ካብ ውሳኔታት 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ምምስራት ሰልፊ

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
18.08.2006
 

ስለምንታይ’ዩ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ክሳዕ ሕጂ ናብ ሰልፊ ከይተሰጋገረ ጸኒሑ?

 

1. ስርዓት ኤርትራ ንብዙሕነት ዘተባብዕ መርሆ ስለዘይውንን፡-

ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ጥዑይ ፖለቲካዊ ሃዋህው ሰፊኑ ነይሩ እንተዝኸውን፤ እቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምልጋስ ቈይሙ ዝነበረ ናይ ሓርነት ግንባራት ብኡ ንብኡ ናብ ሰልፍታት ኢዩ ክሰጋገር ዝግብኦ ነይሩ። ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ካብ’ዚ እምነት’ዚ ተበጊሱ፡ ድሕሪ ናጽነት ምስ’ቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ዝሓዘ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንምልዛብ ቅሩብነቱ ምግላጹ ዝዝከር ኢዩ። እዚ ጥራሕ ውን፡ ዘይኰነ፡ ምርጫኡ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ምዃኑ ገሊጹን፥ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምውጋእ ተሓንጊጥዎ ዝጸንሐ ብረት ዕማሙ ኣብቂዑ’ዩ ካብ ዝብል እምነት ከምዘውረደ ውን ብወግዒ ኣፍሊጡን ኢዩ።

እንተዀነ ግን፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ዝጨበጠ ስርዓት ኢሳያስ፡ በቲ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ካብ ህዝብን ጐረባብቲ ሃገራትን ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብን ዝረኸቦ ሞራላውን ንዋታውን ደገፋት ሰኺሩ ስለዝነበረ፡ ነዚ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝወሰዶ ቅዱስ ተበግሶ ከም ሕመቕ ብምግምጋም፡ ኣብ ናይ ቅንጸላን ማእሰርትን ምንእኣስን ምንጽጻግን ናይ ስልጣንን ሃብትን ምብሓትን መርሆታቱ ቀጸለ። ንተቓወምቱ ብሓይሊ ንምድሳስ ከኣ፡ ኵሉ ኣሎ ዝብሃል ፖለቲካውን ፕሮፕጋንዳውን ዲፕሎማስያውን ቍጣባውን ወተሃደራውን ጸጥታውን ዓቕምታቱ ተጠቕመ። ብሓጺሩ፡ ኢሳያስን መጋባበርያታቱን ብናይ ዘመናዊ መንግስቲ ኣተሓሳስባ ዘይኰነስ፤ ብናይ ሰውራን ናይ በረኻ ስነ-ሓሳብን ክቕጽሉ መረጹ። ነዊሕ ከይከደ ግን፡ ተቓወምቱ ጥራሕ ዘይኰኑስ፡ ህዝብን ኣባላትን ደገፍቲ ህዝባዊ ግንባርን ውን ከይተረፉ ግዳይ ናይ’ዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ኰኑ። ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ሰልፍታት ዘየፍቅድ፡ ብቅዋምን ብሕግን ዘይምእዘዝ፡ ስልጣን ዘየካፍል፡ ንኵሉ ዓይነት ፍልልያት ብሓይሊ ክፈትሕ ዝፍትን ግጉይ መርሆ’ዚ ድማ፡ ናይ ህዝብን ናይ መራሕትን መሰረታትን ህዝባዊ ግንባር ነበርን ተቓውሞታት እናዓዀኸ መጸ።

ስርዓት ኢሳያስ፡ ካብ’ዚ ቅልውላዋት’ዚ ንምህዳምን ንቈላሕታ ህዝቢ ናብ ካልእ ንምስሓብን ምስ ጐረባብቱ ዙርያ ምላሽ ውግኣት ኣባርዐ። ንፍሽለታቱ ንምሽፋን ከኣ፡ ንተቓወምቱ ዋላ ነቶም ኣብ ጐድኑ ተሰሊፎም ክሳዕ ናጽነት ዝተቓለሱ ብጾቱ ብክሕደትን ብልሽውናን ካልእ ዘይረብሕ ክስታት ብምቕራብ ክኣስርን ክቕንጽልን ተራእየ። እዚ ኵነታት’ዚ ተደማሚሩ፡ ስርዓት ኢሳያስ ናይ ሓይሊ ቋንቋ ጥራሕ’ዩ ዝርዳእ፤ ብሰላማዊ ኣገባብን ብልዝብን ለውጢ ክመጽእ ኣይክእልን’ዩ ዝብል ዕግበት ሰፊሕ ባይታ ከምዝረክብ ገበረ። ኤረ! ብዕጡቕ ተጋድሎ ወይ ድማ፡ ብዓመጻዊ ኣገባብ ዘይምእማን፤ ከም መዐቀኒ ናይ ምቅዋምን ዘይምቅዋምን ስርዓት ኢሳያስ ዝተቘጽረሉ መድረኽ ውን ነይሩ። በዚ፡ ውድብና ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝብል ስም ሒዙ ክቕጽልን፤ ነቲ ብጽቡቕ ድሌት ኣውሪድዎ ዝነበረ ዕጥቂ እንደገና ክስከምን ተገደደ።

 

2. ምፍንጫላት ዝፈጠሮ ህልኻት፡-

 

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘጋጥም ዝነበረ ምፍንጫላት፡ ብመን ነቲ ናይ ቅድሚ ምፍንጫል ዝነበረ ናይ ሓባር መጸውዒ ስም ይሕዝ ዝብል ምስሕሓባትን ህልኽን’ዩ ክስነ ጸኒሑ። እዚ ምስሕሓባት’ዚ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ካልእ ናይ መፈላለዪ ነጥብታት ተደማሚሩ፡ ተመሳሳሊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ውድባት ብሓባር ንኸይሰርሑ ክዓናቕፍ ዝጸንሐ ረቛሒ ምዃኑ ኣሉ ክበሃል ዘይከኣል ሓቂ ኢዩ። ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት፡ ካብ ቅድሚ ናጽነት ይኹን፤ ካብ ናጽነት ንድሓር ኣትሒዞም ክሳዕ 2006 ብናይ ቅድም ክብል ዝጽውዕሉ ናይ መዋእል ሓርነታዊ ተጋድሎ ስምን ክጽውዑ ይርከቡ ምህላዎም ውን ጭቡጥ ምስክርነት ኢዩ። ጠንቂ ናይ’ዚ ድማ፡ ብናይ ብዙሓት ውሳኔ ዘይምምእዛዝን፤ ኣብ ኣስማት ተንጠልጢልካ ናይ ምንባርን ዝፈጥሮ ዘይጥዑይን ዘይብሱልን ፖለቲካዊ ድሌትን ኢዩ።

3. ምቕያር ናይ ስም፡ ንሰዓብትና ከደናግሮ ኢዩ ዝብል ስግኣት፡-

ልክዕ’ዩ፡ ብውድባት ዝግበር ናይ ስም ምቅይያራት ንግዚኡ ገለ ምድንጋራት ይፈጥር ይኸውን። እንተዀነ ግን፡ ንህዝቢ ዘገድሶ እቲ ውሱን ፖለቲካዊ ውድብ ዘመሓላልፎ መልእኽትን ብግብሪ ዝዋስኣሉን ዕላማታትን ደኣ’ምበር ኣስማቱ ጥራሕ ከምዘይኰነ ብሩህ ክኸውን ይግባእ። ህዝቢ፡ መን ረብሓኡ የረጋግጸሉ ደኣ’ምበር፡ መን እንታይ ስም ሒዙ፡ ኣይኰነን ዘገድሶ። ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ ስም ብምልዋጥ ዝፍጠር ምድንጋራት ዘላቒ ኣይኰነን። ህዝቢ ውዒሉ ሓዲሩ፡ ኣብ’ቲ ረብሓይ የረጋግጽ’ዩ ዝበሎ ውድብ ምዕሳሉ ኣይተርፎን ኢዩ።

ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት፡ ህዝቢ ብመላኡ ባይታ ናይ’ተን ዝወዳደራ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ሎሚ ንሓደ ሰልፊ ክድግፍ ጸኒሑ፡ ጽባሕ እዚ ሰልፊ’ዚ ንረብሓይ ዘገልግል ኣይኰነን ኣብ ዝብል ዕግበት እንተደኣ በጺሑ፡ ንኻልእ ሰልፊ ክድግፍ ከም ዝኽእልን መሰሉ ምዃኑን ክእመነሉ ዘለዎ ጕዳይ ኢዩ። ኣብ ፖለቲካ፡ እዚ ክፍሊ ናይ ሕብረተ-ሰብና ንዘልኣለም ናተይ፡ እዚ ከኣ ናትካ’ዩ ዝብሃል ነገር የለን።

4. ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎ ዝነበረ ምስጢራዊ ሰልፍታት፡-

 

ኣብ ተሓኤ ይኹን ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ወይ ህዝባዊ ግንባር ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎ ዝነበረ ምስጢራዊ ሰልፍታት፡ ዘረጋገጽዎ ዓወታት ይኹን ዝፈጸምዎ ጕድለታት ብዘየገድስ፥ ኣብ’ቶም ኣባላት ናይ’ዘን ሰልፍታት እዚኣተን ዘይነበሩ ተጋደልቲ፡ ስለምንታይ ኣነ ዘይሕበር ወይ ድማ፡ ኣነ ህይወተይ እንዳኸፍልኩ ስለምንታይ ዘይእመን ዝብል መረረታት ፈጢሩ ኢዩ። እዚ መረረታት’ዚ፡ ርትዓዊ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ዝምስረት ሰልፊ ክፈጥሮ ዝጸንሐን ጌና ውን ዝፈጥሮ ዘሎ ጥርጣሬታት ብቐሊል ዝጥመት ኣይኰነን። ናይ ሰልፊ ምምስራት ሕቶ ኣብ ዝለዓለ እዋን፡ ግንባርና ወይ ጀብሃና ይሕሸና፡ እዚ ሰልፊ’ዚ ፋሕ ከብለና’ዩ ዝብል ስግኣታትን ድምጽታትን ክቀላቐል ከምዝጸንሐ ውን ዝስሓት ኣይኰነን።

ሕጂ’ኸ፡ እንታይ ሓድሽ ነገር ስለዘሎ ኢዩ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ሰልፊ ንምምስራት ዝጽውዕ ዘሎ?  

ኣብ’ዘን ድሕሪ ናጽነት ዝሓለፋ 15 ዓመታት፡ ንፍለጦ ወይ ኣይንፍለጦ ብዘየገድስ፡ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዓበይቲ ለውጥታት ክምዝገቡ ተራእዮም ኢዮም። ብቐዳምነትን ልዕሊ ኵሉን ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኵሉ ብስም ሓፋሽ ዝምሕልን ዝጥሕልን ሓይልታት ንረብሓ ህዝቢ ዝቘመ ማለት ከምዘይኰነ፡ ካብ ተመኵሮኡ ክርዳእ ምኽኣሉ ኢዩ። ከምኡ ውን፡ ዝተቘራረጸን ሓድነት ዘይብሉን ናይ ተቓውሞ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ለውጢ ከምጽእ ከምዘይክእል ተገንዚብዎ ኢዩ። ስለ’ዚ ውን ኢዩ፡ ዝበዝሐ ክፋል ካብ ህዝብና፡ ካብ ስርዓት ኢሳያስ ይኹን ካብ ተቓወምቲ ርሒቑ፡ ናይ ተዓዛባይ ቦታ ሒዙ ክጓዓዝ ዝጸንሐ። እዚ ኵነታት’ዚ፡ ኣብ ኣተሓሳብ ናይ’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ይኹን ኣብ ተቓውሞ ዝርከቡ ሓይልታት ዝፈጠሮ ተጽዕኖታት ኣለዎ። ምምስራት ናይ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ወይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ይኹን፥ ኣብ ውሽጢ’ቲ ገዛኢ ስርዓት ብ2001 ዓ.ም እተጓሃሃረ ናይ ለውጢ ጠለባትን ምንቅስቓሳትን ድማ ውጽኢት ናይ’ዚ ተጽዕኖታት’ዚ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን። ሎሚ፡ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተሰሊፎም ነቲ ስርዓት ዝምክትዎ ሓይልታት ምህላው ድማ፡ እኹል ምስክርነት ናይ’ዚ ሓቅታት’ዚ ኢዩ። ኣብ ንታሪኻዊ ጕዳያት ዝምልከት ዘሎ ናይ ርእይቶ ፍልልያት ብዘየገድስ፡ መጻኢ ኤርትራ ከመይ ይኹን ኣብ ዝብል ሕቶ፡ ኣብ መንጐ’ቶም ካብ ተሓኤ ይኹን ካብ ህግሓኤ ዝመንጨዉ ውድባት፡ ብሓባር ከሳርሕ ዘይኽእል ናይ ስነ-ሓሳብ ፍልልይ የለን እንተተባህለ ምግናን ኣይኰነን። መብዛሕትኦም ኣብ ዓለምና ዝተራእዩን ጌና ውን ዝርኣዩ ዘለዉ ሰልፍታት፡ ኣብ ዝኽተልዎ ፖሊሲታት ፍልልያት ዘይብሎም ኣይኰኑን። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ ሓደ ሰልፊ ክነሱ፡ ጸጋም የማን ማእከል ዝብል ናይ ዝንባሌታት መለለዪ እናተዋህቦም ብሓባር ከም ሓደ ሰልፊ ክሰርሑ ዝርኣዩ። ናይ 5 ወይ 10 ወይ 20 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሚኢታዊ ፍልልያት እናሃለዎም ክነሶም፡ ሓደ ሰልፊ ኰይኖም ንዝበዝሐ ሓባራዊ ዕላማታቶም ንምዕዋት ሓደ ኢድ ኰይኖም ከምዝቓለሱ ምግንዛብ የድሊ። ካብ’ዚ ተረድኦ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ ኤርትራ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎ ሰልፊ ንምምስራት ዘኽእል ምቹእ ባይታ ኣሎ ዝብል እምነት ኣሕዲርና ምህላውና ከነረጋግጽ ንፈቱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ ነቲ ክሓልፍዎ ዝጸንሑ ናይ ምፍንጫላትን፡ ካብኡ ስዒቡ ዝመጽእ ኣብ ኣስማት ዝግበር ዝነበረ ምስሕሓባትን ህልኻትን ሰጊሮም፡ ናብ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን መድረኻት ምእታዎም፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኦም ዓቢ ለውጢ ከምዘመዝገቡ ዝሕብር ኣዎንታዊ ስጕምቲ ኢዩ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ፡ ምምስራት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባርን፡ መስመሪ ጕባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፡ ብሓባር ዘሳርሕ ጕዳያት ንምድህሳስ፡ ኣብ መንጐ ውድባት ዝግበር ዘሎ ቀጻሊ ርኽክባትን ልዝባትን ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። እዚ ውን፡ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ውድባት ናብ ምምስራት ሓደ ሰልፊ ንኽበጽሑ ዝሕግዝ ረቛሒ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ።

ከምኡ ውን፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝብል ስም፡ ምስ’ቲ ዝሓለፍናዮ መዋእልን ኣንጻር መግዛእቲ ዘካየድናዮ ቃልስታትን ደኣ’ምበር፤ ምስ’ዚ ሕጂ ሒዝናዮ ዘሎና መድረኽ ግጥምያ ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ማዕርነትን ዲሞክራስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዝሳነ ስም ኣይኰነን። ዲሞክራሲ ስርዓት ንምዕዋት ዝግበር ቃልስታት፡ ነቶም ብተመኵሮ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝሓለፉ ዜጋታት ጥራሕ ዝምልከት ዘይኰነስ፡ ንዅሎም ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ረብሓ ዘለዎም ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን ጕጅለታትን ዜጋታትን፥ ብፍላይ ድማ፡ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ዝምልከት ስለዝዀነ፡ ሓድሽ ሰልፊ ብሓድሽ ስም ምምስራቱ፡ ኣድላዪነቱ ካብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ዝዓዘዘ ኢዩ። ነዚ ንምግባር ዘኽእል ምቹእ ባይታ ውን ኣሎ ኢልና ንኣምን።

ውሳኔ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

ካብ’ዚ ሓቅታት’ዚ ብምብጋስ፡ 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ዝመሳሰል ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ውድባትን ጕጅለታትን፤ ከምኡ ውን፡ ንዲሞክራሲ ዝሕለቑ ዜጋታትን ማሕበራትን ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ባይታ ዘለዎ ሰልፊ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንኽምስርቱ ክብገሱ ጸዊዑ። ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ’ዚ ጕባኤ’ዚ ናብ ሰልፊ ከምእተሰጋገረ ክእውጅ ዝኽልክሎ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት’ኳ እንተዘይነበረ፤ ነቲ ብሓደ ውድብ ዝብገስ ምስረታ ናይ ሰልፊ ዘሕድሮ ጥርጣረታትን መረረታትን ንምውጋንን፤ ከምኡ ውን፡ እቲ ዝምስረት ሰልፊ ኣብ ኣባላት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ጥራሕ ተሓጺሩ ከይተርፍን ብምሕላይ፡ ካልኦት ኣብ ምምስራት ናይ’ዚ ሰልፊ’ዚ ዝኣምኑ ሸነኻት ካብ ምስንዳእ ኣትሒዞም ክሳብ ምስረታ ናይ’ቲ ሰልፊ ዘሎ መስርሕ መታን ክሳተፉ ብማለት ኢዩ እንተነውሐ ክልተ ዓመት ክወስድ ኣለዎ ዝብል ውሳኔ ዘሕለፈ። ሰልፊ ዝምስረተሉ ግዜ፡ ብቅሩብነትን ምርድዳእን ናይ’ቶም ዝምስርትዎ ሸነኻት ካብ ክልተ ዓመት ዝሓጸረ ክኸውን ከምዝኽእል ርዱእ ኢዩ። ካብ ክልተ ዓመት ንላዕሊ ዝኸውን ግዜ ምውሳድ ግን፡ እምብዛ ምድንጓይ ማለት ስለዝዀነ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ምስ’ቶም ዝተሰማምዑ ሸነኻት ናብ ምምስራት ሰልፊ ዘብጽሕ ጕባኤ ክገብር ወሲኑ ምህላዉ ክፍለጥ ይግባእ።

ምስ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ጕጅለታትን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ርክብን ልዝብን ዘካይዳ ብኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ዝምርሓ ሽማግለታት ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ናይ ዓለም ክቖማ ኢየን። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ነቲ ምምስራት ናይ ሰልፊ ዝብል ሓሳብ ንምብሳልን ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥን ብወገና ኣብ ንሓርነት ዳት ካም ፍሉይ ንፓርቲ ዝምልከት ዓምዲ ክህልወና መደብ ኣሎና።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3439

Posted by on Aug 18 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net