ሓዲሽ ሰልፊ ብሓዲሽ ኣተሓሳስባ

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን: ሓዲሽ ሰልፊ ብሓዲሽ ኣተሓሳስባ ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ: ኣብ ቅድመኹም ክቐርብ ከለኹ ዝስምዓኒ ሓጐስ ወሰን የብሉን፡ ምኽንያቱ ኣዞም ኣብዚ ፎርም ኣዚ ተሳቲፍኩም ዘለኹም፡ ነቲ ዘቕርቦ ዘሎኹ ሓሳባት ክትስምዕዎ ጥራይ ዘይኮንኩም ክትእርምዎ፡ ከተማሓይሽዎ፡ ከተማዕብልዎን ዓቕሚ ከምዘለኩም ብልቢ ስለ ዝኣምን እየ።

ሓዲሽ ሰልፊ ብሓዲሽ ኣተሓሳስባ ዝብል ኣርእስቲ ፡ ንዘረባ ኣልበርቲ ኣንስታይን፡ የዘኻኽረኒ። ኣልበርቲ ኣንስታይን፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡  ‘’ ኣቶም ሎሚ ዝገጥሙና ዘለው ሽግራት፡ በቲ ክንፈጥሮም እንከለና ዝነበረ ደረጃ ኣተሓሳስባና፡ ክንፈትሖም ኣይንኽእልን ኢና’’ በለ ። ምስዚ ሓሳብ እዚ ሚእቲ ካብ ሚእቲ እየ ዝሰማማዕ። ንህልው ሽግራትና መፍትሒ ዝኸውን መንገዲ ንምርካብ ሃሰውሰው ኣብ እንብለሉ እዋን፡ ካብ ቀይዲ ሕሉፍ ተሞክሮን ንሱ ዝፈጠሮም ኣሉታዊ ጽልዋን ወጺእና፡ ሓዲሽ ሓሳባት ከነማዕብል እንተዘይክኢልና፡ ኣብ መውጽኢ ዘይርከቦ ዕንክልል፡ ኮለል ምባልና ኣይተርፍን።

 መብዝሕትና እንሰማምዓሉ፡ እቲ ኣብ መድረኽ ብረታዊ ተጋድሎ ዝማዕበለ ኣተሓሳስባን ኣወዳድባን፡ ብመድረኹ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ግደ ከም እተጻወተ እዩ። ምስ ኩሉ እቲ ኣወንታውን ኣሉታውን ገጹ፡ ናብቲ ቀዳማይ ዕላማና ነጻነት መሬትና ኣብጺሑና እዩ። ሕጂ ግን፡ ኩነታት ተቐይሩ እዩ። ነዚ ድሕሪ ነጻነት ዘሎ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ሃዋህውን ሽግራትን፡ በቲ ግዝኡ ዘሕለፈ ንመድረኽ ሓርነታዊ ተጋድሎና ዘገልገለ ኣተሕሳስባን ኣገባብ ኣወዳድባን ክንተሓሓዞን ክንፈትሖን ኣይንኽእልን ኢና።እዚ ክንብል ከለና ግን እንታይ ማለትና እዩ?

ከምቲ ኩልና እንፈልጦ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ኣብ ሓርነታዊ መድረኽ ምስ ብረት ተጐዝጉዚ’ዩ ዓብዩ። እቲ ኩነታት እቲ ንኣተሓሳስባና ብከቢድ ከምዝጸለዎ ክንዝንግዖ የብልናን። ኣተሓሳስባና፡ ኣወዳድባና፡ ቅዲ ኣሰራርሓና፡ ርክብና ፡ኣፈታትሓ ግርጭትና ደግምካ ምምርማር ዘድልዮ እዩ። እቲ ከይተፈለጠና ዝሰረጸ ሕጊ ውግእ፡ ቀንዲ መወከሲና ቆጺርና ንቕጽል ከይንህሉ ንነብስና ክንምርምራ ከድልየና እዩ።

ብሕጊ ውግእ፡ እቲ ሓደ ክዕወት ከሎ እቲ ካልእ ክኸስር ኣለዎ።ኣብ ወተሃደራዊ ዓለም፡ ዓወት ኣብ ክሳራ ካልኦት እዩ ዝረጋገጽ።እቲ ሓይሊ ተመዛዛኒ ኮይኑ ተዓዋትን ከሳርን እንተዘይተረኪቡ ግን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ’ዩ ዝእቶ። ስለዚ ንኹልኻ ዘሰማምዕ ማእከላይ መፍትሒ’ዩ ዝውሰድ ። ንግዝኡ ድማ ህድኣት ይርከብ።ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ እዚ መፍትሒ እዚ ጌና ምንቅስቓስ ክህሉ ይኽእል እዩ። ዳግመ ስርርዕ ገርካ ነብስኻ ኣዳሊኻ ነቲ ኩነታት ቀይርካ ተዓዋትን ከሳርን ንምርግጋጽ ማለት እዩ። መቸም፡ ነዚ ኣጸቢቕኩም እትፈልጥዎ ሕጊ ውግእ፡ ካብዚ ብዝዓሙቕ ክትንትነልኩም ኣድላይ ኣይመስለንን። እቲ ኣትኩረይ ግን፡ ኣዚ ወተሃደራዊ ሕጊ ውግእ፡ ሓፈሻዊ ሕጊ ፖለቲካዊ ህይወትና ከይከውን ብጥንቃቐ ከነስተብህል እዩ። ኣዚ ሕጊ እዚ ኣብ ውሽጢ ውድባትና፡ ኣብ መንጐ እቲ ሓይሊ ተቓውሞን ይሰርሕ ከይህሉ ክንምርምርን ከነጽንዕን እዩ። ነዚ ሕጊ እዚ ዝጻረር ሓዲሽ ሕጊ ኣማዕቢልና ነቲ ብኣሉታዊ ተሞክሮና ዝሃደመ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ንምምላስ ክንቃለስ እዩ። ካብዚ ሓሊፍና ውን ሓባራዊ ምቹእ ሃዋህው ፈጢርና ንዝለዓለ ስርርዕ ሰልፊ ከነማዕዱ እዩ።

ንኸምዚ ዝመስል ጉዕዞ ክንጅምሮ ከለና ንሓዲሽ ኣተሓሳስባ ዝኸውን ሓዲሽ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክንፈጥር ከድልየና እዩ። እዚ ሎሚ መዓልቲ እንገብሮ ዘሎና ክትዕ ንባዕሉ ነቲ ንቑሕ ሃዋህው ኣብ ምፍጣር ዝሕግዝ እዩ። ከምዚ ዝመስል ነጻ ክትዕ ኣብ ኩሉ ቦታት ምክያድ ንሽግራትና  ብዕቱብን ሓዲሽን ኣገባብ ክንምርምሮ ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

ብሓቂ ኣብ ሓዲሽን ንቑሕን ሃዋህው ክንኣቱ ምእንቲ ከኣ እቲ ንኻልኦት ጌጋ ከነሰክም፡ ብቐዳምነት ብዛዕባ ካልኦት ምዝራብ ዝጸንሐ ዘይሓጋዚ ልምዲ፡ ግዝኡ ዝሓለፎ ኣረጊት ልምዲ ክንቆጽሮ ኣለና። ካብዚ ነቒልና ኣቲ ኣብዚ ፎርም እዚ ብቐዳምነት እንግደሰሉ ጉዳይ፡  ነቲ ኣብ ገዝእ ነብስና  ከም ውልቀሰባት፡ ክም ውድባት፡ ከም ማሕበራት ዘለና ድኽመት እዩ። ኣብ ገዛእ ነብስናን ውድብናን ማሕበርናን ዝርከብ ዘሎ ድኽመት ርኢናን መርሚርናን፡ ካብዚ ንምውጻእ ዘሎ ምርጫታት ንምምዕዳውን ሃሰውሰው ንምባልን እዩ። ካባዚ ሓሊፍና ውን ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ኣማዕቢልና ንሓዲሽ መልክዕ ኣወዳድባ ዝጠቅም ሓጋዚ ርእይቶታት ንምቕራብን ንምእካብን እዩ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን

እብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ ሰ/ባይቶ ነቲ ዓብይ ዝጽበየና ዘሎ ህዝባዊ ዕላማ ኣማዕዲና ክንጥምት ከለና፡ ህልው ስርርዕና፡  ኣዝዩ ጸቢብ ኮይኑ ይስምዓና ኣሎ።ዝሰፍሐ ስርርዕ ዝሰፍሐ መድረኽ ቃልሲ ንደሊ ኣለና ። ንሓሳብና ዝመሳሰል ሓሳባት ንዕላማና ዝመስል ዕላማ ዘለዎም ብጾት ኣብ ፍልይ ዝበለ ስርርዕ፡ ልክዕ ኣቲ ንሕና እንሰርሖ ዘለና ክሰርሑ ንርእዮም ኣለና።ንተመሳሳሊ ስራሕ ብዝተፈላለየ ስርርዕ ክንሰርሕ ክንብል ንምንታይ ንሃልኽ ከምዘለና ፍጽም ኣይርድኣናን ዘሎ። ነዚ ሽግር እዚ ብህጹጽ ክንፈትሖ ኣድላይ ስጉምቲ ብቕልጡፍ ክንወስድ ይግብኣና ። ግዜ ከይወሰድና ኣብ ዕቱብ ልዝብን ምርድዳእን ክንእቶ የድልየና። ንሱ ጥራይ ውን ኣይኮነን። ንውድብና ንሓድነትን ዝሰፍሐ ስርርዕን ምችእቲ ክትከውን ኣብ ውሽጥና ዘይሕለል ቃልሲ ከነካይድ የድልየና። ብኣተሓሳስባን ግብርን ንዝለዓለ ምትእምማንን ውህደትን ስርርዕን ዝምችእ መጽናዕትን ምርምርን ክንገብር ውን ይግብኣና።

 ዝኸበርኩም ኣሕዋንት ኣሓትን

ብዓቕምና ኣብ እንገብሮ ዘለና መጽናዕትን ምርምርን፡ ንሕሉፍን ህሉውን ኩነታትና መዚንና ንቕድሚት ክንጥምት ከለና ፖለቲካ ሳልሳይ መንገዲ’ዩ ዘዕግበና ዘሎ። ቅድሚ ሕጂ ንፖለትካ ሳልሳይ መንገዲ ዘልዓልዎ ብጾት ነይሮም እዮም። ኣቃራርብኦም ግን ካብዚ እነልዕሎ ዘለና ፍልይ ይብል። ጀብሃ ሻዕብያ ዝብል ቃልሲ ብኣሉታ ይጠቕስዎ እሞ ነዚ ዝወገደ ሳልሳይ ምርጫ ከምዘለዎም ይዛረቡ ነበሩ። ብወገንና ውን ጀብሃ ሻዕብያ ዝብል ቃልሲ እዋኑ ዝሓለፎ ቃልሲ ምዃኑ ኢና እንኣምን። ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ብመንፈስ ጀብሃ ሻዕብያ ምቅላስ ኣብ ኣረጊት ኣተሓሳስባ ምሕምባስ’ና ኣንቖጽሮ። እዚ ማለት ግን ንቓልስታት ጀብሃን ሽዕብያን ዋጋ ምኽላእ ማለት ኣይኮነን። እቲ ኣብ ሳሕል ኣብ ባጽዕን ኣብ ካልእ ቦታት ኤርትራን ብህ/ግ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ እተፈጸመ ሓርበኛዊ ጅግንነታዊ ቃልስን ታሪኽን ጌና ዘኹርዕ ታሪኽናን ተሞክሮናን ኮይኑ ክቕጽል እዩ። እቲ ኣብ ተጐርባ ኣብ መረብ ኣብ ሰምበል ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ እተፈጸመ ጅግንነታዊ ሓርበኛዊ ቃልስን ተሞክሮን ጀብሃ ውን ጌና ዘኹርዕ ታሪኽና ኮይኑ ክቕጽል እዩ። እቶም ኣብዚ ሓርበኛዊ ታሪኽ ንህዝቦም ንሃገሮም ህይወቶም ዕድምኦም ገንዘቦም ጥሪቶም ዘወፈዩ ብኽብሪ ንዘልኣለም ክዝከሩ እዮም። እቲ ክቕጽል ዘይንደልዮ ኣቲ ኣሉታዊ ጐኒ ታሪኽና እዩ።እቲ ኣብ ነንሕድሕድና ክንወዳደር ዘህለኸና ተሞክሮ እዩ። እዚ ዘለናዮ መድረኽ ከኣ ጀብሃ ዘይኮነ፡ ሻዕብያ ዘይኮነ፡ ሓዲሽ ሳልሳይ ፖለቲካዊ መንገዲ ክንመርጽ ዝሓትት ዘሎ መድረኽ እዩ። እዚ ሓድሽ ምርጫ፡ ንኣወንታዊ ሓርበኛዊ ታሪኽ ኩለን ውድባት ኤርትራ እናኽበረ ነቲ ኣብ መንጐ` ውድባት ኤርትራ ዝጸንሐ ኣሉታዊ ዝምድናታት ተኣሪሙ ብሓዲሽ መልክዕ ክሰራዕ ዝሕልን እዩ። እቲ ጉዳይ ኣብዚ ጥራይ፡ ተሓጺሩ ዝተርፍ ውን  ኣይኮነን።

ከምቲ ኩሉኹም ኣብ ምክትታሉ እትህልው፡ እብ ፖለቲካ ኤርትራ ብርክት ዝበሉ ጥሩፋት ኣረኣእያታት ይቕልቀሉ ኣለው። ነዞም ብብእዋኑ ዝቕልቀሉ ዘለው ሽግራት ብጉብእ ኣሊና ንቕድሚት ክንስጉም ክንሓስብ ከለና መብዝሕትኡ ግዜ እቲ ሳልሳይ ምርጫ እዩ ዘዕግበና ዘሎ። ኣስላም ዶ ክርስትያን ዝብል ፕለቲካዊ ዝምባሌታት ንምውጋን ዕልማናዊ ሃገራዊ ፖለቲካ ዝብል ሳልሳይ ምርጫ’ዩ ዘዕግበና ዘሎ። እተነጻጸለ ዶ ወይ ዝተማእከለ ምምሕዳር ኣብ ዝብል ውን ኣብ ውሽጢ ሓድነታ ዝሓለወት ኤርትራ ዘይማኩል ምምሕዳር ዝብል ሳልሳይ ምርጫ እዩ ዘዕግበና ዘሎ። ዓብይ ዶ ንኡስ ወለዶ ዝብል ሽግር ንምፍታሕ ውን ንኽልቲኡ ዘወሃህድ ሳልሳይ መንገዲ’ዩ ዝረኣየና ዘሎ። ዴስነት ዶ ርእሰማልነት ኣብ ዝብል ዝምባሌታት ውን ንርእሰማልነት ከምመተካእታ ዘይብሉ ስርዓት እናተቐበልካ ንኹነታት ጽጉም ወገንና ንምምሕያሽ ኣበርቲዕካ ምቅላስ ዝብል ሳልሳይ መንገዲ’ዩ ዘዕግበና ዘሎ። ብሓፈሽኡ ኣረኣእያና ካብዚ ዝነቅል ኮይኑ ንምብርሁ ግን ዝያዳ ዝርዝር ከቕርብ ኣፍቁድለይ።

1-     ዓወት ዓወት ዓወት ዝብል መትከል ነቲ ብሕጊ ውግእ እተጸልወ ኣተሓሳስባ ክእርም ይኽእል እዩ።

   እቲ ዘለናዮ መድረክ ካብ መንፈስን ኣተሓሳስባን ሓርነታዊ ተሞክሮና ነጻ ኮይኑ ንኣምር ፍትሕን ሰላማን ዲሞክራስን ዝይዳ ከገልቡት ዘለዎ መድረኽ እዩ።ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቃውሞ ዘለና ዝምድና ድማ ብዓወት ዓወት ዓወት ዝብል ሕጊ ወይ መትከል ዝግዛእ ክኸውን ይግብኦ። ኣዚ ማለት ብኣተሓሳስባ ይኹን ብግብሪ ንሕና ክንዕወት ብጻይና ውን ክዕወት እቲ ኣብ መንጐና ዝርከብ ዝምድና ውን ክዕወት ክንሰርሕ ኣለና ማለት እዩ። ንሕና ተዓውትና ብጻይና ግን ክኸስር ወይ ውን ንሕና ከሲርና ንብጻይና ግን ከነዓውት ኣንተፈቲና ኣቲ ውጽኢት ኩሉ ንሱ እዩ ኣብ መወዳእታ እቲ ክሳራ ናይ ኩልና እዩ ክኸውን። ክሳራ ፈሪህና እቲ መንፈስና ብልቢ ከይተዳለወ፡ እንኣትዎ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ እተሞርከሰ ስምምዕ ውን መልክዕ ክህበና እምበር ብሓሳብን ግብርን ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ ዝድግፍ ኣይኮነን። ልብና ብቅኑዕ መትከላዊ መበገሲ እንተዘይረጊኡ ነቲ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ እተሞርከሰ ስምምዕ ቀይርና ምናልባት ንብጾትና ከነኽስር ንነብስና ግን ከነዓውት ክንቃለስ ንኽእል ኢና። እቲ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ እተለምደ ንሕጊ ውግእ ቀንዲ መወከሲኡ ዝገብር ሜላ ኣብ ከምኡ ዝመስል ዘየተኣማምን ስራሕ ክንኣቱ ዝደፋፍእ እዩ።

ዓወት ዓወት ዓወት ዝብል ሕጊ ግን ካብ ዋጋ ዕዳጋ ክብ ዝበለ መፍትሒ እዩ ዝቕርብ።ነዚ መትከል እዚ ተኸቲካ ክትሰርሕ ከለኻ መጀመርያ እትሓስቦ ናይ ሓባር ዓወት እዩ። ንስኻ ክትዕወት ብጻይካ ክዕወት ሓቢርኩም ድማ ዝዓበየ ዓወት ከተረጋግጹ እዩ። ዋጋ ዕዳጋ ግን ምዛን ሓይሊ እዩ ዝሕሉ።ኣብ ምዛን ሓይሊ ለውጢ እንተተረኺቡ እቲ ብዋጋ ዕዳጋ እተበጽሐ ስምምዕ ፍሩስ ክኸውን ይኽእል እዩ።  ዓወት ዓወት ዓወት ዝብል ሕጊ ንምዛን ሓይሊ ዋጋ ኣይህቦን ማለት ኣይኮነን። ሓይሊ ስቕ ኢሉ ብስንፍና ዝርከብ ጸጋ ኣይኮነን። ሓይሊ ብጻዕርን ድኻምን ተወፋይነትን ዝጥረ እዩ። ሓደ ኣካል ድኹም ክኸውን ከሎ ንመጠን ቃልሱን ተወፋይነቱን እዩ ዘመልክተልና። ዓወት ዓወት ዓወት ዝብል ሕጊ ነቶም ብተወፋይነት ዝጽዕሩን ዝደኽሙን ዝግብኦም ዋጋን ክብርን ክረኽቡ የፍቅድ እዩ። ይኹንእምበር ንፍትሓዊ መትከል እምበር ንሚዛን ሓይሊ ቀንዲ መወከስኡ ኣይገብርን እዩ።ኣብ ሕጊ ዓወት ዓወት ዓወት ቀሪብካ እናተረዳዳእካ ነቲ ዝጸንሐ ዘይምትእምምማን ኣናኣፍረስካ ዝሰፍሐ መቃላሲ ዓውዲ እትምህዘሉ ነቶም ብቑዓትን ንህዝቦምን ንሃገረምን ብተወፋይነት ዝሰርሑ እተለልየሉን መመሊስካ እናተቐራረብካ ኣብ ፍጹም ውህደት እትኣትወሉ መንገዲ እምበር መመሊስካ ዘይምትእምማን እናጻሕተርካ ናብ ጸበበቲ ጉጅለታት እትሽምቀቐሉ መንገዲ ኣይኮነን።

2-     ዓወት ብነብስና’ዩ ክጅመር ዘለዎ።

   ዓወት ዓወት ዓወት ዝብል ሕጊ መጀምርያ ኣብ ገዛእ ነብስኻ ኣብ ገዛእ ውድብካ ኣብ ገዝእ ማሕበርካ ክትዕወት እዩ ዝጽውዕ። ኣብ ዝሓልፈ መድረኽ ዝረኣናዮ ተሞክሮ ግን ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። መብዝሕትኡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ እተራእየ ምፍንጫላት ናብ ዝዓበየ ሓድነት ገጽካ ክትከይድ ከለኻ እተራእየ እዩ። ነቲ ኣብ እድካ ዘየሎ ዓብይ ንምርካብ ነቲ ኣብ ኣድካ ዘሎ መኽሰባት ፋሕ ምባሉ’ዩ ። እዚ ፍሹል ተሞክሮ እዩ። ካብ ጌጋና ከኣ ክንመሃር ኣለና።መጀመርያ ኣብ ገዛእ ነብስና ኣብ ገዛእ ውድብና ኣብ ገዛእ ማሕበርና ዘሎ ሽግር ብብቕዓት ክንፈትሕ ድሉዋት ክንከውን ኣለና። ነቲ ኣብ ውሽጥና ዝርከብ ሽግራት ብብቕዓት ኣብ ምፍትሑ ምስ ተዓወትና እዚ ዓወት እዚ ንዝለዓለ ዓወት ከዳልወና እዩ። ኣብ ርጉእ ውሽጥዊ መንፈስ ንዝለዓለ ምትእኽኻብ ክንሰርሕ ከኣ ምቹእ እዩ።

ብጀካዚ ዓወት ብነብስና ንጀምሮ ማለት ካብቲ ጉጉይ ዝለመድናዮ ጠባይ ንውጻእ ማለት እዩ። ኣቲ ዝለመድናዮ ንጌጋታት ካልኦት ኣጋኒና እናቕረብና ንድኽመትና ግቡእ ትኽረት ዘይምሃብ እዩ። ወይ ውን ንጌጋታት ካልኦት ስለ ዘቃላዕና፡ ቅንዕና ምሳና ጥራይ ዘሎ ክመስለና ከሎ እዩ። እዚ ሜላ እዚ ናብ ኣድካሚ ህልኽ ኣእትዩና እዩ። እቲ ኣእዛንና ንምስምማዕ ዝሕግዝ ኣይነበረን። እቲ ንብሎ እምበር እቲ ካልኦት ዝብልዎ ብጉብእ ኣይርድኣናን’ዩ ነይሩ። ሎሚ ግን ንገዝእ ኣተሓሳስባና ደጊምና ክንምርምሮ ኣብ እንሕተተሉ መድረኽ ‘ና ዘለና። ዓወት ዓወት ዓወት ዝብል ሕጊ እምበኣር ሃዋርያ ለውጢ ክንከውን መጀመርያ ኣብ ውሽጥና ንለውጢ ዝቕበል ምቹእ ኩነታት ክንፈጥር ዝሓትት እዩ። ንሓባራዊ ዓወት ከነማዕዱ ከለና ውን መጀመርያ ንዕኡ ዝኸውን ባይታ ኣብ ነብስና ኣብ ውሽጢ ውድብና ከንፍጥር ኣበርቲዕና ክንቃለስ ዝሓትት እዩ። ኣብ ውሽጥና ክንዕወት ንብጾትና ድማ ክዕወቱ ክንሓግዝ ሓቢርና ድማ ናብ ዝዓበየ ዓወት ክንመርሽ ዝሓትት መትከል እዩ።

ኣብ ሕሉፍ ተሞክሮ እተዓዘብናዮ ግን ንገዝእ ነብስኻ ሰኒፍካ ብጻይካ ክዕወት ከሎ፡ ዓወት ናትካ ቖጺርካ ኣብ ክንዲ ምድጋፉ ንምዕንቃፉ ምስራሕ እዩ። ኣብ ውሽጢ ናይ ሓባር ጭርሖ ተሓቢእካ ንሓባራዊ ስራሕ ዘይሰማማዕ ስራሕ ምስራሕ እዩ። ሓባራዊ ዕዮ ብሓይሊ፡ ብምግብዕባዕ፡ ብተንኮል፡ ብውዲት፡ ብሽጣራታት ኣይመጽእን እዩ። ሓባራዊ ስራሕ ኮነ እልካ ንምትእምማን ብምስራሕ ጥራይ’ዩ ዝረጋገጽ። ብቐዳምነት ነብሰ ምትእምማን ንምጥራይ ኣበርቲዕና ምቅላስ፡ ኣተሓሳስባና፡ ኣስራርሓና፡ ዝምድናታትና ቅኑዕን ዘተኣማምን ክኽውን ምቅላስ። ድሕሪኡ ድማ ንብጻይና እምነት ንምሃብ ንብጻይና ንምሕጋዝ ከይተሓለለና ምስራሕ እዩ። እዚ ቅኑዕ መንገዲ እዚ እንተተኸቲልና ሓባራዊ ምትእምማን እንዳጐልበት ክኸይድ ግድን እዩ። መንገዲ ሓባራዊ ምትእምማን እዚ ንሱ’ዩ ካልእ ኣቓራጭ መንገዲ የብሉን።

3-     ንዝለዓለ ዓወት ሓይልና ንጠርንፎ።

   እቲ ቀዳማይ ዓወት ንድኽመትና ተቓሊስና ምዕዋት እዩ። ኣቲ ካልኣይ ዓወት ብጾትና ውን ክዕወቱ ምድጋፍ እዩ። ኣቲ ሳልሳይ ካብ ኩሉ  ዝዓበየ ከኣ ሓቢርና ንሓባራዊ ዕላማ ንምዕዋት ምቅላስ እዩ። ነቲ ኣብ ውሽጥና ዝርከብ ድኽመት ተቓሊስና እንተድኣ ተዓዊትናሉ። ናብ ዝለዓለ ዓወት ዘብጽሕ መሳልስል ደይብናዮ ኣለና ማለት እዩ። ፍርቂ እቲ ጉዕዞ ተፈጺሙ እዩ። ንውሽጣዊ ድኽመቱ ተቓሊሱ እተዓወተ ውልቀ ሰብ፡ ውድብ፡ ማሕበር ንሓባራዊ ቃልሲ ዝምችእ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ዝተዓወተ እዩ።

   እቶም ተመሳሳሊ ፕሮግራም ዘለና ፋሕ ኢልና ንሰርሕ ምህላውና ንዓቕምና ብኸንቱ ነህልኾ ከምዘለና ኣቐዲምና ዘኪርናዮ ኢና። ካብቲ ምቹእ ኮይኑ ዝስምዓና ጸበብቲ ክልላት ውጺእና ናብ ዝሰፍሐ ምጥርናፍ ምእታው ንፈርሆ ክንህሉ ንኽእል ኢና። ለውጢ ፈሪህካ ኣብ ዘለኻዮ ዘየድምዕ ክልል ምጽናዕ ግን ዘዓወት ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ገዝእ ነብስና ኣብ ውሽጢ ውድብና ነዚ ፍርሂ እዚ ዝስዕር ወሳኒ ቃልሲ ከነካይ ይግብኣና። ኣቲ ጉዳይ ድማ ህጹጽ እዩ ንጽባሕ እትገድፎ ዕማም ኣይኮነን። ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣትሒዝና ምስ ነብስና ምስ ውድብና ንተሓሳሰብ። ነብስና ውድብና ንዝለዓለ ምጥርናፍ ምቹእ ክንገብሮ ንቃልስ። እቲ ነዚ ዝዕንቅፍ ሽግራትና ድማ ብቑልጡፍ ተላዚብና ንፍትሓዮ።ንነብስና ኣብ ዘተኣማምን ስራሕ ጸሚድና ንህዝብና  እምነት ክረክብ ንሓግዞ።

4 መን ይምራሓና?

   ኣብ ሰውራ ኤርትራ ካብቲ ቀንዲ ሽግርና ምስ ሕቶ መሪሕነት እተኣሰሰር እዩ። ነዚ ሕቶ እዚ ብጉብእ ዝፈትሕ መንገዲ ስለ ዘይረኸብና ጌና ካብዚ ሽግር እዚ ኣይወጻእናን ።

   ብወገነይ መን ይምራሕ ዝብል ሕቶ ንምምላስ እቲ ዝበቕዐ ይምራሕ ዝብል ሓጺር መልሲ ክህብ ይመርጽ። ብቑዓት መራሕቲ ኣብ ለዕሊ ከነቐምጥ እንተዘይኪኢልና ቃልስና ክዕወት ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ኣተሓሳስባ ዝርከብ ዕግርግራት ንምውጋን፡ ኣብ ኣሰራርሓ ዘሎ ስንፈት ንምዕራይ፡ ኣብ ዝምድናታት ዘሎ ድኽመት ንምውጋድ ብቑዓት መራሕቲ የድልዩና ኣለው።ነዚ ጉዳይ እዚ ብሸለልትነት ምርኣይ ንቓልስና ብሸለልትነት ምርኣይ እዩ።

   ኣዞም ክስብ ሕጂ መሪሖም ኣብዚ ደረጃ ዘብጽሑና መራሕቲ ምስጋና ይብጽሓዮም ምስኩሉ’ቲ ኣወንትኦምን ኣሉቶኦምን ነቲ መሪር ዝሓለፈ መድረኽ ተጻዊሮም ብጽንዓት ዝተቓለሱ ብምዅኖም ክብረት ይግብኦም እዩ። ብሕጂ ውን ምስ ህሉው መድረኽ ዝሰማማዕ ለውጥታት ኣብ ገዝእ ነብሶም እናገብሩ ንቕድሚት ክስጉሙ እንተድኣ መሪጾም ጌና ግድኦም ውዱእ ኣይኮነን። ኣቲ ዝሓለፍዎ መሪር ቃልሲ ዋጋ ከይሃበ ኣሮግቶት መራሕቲ እናበለ ከቆናጽብ ዝፍትን ባህጊ ሓዲሽ ዘለዎ ኣይመስለንን። ሓደስቲ መራሕቲ ንቑምነገር ዝሓለፉ መራሕቲ ኣኽቢሮምን ፈሊጦምን ዝብገሱ ኣምበር ንዕኡ ዋጋ ዝኸልኡ ክኾኑ ኣይግብኦምን። ከማኡ ክገብሩ እንተፈቲኖም ግን ኣብቲ ናይ ህልኽ ፖለቲካ ጥሒሎም ክተርፉ እዮም።ብቑዓት መራሕቲ ክንብል ከለና ካብ ሓድሽቲ ይኹን ካብ ገዳይም መራሕቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ነዚ ሓዲሽ መድረኽ ኣንቢቦም ብብቕዓት  ተዋሲኦም  ንቕድሚት ክንስጉም ዝሕጉዙና ክኾኑ ኣለዎም’ዩ።

   ኣቲ መድረኽ ዝሓቶ ዘሎ ቅዲ ኣመራርሓ ካብ ዝሓለፈ መድረኽ ፍልይ ዝበለ ምኻኑ ክንሰማማዓሉ ኣለና። ኣብዛ እዋን እዚኣ መራሕቲ ንኹሉ ሃገራዊ ዓቕምታት ኣወሃሂዶም ናብ ሓደ ኣቕጣጫ ከቕንዕ ዝሕግዙ ክኾኑ ይግብኦም። ኣብ ሃገርና ኣብ ከባቢና ኣብ ዓለምና ዝኽሰት ዕድላት ብሸለልትን ዘጥፍኡ ዘይኮነስ፡ ንዝኾነ ንእሽቶ ዕድል ብተገዳስነት ዝጥምቱ፡ ምስ ዘመን ዝኸዱ፡ ክምህሩን ክምሃሩን ድሉዎት ዝኾኑ ክኾኑልና ንጽበዮም።

   ገለ ኣሕዋት ግን ብቑዓት ይምርሑና እንተድኣ ኢልናስ ነቲ ሕ/ሰብኣዊ ውክልና ከይንሃስዮ ዝስከፉ ኣይሰኣኑን። ቀዳማይ ንየናይ ንጠምት? ንብቕዓት ዶ ንሕ/ሰብኣዊ ውክልና? ቀዳማይ ንሕ/ሰብኣዊ ውክልና እንተድኣ ጠሚትና ናብቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ምእታውና ኣይተርፍን። ኣብ ውድባዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ወገናዊ ሕማማት ገጽና ሸትት ምባልና ኣይተርፍን። ስለዚ ብቑዕ ይኹን ኣይኹን ብዘይገድስ ኣባል ሓደ ውድብ፡ ኣባል ሓደ ሃይማኖታዊ እምነት፡ ኣባል ሓደ ወገን ወይ ውን ዓሌት ብምዃኑ ጥራይ  ኢና ክንድግፎ። በዚ ኣገባብ እዚ እንተሰሪሕና ዘይብቑዓት መራሕቲ ከነቐምጥን ንኽእል ኢና። ካብዚ ጸገም እዚ ንምውጻእ ግን ንብቕዓት ቀዳማይ ሰሪዕና እናሰራሕና ንሕ/ሰብኣዊ ውክልና ከኣ ኣብ ግምት ከነእትዎ’ዩ ዘለና። ንዝኾነ ሰብ ካብ ዝኾነ ውድብ፡ ሃይማኖት ዓሌት ይኹን ወገን ብዘየግድስ ንመሪሕነት ክንሓጽዮ ከለና ብቑዕ ምዃኑ ከነረጋግጽ ኣለና። ማለት ነቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ብብቕዓት ንምፍጻም ዝኽእል ክኽወን ኣለዎ። ንዝተፈላለየ ሕ/ሰብኣዊ ገጽና ዘንጸባርቑ ብቑዓት መራሕቲ የድልዩና እዮም። ከምዚኦም ዝመስሉ መራሕቲ ተኣማሚኖም ብሓባር እንተሰሪሖም ከኣ እቲ ክሳብ ሎሚ ዘሳቐየና ናይ ኣመራርሓ ሽግር ብሱሪ ክብንቆስ ንኽእል ኢና።

4-     ኣሰራርሓና ኣየናይ መልክዕ ይሓዝ?

   ዝሓለፈ ሓርነታዊ ቃልሲ ንኣስራርሓና ውን ብኸቢድ ጸልይዎ እዩ።ኣቲ ዝለመድናዮ ኣሰራርሓ ናይ ኣዛዝን ተኣዛዝን ኣሰራርሓ እዩ። ብጀካ እዚ እቲ ደረጃ ምዕባለናን ሓፈሻዊ ድሑር ባህልናን ከም ሕ/ሰብ ውን ኣብ ኣሰራርሕና ናቱ ጽልዎ ኣለዎ እዩ።ኣብ ዝሓልፈ ሓርነታዊ መድረኽ ንምእኩልነትን ንዲሞክራስን ብሚዛን ዝሕሉ ኣስራርሓ ንምትእትታዊ ጻዕርታት እኳ እንተነበረ ዓበይቲ እተኸስበ መኽሰባት ውን ህሉው እንተኾነ ንባህሊ ኣሰራርሓና ፍጹም ኣብ ዝቕይር ሓዲሽ ህይወት ግን ኣይኣተናን ዘለና። ካብ ሳንዱቕ ዝለመድናዮ ባህሊ ኣሰራርሓ ክንወጽእ ኣይከኣለናን ዘለና።

ኣብ ሕ/ሰብና ለውጢ ከነምጽእ ንቃለስ ካብ ሃለና ኣብ ኣሰራርሓና ለውጢ ከነተኣታቱ ክንጽዕር ኣለና።ብሓደ ወገን ነቲ ካብ ሕ/ሰብናን ድሕር ባህልናን ዝወረስናዮም ኣሰራርሓታት እና ተቓለስና በቲ ካልእ ወገን ውን ነቲ ካብ ሓርነታዊ ተጋድሎና ዝወረስናዮም ኣሉታዊ ኣሰራርሓ ክንቃለሶም ኣለና። መሪሕነትና፡ ካድራትና ኣባላትና ብሓዲሽ ኣሰራርሓ ክስልጥኑ ክንቃለስ ኣለና። ኪኢላታትን ምሁራትን ውን ኣብዚ መዳይ እዚ ደገፎም ከበርክቱ ይግብኦም እዩ። ሓጸርቲ ንኣሰራርሓ ዘማዕብል ኮርሳት ዝርከበሉ መደባት ክስራዕ ይግብኦ።

ኣብ ምምዕባል ኣሰራርሓና እቲ ቀንዲ ትኽረት ክግበረሉ ዘለዎ ኣቲ ዝምድና መራሕትን ተመራሕትን ኣዩ። እዚ ዝምድና እዚ ህይወት ብዘለዎ መንገዲ እንተዘይተሰሪዑ ኣድማዒ ስራሕ ክስራሕ ኣይክእልን እዩ። ጠባይ ኣዛዝን ተኣዛዝን ዘለዎ ወተሃደራዊ ስነ ስርዓት ንወተሃደራዊ ስራሕ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ኣቲናዮ ዘለና ሓዲሽ ፖለቲካዊ መድረኽ ዘገልግል ኣሰራርሓ ግን ኣይኮነን።ሕጂ ዝጥለብ ዘሎ ሓዲሽ ቅዲ ኣሰራርሓ እዩ። ኣብ ንምእኩልነትን ዲሞክራስያውነት ዘዕግብ ቅርጺ፡ ምዕቡል ስነስርዓት ሃኒጽካ ኣብ መንጐ መራሕትን ተመራሕትን ዝርከብ ዝምድና ኣብ ክብ ዝበለ ምርድዳእ እተምስረተ ክኸውን ኣብርቲዕካ ምቅላስ ኣዩ።

ነቲ እዛዊ ኣሰራርሓ ክነጽጐ ከለና ግን ነቲ በንጻሩ ዝለዓል መሰረታት’ዩ ወሳኒ ዝብል ዘየዓውት ኣሰራርሓ ውን ብጥቃቐ ክንምልከቶ ይግባእ። መሰረታት ወሳኒ ዝኾነሉ ቦታት ብሕጊ ንጹር ክኸውን ይግብኦ። ሕጋዊ መሪሕነት መሪጽካ እናተንቀሳቐስካ ግን መሰረታት’ዩ ወሳኒ እልካ ንግደ እቲ ብሕጊ እተመርጸ መርሕነት ከተግድፍ ምፍታን ፍጹም ፍቑድ ክኸውን የብሉን።እዚ ናብ ሕጊ ኣልቦነት ገጹ ዝወስደና ኣስራርሓ ስለ ዝኾነ ብጥንቃቐ ክርአ ዘለዎ እዩ።

ኣሰራርሓና ኣብ ምዕዋት ዕላማና ወሳኒ ተራ ስለ ዘለዎ ዘመናዊ መልክዕ ሒዙ ብቐጻሊ ክምዕብልን ክሕደስን ኣበርቲዕና ክንቃለስ ኣለና።

5-     ሓዲሽ ሰልፊ ብዝቐልጠፈ ይቑም።

ነቲ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት ድሕሪ ምምርማርና፡ እቲ ኣብዚ መድረኽ እዚ ዝጓነፍና ዘሎ ሽግራት ኣመራርሓን፡ ኣስራርሓን ብዝግብእ እንተተመልኪትና ንህሉው ቃልስና ዝሰማማዕ ሓዲሽ ዝምድናታት የድሊ ምህላው’ዩ ዘመልክተልና። ወይ ውን ብኻልእ ኣዘራርባ ዝምድናታትና ብሓዲሽ መልክዕ ክስራዕ ከምዘድሊ’ዩ ዘርእየና። ብዘይቀልዓለም ክንዛረብ፡ ብምዕቡል ኣተሓሳስባ እተዓጥቀ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ከይፈጠርና ንሃገር ዝመርሑ መራሕቲ ክንምልምል፡ ኣስራርሓና ከነጽፍፍ፡ ዝምድናታትና ናብ ዝለዓለ ዘተኣማምን ደረጃ ከነሰጋግሮ ዝካኣል ኣይኮነን።

ንህልው ቃልስና ብብቕዓት ንምምርሑ ይኹን ነቲ ድሕሪ ምልጋስ መላኺ ስርዓት ክንምስርቶ ዘለና መንግስቲ ብጉብእ ንምድላው፡ ምቛም ሰልፊ ወሳኒ እዩ። ነዚ ክቐውም ዘለዎ ሰልፊ ድማ ካብ ጸቢብ ሕሳባት ወጺእና ብዘተኣማምን መንገዲ ክንገብሮ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኣቐዲም ኣቢልና ዝጠቐስናዮ ዓወት ዓወት ዓወት ዝብል ኣተሓሳስባን ኣሰራርሕና ከኣ ነዚ ሓዲሽ ፖርቲ ክንምስርት እንገብሮ ዘለና ዘይተሓለለ ቃልሲ ከሰኒ ዘለዎ ኣተሓሳስባ እዩ። ብጀካ እዚ ነቲ ጥሩፍ ኣረኣእያታት ኣንዳ ኣረምና ንፖለቲካ ሳልሳይ ምርጫ እናማዕበልና ምትእምማንና ናብ ዝለዓለ ደርጃ ከነብጽሖ ይከኣል እዩ።ከምዚ ዝመስል ናይ ኣተሓሳስባን ግብርን ውህደት እንተድኣ ኣረጋግጺና ከኣ ኣብ ሓደ ሰልፊ ተጠርኒፍና  ንኸይንቃልስ ዝዕንቅፍ ክህሉ ኣይግብኦን እዩ። እንተተረኽበ ውን ተላዚብና ክንፈትሖ ዘኽእለና ብቕዓት ከምዘለና እየ ዝኣምን።ምኽንያቱ ሎሚ ትማሊ ኣይኮነን። ዝኣክል ትምህርቲ ቀሲምና ከምዘለና’የ ዝኣምን።

6-     ንጥቕሚ መን ዝሕለቕ ፖርቲ ይኹን?

   ገለ ኣሕዋት ሓድሽ ፓርቲ ክቐውም ትደፍኡ ኣለኹም፡ እዚ ክቐውም እትሓስብዎ ፓርቲ ነየኖት ደርብታት ዝሕለቕ ክኸውን’ዩ ኢሎም ዝሓቱ ኣለው። እቲ ውሳኔ ንኣባላት ኣቲ ዝምስረት ፖርቲ ዝግደፍ እዩ። ብርእይቶና ግን እቲ ዴሳዊ ዶ ርእሰማላዊ ዝብል ምርጫን ወጣሪ ሕቶን ትርጉም ስኢኑ እዩ። ምጣነ ሃብቲ ዕዳጋ ኣብ ዓለምና መተካእታ ዘይብሉ ስርዓት ኮይኑ እዩ። ስለዚ እቲ እንምስርቶ ስርዓት ርእሰማላዊ ምዃኑ ውሁብ እዩ። ኤርትራውያን ሃብታማት ሃብቶም ኣዋፊሮም ብነጻ ዝነብርሉ ኩነታት ክፍጠር እዩ። ነዚ መስርሕ እዚ ምዕንቃፍ ንምዕባለ ህዝቢ ኤርትራ ምዕንቃፍ እዩ። እቲ ርእይቶና ነጻነት ዕዳጋ ክህሉ እናተቓለሰና ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝመስል ስርዓተ ምጣኔ ሃብቲ ንድኻ ህዝብና ካብ ድኽነት ክወጽእ ምቅላስን ንጥቕሚ ድኻታት ምጥባቕን ምክልኻልን እዩ። ብርግጽ እዚ ዝያዳ ዝርዝር ከምዘድልዮ ኣይሰሓትኩዎን፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ከምነብሱ ዝኸእለ ኣርእስቲ ክንዛረበሉ ተስፋ ይገብር። ንድኽነት ምቅላስ፡ ንድኻታት ምሕላቕ ዝብሉ ኣምራት ግን ምስቲ ክላስካዊ ዘየፍራይ ትርጉሙ ከይተኣሰሰር ከጠንቅቕ ይፈቱ። ንድኽነት ምቅላስ ይኹን ንድኻታት ምሕላቕ ዝብል ኣምር፡ ነቲ ምጣኔ ሃብታዊ ፍልልይ ንምጽባብን ነቶም ኣብዝተሓተ መነባብሮ ዝርከቡ ክፍልታት ነብሶም ኪኢሎም ኣብ ዓለባ ምጣኔሃብቲ ዕዳገ ኣትዮም ብቕዓት ዝረኽቡሉ ኩነታት ንምፍጣር ምቅላስ ምዃኑ ርዱእ ክኸውን ይግብኦ። ነዚ ድሕሪ ምብርሃይ ንኹሉ እቲ ዘልዓልኩዎ ነጥብታት ብሕጽር ዝበለ ክድምድሞ ኣፍቁዱለይ።

 መደምደምታ

ካብ ቀይዲ ሕሉፍ ተሞክሮ ወጺእና ንህሉው መድረኽ ዝሰማማዕ ሓሳባት ከነማዕብል መድረኽ ይሓተና ኣሎ። ቅኑዕን ሓዲሽን ሓሳባት ተዓጢቕና ነቲ ኣብ ሃገርና ክንሃንጾ እንደሊ ስርዓት ዝመስል ፍትሓውን ዲሞክርስያውን ህዝባዊ ስልፊ እንምስርተሉ እዋን ከኣ ጽባሕ ዘይኮነ ሕጂ እዩ። እቶም እተወደብና ይኹን ዘይተወደብና ኤርትራውያን ብህጹጽ ተላዚብና ንህዝብና ዋሕስ ዝኸውን ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ተሎ ኢልና ክንምስርት የተሓሳስብ።

ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ እንዳመስገንኩ፡ የቐንየለይ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3495

Posted by on Jan 27 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net