ጸብጻብ ናይ’ቲ ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ወዲ ገራህቱ

[cincopa AgEA3eq2HDcJ]

ብቀዳም ዕለት 19/02/2011 ኣብ ከተማ ሸፊልድ ብተቐማጦ እታ ከተማ ዝተወደበን ዝተጸውዐን ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዕሱብ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተጸውዐ ኣኼባ ተኻይዱ ነይሩ። እንተኾነ ግን ብመንጽር ካብ ሞንጎ ልዕሊ 1200 ተቐማጦ እታ ከተማ ክርአ ከሎ ሒደት ዚተሳተፍዎ ኣኼባ ኢዩ ኣካይዱ። ዕላማ ናይ’ቲ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ብቐንዱ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዚካየድ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላት ምግሃስ ንምኹናን፣ ግዝኣተ ሕጊ ክትግበርን ዲክቶታርነት ከብቅዕን፣ ፍትሕን ዲሞክራስን ክነግስን ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ዝጠልብን ዝጽውዕን ኢዩ ነይሩ። ብተወሳኺ ነቲ ድሮ ኣብ ከባቢናን ዞባናን ማለት ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓል ኣንጻር መለኽቲ ስርዓታት ንሕና ‘ውን ተመሳሳሳሊ ምልዕዓላት ክንገብርን መለኽቲ ተሰዓርቲ ምዃኖም ንምርግጋጽን ንኻልኦት ኤርትራውያን ኣብነት ንምዃንን ንምትብባዕን ኢዩ ነይሩ። ካልእ ነቶም መብዛሕትኦም ብስሳዐን ብጠቕሞምን ተታሊሎም፣ ገለ ድማ ብየዋህነቶም ሕልንኦምን ሃገራውነቶም ሸይጦም መጋበሪ እቲ ስርዓት ዚኾኑ ኣብ ህዝብን መንግስትን ትካላትን ዓባይ ብሪጣንያ ንምቅላዖምን ከም ‘ውን ደረጃ ንቕሓትን ሓበሬታ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ክብ ንምባልን ኢዩ። ከም’ቲ ልሙድ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ መጸዋዕታ ኣብ ነጻን ጥቁዋትን መርበባት ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሃንን ኤርትራውያን ተዘርጊሑ ነይሩ። ብተመሳሳሊ ‘ውን ኣብ ጋዜጣታት Telegraph፣ The Starን city of sanctuaryን ካልኦትን ዚተባህላ ጋዜጣታትን ናይ ሓበሬታ መራኸቢ ብዙሃንን ነቲ ዜና ኣቃሊሐንኦ ነይረን። በዚ ምኽንያት ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሓጺር እዋን ነዚ ሃገራዊ ጻውዒት ሰሚዖም ብውልቅን ብጥርኑፍን ካብ ከተማታት በርሚንግሃም፣ ሊድስ፣ ሃደርስፊልድን ሎንደንን ከም ‘ውን ክሳብ ካብ ዌልስ ዝኣክል ተጓዒዞም ምእንቲ ድምጺ ናይ ውጹዓት ከስምዑን፣ ንፍትሕን ዲሞክራስን ንምንጋስ ክጽውዑን ኣብ ቦታ ሰላማዊ ሰልፊ ብእዋኑ በጺሖም። ብዘይካ እዚ ተደናገጽትን ሓለይትን ተጣበቕትን ሰብኣውን መሰል ስደተኛታትን እንግሊዛውያን ጋዜጠኛታትን ተረኺቦም ነይሮም። ብተወሳኺ ምስ ሰልፈኛታት ንምድግጋፍ ዚተፈላለዩ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዝኾኑ ኣሕዋት ተጸንቢሮሞም፣፣ እቲ ምኽንያት ቀዳማይ እቲ ሕቶን ጠለብን ሰልፈኛታት ህሉው ኩነታት ዘምጾን መድረኽ ዝጠልቦን ግዚኡ ዝኣኸለ ናይ ንፍትሕን ዲሞክራስን ክነግስን ዲክታቶርነት ከብቅዕ ዝጽውዕ ብምዃኑ። ብኻልኣይ እቶም ተደናገጽቲ ብዉዕዉዕ ስሚዕት፣ ተገዳስነት፣ ተወፋይነትን ዲሲፕሊንን ናይቶም ሰልፈኛታት ስለዝመሰጦም። እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብዉዕዉዕ ድምጽን ድሙቕ መንፈስን ኣብ ቅድሚ ቀንዲ መእተዊ ኣፍደገ ናይቲ ናይ ኣኼባ ህንጻ ኢዩ ዝካየድ ነይሩ ካብ ዝጅመር ክሳብ ዝውዳእ። ብኣንጻሩ ግን እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ርእሶም ኣድኒኖም ነፍሰ ተኣማንነት ብዝጎደሎ ኣገባብ ክኣትዉ ናብ ኣኼባ ኢዮም ተራእዮም። ናይ’ዚ ቀንዲ ጭብጢ ድማ እቲ ውርደተኛ ዕሱብ ኣምባሳደሮም ወዲ ገራህቱ ተሓቢኡ ብድሕሪት ናይቲ ህንጻ ክኣቱ ከሎ ተራእዩ። እዚ ምስ ኮነ ሚስተር ሮበርት ስፑኒ ዝተባህለ እንግሊዛዊ ኣቦ መንበር ኣሲስት (Assist) ዝተባህለት ንመሰል ሓተቲ ዑቕባ ትተሓጋገዝ ማሕበር፣ ብስም ህዝብን መንግስትን ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ምድግጋፍ ቃል ንሰልፈኛታት ኣስሚዑ። ቀጺሉ እቶም ሰልፈኛታት ፍቓደኛታት እንተደኣ ኮይኖም ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ እኼባ ኣዳራሽ ኣትዩ ብኣካል፣ ብውልቂ ነቲ ዕሱብ ኣምባሳደር ረኺቡ ከዘራርቦ ‘ሞ መልእኽቲ እቶም ሰልፈኛታትን ከም ‘ውን መልእኽትን ርእይቶን ህዝብን መንግስትን ዓባይ ብሪጣንያ ክነግሮ በሎም። ነዚ ምስ ሰምዑ እቶም ሰልፈኛታት መርኣያ ናይ ምስ ሓሳቡ ምስምማዖም ብጣቒዕትን ፋጻን ገለጽሉ። ትሕዝቶ ዝርርቦ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ፣- ሚስተር ሮበርት ስፑኒ፣ “ ስለምንታይ ዝበዝሐ ክፋል ካብ ህዝብኹም (ኤርትራውያን) ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ? ብሰንኪ ጠንቂ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ብልሹው ምምሕዳር፣ ጌጋ ውሽጣውን ናይ ውጻእን ፖሊስትታት፣ ምግሃስ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ሰብኣውን መሰላት ኣማኢት ኣሽሓት ካብ ህዝብኹም ከም ሳዕቤኑ ይግፍዑ፣ ይሳቐዩ፣ ይእሰሩን ይሞቱን ኣለዉ። ከም ውጽኢቱ ብዓይንና ንርእዮ ዘለና ብሰንኪ ናይ ትኽተልዎ ዲክታቶርያዊ ጸቓጢ ምሕደራ ስደት ኣኸቲሉ። ከም ኣብነት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ብተመሳሳሊ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ዑቕባ ይሓቱ ኣለዉ። እንተኾነ ግን ሕጂ ምስ’ዚ ኣብ ከባቢኹም ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ፣ ጎረቤትኩም ጅቡቲን ማእከላይ ምብራቕን ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ዘበገሶ ምልዕዓላት ኣንጻር ምልካውያን ናባኹም (መንግስቲ ህግደፍ) ኣብ ሓጺር ግዜ ምልብዑ ወይ ምልሓሙ ኣይተርፍን ኢዩ። ከም ህዝብታት ዓለም መጠን ሞራላውን ሰብኣውን ግዴታን ሓላፍነትን ሰለ ዘለና ‘ሞ፣ ኣብ ዓድኹም ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብሰላማዊ መንገዲ ምእንቲ ንህዝብኹም ከተረክቡ፣ ንሕና ከም ህዝብን መንግስትን ዓባይ ብሪጣንያ ብኸመይ ክንሕገዘኩምን ክንትሓባበረኩምን ትደልዩ። ኣነ ብወገነይ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኒክ ክሌግ ክዘራረብ ኢየ። ንስኻ ‘ውን ከም ዲፕሎማት መጠን ንፕረሲደንትኻ ሓብሮ” በሎ። እቲ ዕሱብ (ወዲ ገራህቱ) ብወገኑ “ እዚኦም ናይ ኢኮኖሚ ስደተኛታት ኢዮም” ብምባል መለሰሉ። ሽዑ ሚስተር ስፑኒ፣ “ ኣይትሓስወኒ! ሕልና እንተለካ ሕልናኻ ትሕሱ ኣለኻ ይብለካ ይህሉ። ግን ሓደ ነገር ከረጋግጸልካ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ምስ ዝመጽእ ንስኻን ካልኦት ኣባላት መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ቀሪብኩም ክትፍረዱ ኢኹም። ብተወሳኺ ድማ ንብረትኩምን ገንዘብኩምን ክድስክልን ክህገርን ጥራይ ዘይኮነ ንስኹም ‘ውን ናይ መዋእል ፍርዲ ኣብ ማሕቡስ ይጽበየኩም ኣሎ። ስለዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንመዋእል ክትሕየር ትደሊ ኣይመስለንን። ደሓር ከኣ ካብ ኣህጉራዊ ሕጊ ኣምሊጥኩም መሕብኢ የብልኩምን፣፣ እንተኣምሊጥኩም ‘ውን ዋላ ካብ ትሕቲ ኣእማን ፈንቂልና ኣውጺእና ኣብ ፍርዲ ከነቕርበኩም ኢና” ኢሉ ኣጠንቀቖ። ሽዑ ንሽዑ ወዲ ገራህቱ ስለ ዝሰንበደ መልሲ ስኢኑ “ ይኣክል! ኣይዛረበካን ኢየ” በሎ። ካብኡ ብቐጥታ ሚስተር ስፑኒ ናብ ሰልፈኛታት ተመሊሱ፣ “ እዚ ኣምባሳደር ኣይኮነን፣ ናይ ዲፕሎማት ደረጃን ብቕዓትን ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኸብክዎን” ክብል ገለጾ። ብድሕሪ እዚ ናይቶም ሰልፈኛታት ድምጺ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ይኩሕኩሕን ይስማዕን ብምንባሩ፣ ነቲ ዕሱብ ጸማም ኣምባሳደርን ነቶም ሕልና ዘይብሎም ማሕይኡን ብስርዓት ኣንቀጥቀጦምን ኣርዓዶምን። በዚ ምኽንያት ገለ ካብ ኰራኩሩ ንታሕቲ ወሪዶም እናተመላለሱ ነቶም ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ “ በጃኹም ነዞም ሰልፈኛታት ሱቕ ኣብሉልና፣ ድምጾም በርቲዑ ንኣምባሳደርና ይርብሾ ኣሎ” ይብልዎም ነበሩ ። እንተኾነ ብወገን እቶም ፖሊስ፣ “ እዞም ሰልፈኛታት ሕጋዊ ዲሞክራስያዊ መሰሎም ተጠቒሞም፣ ብሰላም ሓሳቦም ይገልጹ ስለ ዘለዉ፣ ኪዱ ጥራይ ንስኻትኩም ናብ ኣኼባኹም እተዉ። ኣይኮነን ግን እንድሕር ደኣ ናብኦም ቀሪብኩም ኣኼባኹም ተቛሪጹ ብሓይሊ ፖሊስ ከነልቅቐኩም ኢና” በልዎም። ነዚ ምስ ሰምዑ ከም ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ኮይኖም ናብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ተመሊሶም ኣብ ሑቕፊ ወዲ ገራህቱ ኣተዉ። ዕሱብ ወዲ ገራህቱ ካብ’ቲ ዝተባህለ ምጅማር ኣኼባ ሰዓት 2፣00 ድ.ቀ. ደንጉዩ ሰዓት 4፣00 ድ.ቀ. ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ። ብመጀመርታ 4 ነጥቢ ዘይብሉ ብዘይ ዕረፍቲ ንልዕሊ 2 ሰዓት ዝቐጸለ ሃለውለው ዘረባ ኢዩ ኣብዚሑ። ንሱ፣ “መንግስቲ ኤርትራ ዓቢ ቁጠባውን ማሕበራውን ዓወታት እናመዝገበ ንከም በዓል ቀጠር ዝኣመሰላ ሃገራት ብልዕሊ 17% ቁጠባዊ ዝላ (ዕብየት) ክብረ ወሰን ብምምዝጋብ ከም ዝሓለፍናየን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ክኢላታት ዓውደ ቁጠባ ዓለም ከይተረፉ መስኪሮም” እናበለ ተጃሂሩ። ቀጺሉ “ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፋሓር ዘሎ ወርቅን ካልእ ማዕድናትን ፍቓድ ንምርካብ ክሳብ ሕጂ 22 ኩባንያታት ዕደና ሓቲተን ኣለዋ። እንተኾነ ግን ንህዝብናን ንመጻኢ ወለዶታትን ብምሕላይ ንኹለን ፍቓድ ኣይክንህበንን ኢና። ምኽንያቱ ንኹሉ ማዕድናትና ከም ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጓሕጊሐን መዝሚዘን ከይውድኣልና ምእንቲ ብምሕላይ” ክብል ብኣቃጫጭ ተዛሪቡ። ኣስዒቡ ንኹሉ ድኽመታትን ብልሽው ምምሕዳርን ስርዓት ህግደፍ ንምሽፋን፣ እንደገና ከም ኣመሉ “ኣሜሪካ ኣሜሪካ” ደጋጊሙ እናበለ ደኣ እዚ ጸማም ዕሱብ፣ ንባዕሉ ጸሚሙ ነቶም ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ክሳብ ዝስልችዎም ኣጽመሞም። ካልእ ‘ውን በጃኹም ካብ መንግስቲ ኤርትራ ብርኪ ናይ ወርቂ ግዝኡን እተዉን” ክብል ብተደጋጋሚ ለመኖምን ተማሕጸኖምን። ኣብ መወዳእታ ናይ ሓሶት መደርኡን መግለጺኡን ነቶም ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ዝመጹ መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ነበር ንምትላል፣ “ በጃኹም ድርብ ጌጋ ኣይትግበሩ። ብመጀመርታ ካብ ህዝብኹም፣ ሃገርኩምን መንግስትኹምን ሃዲምኩም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዑቕባ ብምሕታትኩም። ብካልኣይ ከኣ ናይ ጣዕሳ ፎርም ንክትመልኡ ብዘይ ምትሕብባርኩምን። ስለዚ ኣመላልኣ እታ ፎርም ከርእየኩም ሕጂ እንተደሊኹም” ብምባል መመሊሱ ጻዕዳ ፎርም ዊጥ-ዊጥ እናበለ ኣሸገሮም። ካብቲ ዘገርም ሓደ እኳ ንፈውሲ ማሕላ ዝኸውን ካብ መንጎ እቶም መጋበርያኡ ዝኾኑ ሕልና ኣልቦ የውሃት መንእሰያት ኣሚኑ ዝመልኣሉ ኣይተረኽበን። ካብ መንጎኦም ከይቃወሙዎ ብምስጋእ ድማ ነቶም ኣብ ደገ ኮይኖም ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ዘለዉ “ብሓደ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ዝተሳተፈን 2 ተቓወምቲ የዕርኽቱ ኮይኖም ምስ ሱዳናውያን፣ ሶማላውያንን የመናውያንን ካልኦት ዜጋታትን ኣኻኺቡ ኢዩ ዘካይዶ ዘሎ” ክብል በቲ ዘይሕለል ሕሱር ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንድኡ ደርጎሓሎም። ከም ዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘውጻናዮ ጋዜጣዊ መግለጺ እዚ ሕሱር ዕሱብ ወዲ ገራህቱ ኣቐዲሙ ንግሆ ሽዑ መዓልቲ ምስ ገለ የውሃትን ሕልና ዘይብሎምን መጋበርያ እቲ ስርዓት ዝኾኑ ሰባት፣ ብከም ዳኒኤል ግርማይን ዮናስ (ፓሳኖ) ሰሎሙንን ዝተወደበ ምስጢራዊ ኣኼባ ኣብ ውሽጢ ሆሊ ፋሚሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከተማ ሸፊልድ ኣካይዶም ምንባሮም ኢዩ። ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ ሲስተር ኣይሊን ኪቲንግ ዝተባህለት ኣካያዲት ሆሊ ፋሚሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሸፊልድ ኮነ ኢላ ብፍላጥ ብምትሕብባራ ብዝተፈላለዩ ወገናት ብብርቱዕ ተኾኒና። እቲ ተግባራታ ንናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሞራላውን ሰብኣውን መትከላት ዝጻረርን ዝጥሕስን ብምዃኑ ኢዩ። ከም ኣመሉ ሕሱር ውርደተኛ ወዲ ገራህቱ ምስ ዉሑዳት ኰራኩሩ ኮይኑ ንድኻታት ተባሂሉ ዝተለገሰ መግቢ ክሳብ ሻሓኒ ዘልምጽ እናተቛደሰ ኣብ ቤት ውሽጢ እቲ ቤት መቕደስ ኮይኑ መን እንታይ ይብል፣ መን እንታይ ይሓትት፣ ካልእ ነቲ ኣኼባ ዝኸውን ቅድመ ምድላው ናይቲ ሰይጣናዊ ትልሙን ውዲቱን ኣብኡ ኮይኑ ድሮ ወዲኦሞ ናብቲ ናይ ሰዓት 2፣00 ድ.ቀ. ኣኼባ ኢዮም ዝመጹ። ካብቲ ዘደንጹን ዘገርምን ድማ ዋላ እኳ መግደፍ ናይቲ ቤተ ክርስትያን በሊዑ እንተመጸ ኣይተፈለጥኩን ኢሉ ብምሕሳብ ኣብ መንጎ መደርኡ “ንዝኾነ ሃይማኖታት ኣብ ኤርትራ ኣፍንጫና ክሃርማና ኣይንፍቅድን ኢና” በለ። እቲ ዘሐፍር ግን ካብ መንጎ እቶም ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ሃይማኖት ተኸትልቲ ኢና በሃልቲ እኳ ዝብሉ እንተኾኑ ኣብ ደገ። ግን ከም ሰብኡት ተንሲኦም ንኣብነት “እቲ ጳጳስና ክቡር ወቅዱስ ኣንጦንዮስ ደኣ ናይ መን ኣፍንጫ ሃሪሞም ኮይኖም ኢዮም ብዘይ ፍትሒ ተሓይሮም ዘለዉ ንዓመታት?” ኢሉ ብድፍረት ዝሓትት ተሳኢኑ። ምጽኣት ኣለም! ብዝኾነ ገለ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት፣- ካብተን ንተኸታታሊ 4 ግዜ መጺኡ 4 ግዜ እናተደጋገመት ተኸኽ ዘበለቶ “ ኣብ ዓድና እንተተመሊስና እንታይ ከጋጥመና ይኽእል? እንታይ ‘ከ ውሕስነት ኣለና?” ምስኪናይ ዕሱብ ወዲ ገራህቱ ደሓን ይእቶ ሎምስ ጸሚመ እዝነይ ሓሚመ ኢሉ ከየመኽነየ፣ ብድንጋጸ ምስኪንኪን እናበለ “ ኣይትፍርሑ፣ ኣነ ክኸውን ኢየ ዋሕስኩም፣ ብተወሳኺ መሰነይታ ናይ ድጋፍ ወረቐት ክህበኩም ኢየ ምእንቲ ሽዑ ኣብ ኤርትራ ምስ ከድኩም እንተተሓቲትኩም ክተርእይዎም። ኣብ ዝመጽእ ግዜ ንኣኼባ ምስ ትጽዉዑኒ ሽዑ ኤርትራ በጺሖም ብዘይሽግር ዝተመልሱ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ነበር ሒዘልኩም ክመጽእ ኢየ። ካብ መንጎኦም ዝተመርዓዉን ሓያሎ ‘ውን ቢዝነዝ ካብ’ዚ ናብ ኤርትራ እናተመላለሱ ኣብ ምክያድ ይርከቡ ኣለዉ።” ኣስዒቡ ብኣስተንዕቖን ምንእኣስ ብዝተሓወሶ መንገዲ “ንስኹም እንታይ ‘ዶ ዝገበርኩሞ ገበን ኣሎ ኢዩ? ደይ ንሕና ነቶም ብረት ሓዲጎም ዝኸዱ ኢና ንኣስር” በሎም። እዚ ዘርእየና መዓስ ኮን ኢዮም እዞም ሕልና ኣልቦ ሰባት ንህግደፍ ዝኣምኑዎ። ይዝከረኒ ንመጀመርታ ግዜ እዚ ዕሱብ ኣብ ታሕሳስ 2007 ምስ ጭፍርኡ ከም ሳልሕ ጁኑቢ (ቆንስል ነበር)፣ ሓረጉ ል ቀሺ ሓላፊት ህግደፍ ግን ዲፕሎስያዊ ስርሓ ህዝባዊ ጉዳያትን ካልኦትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣኼባ ኣብ ሸፊልድ “ ሓያሎ ካብዞም ኣብዚ ኣኼባ ተሳተፍቲ ትግርኛ ስለ ብዙሕ ዘይርድኣና ትሕዝቶ ናይዚ መግለጺኻ ግዳ ብዓረብ ይተርጎመልና” ትብል ጠለብ ተላዒላ ነይራ። ሽዑ ዋላ እኳ ሳልሕ ጁኑቢ ትግርኛን ዓረብን ዝመልኽ እንተኾነ ክልቲኦም ውከልቲ ስርዓት ህግደፍ ቅሩብነት ኣየርኣዩን ነቲ ጠለብ ንምምላእ። ብድሕሪኡ ን4ይ ግዜ እኳ እንተመጸ ሕጂ ‘ውን እታ ሕቶ ተደጊማ ክንሳ ንብዙሕነትን ድሌትን ኤርትራውያን ዕሽሽ ብምባል ብዘይ ናይ ዓረብ ተርሚ እንደገና ብምምጽኡ መብጽዓኡን ስርሑን ኣየማልአን እዚ ድማ መገመቲኡ ኢዩ። ኣብ መዛዘሚ እቲ ኣኼባ ሓደ ጋሻ ግን ከኣ ተባዕ መንእሰይ ከምዚ ክብል ሓተቶ “ ስለምንታይ ኢኹም ካብ ህዝቢ ኤርትራ ነገራውን ሞራላውን ካልእን ሓገዝ ምስ ትደልዩ፣ እዚ ህዝቢ ስልጡን፣ ንቑሕ፣ ውፉይ፣ ፈታው ሃገሩ፣ ከይበልካዮ ባዕሉ ዝገብር፣ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ፣ ደቁን ካልእን ይህብ ,,,,, ወዘተ ኢልኩም ተሞጉስዎ። እቲ ህዝቢ ባዕሉ መሰረታዊ መሰል ምስ ዝሓትት ግን ተገምጢልኩም ብኣንጻሩ “ ህዝቢ ኤርትራ ገና ኣይነቕሐን ከም ኣብ ካልኦት ህዝብታትን ሃገራትን ዝርአ ናብ ውግእ ሓድሕድ ከየምርሕ ትብሉ” ኣቐድም ኣቢልካ ከም ዝገለጽካዮ ነተን ኣብ ኤርትራ ኣትየን ዘለዋ ኩባንያታት ድሌተን ከይገብራ ዝቕይድ ጽኑዕ ሕጊ ኣዳሊናን ኣርቂቕናን ውዕል ኣፈሪምናየንን ብኡ ከም ዝቕየዳ ገይርና ኢልካ። ህዝቢ ኤርትራ ‘ውን ተመሳሳሊ ሕገ መንግስቲ ወይ ቅዋም ምትግባር ኣየድልዮን ዲዩ?” ኣብ መንጎ እዚ ኩሉ ሕቶታት እናቕረበ ከሎ እዚ ተባዕ መንእሰይ ወዮ ኮራኩር ህግደፍ ዝኾኑ መንእሰያት እናፋጠጡ ዓይኖም ክድህልዎን ከቀርጹ ዘረብኡ ክንዕቅፉን ተራእዩ። ከም ሻሙ መቸም እቲ ዕሱብ ወዲ ገራህቱ ሸንኮለል እናበለ ዘረባ ከምዚ ክብል መለሰ “ ናትና ቀዳምነት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካል ዘይኮነስ፣ እንታይ ድኣ፣ መደባት ልምዓት ምዕዋት። ንኣብነት ኣይትርእይዎን ኣለኹም ኣብ ቲቪ ኤረ ክንደይ ቤት ትምህርትታት፣ ሆስፒታላትን ሆቴላትን ከም ዝሰራሕና” ክብል ዋላ እኳ እንተመለሰሉ ኣብ መንጎ እቶም ተሳተፍቲ ግዲ ገሊኦም ናይ ህዝብን ሃገርን ሊብያ ሃብቲ ኣዘኻኺርዎም ኮይኑ። እንታይ ንምባል ኢየ እቲ ሓሳዊ ዕሱብ ዝተጃሃሮ ኮንቱ ምኻኑ ንምግላጽ ኢየ ብመንጽር ሊብያ ርኢኻ። ምኽንያቱ ንሱ ንኹሉ ሰብ ከም ነብሱ ኣነኣኢሱ ስለ ዝረኣዮ፣ ሰብ ዝጥበር እንተዝኸውን ብኸብዱ ህዝቢ ሊብያ ኣይምተላዕለን ንመሰሉ ኣይኮነን ናይዚ ጸማም ሰሚዕና ንሕና። ብዝኾነ ንሎሚ ኣብዚ ይኣክል ክሳብ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ መዓልታት ምስ’ዚ ዝተኣሳሰር ብ “ቀንዲ ምኽንያት መማላለሲ ወዲ ገራህቱ ንከተማ ሸፊልድ እንታይ ምኻኑ?” ዝድህስስ ጽሑፍ ንልእኽ ምኻንና በዚ ኣጋጣሚ ቃል ንኣትወልኩም። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣቓልቦ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ብምስሓቡ ምስ ገለ ካብ ዝረኸቦ ሸፈነ www.thestar.co.uk/news/local/barnsley/ambassador_s_visit_opposed_1_3103072 ንግዚኡ ንሓድገኩም። ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒን ዲሞክራስን ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ሸፊልድ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3722

Posted by on Mar 5 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net