ጸብጻብ ናይ’ቲ ኣብ ፓርላማ ሽወደን ዝተኻየደ ሰሚናር

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
15.03.2006
 

እቲ ብሽወደናዊ ኣህጕራዊ ሊበራላዊ ማእከል ምስ ኤርትራዊ ማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን  ብምትሕብባርን፤ ብገንዘባዊ ደገፍ ናይ ሽወደን ናይ ልምዓት ፎረም እተዳለወ ሰሚናር ብዓወት ተዛዚሙ። ኣባላት ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ፓርትታትን ሲቪላዊ ማሕበራትን መሓዙት ኤርትራውያንን ብኤርትራ ዝግደሱ ውልቀሰባትን ኣብ’ቲ ሰሚናር ተሳቲፎም። ኣርእስቲ ሰሚናር፡ “ኤርትራ፡ ኣብ መንጐ ተስፋን ቅብጸትን ትርከብ” ዝብል ኢዩ ነይሩ

ወይዘሮ ብርጊታ ኡልሶን፡ ንተሳተፍቲ ሰሚናር ብሓፈሻ፡ ንዕዱማት ኣጋይሽ ድማ ብፍላይ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ኢያ ነቲ ኣኼባ ከፊታቶ። ቀጺሉ ድማ፡ ኣቶ ኤሪክ ጀኒሸ፡ ነቶም መደርቲ ሓደ ብሓደ ምስ ተሳተፍቲ ኣፋሊጥዎም።

ሓው ኢብራሂም ዓብደላ፡ ሕጽር ዝበለ መግለጺ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን፤ ከምኡ ውን፡ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ክሳዕ ምርግጋጽ ናጽነት ዝሓለፎም ታሪኻዊ መደረኻትን፤ ሕጂ ሰፊኑ ዘሎ ሃለዋትን ኣቕሪቡ።

መደረ ዘቕረቡ ዕዱማት ኣጋይሽ፡

1. ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት፡-

ወይዘሮ ማያ ኦበርግ፡ ካብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብሰፊሑ ገሊጻ። ካብ’ቶም ብትዅረት እተዛረበትሎም ኣብ ኤርትራ ኣብ ግብሪ ዝውዕሉ ናይ ዓዘባን ስቅያትን ኣገባባት፤ ሀሊኮፕተር፡ ብሓጺን እተሰርሑ ናይ ማእሰርቲ ኮንተይነራት፡ ኣውቶ፡ ካልኦት ስነኣእሙራዊ ዓዘባን ዓመጽን ዘጠቓለለ ነበረ።

እቶም በዚ ኣገባብ’ዚ ዝሳቐዩን ዝዕዘቡን ዘለዉ ክፍልታት ናይ ሕብረተሰብና ድማ፡ ካብ ኣስገዳድ ዕስክርና ዝሃደሙን ሰዓብቲ ገለገለ ሃይማኖታትን ናይ ፖለቲካ ተቓወምትን ንድሌታት ናይ ወተሃደራዊ መኰንናት ኣይንፍጽምን ኢና ዝበላ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦትን ዘጠቓልል ምዃኑ ኣብሪሃ። ቀጺላ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይኹን ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ኤርትራ ክበጽሑ ስለዘይፍቀደሎም፡ እቲ ሓበሬታት ካብ’ቶም ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ከምዝረኽብዎ ሓቢራ።

ኣብ መደምደምታ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ። ግን፡ ነቲ ዝፍጸም ግህሰታት ብምቅላዕ፡ ኣህጕራዊ ማሕበረሰብን ኤርትራውያንን ኣብ ልዕሊ’ቲ ስርዓት ጸቕጥታቶም ከዛይዱ ጥራሕ ኢዩ ክሕግዝ ዝኽእል ኢላ።

2. መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡-

ወይዘሮ ሓያት ኢብራሂም፡ ናይ ፖለቲካ ተማራማሪት ኣብ ዩንቨርሲስቲ ናይ ኡፕሳላ፡ ብዛዕባ ኵነታት ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ናጽነት ሕጽር ዝበለ መግለጺ ሂባ። ንሳ፡ ዘተኰረትሎም ኣርእስታት፡ ንደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ንወጻኢ ምልኣኽ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ፡ ምንዝርና፡ ተጋዳሊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ምውህሃድ ዝብሉ ነበሩ።

ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ንዝተጋለጻሉ ዝተፈላለየ ሓደጋታትን፥ ነብሰን ንምምዕባልን ዲሞክራስያዊ ስድራ ቤት ንምህናጽን ዕድል ዘይምርካበንን ብዝርዝር ኣብሪሃ። ስርዓት ኤርትራ፡ ንደቂ ኣንስትዮ፡ ንውልቃዊ ረብሓታቱ ንምርዋይ እንተዘይኰይኑ፤ ንምምዕባለን ዝዓለመ ዝዀነ ይኹን መደብ ወይ ትልሚ የብሉን ኢላ። ናይ ፕረሲደንትን መጋበርያታቱን ማሕፉዳ (ሳጹን) ንምምላእ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንወጻኢ ይላኣኻ ምንባረንን ምህላወንን ውን ኣቃሊዓ።

ኣተሓሕዛ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ኣረመናዊም ጨካንን ምዃኑ ውን ኣብሪሃ። መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ብሓይሊ ይዕመጻን ብዘይፍትወተን ከደምቲ ወተሃደራዊ መኰንናት ይዀናን፤ ንትእዛዝ ናይ’ቶም መኳንንቲ እንተደኣ ነጺገን ድማ፡ ወይ ይቕተላ፡ ወይ ድማ፡ ንዘይተወሰነ ግዜ ምስ ሰብ ክራኸባሉ ኣብ ዘይክእላ ኣብያተ-ማእሰርቲ ይዳጐና ኣለዋ ኢላ። ኣእሙሮ ምስሓትን ነፍሰ-ቅትለትን ልሙዳት ተርእዮታት ናይ’ቲ መደበር ምዃኖም ውን ገሊጻ። ብተወሳኺ፡ ካብ ጭቆናን ግፍዕን ናይ’ቲ ስርዓት ኣምሊጠን ናብ ኣውሮጳ ዝስደዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ምድረ-በዳታት ሱዳንን ሊብያን ዘጋጥመን ጸገማት ብሰፊሑ ዘርዚራ።

ኣብ መዛዛሚ መደረኣ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ጸረ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ብሓፈሻ፤ ጸረ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ምዃኑ ኣረዲኣ። ኣብ ኤርትራ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከነምጽእ ኣሎና ድማ ኢላ።

3. ግደ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡-

ኣባል ማሕበር ሓካይም ኤርትራ ዝዀነ ዶክተር ኑዕማን ሑበዲን ድማ፡ ብዛዕባ ኣመዓባብላ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ መዋእል ሰላማውን ብረታውን ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣመልኪቱ ተመኵሮኡ ገሊጹ። ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎ ዝነበሩ ከም ናይ ተመሃሮ፡ ሰራሕተኛታት፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ ሓረስቶት …ወዘተ ዝኣመሰሉ ህዝባውያን ማሕበራት፥ ናጻን ብድሌቶም ዝምስርትዎም ማሕበራት ከምዘይነበሩን፤ ብኣንጻሩ፡ ነፍስወከፍ ውድብ ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ህዝባውያን ማሕበራት ይምስርት ምንባሩን ጠቒሱ። ምስ’ዚ ዅሉ ጕድለት ግን፡ ግደ ህዝባውያን ማሕበራት ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ዓቢ ምንባሩ ኣረጋጊጹ።

ነተን ኣብ ቦታ ናይ ስደት ብሓፈሻ፡ ኣብ ሱዳን ድማ ብፍላይ ዝዕምብባ ዘለዋ ሲቪላውያን ማሕበራት፡ ነንሓድሕደን ክደጋገፋን፤ ናይ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር መስርሕ መታን ክዕወት፡ ነተን ድኹማት ተቓወምቲ ውድባት ንምሕያል ግዲአን ክጻወታን ጸዊዑ። ብርግጽ ከኣ፡ ብዘይ ህያው ዝዀነ ናይ ሲቪላዊ ማሕበራት ምንቅስቓስ ክረጋገጽ ዝኽእል ዲሞክራሲ የለን ኢሉ።

ብዛዕባ ምምስራት ናይ ማሕበር ሓካይም ኤርትራ ኣብ ሱዳን ከም ሲቪላዊ ማሕበር ብዝርዝር ኣቕሪቡ። ዕላማን መደብ ዕዮን ፖሊሲታት ናይ’ቲ ማሕበር ውን ኣብሪሁ። ነቲ ማሕበር፡ ኣብ መደበራት ስደተኛታት ዘጋጥምዎ ዘለዉ ከበድቲ ብድሆታትን፤ ስቅያት ስደተኛታትን ውን ኣነጺሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ማሕበር ኣብ ካርቱም ናይ ሕክምና ማእከል ከምዝመስረተን፡ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዝርከቡ መደበራት ስደተኛታት ውን ጨናፍር ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ኣብ መደምደምታ፡ ማሕበርና ንበይኑ ንጾር ናይ መደበር ስደተኛታት ክስከም ዓቕሚ የብሉን። ግን ብምኽርን ሓበሬታን ሽግራቶም ንምቅላል ዝከኣለና ንገብር ኣሎና ኢሉ።

4. ኤትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ሓው ሑሴን ኸሊፋ፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ብስም ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ብስሙን ንኤርትራዊ ማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን፤ ንተጣባቒት ሰላምን ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝዀነት ወይዘሮ ብርጊታ ኡልሶንን፤ ንኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ንመደረ ዘቕረቡ ኣጋይሽን ተሳተፍቲ ሰሚናርን ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።

ሓው ሑሴን፡ ንኣመሰራርታ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣመልኪቱ ሓጺር መብርሂ ሂቡ። ካብ 1999 ኣትሒዙ ዝሓለፎም መድረኻትን፤ ካብ 13 ውድባት፡ ናብ 16 ውድባት ዝሓቘፈ ጽላል ምስግጋሩን ውን ገሊጹ። ኣስዒቡ፡ ቻርተርን ውድባዊ ቅርጻን ኣመራርሓን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብሪሁ። ዘትኰረሎም ኣርእስታት ከኣ፡ መትከላትን ዕላማታትን ፖሊሲታትን መደብ ዕዮን ኪዳን ዝብሉ ነበሩ።

ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ካብ ኵላትና እተኸወለ ኣይኰነን፤ ኵነታት ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ፤ እቲ ኣዝዩ ዘሕፍርን ኣረሜናዊ ተግባር ከኣ፡ ንፓትሪያርክ ኦርቶዶካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣቡነ ኣንጦንዮስ ምሕያሩ ኢዩ ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት፡ እቲ ስርዓት ዝወልዖ ውግኣት፡ ማእሰርቲ ናይ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ጋዜጠኛታትን ካልኦት ክፍልታት ናይ ህዝብናን ቅቡል ኣይኰነን ኢሉ። ኤርትራ ናብ ሲኦል ኢያ ተቐይራ። ዜጋታታ መዓልቲ መዓልቲ ይእሰሩ ኣለዉ። ንደቅኹም ኣህዲምኩም ብዝብል ምስምስ ወለዲ ክእሰሩን፥ በሽሓት ዝቝጸር ገንዘብ ከፊሎም ክወጹን ይግደዱ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ እናበረሰ እንከሎ፡ ዓለም ስለምንታይ ኢዩ ስቕ ክብል መሪጹ ዝብል ሕቶ ውን ኣቕሪቡ።

5. ክትዓት፡-

ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ ኣቶ ጀኒሸ፡ ናብ ሓው ሑሴን ዘቕረቦ ሕቶ፡ ቻርተር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣንቢበዮ፡ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዓንቀጻት ከምዘለውዎ ውን ተመልኪተ። ግን፡ ኵሉ ዓይነት ናይ ኣገባብ ቃልሲ ንኽተል ክትብሉ እንከለኹም እንታይ ማለትኩም ኢዩ?

ሓው ሑሴን ክምልስ እንከሎ፡ ንህዝቢ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት፡ ብረድዮ፡ ተለቪዥን፡ ጋዜጣታት፡ …ወዘተ ኣፍልጦኡ ክብ ንምባል ምጽዓርን፤ ኣንጻር’ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምልዕዓሉን፤ ኣብ ቅድሚ ኣህጕራዊ ማሕበረሰብ ድማ ምቅላዑን ማለት ኢዩ ኢሉ።

ሕቶ፡ ካብ መንግስቲ ሽወደን ዝግበረልኩም ደገፍ’ዶ ኣሎ።

መልሲ፡- ክሳዕ ሕጂ ዝተዋህበና የለን። ሕጂ ግን፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ነቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደገፍ ከበርክት ጻውዒትና ነቕርበሉ ኣሎና።

ሕቶ ንኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡- ኣብ መንጐ 1995-96፡ ካብ ገዝኦም ተጨውዮም ዝተወስዱን፥ ሃለዋቶም ጌና ዘይተፈልጠን እስላማውያን መምራንን ዓበይቲ ዓድን እንታይ ሓበሬታ ኣለኩም?

መልሲ፡- ካብ ኤርትራ ወግዓዊ ሓበሬታ ምርካብ ኣይከኣልን ኢዩ። ንሕና ንገዛእ ርእስና ናብ ኤርትራ ክንበጽሕ ኣይፍቀደልናን ኢዩ። ምንጪታትና እቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ዑቝባ ዝሓቱ ዘለዉ ስደተኛታት ኢዮም።

ሕቶ ንሓያት፡- ንተሳትፎ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ንምዝያድን፤ ነቲ ኵነታት ንምልዋጥን እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብሊ?

መልሲ፡- ደቂ ኣንስትዮ ዝሳተፋሉ ሰሚናራትን ክትዓትን ከነብዝሕን፤ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣብ ሕብረተሰብና ከነምጽእ ክንጽዕርን ኣሎና።

ሕቶ ንሓው ሑሴን ኸሊፋ፡- ኪዳን፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መጭወይትን ምስጓግን ናይ’ቲ ስርዓት ክከላኸለሎም ይኽእል’ዶ?

መልሲ፡- ኪዳን ኣብ ሱዳን ይኹን ኣብ ኤርትራ ንግፍዕታት ናይ ስርዓት ኤርትራ ደው ከብል ዝኽእለሉ ስልጣን የብሉን። እንተዀነ ግን፡ ንዝምልከቶም ናይ ጸጥታ ትካላት ናይ’ቲ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸምን ክፍጸም ዝሕሰብ ሓደጋታት ብምሕባር፡ ድሕነት ናይ ስደተኛታት ክከላኸል ይፍትን ኢዩ።

ነዚ ንምብራህ፡ ኣብነት ናይ ሓደ ኣብ ኤርትራ ን5 ዓመታት እተኣስረ ሱዳናዊ ጋዜጠኛ ጠቒሱ። እቲ እሱር፡ ጽሓት ክተብርቕን ክትዓርብን እንከላ ኣብ ወረቐት ስኢሉ፡ ካብ ድቃሱ ንግሆ ተባራቢሩ ነታ ዝሰኣላ ብራቕ ጽሓይ ይርኢ፤ ክድቅስ ከሎ ድማ ነታ ዝሰኣላ ዕራብ ጽሓይ ይርኢ ነበረ። ጸጥታዊ ትካላት ስርዓት ኣስመራ፡ ነቲ ወረቓቕቱ ምስ ረኸቡ፡ ነዚ ዝሰኣልካ ነቲ ኢሳያስ፡ ካብ ባድመ ካብ እንስሕብ፡ ጽሓይ ዓሪባስ ንኸይትበርቕ ይቐልል ዝበሎ ንምሕጫጭ ኢዩ ብዝብል ምኽንያት ኢዮም ን5 ዓመታት ኣሲሮሞ። ሰባት፡ ብጥርጣረ ጥራይ ንዘይተወሰነ ግዜ ይእሰሩ ኣለዉ። ኤርትራ፡ ናብ ዓባይ ናይ ህዝባ ቤት ማእሰርቲ ኢያ ተቐይራ ዘላ። ዳዊት ይሳቕ፡ ንሃገሩ ከገልግል ናብ ኤርትራ ተመሊሱ፡ ግን ተኣሲሩ። እቲ ስርዓት ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኢዩ ኣሲሩ ዘሎ ክብል መሊሱ።

ንሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ዝምልከቱ ሕቶታትን ክትዓትን ተኻይዶም። ኣኼበኛታት፡ በቲ ሰሚናር ዕጉባት ምዃኖምን፤ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሰሚናራት ክደጋገምን ተላብዮም።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3368

Posted by on Mar 15 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net