ቃል ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ክበብ ሊበራል ፓርቲ ፓርላማ ሽወደን

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
19.03.2006
ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን

ብስመይን ብስም ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን፡ ንመሓዛ ጭቍን ህዝቢ ኤርትራን፥ ተጣባቒት ናይ ፍትሕን ናጽነትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝዀነት ክብርቲ ወይዘሮ ብርጊታ ኡልሶን፡ ኣብ’ዚ ሰሚናር’ዚ ምሳና ምርካባን፡ ንሰሚናርና ምምራሕ ምስጋነይ ከቕርብ እፈቱ። ቀጽሊ፡ ኣብ ፓርላማዊ ዕማማታን ክቡር ፖለቲካዊ ዕላማታታን ዓወት እምነየላ። ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒመ፡ ንዅሎም መደረ ከቕርቡ ዝመጹ ዑዱማት ኣጋይሽ ምስጋናይ እገለጽ። ከምኡ ውን፡ ሽወደናዊ ኣህጕራዊ ሊበራላዊ ማእከል ነዚ ሰሚናር’ዚ ኣብ ክበብ ሊበራላዊ ሰልፊ ኣብ ፓርላማ ሽወደን ክግበር ንዝገበረልና ኵሉ መዳያዊ ምድግጋፍ መጐሰይ እገልጽ። ኤርትራዊ ማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን ውን፡ ብጽቡቕ ምግባሩ ምስጋናን ምትብባዕን ይግብኦ ኢዩ።

ክብራትን ክቡራንን፡

ኵላትኩም ከምእተፈልጥዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዝኸፈሎ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ፡ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ኰይና። ብ24 ግንቦት 1993 ህዝብና ንነዊሕ እዋን እተጸበዮ ናጽነትን ሉዓላዊነትን ሃገርና ተኣዊጁ። ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ብዝተኻየደ ሪፈረንደም ከኣ፡ ኤርትራ ኣባል ናይ ሕቡራት ሃገራትን ኣባል ናይ ሓድነት ኣፍሪቃን ብምዃን ምስ ካልኦት ናጻ ዝዀና ሃገራት ተሰሪዓ።

እንተዀነ ግን፡ ስርዓት ኢሳያስ ስልጣን ካብ ዝሓዘላ ዕለት ኣትሒዙ፡ ካብኡ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ዘለዎም ኣባላትን መራሕትን ፖለቲካዊ ውድባት፡ እንተላይ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ዝነበሩ፡ ክጭቍንን ከሳጕግን ክኣስርን ተራእየ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ነቲ ስርዓት ዝቓወሙ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ዜጋታት ብጸጥታዊ ትካላት ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ተጨውዮምን ተቐንጺሎምን ተሰዊሮምን ኢዮም። ሃለዋቶም ዘይፍለጥ፡ ብዝተወስድዎ ዝተሰወሩ ኤርትራውያን ዜጋታትን መራሕትን ድማ ማእለያ የብሎምን።

እቲ ስርዓት፡ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ንኽላዘብ ብኣዕሩኽ ዝዀኑ ጐረባብቲ ሃገራት እተገብረ ጽዓታት ኣይተቐበሎን። እቲ ስርዓት ዲክታቶርያውን ብሓትን ስለዝዀነ፡ ንድምጺ ናይ ካልኦት ክሰምዕ ቍሩብነት የብሉን። ስለ’ዚ ኢዩ ውን ነቶም ኵነታት መነባብራኦም ክመሓየሸሎምን ናይ ምዝራብ ናጽነት ክፍቀድን ብምጥላብ ብ12.07.1995 ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ዝወጹ ውጉኣት ሓርነት ብጥይት ዝመለሰሎም። ከምኡ ውን፡ ነቲ ብጸቕጢ ኣህጕራዊ ማሕበረሰብ ዝጸደቐ ቅዋም ኣደስኪልዎ። ኤርትራ እምበኣር ሕጂ፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ወይ ናይ ሓደ ፕረሲደንት ጭቆና ኢያ ትነብር ዘላ።

ቍጠባ ኤርትራ ውን እንተዀነ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቍጽጽር ናይ’ቲ ስርዓት ኢዩ ዘሎ። እቲ ስርዓት ሃገራውያን ሰብ ርእሰማል ኣብ ምዕባለ ናይ’ታ ሃገር ከይሳተፉ ብምኽልካልን፤ ቍጠባ ሃገር ብምብሓትን፤ ንወጸእተኛታት ኣውፈርቲ ርእሰማል ዘባህርር ፖሊሲታት ብምኽታልን ንሃብቲ ሃገር ንረብሓ ሰልፉን መጋባርያታቱን ኢዩ ዘውዕሎ ዘሎ።

መሬት፡ ዋንነት ናይ መንግስቲ ኢዩ ብዝብል ኣዋጁ፡ ንህይወት ናይ’ቶም ዝሰፍሑ ክፋል ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝዀኑ ሓረስቶትን ጓሶትን ብኣሉታ ኢዩ ጸልይዎም።

ኣብ ትምህርታዊ መዳይ፡ እቲ ስርዓት፡ ንመምሃሪ ዝኸውን ብቑዕ ቍሳቝሱ ወይ መሳለጢታት ከይቀረበን፤ ናይ ወለዲ ርእይቶ ከይሰምዐን፡ ኵሉ ዜጋ ብቋንቋ ኣዲኡ ክመሃር ዝብል ንደረጃ ዓይነትን ትምህርቲ ንድሕሪት ዝጐተተ ፖሊሲ ኣብ ግብሪ ከውዕል ተራእዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ መሃይምነት ኣስፋሕፊሑ፤ ንካልኣይ ደረጃ ዝሓልፉ ተመሃሮ ውን፡ ብቑዕ መበገሲ መሰረት ስለዘይብሎም፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣትዉ ወይ ናይ ዩንቨርሲቲ ትምህርቲ ብግቡእ ክከታተሉ ብቕዓት የብሎምን። ዝበዝሑ (ካብ 90%-95%) ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኢዮም ዝዕስከሩ። ናብ ዩንቨርሲቲ መእተዊ መርመራ ዝገብሩ ተመሃሮ፡ ናይ ክልተ ዓመት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምፍጻም ናብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ኢዮም ዝውሰዱ። እቶም ኣብ መርመራ ዝወድቁ ተመሃሮ ከኣ፡ ብዘይካ ኣብ ሰራዊት ኣብ ምቕጻል ካልእ ዕድል የብሎምን። በዚ፡ እቲ ከፍርይሉ ዘለዎም ዕድመን ግዜን ብኸንቱ ይባኽን።

ስደተኛታት ብዝምልከት፡ እቲ ስርዓት ንምቕባሎም ዓቕሚ የብለይን ወይ ከኣ ገንዘብ ኣብ ኢደይ ይውሃበኒ ብዝብል ምስምስ፡ ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ዓጊትዎም ይርከብ። እቲ ስርዓት ንሽወደንን ንላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ክፍላ ናይ ተስዓታት ዘቕረቦ ቅድም ኵነት ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ፡ በማእት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ጌና ኣብ መደበራት ስደተኛታት ይነብሩ ኣለዉ። ብሰንክ’ቲ፡ ጕዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብቂዑ ኢዩ ዝብል ዘይተጸንዐ ውሳኔ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ንስደተኛታት ዝውሃብ ዝነበረ ረዲኤት ኣቋሪጹ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ስደተኛታት ንብዙሕ ጸገማት ተቃሊዖም ይርከቡ።

መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ውን ንረብሓ ናይ ህዝቢ ቀዳምነት ዝህብ ኣይኰነን። ንሓባራዊ ረብሓ ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ግምት ዘእቱ ውን ኣይኰነን። ብኣንጻሩ፡ ስርዓት ኤርትራ፡ ንልዑላውነት ምክልኻል ብዝብል ምስምስ ወይ ድማ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ጣልቃ ብምእታው ግርጭት ጽሓታሪ ዝዀነ ፖሊሲታት ኢዩ ዝኽተል። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ፖሊሲ’ዚ ድማ፡ ኣሰራቱ ክሳዕ ሕጂ ዘይሃሰሰን፥ ንርግኣትን ጸጥታን ናይ’ቲ ዞና ዘናወጸን፡ ኣዕናዊ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ተኻይዱ።

ክቡራትን ክቡራንን፡

ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ፖሊሲታት መንግስታት፡ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኣተሓሕዛኡ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ንምግማት ኣሸጋሪ ኣይኰነን። ብዛዕባ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ኢና ንዛረብ ዘሎና?!!

መልሱ ቀሊሉ ኢዩ። ብዛዕባ ንግዝኣተ-ሕጊ ዘይምእዘዝ፡ ንሃገርና ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዝቐየረ መንግስቲ ኢና ንዛረብ ዘሎና። ስርዓት ኤርትራ፡ ብኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ክልኩል ዝዀነ ናይ ስቅያትን ዓዘባን ኣገባባት ይፍጽምን ንዜጋታቱ ብሕማቕ ይሕዝን ኣሎ። ዋላ ሃይማኖታዊ ትካላት ከይተረፉ ይብደሉ ኢዮም ዘለዉ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን፡ ስርዓት ኣስመራ፡ ንፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ኣንጦንዮስ ሳልሳይ፡ ካብ ስልጣኖም ከምዘውረዶም ብናቱ ሰባት ከምዝተክኦም፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ገዝኦም ከምዝሓየሮምን ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። እዚ፡ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽና ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ መቕድም ኢዩ።

ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ድማ፡ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሃለዋት ኢዮም፡ ነቲ ህዝብና ንነዊሕ እዋን እተቓለሰሉን፥ ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈለሉን ዕላማታት ክውን ንምግባር ዝቃለሱ ዘለዉ።

ቀንዲ ትሕዝቶ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከኣ፡ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ክጽሞቕ ይከኣል ኢዩ።

  1. ሰላማውን ጥጡሕን ምቅብባል ስልጣን ብህዝባዊ ምርጫታት ዝረጋገጸሉ ስርዓት ብዙሓት ሰልፍታት ምምስራት፤
  2. ዘይምእኩል ኣገባብ ስርዓተ-ምምሕዳር፤
  3. ኣብ መንጐ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ካልኦትን ዝርከብ ዘይምርድዳእ ብልዝብ ምፍታሕ፤
  4. ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት፡ ኵሉ ኣህጕራዊ ቻርተርን ስምምዓትን ኣብ ግብሪ ምውዓል፤
  5. ንዝምድናታት ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ኣህጕራዊ ትካላትን ዝምልከት ኣህጕራዊ ሕግታትን ውዑላትን ምኽባር።

 

ክቡራትን ክቡራንን

እቲ ድሩት ዓቕምታትናን፡ ንህዝብና ዘጋጥም ዘሎ ጽንኩር ኵነታትን ናይ ኣህጕራዊ ማሕበረሰብ ቆላሕታ ዝሓትት ኢዩ። መንግስቲ ሽወደን፡ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ሓላፍነቱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ክስከም፡ ዝከኣለኩም ክትገብሩ ተስፋ ንገብር። ከም ኣባላት ፓርላማ፡ ምእንቲ ሰላምን ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን እተካይድዎ ልዑል ቃልስታት ስለእንፈልጥ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዝግሃድ ዘሎ ጭቆናን ስቅያትን ከኽትም፡ ግዴኹም ክተጻወቱ ትጽቢትና ኣባኹም ክብ ዝበለ ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ ኵሉ ካባይ ዝድለ ኣብሪሀ ክኸውን እናተተስፈኹ፡ ደጊመ፡ ኣብ’ዚ ሰሚናር’ዚ ብምስታፍኩም ኣመስግነኩም።

ሑሴን ኸሊፋ

ስቶክሆልም 09.03.2006

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3382

Posted by on Mar 9 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net