ደምዳሚ ኣዋጅ ህጹጽ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ

ህዝብናን ሃገራዊ ሓይልታቱን ብዘሰንበደ ሃንደበታዊ መስዋእቲ ብጻይና፡ ኣቦ መንበር ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል፣ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብደረጃ መሪሕነቱ ኮነ መላእ ኣባላቱ፡ ኣብ መሪር ሓዘን ዝጸንሔን ዘሎን እኳ እንተኾነ፤ ነቲ ኣቦ መንበር ስዩም ከካይዶ ዝጸንሔ ሃገራውን ደሞክራስያውን ዕማማት ንምቕጻልን፣ ብሃንደበታዊ ብኩራቱ ዝተፈጥረ ብድሆታት ንምግጣምን፡ ካብ 29-31 ታሕሳስ 2005፡ ግዜያዊ ኣቦመንበር ተጋዳላይ ተኽለ መለኪንን፡ ኣፈ-ባይቶ ተጋዳላይ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊን፡ ብዝጸውዕዎ መሰረት ህጹጽ ኣኼባኡ ኣካየደ።

ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ካብ ኩሉ ዓይነት ዓመጻ ዝተናገፈት፡ ፍትሒ ዝዓሰላ፡ ደሞክራስያን ግዝኣተ ሕግን ዘንገሰት፡ ሰብኣዊ መሰልን ክብሪን እትሕሉ፡ ንድኽነትን ድንቁርናን ዝሰዓረት፡ ማሕበራዊን ሃይማኖታውን ማዕርነታት ዝረጋገጸላ፡ ሕጋውነት ስልጣን ካብ ህዝቢ ዝውረሰላ ሃገር ንኽትከውንን፡ ከም ዘመናዊት ሃገር ኣብ ኣህጉር ተራኣ ንኽትዓምምን ምእንቲ ክትበቅዕ፡ በቲ ዘይሕለልን ዘይድህለልን፡ ሕልናኡ፡ በቲ ደኺመ ዘይፈልጥ ኣካሉ፡ በቲ ኣብ እዋን ሽግር ቀጥ ዝብል ዕጣቑ እናተቓለሰ እንከሎ እዩ፡ ብሃንደበታዊ ናይ ልቢ ወድቀት ዝዓረፈ።

ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ሃንደበታዊ ሃለዋት፡ ሰውራዊ ባይቶ፡ ቀጥታዊ ናይ ህጹጽ ኩነታት ደወል ኣብ ውሽጢ መላእ ትካላቱ ክድውል ግድነት ነበረ። ብመስዋእቲ ብጻይ ስዩም፡ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ሓላፍነታዊ ቦታ ብዝተረኽበ ሃጓፍ ምኽንያት፡ ውድብ ናብ ዘይተጸበዮ ባዶነት ንኸየምርሕ፡ ድማ ትካላዊ ህንጻ ውድብ ብህጹጽን ብቐጥታን ክሰርሕ ነበሮ’ሞ፡ ተጋዳላይ ተኽለ መሊኪን ብቕጽበት ከም ግዜያዊ ኣቦመንበር ኣብ መድረኽ ደይቡ ንውድብ ከካይድን፡ ሓድሽ ኩነታት ንዝፈጠሮ ሓላፍነት ተሰኪሙ ክመርሕን ጀመረ።

ካብ ዕማማት ውድብ ቀዳምነት ዝሓዘ ዕዮ እቲ ንመስዋእቲ ተጋዳላይ ስዩም ኣኽቢቡ ዝነበረ ኩነታት ምምርማርን፡ ድሕረ ሞት ክካየድ ዘድልዮ ሕክምናውን ሕጋውን ስጉምትታት ብምውሳድ፡ ባህርያውነት ዕረፍቱ ምርግጋጽን፡ ምስ ስድራ ቤት ብምትሕብባር ስርዓተ ቀብሪ ምስንዳእን ብምንባሩ፡ ሰውራዊ ባይቶ ንኹሉ’ቲ ጠለባት ዕዮ ከሰላስሉ ዝተመዘዙ ኣካላት ውድብ፡ ኣብ ክሊ መሪር ናይ ሓዘን ጸቕጢ፡ ጽፉፍ ስራሕ ከካይዱ ከም ዝበቕዑ መዘነ።

ብርቱዕ መራሒ ምርኡይ ስራሓት እናካየደ ንዝመርሖ ውድብ ኣብ ደያቢ መስርሕ ክጸምዶ ይጸንሕ፡ ክሓልፍ እንከሎ ድማ ብድሕሪኡ ሓያል ብድሆታት ገዲፉ’ምበር ከም ተራ ኣይሓልፍን። ህጹጽ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ ቅድሜኡ ዘሎ ብድሆታት ክግምግም እንከሎ ነዚ ሓቂ’ዚ እዩ ተመልኪቱ። ብቐጥታ’ንከ እዚ ብድሆታት’ዚ ነቲ ኣቐዲሙ ክስርሓሉ ዝጸንሐ፡ ወድባዊ ናይ ዓወት ስትራተጂ ከም ዘንጸባርቕ ተገንዚቡ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ ውልቀ መላኽነት ዝሰዓረ፡ ኣብ ሰልፋዊ ብዙሕነት ዝተመርኮሰ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ ዝዕላማኡ ቃልሲ ከም ወትሩ ቀጻሊ ምዃኑ ደጊሙ ኣብ ልዕሊ ምርግጋጽ፡ ነዘን ዝስዕባ ጉዳያት፡ ብኣትኩሮ ከሰላስል ምዃኑ ኣመዝገበ፥

ኣብ ውድባዊ መዳይ

·         መስዋእቲ ኣቦ መንበር ስዩም፡ ከም ተረኽቦ’ውን ንዝያዳ ተወፋይነት ዝዕድም ኣብነት ብምዃኑ፡ ኩሉ ኣባል ውድብ ብዘለዎ ዞባታቱን ጨናፍሩን ዕዮታቱ ብተዓጻጻፊ ከማዕብል፡ ቃልስታቱ ብዝያዳ ከሕንን ዝኽእለሉ መደባት ሰሪዑ ክንቀሳቐስ እዩ።

·         ኣብ ዝተፈላለዬ ጽፍሕታት ናይ ውድባዊ ትካላቱ፡ ምሉእ ግዜኦም ናብ ውድባዊ ስራሕ ዘትኮሩ ካድራት ክምዝዝን ከዋፍርን እዩ።

·         ነቶም ኣብ ነዊሕ ቃልሲ ርኡይ እጃም ዝነበሮም ሃገራውያን ደሞክራስያውያን ባእታታት ቃልሲ ኤርትራ ንምጥርናፍ ጽዑቕ መደባት ብምክያድ ኩሉ ብቕዓታቶምን ክእለታቶምን ዝዋፈረሉ ናይ ስራሕ ሜዳ ክኸፍት እዩ።

·         ኣቐዲሙ ኣብ መስርሕ ዝጸንሔ ዕዮታት ምጥርናፍ ናይ መንእሰያትን፡ ምሕዳስን ምምዕባልን ክበባት መንእሰያትን፡ ክቕጽልን ክሓንን እዩ።

·         ኣብ መደብ ዝጸንሐ ምድንፋዕ ስርርዓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ተግባራዊ መዳይ ፍጻሜኡ ክርኢን ሰፊሕ ተሳትፎ ኪረጋገጽን እዩ።

·         ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ ኣብ መደበር ስደተኛታት ብሓልዮት ውድብን ብቀጥታዊ ተሳትፎ ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራን፡ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበርን ኪካየድ ዝጸንሔ ኣገልግሎት ክቕጽል፡ ህጻናትን ዕሸላትን ኤርትራውያን ድማ ትምህርቶም ክቕጽሉ እዮም።

·         መደበር ውጉኣት ሓርነት ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ውድብን፡ ቀጥታዊ ተሳትፎ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን ቀጻልነቱ ክረጋገጽ ምዕባሌኡ ድማ ክርኢ እዩ።

·         ገንዘባዊ ዓቕሚ ውድብ ብምድንፋዕ ኣብ ዲፕሎማስያዊን ዜናውን ማሕበራውን መዳያት ጽዑቕን ሰፊሕን ዕዮታት ክሰላሰል እዩ።

ኣብ መዳይ ሓይልታት ተቓውሞ

·         ሰውራዊ ባይቶ ነቲ ውድብና ከም ኣካል ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ከካይዶ ዝጸንሐ ዕማም፡  ኪቕጽሎን፡ እቲ ስምምዕ ብዝገዝኦ መደባት መሰረት ሕጂ’ውን እጃሙ ከልዕልን፡ ብዘይስልኪ ንያት ንምምዕባሉ ክጽዕትን እዩ።

·         ብፕሮግራም ደረጃ ምስ ዝመሳሰልዎ ተቓወምቲ ውድባት፡ ዝህልዎ ፍልልያት ከጻብብን ናብ ዝለዓለ ስምረታዊ መስርሕ ንኺሰጋገር ክጽዕትን እዩ።

·         ብመልክዕ በርጌሳዊ ማሕበራትን፡ ዜናዊ ማዕከናትን ካልእ ዝተፈላለዬ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳትን፡ ንሃገርና ኤርትራ ናብ ደሞክራስያዊ መስርሕ ንኸሰጋግሩ ከም ናይ ጸቕጢ ሓይሊ ዝነጥፉ ኣካላት ሕብረተሰብና፡ ንኺዓብዩን ተራኦም ክዓሙን፡ ብዘይ ምቑጣብ ክተሓባበርን፡ ዝተወሃሃደ ዕዮ ንኽካየድ ክጽዕትን እዩ።

·         መላእ ህዝቢ፡ መሰላቱ ንምርግጋጽ ዘካይዶ ቃልሲ፡ ብዝተወደበ ኣገባብ ናብ ዘይሰዓር ሓይሊ ንምቕያሩን፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክዓኩኽ ዝርከብ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምድጋፍን ንምውህሃዱን፡ ቀጻሊ መደባት ሰሪዑ ክንቀሳቐስ እዩ።

ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መዳይ

·         ነቲ ብቐጻሊ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ውጥን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ (ተ.ሓ.ኤ ሰ.ባ.) ኣብ ጭቡጥ ምዕራፋቱ ንምብጻሕ ብኣትኩሮ ከሰላስሎ እዩ። ብፍላይ ምስ ናይ ከባቢና ኣሕዋት ህዝብታትን መንግስትታትን ኣብ ሓድሕድ ምክብባር ተመርኲሱ ዝተፈጥረን ክምዕብል ዝጸንሐን ሰናይ ዝምድናታት፡ በቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣወንታዊ መስርሕ ክቕጽልን፡ ህዝብና ምስ ኣህዛብ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ብሰላምን ሕውነታዊ ምክብባርን ናይ ምዕባሌኦም ጐደና ንኽግጐዓዙ፡ ውድብና ልዑል እጃሙ ከልዕል እዩ።

·         ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ ዶብ ጐንጺ፡ ብዝርኢ፡ ውድብና ሒዝዎ ዝጸንሐ መርገጽ ብምቕጻል፡ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስን ኣህጉራዊ ውሳኔ ኮሚስዮን ዶብን ብሰላማዊ መንገዲ ንኽፍታሕ ጸዓታት ከካይድ እዩ።

·         ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚስዮን ስደተኛታት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝወሰዶ ብይን፡ ሰደተኛዊ ተፈላጥነትን መሰላትን ኤርትራውያን ይገሃስ ስለ ዘሎ፡ ሰውራዊ ባይቶ እቲ ብይን ንኽሰሓብን መሰል ስደተኛታት ንኽምለስን ክጽዕት እዩ።

ጽኑዕ ተቓላሳይ ህዝብናን ሓርበኛታት ኣባላት ውድብን!

ህጹጽ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ ነቲ ስውእ ኣቦመንበር ሒዝዎ ዝጸንሐ ውድባዊ ሓላፍነት ንምምላእን ብድሕሪኡ ዝገደፎም መኸተታት ንምግጣምን ዕምቈት ዘሰነዮ መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስ ኣቦ መንበር ኣብ መስርዕ ሓላፍነት ተሰሊፎም ዘይሕለል ቃልሲ ከካይዱ ዝጸንሑ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ፣ ኣብ ላዕለዋይ ውድባዊ ጽፍሒ ምሉእ ግዜኦም ኣወፍዮም ክቃለሱ ዝግባኦም ተወሰኽቲ ኣባላት ክምዝዝ፡ ንሃገርና ኣብ ዝቐረበ ቦታ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ውድብ’ውን፡ ክዓዝዝ፡ መሰረታዊ ውሳኔታት ክወስድ ግድነት ነበረ።

በዚ መሰረት ተጋዳላይ ወልደየሱስ ዓማር፡ ኣቦ መንበር ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ ከገልግል፤ ተጋዳላይ ተኽለ መለኪን ከም ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ መነሃርያኡ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ውድብ ኮይኑ ከዋፍር፤ ተጋዳላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ድማ ናይ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ምምሕዳር ክመርሕ፡ ሰለስቲኦም ድማ ምሉእ ግዜኦም ወፍዮም ከስርሑ ከም እተመዘዙ፡ በዚ ኣዋጅ’ዚ ንገልጽ።

ኣብ መደምደምታ፡ ንኹሎም መሪሕነታትን ኣባላትን ተቓወምቲ ውድባት፣ ንኹሎም ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ንናይ ዜና ማዕከናት፡ ንፈተውቲ ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድባትን፡ ከምኡውን ንኹሎም እቶም ብውልቃዊ ደረጃ፡ ብኣካል፣ ብስነጽሑፍ፡ ብኤለክትሮኒክ መልእኽቲ፡ ንስውእ ተጋዳላይ ስዩም ናይ ሃገራዊ ጅግና ምፍናው ዝገበሩ ዕዙዝ ኣድናቖትን ልባዊ ምስጋናን ነመሓላልፍ።

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፡ ካብ ዕለተ መስዋእቲ ኣትሒዞም ብዘርኣይዎ ዘይቁጡብ ምትሕብባርን፡ ስውእ ናብ መዕረፊኡ ቦታ ክሳብ ዝበጽሕ ብዝገበርዎ ኣሳልጦታትን፡ ልባዊ ምስጋና ነመዝግብ። ሆላንዳውያን ሰበ ስልጣን እውን ናይ ነጻነት ተዋግኣይ ክወሃቦ ዘለዎ ክብሪ ሂቦም፡ ብወግዒ ኣዐጂቦም ምስ ኩልና ተሓባቢሮም ሓመድ ኣዳም ክሳብ ዝለብስ ስለ ዘሰንይዎ፣ ብስም ኩሎም ስድራ ቤት ስዩምን ብስም ውድብን ልባዊ ምስጋና ነቕርብ።

ከምቲ ሓርበኛ ስዩም ዝበሎ፡ ኤርትራና ናይ ህዝባ ቤት ማእሰርቲ ካብ ምዃን ኣቋሪጻ ደሞክራስያዊትን ሰላማዊትን ብልጽግትን ሃገር ክሳብ እትኸውን “ እንተሎና ተቓለስቲ እንተሞትና ድማ ነበርቲ ስውኣት ኢና”

ኩሎም ስውኣትና ዝወደቑሉ ዕላማ ክዕወት ግድን እዩ!

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት!

ክብሪን ዘልኣለማዊ ዝኽሪን ንስዉኣትና!

ሰውራዊ ባይቶ

ታሕሳስ 31 2005

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3430

Posted by on Dec 31 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net