዎ ንምግባር ብዕቱብ ክንሰርሕ ዕዙዝ ተደላዪነት ኣለዎ። እቲ ቅኑዕ መእተዊ ናብ’ዚ ጕዕዞ’ዚ ከኣ ጕባኤ ምክያድ ኢዩ። ምኽንያቱ ከኣ ብውድባዊ ዓይኒ ክርአ እንከሎ፡ ንቅርጻ ናይ ኪዳን ምምላእ ብሓደ ሸነኽ፤ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ኪዳን ክሳዕ ሕጅ ዝፈጸሞም ዕማማት ንምግምጋምን ኣብ መጻኢ እንምርሓሉ ፕሮግራምን ትልምታትን ንምሕንጻጽ ስለዘኽእል ኢዩ። ካልእ ጕባኤ ምግባር ዝድለየሉ ምኽንያት ከኣ፡ ውድባት ኪዳን፡ ንቃልስታቶም ከሐይሉን ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ክረኽቡ ዘኽእሎም ፕርግራምን ትልምታትን ንምሕንጻጽን፤ ብሓባር ንኽጕዓዙ ዘለዎዎም ዕቱብ ድሌት ዘንጸባርቑሉን ኣገዳሲ ዓውዲ ስለዝዀነ ኢዩ።

2. ጕባኤ ንምስንዳእ ብዝምልከት፡ ሽማግለኹም ኣበናይ ብርኪ በጺሑ ይርከብ?

ሽማግለና፡ ጕባኤ ንምስንዳእ ብዕለት 6 ሰነ 2006 ካብ እተወከለትሉ እዋን ጀሚራ ዕማማታ ንምስልሳል ተበጊሳ። ንኣገባብ ኣሰራርሓኣ ዝሰርዕ ውሽጣዊ ሕጋጋት ነዲፋ ናብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣቕሪባ። ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኪዳን ድማ ኣጽዲቑላ። ብቐዳምነት፡ ብመሰረት’ቲ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝሃባ፡ ርእይቶ ናይ ውድባት ኣብ ዝተፈላለዩ ጕዳያት ትቕበልን፤ ብድሕር’ዚ ድማ፡ ናይ ሓባር ዝዀነ ርእይቶታት ትጥርንፍን፥ ነቲ ናይ ፍልልይ ነጥብታት ከኣ፡ ከከም ደረጃኡ መምያ ትሰርዕን። ከምኡ ውን፡ ኣብ’ቲ ሕጂ ኣብ ማእከላይ መሪሕነት ዘሎ መጠን ውክልና ናይ ውድባት ብምምርኳስ፡ መጠን ውክልና ናይ ውድባት ኣብ ጕባኤ ኪዳን መጽናዕታዊ ግምታ ትህብ። ናይ ጉባኤ ቦታን ባጀትን ንዝምልከት ተዋሂብዋ ዝነበረ ዕማም ድማ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኪዳን ከቢብዎ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ርእይቶን ለብዋታትን ኣቕሪባ ኣላ።

እቲ ካብ ውድባት ክመጸና ዝተባህለ ርእይቶታት ድንጉይ ኢሉ እኳ ኣንተመጸ፤ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግን፡ እታ ሽማግለ ነቲ ካብ ውድባት ዝቐረበላ ርእይቶታት ብዕምቈት ተመልኪታ፡ ጸብጻባታ ናብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ንምቕራብ ኣብ መፈጸምትኡ በጺሓ ትርከብ።

 

3. ኣብ ቻርተርን ቅዋምን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዘሎ ዓበይቲ ፍልልያት እንታይ ኢዩ?

እቲ ናይ ፍልልይ ነጥብታት ሓድሽ ኣይኰነን። እታ ሽማግለ፡ ብፍላይ ንቅዋም፡ ቅርጻ፡ ዕማማት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ኣገባብ ኣመራርጻ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ዝምልከት ሃናጺ ርእይቶታት ተቐቢላ ኣላ።

ብጕዳይ ብሄራት፡ ዝቐረበልና ርእይቶታት ኣሎ። ንሕቶ ሸሪዓ ብዝምልከት ውን ዝቐረበልና ርእይቶታት ኣሎ። ብርእይቶይ፡ እቲ ነዚ ርእይቶታት’ዚ ኣብ ምቕራብ ኣብ ውድባት ሰፊኑ ዝነበረ መንፈስ፡ ኣብ’ቲ ጕባኤ ውን ቀጺሉ፤ ነዘን ሕቶታት ዝኸውን ብቑዕ መፍትሒ ክርከብ ይከኣል’ዩ በሃላይ ኢየ።

መጠን ውክልና ኣብ ማእከላይ መሪሕነት ብዝምልክት ድማ ኣዎንታዊ ርእይቶታት ቀሪቡልና። እዚውን እንተኾነ ኣብ መጻኢ ጉባኤ ተዘሪቡሉን ክትዕ ተኻይዱሉን ብኣወንታ ክዛዘም ተስፋ ዝግበረሉ እዩ። ሽማግለና ድማ ነቲ ዝቐረበላ ርእይቶታት በቦትኡ ኣትሒዛ ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራቶ ትርከብ

ንኣገባብ ቃልሲ ብዝምልከት ከኣ፡ ዳርጋ ኩሉ ተመሳሳሊ ርእይቶ ዝሃበሉ ኮይኑ፡ ወላውን ዝተፈልየ ርእይቶ ዘለዎ’ውን ብመትከል ምስቶም ዝበዝሑ ዘይፈላለ ምዃኑ ናይ ኣዎንታ ምልክት ኢዩ ክበሃል ይከእል።

4. ብውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ነዚ ፍልልያት’ዚ ንምስጋር ዝሕግዝ ዝቐረበ ርእይቶታት ኣሎ’ዶ? ወይስ ብሽማግለኹም ነዚ ፍልልያት’ዚ ንምቅርራብ ዝቐርብ ርእይቶታት ወይ ለበዋታት ክህሉ ድዩ?

ነቲ ዘሎ ጋግ ንምጽባብ፡ ፍልልያት ንምቅርራብ፡ ነቲ ባይታ ናይ ምርድዳእ ንምስፋሕ ዝሕግዙ ብዙሓት ርእይቶታት ቀሪቦም ኣለዉ። እዚ ከኣ፡ ውድባት ኪዳን ንዘለዎም ፍልልያት ሰጊሮም ንሓባራዊ ዕዮ ዘተባብዕ ጽኑዕ መሰረት ንምንባር ዘለዎም ተገዳስነት ዘንጸባርቕ ኢዩ።

ስለ’ዚ፡ ሽማግለና፡ ነቲ ዝተቐራረበ ርእይቶታት ናብ ሓደ ንምምጻእ ዝሕግዙ ለበዋታት ከተቕርብ ተሰማሚዓ ኣላ።

5. መጠን ውክልና ናይ ውድባትን ተዓዘብትን ኣብ ጕባኤ ከመይ ክኸውን ኢዩ? ወጻእተኛታት ተዓዘብቲ’ኸ ክህልዉ ድዮም? እቲ ጕባኤ ዝካየደሉ ቦታ ኣበይ’ዩ ክኸውን?

መጠን ተሳታፍነት ኣብ ጕባኤ፡ በቲ ጕባኤ ዝካየደሉ ቦታ ኢዩ ዝውሰን። ጕባኤ ዝካየደሉ ቦታ ከኣ፡ ምስ ፖለቲካዊ ኵነታት ዝተኣሳሰር ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ከም’ቲ ቅድም ክብል ዝኣመትክዎ፡ እታ ሽማግለ፡ ኣብ’ዚ ጕዳያት’ዚ ዘለዋ ርእይቶታት ናብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ከተቕርብ ኢያ። ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ድማ፡ ቅኑዕ’ዩ ዝበሎ ውሳኔ ክወስድ ኢዩ። ፈ/ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ ተሳትፎ ናይ ሲቪላውያን ማሕበራት፡ ናይ መጽናዕቲን ናይ ዜናን መደበራት ወዘተ ብዝምልከት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክትርእዮ መምርሒ ሂቡ እኳ እንተነበረ፡ ብቐዳምነት ምስታ ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ሽማግለ ዝተኣሳሰረኳ እንተኾነ፡ ብዛዕባ ብዝሒ ተሳተፍቲ ንዝምልከት ምስ ቦታ ጉባኤ ዝተኣሳሰረ ኢዩ ክኸውን። ብፍላይ ወጻእተኛታት (ናይ ካልእ ዜጋታት) ተዓዘብቲ ብዝምልከት ግን፡ ኣብ’ቲ ካብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝተዋህበና መምርሒታት ዝተጠቓለለ ኣይኰነን።

6. ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ህዝብና ቀዳምነት ኣብ ዘይህቦ ጓል ነገር ጕዳያት ኢዩ ዘድህብ ዝብል ካብ ገለገለ ኵርንዓት ዝመጽእ ነቐፌታ ከመይ ትርእዮ?

ብቐዳምነት፡ ምስ’ዚ ኣበሃህላ’ዚ ከምዘይሰማማዕ ከረጋግጽ እፈቱ። ዋላ ውን፡ ነቲ ኣብ ኪዳን ዝለዓል ጕዳያት ኣቃሊለ ዝርእዮ ኣይኰንኩን። ናይ ሸሪዓ ይኹን ናይ ብሄራት ጕዳይ፡ ነቲ መሰላት ብዝረጋግጽን፥ ነቲ እንቃለሰሉ ዘሎና ናይ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ህዝብና ብስኒትን ብሰላምን ናይ ምንባር ዕላማታት ክውን ንምግባርን፤ ንቃልስታትና ዘሐይልን ብቑዕ ፍታሕ ዘድልዮ ህያው ጕዳይ ኢዩ። ኮይኑ ግን ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዝርከብ ሕቶታት ሓደ መደምደምታ ከይተገበረሉ ክቕጽል ኣንተኾይኑ፣ እቲ ጉዳይ፡ ጉዳይ ጓል ነገር ጥራሕ ዘይኮነስ ካብኡ ዝለዕለ ኢዩ ክኸውን፣ ብሓጺሩ ንኪዳን ዘየሰጉም፡ ነቲ ንመጻኢ ክግበር ዝምደብ ኩሉ ክዕንቅፍ ዝኽእል ከም ዝኸውን ዘየጠራርጥር ኢዩ።

7. ብርእይቶኻ፡ ነቲ ስርዓት ንምግጣም፡ እቲ ዝበለጸ ኣገባብ እንታይ ኢዩ ትብል?

እቲ ዝበለጸ ኣገባብ ንምግጣም ናይ’ቲ ስርዓት፡ ኪዳን ንህዝቢ ኣብ ጐድኑ ደው ከምዝብልን ንጡፍ ግደ ከምዝጻወትን ምግባር ኢዩ። ከምኡ ውን፡ ኪዳን ኣብ ህዝባውን ዜናውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ግዲኡ ርኡይ ክኸውንን፤ ኣብ ውሽጢ ይኹና ኣብ ግዳም ዝርከብ ህዝብና፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ሓቀኛ መተካእታ ናይ’ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት’ዩ ዝብል ዕግበት ዘሕድረሉ ጽዓታታት ከካይድን ኣለዎ። ከምኡ ውን፡ ለውጢ ንምምጻእን ነቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕን ናይ ውሽጢ ረቛሒታት ምምላእ ዓቢ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ሓቂኳ እንተኾነ፤ ኣብ ብዙሓት ከም ናህና መሰል ምንቅስቓሳት፣ ለውጢ ንምምጻእ ኰነ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ደገፍ ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ተደጋጊሙ ዝተራእየ ሓቂ ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንጡፍ ናይ ኣህጉራዊ ምንቅስቓሳት ብምክያድ ነዚ ዘሎ ስርዓት ንምውዳቕን ህዝቢ ኤርትራ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ንክምራሕን ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ውክልንኡ ከእምንን ደገፋት ከረጋግጽን ክበቅዕ ይግባእ።

8. ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብዝምልከት መንግስትን ተቓወምቲ ውድባትን ዝስከምዎ ሓላፍነት እንታይ’ዩ? ነዚ ቅልውላው’ዚ ንምስጋር’ከ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል?

ብቐዳምነት፡ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከምዘሎ ዘይቅበልን፤ ንህላወ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ዝኽሕድን፤ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ቅልውላው ንምፍታሕ ድሌት ዘይብሉን ስርዓት ህግዲፍ’ዩ ሓላፍነት ናይ’ዚ ህልዊ ፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራ ዝስከም። ኩሎም ኣብቲ ዘሎ ስርዓት ጥቕሚ ዘለዎም ዘበሉ ድማ፡ ብህላወ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ምእማን፡ መወዳእታ ናይ ስልጣኖምን ጥቕሞምን ኮይኑ ስለዝመዝንዎ’ዩ።

ብመሰረቱ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዝርከብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ኣብ ምብሓት ስልጣን ዝተመስረተ ፖሊሲ ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝተፈጥረ እዩ ምባል መሰረት ዝረገጸ ሓቂ ኢዩ። ተሰካም ሓላፍነት ድማ ባዕሉ እቲ ነቲ ስርዓት ዝመስረተ ሸነኽ ኢዩ።

ብኻልእ ሸነኽውን እቲ ብዝሒ ናይ ተቓወምቲ ውድባትን ኣብ ሞንጎአን ክረአ ዝጸንሐ ዘይምውህሃዳትን ነቲ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክወሃቦ ዝግባእ ምሉእ ኣትኩሮ ክዓናቕፎ ጸኒሑ እዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ (ውሽጥን ግዳምን) ቅልውላው ፈጢሩ ዝጸንሓን ዘሎን ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባውን ኣካል ናይ ኤርትራዊ ፖሊቲካዊ ቅልውላው ምዃኑ ርዱእ እዩ። ነዚ ንምፍታሕ ከኣ፡ ዝተፈላለዩ ዝንባሌታትን ፍልስፍናን ዘለዎም ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተጠርኒፎም ይቃለሱ ኣለዉ። ምስዚ ከነወዳድሮ ኣንከለና፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ሸነኽ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዝጸንሐ ቅልውላው ንምፍታሑ ዝኾነ ይኹን ፈተነ ዘይምግባሩ ዝለዓለ ሓላፍነት ከምዝስከም የረድእና።

9. ኣብ ዞባና ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳን። ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ መጻኢ ንጥፈታት ከመይ ክኸውን’ዩ ትብል?

ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዞባና ኣብ ሕድሕድ ምክብባርን ኣብ ምርግጋጽ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመርኰሰ ናጻ ዝዀነ ዝምድና ንምፍጣር ኵሉ ግዜ ቀዳምነት ክንህቦ ዘሎና ዕማም ምዃኑ ክንግንዘብ ይግብኣና። ዝተፈላለዩ መንግስታት ናይ ሱዳን፡ ቅድም ዝነበሩ ይኹኑ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ፡ ኣብ ጕዳይ ህዝብና ዝሓዝዎ መርገጻት ነመጕሶ ኢና። እንተዀነ፡ ረብሓኦም ገዲፎም ንረብሓታትና ከረጋግጹ ኣይንጽበን ኢና። ንኣብነት እቲ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ኤርትራን ሱዳንን ዝተጋህደ ዝምድናታት ብዝምልከት ምናልባት ናቱ ጽልዋታት ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ይህልዎ ይኸውን።

ብርታዔን ዕብየትን ተቓወምቲ ውድባት ነቲ ኣብ ዞናና ዝርከባ ሃገራት ብዛዕባ ተቓውሞ ሓይልታት ይኹን ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብዝምልከት ዝወስድኦ ስጉምቲ ይኹን ዝኽተልኦ ፖሊሲ ፍልልይ ከምጽኣሉ/ክገብረሉ ይኽእል ኢዩ። ሓድነትካ ኣደልዲልካ፡ ህዝብኻ ጠርፍካ ብተግባር ክትሕይልን ክትደፍእን ምብቃዕ ድማ ኣብ ከባቢኻን ዓለምን ክትስማዕን ኣብ ግምት ክትኣቱን ይገብረካ።

ዝኾነ ኾይኑ፡ ንሕና ምስ’ቲ ምእንቲ ዲሞክራሲ እነካይዶ ዘሎና ቃልስታት ዝሳነ ዞባውን ኣህጕራውን ዝምድናታት ክንፈጥር ኢና ክንጽዕር ዘሎና።

10. ናይ መወዳእታ ትብሎ ቃል እንተልዩካ?

ኣብ ኣሰናዲት ሽማግለ ኪዳን ዘሎኒ ናይ ኣቦ መንበርነት ቦታ፡ ብዛዕባ ዓንቀጻት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ ክህልወንን፤ ከምኡ ውን፡ ካብ ዝተፈላለዩ ውድባት ዝቐረቡ ርእይቶታት፡ ነቲ ዘሎ ፍልልያት ናይ ምስጋሩ ተኽእሎታት ኣሎ ዝብል ስምዒት ከሕድር ኣኽኢሉኒ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ነብሱ ብምሕያል ማዕረ’ቲ ዝጽበዮ ሃገራዊ ሓላፍነት ክብ ክብልን፤ ከምኡ ውን፡ ምስ ሲቪላዊ ማሕበራትን ውሩያት ሃገራውያን ባእታታትን ብምርኻብ፤ ጽዓታቶም ንሓባራዊ ዕላማታት ከጸምድን’ዩ ዝብል ተስፋ ኣሎኒ።

እብዚ እዋንዚ ንኪዳን ዝጻረሩ ሸነኻት እንተ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ነቲ ስርዓት’ዮም ዘገልግሉ ዘለዉ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ዕላማኡ ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንምእራምን፡ ኪዳን ንባህግታት ህዝቢ ኤርትራ ንከማልእ ንክበቅዕ ተባሂሉ ዝግበር ነቐፌታ እንተዀይኑ ግን፡ ኣካል ናይ ደምበ ተቓውሞ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ።

ሓፈሻዊ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንምዕዋት ኵሉ ዝከኣል ጻዕርታት ክካየድ ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ተቓዋሚ ኣብ’ቲ ተቓወምቲ ውድባት ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልስታት ግዴኡ ከበርክት ድሉው ምስዝኽውን ድማ ኢዩ ደምበ ተቓውሞ ክድልድልን ክዕወትን ዝበቅዕ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3339

Posted by on Oct 6 2006 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net