ምስ ዋና ዳይረክተር ጋዜጣ ኣልወጠን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ርክብ ኣቶ ሑሴን ኸሊፋ

ኢስያስ ኣፈወርቂ ውልቀ መላኺን ህውኹን ኢዩ.. ረብሓታት ድማ ምስ መንግስታት እምበር ምስ ውልቀ ሰብ ኣይምስረትን’ዩ..! እቲ ቀንዲ ሓደጋ፡ ኤርትራ ብመንግስቲ ዘይኮነስ ብሓደ ውልቀ ሰብ ትመሓደር ምህላዋ ኢዩ.. መርገጻቱ 180 ዲግሪ ክቕይር ጸገም የብሉን .. ይብል። ቤት ጽሕፈት ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን 22 ነሓሴ 2006 ዋና ኣካያዲ ሱዳናዊት ጋዜጣ “ኣልወጠን” ኣብ’ቲ ብ15 ነሓሰ 2006 ዝተኻየደ መኽፈቲ ኣኼባ መስመሪ ጕባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንምስታፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፥ ምስ ሓው ሑሴን መሓመድ ዓሊ ኸሊፋ፡ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝገበሮ ቃለ-መሓትት ጋዜጣ ኣልወጠን ኣብ ናይ 22 ነሓሴ 2006 ዓ.ም ሕታማ ቁ.1185 ኣውጺኣቶ። ሓው ሑሴን፡ ብዛዕባ ምጽንባር ሰለስተ ውድባት ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ፣ ″ንሕና ከም ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተጠርኒፍና ኣሎና። ነዘን ኣባላት ኪዳን ዝዀና ሰለስተ ውድባት፡ ናብ ሓድነት ዘብጽሐ ኵነታትን ግዜን ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን፥ ካልኦት ውድባት ውን ኣሰር ናይ’ዘን ሰለስተ ኣብ ሓደ ዝተጸናበራ ውድባት ተኸቲለን ናብ መስመሪ ጕባኤታት ክኣትዋ ኢየን ኢሉ። ኣብ መንጐ ኤርትራን ሱዳን ዝተራእየ ምምሕያሻት ናይ ዝምድናታት ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ ከኣ፡ “ብዛዕባ ምምላስ ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ: መንግስቲ ሱዳን ረብሓታቱ ዘረጋግጸሉ መገድታት ከናዲ መሰሉ ኢዩ፤ ንሕና’ውን ህልው ኩነታት ሱዳን ኣብ ግምት ነእቱ ኢና። ኢስያስ ኣፈወርቂ ግን፡ ንጐረባብቱ ክጐድእ ሒዅ ዝብል ህውኽን ውልቀ-መራሕን ኢዩ ኢሉ። ነዚ ሓቂ’ዚ ዘረጋግጽ፡ ኣብ ደቡብን ምብራቕን ምዕራብን ሱዳን ዝፈጸሞ ብዙሕ ጕዳያት ኣሎ። መንግስቲ ሱዳን ከኣ፡ ክልተ ግዜ ዝንከስ ወይ ክልተ ግዜ ኣብ ኢሳያስ ዝዀዓቶ ጕድጓድ ዝኣቱ ኰይኑ ኣይስምዓንን። ከም ዝመስለኒ እቲ ጕዳይ ካብ ባህርያዊ ዝዀነ ዝምድና ምፍጣር ዝሓልፍ ኣይኰነን። በዚ ዝምድና’ዚ ኣብ ልዕሌና ዝወርድ ጕድኣት ዘሎ ውን ኣይመስለንን። ነዚ ጨቋኒ ስርዓት’ዚ ንምውዳቕ እነካይዶ ንጥፈታትን ምንቅስቓሳትን ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝብገስ ኮይኑ; ንሕና ድማ፡ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸጥታዊ ኵነታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ መቓልሕትን ሓገዝትን ጥራሕ ሓው ሑሴን፡ ብዛዕባ ተኽእሎ ምምሕያሽ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፤ ቅድም ከምዝበልክዎ፡ ንሕና ኣብ መንጐ ሃገራት ዘሎ ስትራተጂካዊ ረብሓታት ዝውስኖ ዝምድናታት ምዃኑ ይርድኣና ኢዩ። ምዕባለ ዝምድና ስርዓት ኤርትራ ምስ ሱዳን፡ ንጥቕሚ ሱዳን ኣብ ግምት ዘእተወ ደኣ’ምበር፣ ንህዝቢ ኤርትራን ረብሓታቱን ካብ ምጽባእ ዝነቅል ኣይኮነን። ብተመሳሳሊ’ውን ምስ ኢትዮጵያ ከምኡ ከጋጥም ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ እዋን ግን እቲ ፍልልይ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ዓብይ ስለዝዀነ፡ ምስ’ቲ ናይ ሱዳን ክነጻጸር ዝኽእል ኣይኰነን። ብሓፈሽኡ ግን ንኤርትራ ዘምሓድር ዘሎ ሓደ ውልቀ-ሰብ እምበር መንግስቲ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል፤ ሕምብርቲ ናይ’ቲ ሓደጋ ከኣ እዚ ኢዩ ኢሉ። ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ዝምድናታቱ 180 ድግሪ ክቕይር ከምዝኽእል፡ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ፈሊጠነኦ ዘለዋ ጉዳይ’ዩ ድሕሪ ምባል፤ ስለ’ዚ ከኣ ኢዮም፡ ኵሉ ወረቓቕቶም ንሓደ ውልቀ-ሰብ ኣሕሊፎም ክህቡ ዘይደልዩ ኢሉ። ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዞዕባ ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነታትን ዲሞክራስን ብዙሕ እናተዛረቡ እንከለዉ፤ ስርዓት ኢሳያስ ንዝፍጽሞ ግህሰታት ክቃወሙ ግን ኣይስምዑን ኢዮም። ስለምንታይ? ንዝብል ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ ቅድሚ ሕጂ ናብ ኣውሮፓ ማለት ኣብ ሽወደንን ብሪጣንያን ኣብ ዝገበርክዎ ዑደት፡ እቶም ዝተራኸብክዎም መራሕቲ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝኸፍአ ስርዓት ናይ ዓለም ኢያ ትመሓደር ዘላ ኢሎም ክገልጽዋ ሰሚዐ። ዝምድና ሸወደን ምስ ኤርትራ፡ ነቲ መነባብሮ ከፊእዎ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ረድኤት ምብጻሕን፤ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ድማ ምሕጋዝን ጥራሕ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጾምለይ። ከምእዉን ኣብ ብሪጣንያ ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም ስክፍታ ገሊጾምልናን ገለ ካብኣቶም ነቲ ስርዓት ንምግጣም ብረት ከም ሓድሽ ምልዓል ከምዘድሊ ዝመኽሩ ውን ኣይተሳእኑን። ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን እስራኤልን ክግለጽ ከሎ ከኣ፡ “ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ምጽባእ ናይ ጐረባብቶም ተመሳሳሊ ጠባያት ኣለዎም” ኢሉ። ንስርዓት ኢሳያስ ዝድግፋ ሃገራት ኣዕራብ ምህላወንን ዘይምህላወንን ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ ሓው ሑሴን ኸሊፋ፡ ዝፈልጦ የብለይን፤ ዝፈልጦ እንተዝህልወኒ ውን ኣይምተዛረብኩን። ምኽንያቱ ድማ፡ ከም ተቓወምቲ መጠን ናይ ኵለን ሃገራት ረብሓታትን ሕሳባትን ኣብ ግምት ነእቱ ኢና ኢሉ። ብዛዕባ’ቲ ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ናይ ምንጪ ማይ ምስሕሓብ፡ ንኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምግባር ምስ ኤርትራ እተማዕብሎ ዘላ ዝምድና ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፤ “ኣነ ከምኡ ኣይበልኩን። ንስኻን ግን፡ ካብ እትረኽቦ ሓበሬታታት ተበጊስካ ድላይካ ክትብል መሰልካ ኢዩ። ሓው ሑሴን ኸሊፋ፡ ሓላፊ ፈጻሚት ቤት-ጽሕፈት ኤዲኪ፡ ብዛዕባ ሊብያ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ፡ “ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሊብያን ካብ’ቲ ኵሉ ዝፈልጦ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ዝተፈልየ ኣፍልጦ የብለይን። ዝኾነት ሃገር ግን፡ ምስ ዝመሳሰልዋ ስርዓታት ረብሓታታ ንምርግጋጽ ዝምድናታት ክትፈጥር ትኽእል ኢያ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3395

Posted by on Aug 22 2006 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net