ቃለ-መሓትት ምስ ሸኽ ሓምድ ቱርኪ ሓላፊ ገንዘባዊ ጕዳያት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ቤት ጽሕፈት ዜና

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

14.06.2006

ኵነታት ኤርትራ ኣብ ኵሉ መዳያት ቅልጡፍ ምዕባለታት የርኢ ኣሎ። ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ከም ውጽኢት ናይ’ቲ በሓትን ቀንጻልን ፖሊሲታት ብቍጣባዊ ቅልውላው ይሳቐን፡ ናይ ህዝቢ ተቓውሞታት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዓበየን ዓቕሉ እናጽበበሉን ይመጽእ ኣሎ። ብሸነኽ ደንበ ተቓውሞ ከኣ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካብ 25 ሚያዝያ ክሳብ 4 ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዜ ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ንመጻኢ መድረኽ ብዝምልከት፡ ብዙሓት  ኣገደስቲ ውሳኔታት ውን ኣሕሊፉ። ነዚ ብዝያዳ ንምብራህ፡ ምስ ሸኽ ሓምድ ሳልሕ ቱርኪ ዝገበርናዮ ቃለ መሓትት እንሆ ነቕርበልኩም።

1. ገምጋምኩም ኣብ ስርሓት ኤርትራራዊ ዲሞክራስይዊ ኪዳን እንታይ ኢዩ?

መልሲ፡- ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካብ ዝምስረት ልዕሊ ሓደ ዓመት ኰይኑ። ሽሕ’ኳ ንገለገለ መስረቲ ዝዀና ውድባት ገለ ዕንቅፋታት እንተኣጋጠመን፤ ኪዳን፡ ምስ ኤርትራውያን ይኹኑ ምስ ወጻእተኛታት ዘለዎ ርክባት፤ ብዝተፈላለዩ መሳርሒታት ናይ ዜና ማዕከናቱ ዘካይዶ ንጥፈታት፡ ንሃገራውን ገድላውን በዓላት ኣብ ምኽባርን ምዝካርን ዘካየዶም ንጥፈታት ኣቃሊልካ ዝርኣዩ ኣይኰኑን። እንተዀነ ግን፡ እቲ ክሳዕ ሕጂ ተፈጺሙ ዘሎ ዕማማት፡ ማዕረ’ቲ ማእከላይ መሪሕነትን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ዝሓንጸድዎን ዝተለምዎን መደባት ኣይኰነን። ንኪዳን ኣካቢብዎ ዘሎ ጽንኩር ኵነታት ከኣ ንዅሉ ብሩህ ኢዩ። ምስ’ዚ ኵሉ ግን፡ ነቲ ዘጋጠመና ዕድላት ንምጥቃም ብዘሎና ዓቕምታት ተዋሲእና ኢና ክንብል ኣይንኽእልን።

2. ስርዓት ኣስመራ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ሱዳን፡ ንዘለዎ ዝምድናታት ንምምሕያሽ ፈተነታት የካይድን፤ ከምኡ ውን፡ ዶብ ንምሕንጻጽ ምስ ኢትዮጵያ ዘተ ጀሚሩን ኣሎ። ነዚ ምዕባለታት’ዚ ከመይ ትርእይዎ?

መልሲ፡- ስርዓት ኤርትራ፡ ዕብለላኡ ኣብ ዞናና ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት ንምርግጋጽ ዝገበሮ ፈተነታት ኵሉ ድሕሪ ምፍሻሉን፤ ኵሉ’ቲ ዝምርኰሰሉ ወይ ዝምዝምዘሉ ዝነበረ ኣገደስቲ ወረቓቕቲ (ስልትታት) ድሕሪ ምሕራሩን፤ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ብዘይካ ኣብ’ታ ዝተረፈቶ ሓንቲ ገመድ ምንጥልጣል ካልእ ምርጫ ኣይነበሮን። ስለ’ዚ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ንዝነበሮ ዘይተፈትሐ ግርጭታት፡ ሓይሊ ዘለዎ ንኸመስል፡ ጃህራን ትዕቢትን ዝተሓወሶ ተበግሶታት ክወስድ ጀመረ። ስለ’ዚ፡ እቲ ፍሹል ናይ ቅንጸላ ፖሊሲታቱ ንሃገርና ኣብ ገምገም ጸድፊ ስለዘብጽሓ ኢዩ፡ ሕጂ ንድሕነት ስልጣኑ ክብል ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ቆላሕታ ክገብር ዝርአ ዘሎ።

3. ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኪዳን ዘለዎ ትጽቢት ብዙሕ ኢዩ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን’ከ ብመንጽር’ዚ ትጽቢት’ዚ ኣበይ ኣሎ ትብል?

ብዛዕባ’ቲ እናንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ኤርትራ ብዝምልከት፡ እቲ ስርዓት ብዝተኸተሎ ግጉይን ገበናውን ፖሊሲታት ጸጥታን ርግኣትን መነባብሮን ህዝቢ ኤርትራ ንብዙሕ ሓደጋታት ተሳጢሑ ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተቓወምቲ ደቁ ብሓፈሻ፥ ኣብ ውድባት ኪዳን ድማ ብፍላይ ትጽቢታት ክገብር ባህርያዊ ኢዩ። ንኪዳን ዝድግፉ መንግስታት ውሑዳት ምዃኖም ግን፡ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ። ኣብ ኣህጕራውን ዞናውን መዳያት ዝወዳደሩ መሰረታውያን ሓይልታት ኣብ ዝውሓድሉን፤ ሓደ ርእሰ-ሓያል ደንበ ጸብለልትነቱ ኣብ ዘረጋገጸሉ መድረኽን፤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ሓጺር ግዜ ብምልጋስ፡ ትጽቢታት ህዝብና ጋህዲ ክገብር ኣይከኣለን። ምስ’ዚ ኵሉ ግን፡ እቲ ስርዓት ውድቀቱ እናተቐራረበ፡ መጋበርያታቱ ድማ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሎም ናብ ህድማ ዘምርሕሉ፤ ወይ ድማ ሃገራዊ ዕርቂ ዝረጋገጸሉ ግዜ ይመጽእ ምህላዉ ዝሕብሩ ምልክታት ይርኣዩ ኣለዉ። እቲ ዝበኣሰ ከኣ፡ ካብ ናይ እግዚኣብሄር ፍርድን ቍጥዐን ከምልጡ ዘይኽእሉ ምዃኖም ዘይምፍላጥ ኢዩ። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ህዝብና ብጽንዓትን ብትዕግስትን ክቃለስን፤ ነቲ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸሞ ዘሎ ንዕቀትን ውርደትን ክቃወምን፤ ኣብ ጐድኒ ተቓወምቲ ሓይልታት ደው ኢሉ ንዋታውን ሞራላን ደገፍ ከበርክትን ነቲ ኵነታት ንምቕያር ብትብዓት ክብገስን ኢዩ ዝጥለብ ዘሎ።

4. ማእከላይ መሪሕነት ካብ 25 ሚያዝያ ክሳብ 4 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ካብ ዘመሓላለፎም ኣገደስቲ ውሳኔታት እንታይ ኢዮም?

መልሲ፡- ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ካብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝቐረበ ጸብጻብ ብዕምቈት ተኻቲዕሉ። ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስይዊ ኪዳን ጠቕላል ጕባኤ ቅድሚ ምዝዛም ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ክግበር፤ ተሳተፍቲ ጕባኤ ክዀኑ ዘለዎም መን ምዃኖም ወሲኑ። ከምኡ ውን፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ኰይነን ዝሰርሓ ሽማግለታት ማለት፡ ሰነዳት ናይ ጕባኤ ኪዳን እተሰናድእ ሽማግለን ንምስንድእ ሃገራዊ ዋዕላ እተጽንዕ ሽማግለን ከቕውም ተመዚዙ ኣሎ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ንሰልፊ ኣልናህዳ ኣባል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ክኸውን ተቐቢሉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ጭቆናን በደልን ዘካይዶ ዘሎ ቃልስታት ከሐይልን፤ ፍትሕን ልምዓትን ዲሞክራስን ዝሰፈና ሃገር ንምምስራት ጻዕርታቱ ከኻዕብት ጸዊዑ።

5. ክሳዕ ሕጂ፡ ኣብ መሪሕነት ኪዳን ዘይተወከሉ ሓይልታትን ተዋሳእትን ብፍላይ ከኣ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምሁራት፡ ሲቪላዊ ማሕበራት …ወዘተ ኣለዉ። እንታይ’ዩ እቲ ምኽንያት?

መልሲ፡- ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሃገራውያን ምሁራት ውልቀሰባት ካብ’ቲ ናይ ውሳኔ ቦታ (መሪሕነት) ርሒቖም ዝርከብሉ ምኽንያታት እዚ ዝስዕብ ኢዩ።

  • ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ከሕልፎ ዝጸንሐ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ሃለዋትን፤ ፍሉይ ኵነታት ሰውራ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ’ዞም ክፍልታት እዚኣቶም ዘሕደሮ መረረታትን ኣብ ግምት ብምእታው፤ ሜዳ ኤርትራ፡ ሲቪላዊ ማሕበራት ክቖምሉ ዝኽእሉ ሓቀኛ እምነ-መሰረት ከንብር ዘይምብቃዑ፤
  • እዞም ሕጂ ሲቪላዊ ማሕበራት ክምስርቱ ዝመባጽዑ ዘለዉ ውድባትን ምሁራትን ካልኦት ክፍልታት ናይ ሕብረተሰብናን ጌና ኣብ ናይ ምጅማር ደረጃ ኢዮም ዘለዉ። ካብ’ቲ ምስ ፖለቲካዊ ውድባቶም ዘለዎም ምትእስሳርን ኣብ ውድባቶም ዘለዎም እምነትን ሓራ ኰይኖም፡ ንነብሶም ወይ ነቲ ዝብጽሕሉ ክፍሊ ናይ ሕብረተሰብ ዝዓበየ ረብሓታት ዘረጋግጽሉ ውሽጣዊ ናጽነት የብሎምን። እዚ ክብል ከለኹ፡ ሲቪላዊ ማሕበራት ምስ ውድባት ዘለዎም ዝምድና ኵሉ ከቋርጽዎ ኣለዎም ንምባል ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፡ ኣብ ኵሉ ንፖለቲካ ናይ ኤርትራ ዝምልከት ጕዳያት፡ ሲቪላውያን ማሕበራት፡ ፍልይ ዝበለን መለለዪኦም ዝኸውንን መልእኽትን መርገጽን ክህልዎም ይግባእ ንምባል ኢዩ። ምስ ውድባት ዘለዎም ዝምድናታትን ምትእስሳርን ብዘየገድስ፡ ናይ ኣባላቶምን ናይ ህዝቢ ኤርትራን ረብሓታት ዝገልጹ ማሕበራት ክዀኑ ኣለዎም።
  • ነተን ህልዋት ዝዀና ሲቪላዊ ማሕበራትን ነቶም ምሁራትን ክንጥቀመሎም ዘየኽኣለና ዓቢ ዕንቅፋት ብርእይቶይ ገለገለ ውድባት ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎም መርገጻት ኢዩ። ኣብ ኪዳን ክትዓት ክካየድ እንከሎ፡ እከለ ናይ እከለ ኢዩ፤ እከለ ንእከለ ኢዩ ዝድግፍ ዝብል ፖለቲካዊ ሕሳባት ኣብ ግምት ስለዝኣቱ ኢዩ። ስለ’ዚ፡ እቲ ጕዕዞ ነዊሕ ኢዩ፤ ግን’ከ ሲቪላዊ ማሕበራትን ምሁራትን ሃይማናታውን ማሕበራውን መራሕትን ባህርያዊ ቦታኦም ምሓዞምን፤ ኣብ ሓፈሻዊ ህይወት ናይ ህዝብና ግዲኦም ምጽዋቶምን ኣይተርፎምን ኢዩ።

 

6. ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ንሃለዋት ናይ ስርዓት ኤርትራን ኣብ ከባቢና ዝኸይድ ዘሎ ለውጥታትን ዝግምግመሉ መሳርሒታት እንታይ ይመስል?

መልሲ፡- ኪዳን፡ ንኵነታት ስርዓት ኤርትራ ንምግምጋም ዝጥቀመሎም መሳርሒታት ብዝምልክት፡ ሽሕ’ኳ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ተነጽሎ ይነብርን፣ ምስ ዓለም ውን ዝምድናኡ ብቱኽ እንተዀነን፤ ናይ መራኽብን ናይ ዜናን መስኖታት ክዓጹ እንተፈተነን፤ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምዕባለታት ንተቓወምቲ ውድባት ይኹን ንህዝቢ ኤርትራ ሕቡእ ኣይኰነን። መንግስቲ ኤርትራ ደው ዝብለሉ ኣዕኑድ እናፈረሰ ምኻዱን፥ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ሕማቕ መነባብሮን፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ስርዓት ዘሕድሮ ዘሎ ቍጥዐን፡ ንሕግታት ናይ ኣስገዳድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምጽራር ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ብዘይምቝራጽ ዝውሕዝ ዘሎ መንእሰይን ንፖሊሲታት ናይ’ቲ ስርዓት ዝገብሮ ዘሎ ተቓውሞታትን፤ ዓበይቲ ሰበ-ስልጣን ነበር ነቲ ስርዓት ጠንጢኖሞ ዝኸዱ ዘለዉን፤ ኣብ ርእሲኡ ከኣ፡ ተቓወምቲ ውድባት ምስ ውሽጢ ኤርትራ ዘለወን ርክብን ዝምድናን ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ምሉእ ሓበሬታ ንምርካብ ዝሕግዙ ምንጪታት ምህላዎም ንምርዳእ ኣጸጋሚ ኣይኰነን። ስለ’ዚ፡ ኪዳን ብዛዕባ ውሽጣዊ ሃለዋት ኤርትራ ዝገብሮ ገምጋም፡ ኣብ ምሉእ ሓበሬታን ፍልጠትን ዝተመርኰሰ ኢዩ። ኣብ’ዚ ምክትታትልን ኣብ’ዚ ንባብን’ዚ ተመርኵሱ፡ ብዛዕባ ሓቀኛ ውሽጣዊ ሃለዋት ኤርትራን ስርዓት ኣስመራን ዝግምግም ከኣ፡ እቲ ስሩዕ ኣኼባታት ናይ ማእከላይ መሪሕነትን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ኢዩ። መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራን ፖሊሲታት እቲ ስርዓትን፡ ካብ ካድራቱን መሰረታቱን ዝቐረበሉ ለበዋታትን ካብ ሰሚናራት ዝሰምዖም ሓሳባትን ርእይቶታትን ሰኒቑ ኢዩ ናብ ስሩዕ ኣኼባታት ዝኣቱ።

ብዛዕባ ኣብ ከባቢናን ዓለምናን ንዝርአ ለውጥታት ንምግምጋም እንጥቀመሎም መሳርሒታት ብዝምልከት ከኣ፡ ኣብ መንጐ ውሽጣውን ግዳማውን ምዕባለታት ዘሎ ስነ መጐታዊ ምትእስሳርን ናይ ሕድሕድ ምጽልላዋቱን ካብ’ቲ ናይ ኪዳን ናይ ውሳኔ ማእከል ወይ ካብ መሪሕነትን ትካላቱን ክኽወል ዝከኣል ኣይኰነን። እቲ ኣብ መዳይ መራኽብን መጓዓዝያን እተረጋገጸ ዓቢ ምዕባለታት ከኣ፡ ንዞናዊ ይኹን ዓለማዊ ለውጥታት ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ኩሉ ከምዝባጻሕ ንምግባር ኣኽኢሉ ኢዩ። ኪዳን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ዞናና ይኹን ኣብ ዓለምና ዝርአ ለውጥታት ንምግምጋም፡ ነዞም መሳርሒታት እዚኣቶም ይግልገለሎም ኢዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ምስ ፈተውቱ ዘለዎ ጽቡቕ ዝምድናታት፡ ምስ ብርክት ዝበኩ ሃገራትን፥ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን ክሰፍን ምስ ዝደልዩ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዘካይዶም ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ውን ከም ምንጪ ናይ ሓበሬታታቱ ይጥቀም ኢዩ።

ብሓጺሩ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብዛዕባ ውሽጣዊ ሃለዋት ኤርትራን፤ ኣብ ከባቢናን ዓለምናን ዝርኣዩ ለውጥታትን ክግምግም እንከሎ፡ ኣብ ናይ ኪዳን መሪሕነታዊ ትካላት ጥራሕ ኣይኰነን ዝምርኰስ። እንታይ ደኣ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ሓበሬታ ንምርካብ ኢዩ ዝጽዕር። ካብ መርበብ ኢንተርነት፡ ካብ ማዕከናት ዜና፡ ካብ ናይ ኤርትራውያን ናይ መጽናዕቲ ማእከላት፤ ከምኡ ውን፡ ካብ ናይ ወጻኢ ምንጪታት ሓበሬታታት ንምእካብ ይጽዕር። መሪሕነት ኪዳን እምበኣር፡ ካብ’ዚ ኵሉ ምንጪታት’ዚ ዝተረኽበ ሓበሪታታት ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ ውሳኔታቱ ዘመሓላልፍ።

7. ብዛዕባ’ቲ መሪሕነት ኪዳን ክግበር ኣለዎ ኢሉ ዝወሰኖ ሃገራዊ ዋዕላ ዘለኩም ኣረዳድኣ ከመይ ይመስል?

መልሲ፡- ጻውዒት ናይ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ሓድሽ ኣይኰነን። ኣብ ኤርትራን ኣብ ዞናናን ምስ ዝርአ ለውጥታት ተኣሳሲሩ ክሕደስ ዝጸንሐ ጻውዒት ኢዩ። እዚ ሃገራዊ ዋዕላ’ዚ ንስርዓት ኤርትራ ዝሕውስ ኣይኰነን.። ምኽንያቱ ከኣ፡ ስርዓት ኤርትራ ክሳዕ ሕጂ ንመትከል ናይ ሃገራዊ ዘተን ሃገራዊ ዕርቂ ምስ ተቓወምቲ ውድባትን ስለዘይተቐበለ ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኣብ ተቓወምቲ ጥራሕ ዝተሓጽረ ኰይኑ፡ ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራስይዊ ኪዳንን ወጻኢ ካብ ኪዳንን ዝርከቡ ተቓወምቲ ውድባትን፡ ሲቪላውያን ማሕበራት፡ ምሁራትን ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን፡ ናይ ኤርትራውያን ናይ ዜና ማዕከናትን ናይ መጽናዕቲ ማእከላትን ውሩያት ሃገራውያን ባእታትትን ዝሳተፍዎ ኢዩ ክኸውን። እዚ ኣብ ግዜኡ ዝመጸ ጻውዒት ናይ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ነቲ ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ ዝተራእየ ኣሉታዊ ምዕባለታትን ንምእራምን፤ በቶም ምሁራትን ዓበይቲ ዓድን ኣቢልካ ንዝሰፍሐ ዓቕምታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥርናፍ ክሕግዝ ኢዩ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ነዚ ዋዕላ’ዚ እተዳሉ ሽማግለ ኣቚሙ ኣሎ።

8. ብመሰረት ኣብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዘሎካ ሓላፍነት፡ ገንዘባዊ ኵነታት ኪዳን ከመይ ትርእዮ? ምንጪታት ናይ እቶትኩም’ከ እንታይ ኢዩ?

መልሲ፡- ገንዘባዊ ኵነታት ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ድሩት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ቀዋምነት ዘለዎ ውን ኣይኰነን። ምኽንያቱ ከኣ፡ ሰፊሕ ክፋል ካብ ህዝብና ብዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ተሳትፎኡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ከም’ቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣይኰነን። ካብ ፈተወቲ ዝውሃብ ደገፍ ውን ድሩት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ስሩዕ ወይ ቀዋሚ ስለዘይኰነ፡ ንዝተዳለወ መደባት ኣብ ግብሪ ምውዓል ጸገማት የጋጥም ኢዩ። ከምኡ ውን፡ በቲ ኣብ’ቲ ዞና ዝግሃድ ፖለቲካዊ ምቅይያራት ውን ይጽሎ ኢዩ። ብሓጺሩ ገንዘባዊ ምንጪታት ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኣባልት ውድባቱ ዝኽፍልዎ ወርሓዊ ውጽኢትን ህዝቢ ዝገብሮ ወፈያታትን ደገፍ ካብ ፈተውትን ኢዩ ክበሃል ይከኣል።

9. ኣብ ወርሒ ለካቲት 2006 ኣብ ጕባኤ ናይ ዓረባዊ ሰልፍታት ተሳቲፍኩም ኔርኩም። ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ እዚን ባህርያት ናይቶም ሰልፍታትን’ዶ ንኣንበብትና ምሓበርኩምዎም? በዚ ተሳትፎ’ዚኸ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዘረጋገጽዎ ረብሓ ኣሎ ድዩ?

መልሲ፡- ተሳትፎና ብመሰረት’ቲ ቅድም ክብል ንእስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ንልምዓትን ኤርትራ ዝተገብረ ዕድመ ኢዩ ነይሩ። ሰልፍና፡ ኣባል ናይ ዓረብ ሰልፍታት ኢዩ። ኣብ’ዚ ጕባኤ’ዚ፡ ንሰልፍና ወኪሉ ዝተሳተፈ ልኡኽ፡ ደቀ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዝርከብዎ ክብ ዝብለ ልኡኽ ኢዩ ነይሩ። ጕባኤ ሰልፍታት ዓረብ፡ ህዝባዊ ዓረባዊ ማሕበር ኰይኑ፡ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ዝርከቡ ሰልፍታት ዝጥርንፍ ኢዩ። ዕላማ ናይ’ዚ ማሕበር’ዚ ንሓባራውን ህዝባውን ናይ ህዝቢ ዓረብ ምድጋፍን ምጥባቕን ኰይኑ፤ ንጕዳይ ፍልስጤም፡ ንጕዳይ ዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ዘተባብዕን ዝከላኸልን ኢዩ። መደበር ናይ’ዚ ማሕበር’ዚ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ከተማ ዓማን ኰይኑ፡ 110 ዓረባዊ ሰልፍታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣዕራብ ዘጠቓለለ ኢዩ። ልኡኽ ሰልፍና ኣባል ናይ ፖለቲካዊ ኮሚቴን ኣባል ናይ ኮሚቴ ናይ ደቂኣንስትዮን ናይ መንእሰያትን ኰይኑ ተሳቲፉ። ልኡኽ ውድብና፡ ብዛዕባ’ቲ እናንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ሃለዋት ኤርትራን ብዛዕባ’ቲ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማትን ብዛዕባ ኣብ መንጕ ህዝቢ ኤርትራን ኣህዛብ ዓረብን ዘሎ ኣካላውን ባህላውን ዝምድናታት ገሊጹ። ከምኡ ውን፡ ምስ ጋዜጣታትን ረድዮታትን ቃለ-መሓትት ኣካይዱ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ምስ መራሕቲ ዴሳዊ ሃገራዊ ሰልፊ በዓስ ብምርኻብ ኵነታት ኤርትራን ግደ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ኣብሪሁ። ኣብ ደማስቆስ ቤት ጽሕፈት ኪዳን ንክኸፈት ኣብ ርእሲ ምጥላቡ፡ ንኪዳን ደገፍ ምብርካት ዕዙዝ ኣድላዪነት ከምዘለዎ ውን ኣመልኪቱ።

እቶም ዝተራኸብናዮም ሓለፍቲ ብውገኖም፡ ንቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ልኡኽና፡ ምስ መሰረታት ጠቕላላ ማሕበር ተመሃሮ ኤርትራውያን ኣብ ሱርያ፡ ኣኼባ ኣካይዱ። ብዛዕባ ኵነታት ኤርትራ ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምሃብን፤ ካብ ኣኼበኛታት ዝቐረበሉ ሕቶታት ድሕሪ ምምላስን ከኣ፡ ካብ’ቲ ማሕበር ናብ መሪሕነት ኪዳን እተላእከ፡ ብዛዕባ ዝምድና ማሕበሮም፡ ከም ሲቪላዊ ማሕበር መጠን፡ ምስ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝምልከት መልእኽቲ ተቐቢሉ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3360

Posted by on Jun 14 2006 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net