ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ኣብ ሃገራዊ ፍታሕ ስጉምቲ ንቅድሚት

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

ዕለት 28 ለካቲት 2010

ሰ.ደ.ህ.ኤ ኣብ ሃገራዊ ፍታሕ ንቕድሚት ሰጕሙ ኣሎ፡ እዚ ሰልፊ እዚ ብዘይዕግበትን ተባዕ ድሌት ሓድነትን  ናይ ኣባላት ሓድነት ዝዀኑ ውድባት ከኣ ክውን ኣይምነበረን።

ንጉዳይ ፖለቲካዊ ፍታሕ ኤርትራ፡ ኣብ ሓደ ዝተተቀረበ ኣረኣእያን፡ ብዝሓየለ ስርዒትን ኣተሃላልዋን ኣረጋጊጽካ፡ ናይ ቃልሲ እጃም ብምብርካት፡ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣሊኻ፡ ሰላምን ራህዋን፡ ፍትሕን ሕግን ዝነገሳ ኤርትራ ክትህሉ ኣለዋ ዝብል ኣውራን እዋናውን ኣተሓሳስባ ራእይ መጻኢ መላእ ተቃውሞ ብፍላይ ከኣ እተን ብዕለት 1 ጥሪ 2010 ኣብ ሓደ ሰልፊ ዝሰመራ’ዩ፡ ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ መደብዮን፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ መሪሕነት ኮይነን ክቃለሳ ዝመረጻን፡ ንምርጫታትን ክውን ክገበራ፡ ሰልፍታትን ውድባትን ብድሌትን ጻዕርን፡ ብዘይሕለል ቃልሲ ኣብ ብምምስራት ሓድሽ ሰልፊ ሰ.ደ.ህ.ኤ ዝበቕዓ’የን።

ደቂ ሰባት፡ ኣብ ጉዕዞ ዝሓለፍዎ ሂወቶም ፡ ናይ ታሪኽ መስመር ደጊሙ ኣይግሃድሎምን’ዩ። ሰባት ኣብ’ቲ ዘካይድዎ ዘይሕለል ቃልሲ፡ ድሌትን ባህግን ተወሲኽዎ መጻኢ ብሩህ ራእይ ንምርግጋጽ ዝስርትዎ ርትዓዊ ናይ ቃልሲ ጎደና፡ ኣብ ኣተሓሳስብኦም ዝቐርጽዎ ግሉጽነት፡ ንህዝባዊ ሃገራዊ እምነት ጸጋን ሓጎስን’ዩ።

ሰ.ደ.ህ.ኤ ንምምስራት፡ ዝተኻየደ ኣኼባታት፡ ዝተጻሕፈ ጽሑፋት፡ ዝተኸየደ ናይ ግዜን ኣካላዊ ጉዕዞ ቀሊልን ሓጺርን ኣይነበረን። ምኽንያቱ ከኣ ነቲ ንሰ.ደ.ህ.ኤ ዘቅውም ሓይልታት ብሓባር ክሰርሕ እንተደኣ ኮይኑ፡ እቲ ኩሉ ባላ ሓድነት ዝዓግበሉን፡ ዓጊቡ ከኣ ነቲ መስመር ጉዕዞ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ከዕውተኒ ዝብሎ፡ መትከላቱ ብዕግበት ክከላኸል ከኽእሎ ምስ ዝኸውን ጥራሕዩ።

እዚ ንህዝቢ ኤርትራን ፈተውቱን ዘበሰረ ሓድነት ኣርባዕተ ኣካላት ደጊም ሓደ ኮይኑ ኣሎ። ነቶም ንድሕነት ህዝቢ ዝተቃለሱን ዝቃለሱን ዘለዉ ደሞክራሲያውን ሓይልታት ኩሉ ጾር ናይ በበይንኻ ጉዕዞ ተስፋ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንተስፋታቱ ክውን ንምግባር ገገለ ብጭቡጥን ርኡይን ንቅድሚት ገጹ ስጉምቲ ከም ሰጎመ መጠን፡ ሓደን ፈላም ምዕራፍ ታሪኽ ኣብ ደመበ ተቃውሞ፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዛዚሙ።

እዚ ታሪኻዊ ምዕራፍን፡ ናይ ሓድነት መድረኽ ግን ኣኺልዎ ኣይበሃልን፡ ግን ተምሳል፡ ኣካይዳ፡ እምነት፡ ዕግበት ናይ’ዚ ሓድነታዊ ጉዕዞ ዝተኸተለ፡ ኣብ ዝመጽእ እዋን ሓደ ጥራሕ ዘይኮነስ ተደጋጋሚ ካብ’ዚ ናይ 1 ጥሪ 2010 ብስራት ሓድነት፡ ካብ ኣርባዕተ ንላዕሊ ዝተጸነበርኦ ሓድነት ክንርኢ ዘይከኣል ኣይኮነን።

እቲ ኣብ መጻኢ ዝግበር ሓድነት ሓይልታት ተቃውሞ ግን ግድነት ኣይኮነን፡ ምስ ሰ.ደ.ህ.ኤ ጥራሕ ክኸውን፡ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ኣብ ክሊ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝጠራነፉ ፍትሓዊ ራእይ ዝወነነ ምዃኑ ጥራሕ ኣኻሊ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ተቃውሞ ሓይልታት ብፍላይ፡ ተበታቲኑ፡ ፋሕፋሕ ኢሉ፡ ኣብ ጉዕዞ መስርሕ ቃልሲ ህንጸት ደሞክራሲ ከድምዕ ዘይምኽኣሉ ናይ’ዚ ዝሓለፍናዮን ክንሓልፎን ዝጸናሕናን ውጽኢቱ ኣውራ ምስክር’ዩ።

ሰ.ደ.ህ.ኤ ንምምስራት፡ ዝተገብረ ሕድገት፡ እቶም ኩሎም በብወገኖም ናይ ዝተቃለሱሉ መደባት፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘዕወትዎም መድረኻት ስለ ዘይነበሮም ኣይኮነን። ዝተቃለሰሎም መደባት ዘዕወቶም ፍረን ታሪኽን ነይርዎም’ዩ። ኣብ በበይኖም ግዜያት፡ ኣብ በበይኖም ውድባት ነይርዎም’ዩ። እዚ ኣብ ቦትኡ እንዳሀለወ ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኩሉ ኣብ ወውድቡ፡ ኣብ ሰሰልፉ ዘመዝገቦ ዓወታት፡ ኣብ ሕሉፍ ከም ታሪኽ ኣስፊሩ፡ ፍልልያቱ ኣመዓራርዩን፡ ሕጂ ንመጻኢ ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ፡ ሓንቲ ደሞክራሲያዊት፡ ፍትሓዊት ብናይ ሕጊ ልዕልነት ትግዛእን ትመሓደር ሃገር ንምህንጻ እንምታይ ይገበረ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ ብሓደ ንኩሉ ኣብ’ቲ ስምምዕ ዝእተወ ሓይልታት ዝውክል ራእይ ብዝንደፍ ሓባራዊ ቅዋምን፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን፡ መሪሕነትን ንምቋም ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ማዕረ እቲ ዝተረኽበ ጸጋ ሓድነት ኮይኑ’ዩ።

ብካልእ ኣዘራርባ፡ ሓድሕድ ምክብባር ዘርኣዮ ታሪኻዊ ሕድገት ዝፈጠሮ ናይ ፍታሕ መደያይቦ ቃልሲ በቲ ሓደ ሸነኽ ብቀሊሉ ዝረአ ኣይኮነን። ሎሚ’ውን ሰ.ደ.ህ.ኤ ዘይዕጸፈሉን፡ ደጋጊሙ ዝዛረበሉን፡ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ሓድነታዊ ተቃውሞ ሓይልታት ከም ማእከላይ ፍታሕ ዝርእዮ፡ መንገዲ ዓወት ኣብ ምእላይ ምልካዊ ስርዓት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሰላም ዝሰፈና ሃገር ምምስራት ማዕዶ ኣሰጋጊሩ ናይ ነዊሕ ጠመተ ዘቐመጠ ራእይ’ዩ።

ሎሚ’ውን ከም’ዚ ዝሓለፈ ሓድነት ውድባት፡ ነቲ ሓደን ክልተን ዘይብሉ ድሌትን ባህግን ኩሉና ከነስምሮን ከነረጋግጾን፡ ሓያል ቃልሲ ዝሓትት፡ ምትእምማን ዝሓትት፡ እምነትን ሕድገትን ናይ ዘለዎ ተባዕ መርገጽ ዝሓትት ኣብ ኢድና ዘሎ ፍታሕ’ዩ። ህዝብና ብህ.ግ.ዲ.ፍ ቅሳነት ኣይረኽበን፡ ግን ካብቲ መብጽዓ ዝተጠለሞ ወጺኡ፡ ብዕግበት ቃልስና ክድበስ፡ በቲ ነካይዶ ቃልሲ ክኣምንን፡ ንፍታሕዊ ርትዓዊ ክቡር መሰሉ ከረጋገጽ ኣብ መስርሕ ቃልስና ፍልልይ ዘይብሉ ቀሲኑ ምሳና ሓቢሩ ክሳለ ዘኽእሎ ባይታ ክንፈጥረሉ እዋናዊ ጠለብ መድረኽ ፖለቲካ፡ ኣህጉራዊ ኩነታት ዞና’ውን’ዩ።

ሓድነት ህዝቢ ይረጋገጽ

ክንዕወት’ና

Short URL: https://english.farajat.net/?p=354

Posted by on Mar 1 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net