ቃለ-መሓትት ምስ ሑሴን ኸሊፋ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ቤት ጽሕፈት ዜና

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

መጽሔት ኣልናህዳ
22.11.2006
             

ሑሴን ኸሊፋ ይብል፡-

…ሜዳ ኤርትራ ክሓልፎ ብዝጸንሐ ሃለዋት ዕጉባት ኢና….

…ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ መጽናዕታ ኣዳልያ ንፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣቕሪባቶ ኣላ …

…ህልዊ ፖለቲካዊ ቻርተር፡ ገለገለ ተዓቕቦታት ክግበረሉ ዝጸንሐ’ዩ…

…ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ንሲቪላዊ ማሕበራትን ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዋ ውድባትን ኣብ ውዱእ መኣዲ ኣይኰናን ክንዕድሞም..

…ጕባኤ፡ ሓድነት ኪዳን ዘረጋግጽን ዝያዳ ብቕዓት ዘለዎን ንጡፍን ውፉይን መሪሕነት መሪጹ ክወጽእ’ዩ ትጽቢታትና…

ንሕና፡ ኣብ ልዳት ናይ ጠቕላል ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ሃገራዊ ዋዕላን ኣብ ዘሎናሉ እዋን ኢና፡ ብዛዕባ ክልተ ኣሰናዳእቲ ሽማግለታት ጕባኤ ኪዳንን ሃገራዊ ዋዕላን ዝገበርኦ ምድላዋት ንጹር ሓበሬታ ንምርካብን፤ እቲ ምድላዋት በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ መብርሂ ንምርካብን ምስ ሓው ሑሴን ኸሊፋ፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ተራኺብና ነዚ ቃለ-መሓትት’ዚ ዝገበርና። ስለ’ዚ ኢያ፡ መጽሔት ኣልናህዳ፡ ኣብ ምስንዳእን ምክያድን ናይ’ዚ ጕባኤታት’ዚ ዘትኰረ ቃለ-መሓትት ክትገብር ዝመረጸት።

ኣስዒብና ዝገበርናዮ ቃለ-መሓትት ነቕርበልኩም

ሕቶ፡- ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ናይ መወዳእታ ኣኼባኡ ዘትኰረሎም ቀንዲ ጕዳያት ኣየኖት ኢዮም? ስርሓት ናይ’ተን ንጕባኤ ዝኸውን ሰነዳት ከዳልዋ ዝቖማ ሽማግለታት’ከ ኣበናይ ደረጃ በጺሑ ኣሎ?

መልሲ፡- ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ዝተኻየደ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ሰለስተ ጕዳያት ዘትኰረ’ዩ ነይሩ።

ቀዳማይ፡- እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳዕ መወዳእታ ወርሒ 2006 ክካየድ ዘለዎ መደብ ዕዮ ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ቃልሲ ሓንጺጹ፤

ካልኣይ፡- ንጕባኤ ናይ ኪዳን እተሰናድእ ሽማግለ ኣቚሙ። እታ ሽማግለ ካብ ኵሎም ኣባላት ውድባት ብዝተወከሉ ባእታታት ኢያ ቆይማ። ንቻርተርን ቅዋምን ዝምልከት ርእይቶታት ናይ ኣባል ውድባት ተቐቢላ መጽናዕቲ ክትገብርን ነቲ ናይ ሓድነትን ፍልልያትን ነጥብታት መምያ ከተቕርብን መምያ ናብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ከተቕርብን ተመዚዛ። ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ከኣ፡ ካብ’ዚ ተበጊሱ፡ ንድፊ ቻርተርን ቅዋምን ኣዳልዩ ናብ ኣኼባ ናይ መሪሕነት ከቕርብ’ዩ።

ሳልሳይ፡- ንሃገራዊ ዋዕላ ብዝምልከት ከኣ፡ ሓንቲ ንተመኵሮታት ናይ ሃገራዊ ዋዕላታት ኣብ ዓለምና ኣጽኒዓ ርእይቶ እተቕርብ ሽማግለ ቆይማ። መንግስታትን ተቓወምቶምን ብሃገራዊ ዋዕላ ኣቢሎም ሽግራቶም ዝፈትሕሉ ብዙሕ ተመኵሮታት ኣብ ዓለምና ርኢና ኢና። ከምኡ ውን፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላና ዘጽንዓቶ ብዶክተር ተስፋጽዮን መድሃኔ እተገብረ መጽናዕቲ፡ ብዙሕ ካልእ ተመኵሮታት ውን ኣሎና። ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ዘዳለወቶ መጽናዕቲ ናብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣቕሪባቶ ኣላ። ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ’ቲ ቅድሚ ጕባኤ ኪዳን ዝካየድ ኣኼባ ናይ ማእከላይ መሪሕነት ከቕርቦ ኢዩ።

ሕቶ፡- ጕባኤ ናይ ኪዳን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ታሕሳስ 2006 ክግበር’ዩ ክንብል ንኽእል’ዶ?

መልሲ፡- ካብ ድሌትና ወጻኢ ዝዀነ ኵነታት እንተዘየጋጢሙና፡ መደብናን ሓሳብናን ከምኡ ኢዩ።

ሕቶ፡- ሓው ሑሴን፡ ኪዳን ኣብ ጕዕዞ ቃልሱ ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት ከይዱ’ዩ። ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብ ዓረባዊ ዓለም፡ ኣውሮጳ፡ ኣመሪካ ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊቡ’ዩ። ስለ’ዚ፡ በዚ ኣብ ዝሓለፈ መድረኽ ዝተረጋገጽ ዓወታት ዕጉባት ዲኹም?

መልሲ፡- ብመንጽር’ቲ ሜዳ ኤርትራ ዝሓልፎ ዝነበረ ኵነታት፡ እወ፡ ዕጉባት ኢና። ልክዕ’ዮ ዕድመ ናይ’ዚ ህልው ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ልዕሊ 2 ዓመት ኣይኰነን። ቅድሚ ምምስራት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካልእ ናይ ሓድነት ክሊ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኢዩ። ሓድነት ተቓወምቲ ውድባት ንምርግጋጽ ካብ 1999 ኣትሒዙ’ዩ ጻዕርታት ክካየድ ጸኒሑ። እዚ ከኣ፡ ብ3 መጋቢት 2005 ናብ’ቲ ንመጀመርያ ግዜ ንዅሉ ተቓወመቲ ውድባት ዝጠርነፈ ኤርትራዊ ዲሞክራስይዊ ኪዳን ምምስራት ኣብጺሑና። ኣብ’ቲ ዘጽደቕናዮ ፖለቲካዊ ቻርተር ገለገለ ተዓቕቦታት ነይሩ’ዩ፡ ግን ኵለን ውድባት ኪዳን ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ክንጥርፍ በቒዕና ኢና። ካልእ ዘረጋገጽናዮ ዓወታት ከኣ፡ ብኸም’ዚ ዝስዕብ ክጸምቖ እፈቱ።

ቀዳማይ፡- ሓድነትና ኣብ ክሊ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከነዕቁብ ብምኽኣልና፡ ብመንግስታት ዞናና ክብረት ክንረክብ ኣኽኢሉና ኢዩ። ብረድዮ ምብራቕ፡ ረድዮ ከሰላ፡ ከምኡ ውን ካብ ኢትዮጵያ ብዝፍኖ ናይ ረድዮ ፈነወታት፡ መልእኽትና ናብ ህዝብና ከነብጽሕ ኪኢልና ኢና። እዚ፡ ቅድም ዘይነበረና ዕድላት’ዩ። ከምኡ ውን፡ በቲ ኣብ ወወርሒ ብቋንቋታት ዓረብኛን ትግርኛን እንግሊዝን ከነውጽኦ ዝጸናሕና መጽሔት ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ንህዝብናን ንዓለምን መልእኽትና ከነብጽሕ ክኢልና ኢና። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኤርትራውያን ዝከታተልዎ ናይ ኪዳን መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት (web site) ኣሎና።

ኣብ ህዝባዊ መዳይ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ህላወ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ዘሎና ሰፊሕ ህላወ፥ ካብ ኣውስትራልያ ጀሚርካ ክሳዕ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኮታ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከብሉ ቦታታት፡ ብኣባል ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝቖማ ጨናፍር ኣለዋና።

ኣብ መዳይ ኣህጕራዊ ዝምድናታት፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣመሪካን ንዝርከቡ ኣዕሩኽን ፈተውትን ሃለዋት ህዝብናን ኵነታት ተቓወምቲ ውድባትን ከብርህን፤ ከምኡ ውን፡ ብዝስማዕን ዝንበብን ናይ ዜና መሳርሒታት ኣቢሉ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና፡ ህላወን ዕላማታትን ናይ ተቓወምቲ’ቲ ስርዓት ዝዀኑ ውድባት ከብርህን ከፋልጥን ኪኢሉ ኢዩ። ልክዕ’ዩ፡ እቲ እተመዝገበ ዓወታት፡ ማዕረ’ቲ ትጽቢታትና ኣይኰነን። ምኽንያቱ ከኣ፡ ትጽቢታትና ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምልጋስ ስለዝዀነ’ዩ። ምስ’ቲ ቅድም ዝነበረ ዝተከፋፈልን ብቱንን ሃለዋት ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ብምንጽጻር፡ ሎሚ፡ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ኣሎ ክብል እደፍር። ካብ’ቲ ቀንዲ ዝተዓወትናሉ ጕዳያት ከኣ፡ እቲ ውድባት ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሕድሕዶም ብፍላይ ከኣ ብኢንተርነት ዘካይድዎ ዝነበሩ መጥቃዕቲ ደው ከነብልን፤ ቅድም ዘይነበረ ናይ ሕድሕድ ምክብባርን ምስምማዕን ሃዋህው ክንፈጥርን ምኽኣልና ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ክሊ’ዚ መድረኽ’ዚ፡ ኣብ መንጐ ውድባት ናይ ምትእምማን መንፈስን፤ ብተናጸል ኣድማዒ ስርሓት ክካየድ ኣይከኣልን’ዩ ዝብል ዕግበትን ከነሕድር ክኢልና። ስለ’ዚ፡ ዘለናዮ መድረኽ ካብ ዝሓለፈ መድረኻት ዝሓሸ’ዩ፤ ከምኡ ውን፡ ንኪዳን ብምምዕባል ዝሓሸ መተካእታ ንምግባሩ ናይ ኵሉ ድሌት ኰይኑ ኣሎ ክንብል ንኽእል።

ሕቶ፡- ኣብ ክሊ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝግበር ምጽንባራዊ ሓድነት ከመይ ትርእይዎ? ከም’ዚ ዝዓይነቱ ሓድነት፡ ኣወንታዊ ነጸብራቕ ኣብ መጻኢ ጕዕዞ ናይ ኪዳን ኣለዎ ኢልኩም’ዶ ትኣምኑ?

መልሲ፡- ኪዳን ከም ፖለቲካዊ ጽላል ምህላዉ ኣብ መንጐ ፖለቲካዊ ሓይልታት ክህሉ ንዘለዎ ዝምድናታት እንደገና ተመሊሶም ክግምግሙ ዘኽኣሎም ይመስለኒ። ኣብ ክሊ’ዚ ኣረዳድኣን፡ ኣብ ክሊ’ዚ ጥዑይ ሃዋህውን እዚ፡ ሰለስተ ውድባት ኣብ ትሕቲ ሓደ ውድብ (ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ) ክጽንበሩ ክኢሎም። እዚ ከኣ፡ ሓደ ካብ’ቲ ኪዳን ዘመዝገቦ ዓወታት ገይርና ኢና ንቖጽሮ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ስጕምታት ክውሰድ ድማ ደገፍቱ ኢና። ስለዝዀነ ከኣ፡ ኵሎም ዝመሳሰል ወይ ዝቀራረብ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ውድባት፡ ኣብ ሓደ ውድብ ክጥርነፉ ንጽውዕ። ምኽንያቱ ድማ፡ ሓድነት ሓይሊ ስለዝዀነ ኢዩ።

ሕቶ፡- ብመሰረት ኣኼባ መሪሕነት ኪዳን፡ ድሕሪ ምምስራት ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ነፍስወከፍ ኣባል ውድብ ኪዳን ኣብ ቻርተርን ቅዋምን ዘለዎ ርእይቶ ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክልእኽ፤ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ወርሒ ነሓሰ 2006 ጸብጻባታ ናብ መሪሕነት ከተቕርብ ተወሲኑ ነይሩ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ፡ እንታይ ዝተሳለጠ ስርሓት ኣሎ? መሪሕነት’ከ ነዚ ሰነዳት’ዚ፡ ካብ’ተን ውድባት ተቐቢሉ’ዶ?

መልሲ፡- ከም’ቲ ዝበልኩምዎ፡ እቲ ዝተሰማማዕናሉ መደብ፡ ውድባት ኪዳን ርእይቶታተን ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጕባኤ ከቕርባ፤ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ድማ፡ ነዚ ርእይቶታት’ዚ ሓደ መልክዕ ኣትሒዛ ናብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ከተረክቦ’ዩ ነይሩ። እዚ ጕዳይ’ዚ ብዙሕ ተክኒካዊ ጸገማት’ኳ እንተኣጓነፎ፡ ኣብ መወዳእታ ግን፡ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ኰይኑ። ውድባት ርእይቶታተን ኣቕሪበን፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ እዚ ርእይቶታት’ዚ ኣብ ናይ ሓደ ሓባር ርእይቶ ተጸሚቑ ኣሎ። እዚ ከኣ፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ንክትዕ ክቐርብ’ዩ።

ሕቶ፡- ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላን፡ ኣብኡ ዝሳተፉን፡ ግደ ሲቪላዊ ማሕበራትን፡ ከመይነት ኣዳልዋኡን ብዙሕ ዝብሃል ዘረባታት ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ጕዳያት’ዚ እንታይ ትብሉ?

መልሲ፡- ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ብዝምልከት፡ ተረድኦና ብዛዕባ ልዝብ ክስከሞ ካብ ዝኽእል ጾር ንላዕሊ ከይነሰክሞ ተስፋ እገብር። ዕማምና፡ ብዛዕባ ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርንዓት ናይ ዓለም ዝተጋህዱ ጠቐምቲ ናይ ልዝብ ተመኵሮታት መጽናዕትታት ኣብ ምክያድ ዝተሓጽረን፤ ከመይነት ተሳትፎ ናይ’ቶም ነዚ ተመኵሮ’ዚ ከጐልብቱ ዝኽእሉ ሸነኻት ንምንጻርን ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ’ቲ ምድላውን ምምሕዳርን ናይ’ቲ ሃገራዊ ዋዕላ ብዝምልከት ግን፡ ናይ ዝዀነ ይኹን ሸነኽ ዋንነት ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡን፤ ናይ’ቶም ኣብ’ዚ ዋዕላ’ዚ ዝሳተፉን ሸነኻት ብጽሒት ኢዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ሲቪላዊ ማሕበራት ይኹና ወይ ድማ፡ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዝርከባ ውድባት፡ ኣብ ዝተወድአ መኣዲ ክንጽውዐን ኣይኰናን። ብኣንጻሩ ኣብ ምድላው ናይ’ዚ ዋዕላ’ዚ ክሳተፉ ምዃኖም ኢና እንርዳእ። ንሳቶም ከኣ፡-

  • ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዉ ውድባት፤
  • ሲቪላዊ ማሕበራት፤
  • መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን፤
  • ምሁራት ኤርትራውያን፤
  • ተመኵሮ ዘለዎም ናጻ ዝዀኑ ፍሉጣት ዜጋታት፤
  • ኣብ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፤

ኢዮም። ኵሎም እዚኦም ኣብ ምስንዳእ ናይ’ቲ ዋዕላ ክሳተፉ ኢዮም።

ሕቶ፡- ካብ ጕባኤ ኪዳንን ሃገራዊ ዋዕላን እትጽበይዎ ውጽኢት እንታይ’ዩ?

መልሲ፡- ጕባኤ ኪዳን ብዝምልከት፡ ሓደ ናይ ሓባር ቻርተር ሓንጺጹ ክወጽእን፤ ሓድነቱ ከዕቁብን፤ ዝያዳ ብቕዑን ንጡፍን ውፉይን መሪሕነት ክመርጽን፤ እዚ ኪዳን’ዚ ንባህግታት ህዝብና ዘማልእ ዝሓሸ መተካእታ ናይ’ቲ ስርዓትን ክኸውንን ኢዩ ትጽቢትና። ኵላትና ብዘይ ኣፈላላይ፡ ሽግራትናን ፍልልያትና ናብ ህዝብና ከነስግሮ፡ እሞ ህዝብና መተካእታ ስኢኑ ክነብር ኣይንደልን ኢና። ኣብ መጻኢ ከነረጋግጾ እንደሊ ድሌትናን ዕላማናን እዚ’ዩ። ከምኡ ውን፡ ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ እንግልገለሉ መሳርሒታት ከነማዕብል እዋናውን ማእከላውን ዕላማና ኢዩ።

ሕቶ፡- ኣብ መወዳእታ፡ ሓው ሑሴን ኣብ ኪዳንን ኣብ ውድብኩም ተሓኤን ብዘሎካ መሪሕነታዊ ቦታ፡ ስርዓት ኤርትራ ኣብ’ዚ መወዳእታ እዋን’ዚ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓሳት ከመይ ትርእይዎ?

መልሲ፡- ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ዘሰጕሞ ዘሎ ፖሊሲታት ሓድሽ ዘይኰነስ፡ ካብ ናጽነት ሃገርና ኣትሒዙ ክኽተሎ ዝጸንሐ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ጸላኢ ኰይኑ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ናይ ጐረባብትና ዝዀና ሃገራት ጣልቃ ክኣቱ ይርአ። ካልእ ግዜ ከኣ፡ ፈታዊ ተመሲሉ፡ ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ሽግራት ክፈትሕ ይፍትን። ብተረድኦና ግን፡ እዚ ሽግራት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምፍታሕ ዝፈሸለ ስርዓት ኢሳያስ፡ ናይ ጐረባብትና ሽግራት ክፈትሕ ብቕዓት የብሉን። ህዝብና ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኢሳያስ ብሰንኪ ዘሕልፎ ዘሎ ሕማቕ መነባብሮ፡ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ኤርትራውያን ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ስዑድያን ካልኦት ሃገራትን ይስደዱን ከምዘለዉ ዓለም ብመላኡ ዝፈልጦ ጕዳይ ኢዩ። ከምኡ ውን፡ ስርዓት ኢሳያስ ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነታትን ይኹን፡ ብዛዕባ ብልሽውና ብዝምልከት፡ ካብ’ቶም ዝኸፍኡ ስርዓታት ምዃኑ ዝእምት ጸብጻባት ካብ ኣመሪካውያን ናይ ሰብኣዊ ማሕበራት ዝርከብወን ብዙሓት ሰብኣዊ ማሕበራት ምዝርግሑ ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

ስለ’ዚ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ዓይኑ ካልኦት ዘሎ በሰር ከውጽእ ካብ ምፍታን፡ ኣብ ዓይኑ ዘሎ ጕንዲ ከውጽእ፡ ማለት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሽግራት ክፈትሕ እንተዝፍትን ምሐሾ ነይሩ ንብል። እቶም ኢሳያስን ጕጅላኡን ሽግራትኩም ክንፈትሓልኩም ዝብልዎም ዘለዉ ሃገራት ከኣ፡ ሽግራቶም ባዕሎም ናይ ምፍታሕ ካብ ስርዓት ኢሳያስ ዝበለጸ ዓቕምታት ከምዘለዎም ኢየ ዝርዳእ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3399

Posted by on Nov 22 2006 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net